መረን ናይ መወዳእታ 23 ክፋል

// ኣጀሚሩ ዘፈጸመና ልዑል እግዚአብሔር ኣምላክ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣብ መረን ዘለኩም ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ርኢቶኹም ክትህቡና ብትሕትና ንዕድመ። ኣብ ቀጻሊ መንፈሳዊ ሰነ-ጽሑፍ ብሰላም የራኽበና። ከም ፍቃድ ኣምላኽ ምስ ጸሓፊ ናይዛ ታሪኽ ዲ.ዘረአ              ገብረእግዚአብሔር ቃለ-መጠየቅ ጌርና ብጽሑፍ ወይ ብድምጺ ክንፍንዎ ክንፍትን ኢና። ናይ ተክኒክ ጸገም ኣጋጢሙና ሰለ ዘሎ ብድምጺ     ዝተመልእ 23 -ክፋል ድሒርና ከነስዕቦ ምዃና  ምስናይ ይቅሬታ ንሕብር።//

እ… ነርስ ጸዉዓለይ ወይ እዛ ደወል ጠዉቃ…

ሃይለ፦ ሕራይ…. ደዊለያ ኣለኹ… ትርህጺ ኣሎኺ..

ኣዜብ፦ ሃይለ ሓወይ፣ ጸልየለይ፣ ኣባት ነፍሰይ ኣቦይ ቀሺ ተስፋጽዮን በዚኣ ጌርካ ደዉለሎም፣ ትማሊ ብድሕሬኻ መጺኦምኒ ነይሮም።ጸልዩለይ ኢላትክም በሎም።

ነርስ፦ “ደሓን ዲኺ ኣዜብ”

ኣዜብ፦ “ደሓን’የ እንድዒ ሕርሲ ደኣ ከይከዉን”

ነርስ፦ እወ ሓቕኺ… ኢኺ… ማይክሮፎን… ብምጥዋቕ ተረኛ ዶክቶር… ኣብ ክፍሊ መወልዳን ተረኸቡልና ይቅሬታ ነመዘኻኸሪ.. ተረኛ ዶክተር ኣብ ክፍሊ መወልዳን ተረኸቡልና።

ነርስ፦ ብዓል ቤታ ናይ ግድን ክመጽእ ከም ዘለዎ ክትነግሮ ሓቢርናካ ነይርና ሓቀይ።

ሃይለ፦ እወ ነርስ፣ ግና’ኸ ንሱ ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዘሎ ክመጽእ ኣይከኣለን፣ … ኣነ ሓዋ እየ፣ ንዝዀነ ኣነ ካብዚ ኣይከይድን እየ ኣሎኹ።

ነርስ፦ ኣብ እዋን ሕርሲ ምስኣ ድዉ ክብል ዝግባእ በዓል ቤታ እዩ፣ ግናኸ ካብ ዘይሃለወ ንዓ ምሳና፣ ኣብ ጥቓ ክፍሊ መወልዳን ኮፍ ኢልካ ተጸበ።

ኣዜብ፦ ጸልየለይ ሃይለ ሓወይ፣

ሃይለ፦ ወላዲተ ኣምላኽ ምሳኺ ትኹን፣ ኣጆኺ እግዚኣብሔር ብሰላም የጋልግልኪ። … ድሕሪ 2 ተ ሰዓታት… ሃይለ፦ “… እዋእ… እንታይ ደኣ ወደይ ክንድዚ ደንጉያ፣ ደሓን ዲያ፣… ኦፕራስዮኒ..’ዶ ኰይኖም ዚገብሩላ ዘለዉ።እቲ ዓንተቦ ፈርም ክብሉኒ ከለዉ፣ናይ ምንታይ ዲዩ… እዋእ…ክልተ ሰዓታት ቀሊል ኣይኮነን፣ ምዃን ሕርሲ’ውን ነዊሕ ሰዓትት ክወስድ ይኽእል እዩ። ኦ ኣምላኽ ብሰላም ኣጋልጊላ… እንታይ ኮይነ’የ’ኸ ሱቅ ኢለ ዝርበጽ። ብስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን! ሓቃ እኮ እያ እዛ ነርስ በዓል ቤታ ኣብዚ ኣንተዚህሉ፣ ምስኣ ምእተዉዋ ነይሮም ንሳ ከኣ ንዕኡ እናረኣየት ምተጸናንዐት።

ዶክተር፦ … ሃይለ… ሃይለ.. ሃይለ፦ … መርሓባ ዶክተር… ደሓን ድያ፣ ሓሪሳ’ዶ … በሰላም’ዶ ተገላጊላ፣ ዶክተር፦ ደሓን ብሰላም ተጋላጊላ ኣላ፣

ሃይለ፦ ተመስገን ኣምላኽ

ዶክተር ፦ ነርስ ሒዛታ ክትመጸካ እያ ናብቲ ክፍሊ ክትመልሳ ስለ ዚዀነት፣ ግናኸ ሕጂ ትሑት ስርዓት እስትንፋስ እዩ ዘለዋ፣ ካብ ድኻም ልቢ ዚተላዕለ ከይኮነ ኣይተርፍን። እ… በዓል ቤታ ናይ ግድን ኢለካ ነይረ፣ ሃይለ፦ እወ… ዶክተር ክመጽእ ኣይከኣለን ኣይሰለጦን

ዶክተር፦ ሕራይ በል… ካብዚ ኣይትርሓቕ ኢኻ። …. ድሕሪ 3 ተ ሰዓታት …. ሃይለ፦ … እልል … እዋእ… እንታይ ክፍትን.. እምበር ቆልዓ ተወሊዱ ኢሎም እልል ዘይብሉ፣ ዓዲ… ኣዜብ ሓብተይ እንቋዕ ማርያም ብሰላም ተገላገልኪ…

ኣዜብ፦ ፍሽኽ… እናበለት… እግዚኣብሔር ይመስገን ፈሪሀ ነይረ፣ ግና… ደሓን እየ።

ሃይለ፦ እዋእ ደሓን ኢኺ… ኣነ ደኣ ነዊሕ ምስ ደቀስኪ… ከምዚ ኢልኪ ተዕልልኒ ዘይመሰለኒ።

ኣዜብ፦ ድሓን’ዩ ልበይ እንዲዩ.. እናጠለመኒ ህ ሃይለ ሓወይ

ሃይለ፦ በሊ… እዋይ ክጽብቕ ምጭዉ ቆልዓ፣ ባዕለይ ኢየ ስም ዘዉጽኣሉ።

ኣዜብ፦ ስም ደኣ ተቀዲምካ ኢኻ፣ ኣነ እየ ዘዉጽኣሉ

ሃይለ፦ መን ኢልክዮ፣

ኣዜብ፦ በቃ ሃይለ ሓወይ፣ ምስ ታሪኽ ህይወተይ ዝተሓሓዝ እዩ፣ … ምስዚ ከዕለለካ ዚቀነኹ፣… ሕጂ ክዉድኣልካ እየ።… ብኡ ገይረ ስለምንታይ ከም ዘዉጻእክሉ ትፈልጥ።

ሃይለ፦ ሕጂ’ሞ ዘይከዉን እዩ… ደኺምኪ ኢኺ ዘለኺ

ኣዜብ፦ ብርግጽ… ደሓን’የ ስምዓኒ ጥራይ… ከመይ ኢልኪ ተምርዒኺ ኢልካኒ ነይካ፣ ሕጂ ክምልሰልካ እየ። በቃ ራእሱ ብኹሉ ነገር ደግፉኒ እዩ… እናፈልጥክዎ ብዝመጻእኩ በቃ መናብርተይ ክኸዉን መሪጸዮ… ንሱ ንመርዓ ዓዲሙኒ፣ በዚ መሰረት ተመርዒና። መን ሓሲብዎ፣ ንኸምዚ ናብ ዉላድ ክንበጽሕ። ድሮ’ኳ ዚሓለፈ ረሲዐዮ። ኣብ ዓለም ጽቡቕን ክፉእን ኣለዉ፣ ገለ ሰባት ንሕይወቶም ሰላም ረኺቦም ንካልኦት ንሰላም ይዕድሙ፣ ሰላም’ውን የስፍኑ። እንተ ገለ ፣ ከኣ ብሕይወት ሰብ ብኸመይ ትጭነቕ፣ ዝጽዕት ኣሎ። ፈዉሲ ዝሰርሑ ሰባት ኣለዉ። መርዚ ዚሰርሑ ሰባት ኣለዉ ግናኸ ሃይለ ሓወይ ንዓ’ሞ ስምዓኒ ካብ ብዓመጽ ሃብቲ ምኽሳብ’ሲ፣ ድኻን ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎን ምኳን ይሓይሽ። ካብቲ ብጥለምት መከራ ዝእክብ እሞ ከይደቀሰ ዝሓዲርሲ፣ ማይ ተደሪሩ በሰላም ዝድቅስ ይሓይሽ።

ሃይለ፦ ኣዜብ ሓብተይ ትህወኺ… ኣለኺ.. ድሓን ዲኺ ኣዜብ፦ … ኣንድዒ… ሃይለ ሓወይ… ካብ ኩሉ እዚ ኣካይዳኻ ሓዲግካ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ስምዓኒ።

ሃይለ፦ ኣምላኽ ደኣ’ሞ ይኣምኖ እኳ እየ፣ ግና…

ኣዜብ፦ ግና… ኣይተእትወሉ… ህዝቢ ዓለም ኩሉ ኣምላኽ ዘይፈልጥ የለን፣ ሓቀኛ እምነት ሒዞም፣ ዚስዕብዎ ግና ዉሑዳት… እዮም። … ግናኸ ከምቲ ኣብቲ ብዙሕ ዝሓልፍ ብዙሕ ኮንቱነት ከም ዘሎ። ሓመዶም ዝመለሱ ከንቱነት ክኸዉን እዩ፣ … ሃይለ ሓወይ…  ኣምላኽ ብዙሕ ሂቡካ ኣሎ፣ ግና ኣይዓገብካን ገና ኣብ ጻዕሪ ኣሎኻ፣ ናብ ቤት መዘናግዒ፣ ክትከይድ ምኽኒት ኣይተቕርብን፣ ናብ ቤት ኣምላኽ ክብለካ ከሎኹ ግና፣ ከም ሑጻ ባሕሪ ዝምብዝሑ  ኢኻ ምኽኒት ተቅርበለይ፣… ሃይለ ሓወይ… ንምንታይ ናብ ሓላፊ ነገራት ጥራይ ንጐዩ፣ ከምኡውን ኣብቲ ዘልዓለማዊ ብማዕረ ክንጽዕር ኣይግበኣናን’ዶ፣ ንግሆ፣ ንሰብሲ እዚ ግዲኡ እዩ፣ እሞ በቲ ኣምላኽ ዝህቦ ቑጽሪ መዓልትታት ሕይወቱ ኪበልዕን ኪሰትን፣ በቲ ዝጸዓረሉ ጽቡቕ ክርእን እዩ፣ እዚ ከኣ ሠናይን ጽቡቕን እዩ። ግና’ኸ፣ ንላዕሊ ክጥምት’ውን ይግብኦ’ዩ። ሰናይ ዝኾነና ንፍለጥ እምበር፣ ዊንታና ኣይጸግብን እዩ። “ብመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ ንመዓልቲ መከራ ግና ሕሰብ፣” እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ምፍራህ እዩ። … ኣነስ ካብ ሕይወተይ እየ ዚዛረበካ፣ ዘለኹ፣ ብዛዕባ ዚሰማዕክዎ እዛረብ፣ ብዛዕባ ዚረኣኽዎ ድማ ይምስክር፣ … ብድርቅናይ.. ዓሸኹ ጥበብ ግና መልሰትኒ፣ ጸልማትን ብርሃንን ርእየ፣ ጥሜትን ጽጋብር በጺሐዮ፣ … በዚ ኸኣ’የ ንኣምላኽ … ፈሊጠዮ…

ሃይለ፦ ኣዜብ እንታይ ትዀኒ ኣለኺ… ኣዜብ… ኣዜብ.. ዶክተርእግዚኣብሔር ክህብ መን ይኸልእ፣ እግዚኣብሔር ከድሕን መን ይኽልክል፣ … እግዚኣብሔር ክዛረብ መን የድምጽ፣… ኣብ ዘይተጸበክዎ፣ ንዓይ … ካብ ሞት ሕይወት ሂቡኒ… ለሚነዮስ ሰሚዑኒ.. እ… እ… ኣርባዕተ ዓመት ኣሳጊርካ ዋላ 4 ዓመት ኣጽንሓኒ ኢለዮስ… እንሆ ሎሚ… ቅዱስ ሚካኤል 4 ዓመተይ እዩ… እዉይ ልበይ ይጠልመኒ ኣሎ… ምስ ራእሱ እባ ኣራኽበኒ ደዉለሉ፣

ሃይለ፦ ሕራይ ጽንሒ… ኣይትኣቱን ዘላ

ኣዜብ፦ ንኣምላኽ ርእየዮ፣ ኢላትካ.. ህ በለለይ… መብጽዓ ከምዚነበረኒ ይፈልጥ፣ ትማሊ ክድውል ከሎ ጸሊዩ’ሞ ንኣምላኽ ክትርእይዮ ኢኪ ኢሉኒ… ብርግጽ…ህ ርእየዮ…

ሃይለ … ሓወይ እዚ ህጻን ስሙ ነቲ… መረን (ዕግርግር ዚመልኦ) ሕይወተይ… መፈጸምታ፣ ናይ ጸሎተይ ፍጻመ ረኺበ እየ’ሞ… ዳኒኤል በልዎ… (ዘፍ.32፣30) ንእግዚኣብሒር ምስግና ኣሜን!!!

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ ዝአፈጸመነ በስላም!!

ዲ.ዘረአ ገብረእግዚአብሔር

Comments are closed.