መረን-ታሽዓይ ክፋል

ክንፈልጠን ዚግብኣና፣

1ይ እዘን ካብ ልብያ ክመጽኣ እየን ዚበሃላ ዘልው መካይን፣ እንተ ደኣ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ማለት ኣብ ዉሽጢ’ዚ ሳልስቲ ራብዕቲ’ዚ ዚሓለፋ መዓልታት እንተ ደኣ ኰይነን፣ ሰባት ካብዚ ዘለናዮ ቦታ ሒዘን ከይደን፣ በጺሐን ክሳዕ ዚመጽኣ፣ ብዉሑዱ ናይ ክልተ ሰሙን ትጽቢት ኣሎና። እንተ ደኣ ቅድሚ ሰሙን ኣቢለን ከይደን ግና ዕድለኛትት ክንከዉን ኢና፣ ካባ ሓደ ሰሙን ዘይበጺሕ ኢና ክንጽበ። እዚ ብዘይ ናይ ጾታ ኩነታት እዩ። “እንታይ’ዩ’ኸ ናይ ጾታ ኩነታት” በለት ሰላም ህዉኽ ኢላ። ጒዳይ ጾታ ዳኣ፣ ነተን ካብ ሱዳን ይኹን ካብ ሊብያ ብዘይ ሕጋዊ ከምዚ ናትና ዚጓዓዛ መካይን ብሕጊ ዘሕትት እዩ። ስለዚ ኲነታት ጾታ ርጉእ ምህላዉ ሓበሬታ እንተዘይረኺቦም ኣይብገሱን ብእኡ መልክዕ ከኣ፣ እቲ ትጽቢት ተጓዓዝቲ ክናዋሕ ይኽቕል።

2ይን ዝኸፍአን ከኣ ምስ መጽኣ’ውን ዘጋጥም ኲነታት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እተን መካይን ቁጽሪ ዚጠልብኦ ሰብ እንተዘይተማሊኡለን፣ ነቶም ክጽበዩ ዚቀነዩ ሰባት ኣይወስድኦምን እየን። ክሳዕ እተን ካብ ዉሽጢ ሱዳን ካልኣይ ግዜ ተሳፈርቲ ሕዘን ዚመጽኣ ይጸብዩኻ። እቲ ዝኸፍአ ከምቲ ዝበልኩኹም፣ እተን ካብ ካርቱም ዚመጽኣ መካይን’ውን ተሳፈርቲ እንተዘይረኺበን (ምልኣት ቁጽሪ) ከምኡ’ውን ሰረቂ ብምዃኑ፣ ኲነታት ጸታ’ውን ስለ ዚጸልወን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ይዱንጒያ እየን። ንሱ ዕላሉ ክቅጽል ከሎ። ኣብ ገጽ ኩልና፣ ግና ናይ ትካዘ መንፈስ ክርአ ጀመረ፣ ራእሱ፣ ወዲ ባጽዕ፣ መሬት ኣናጠመቱ፣ ብንእሽቶ ግራጭ፣ ንመሬት ይሓናጥጡ ነበሩ።ካልኦት ግና ቀዉ ኢልና እንጠመትና፣ ኣብ ገጽና ሓዘን ልብና ይንጸባረቕ ነበረ። ሰለሞን ዘረብኡ ቀጸለ። ንዓና እተን ካብ ካርቱም ዘምጽኣና መካይን ምስ ረሕርሓና፣ እተን ልብያዉያን መተካእተአን ድሕሪ 4 መዓልቲ እየን፣ መጺአናና፣ ይኹን እንበር ከባቢ 90 ጥራይ ብምንባርና፣ 150 እንተዘይኣኺልኩም ኣይንብገስን ኢሎም ዕጭ ስለ ዚዘበጡ፣ ፈቲና ከይፈተና ነተን ካብ ሱዳን በጺሐን ዚምለሳ ተጸቢና።

በዚ ከኣ ኣብዚ ትርእዮ ምድረበዳ ንሓደ ወርሒ ተቐመጥና። ኣድያም ካብ ኩልና ፍልይ ብዝብል ፍሽኽ እናበለት እሞ ገዛኹም ስርሑ በለና፣ በለቶ። ንሱ’ውን ብግዲኡ እወ እንታይ ደኣ፣ ከምዛ ናትኪ ኩሉ ሰብ ንኹሉ ብሓጐስ’ዩ ዚሓልፎ ስለዚ፣ ኩልኹም ከም ናታ ኩኑ፣ ብዛዕባ ብኸመይ ክሰልጠና ኢልኩም ቅድመ ኩነት ርእስኹም ኣይተጨንቑ በለና። ራእሱ፣ የቀንየልና፣ እዚ ደኣ ንዓን ከመይ ዚኣመሰለ ጥንቃቐ፣ ካብ መግብና ይኹን ማይና፣ ዚሕግዘና ኢኻ ዝተዛረብካ፣ ደሓር ከኣ ዘጨንቕ ይብልናን፣ ርእስና ንፈታና ኣዳሊና ኢና ተበጊስና። ደሐር  ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብገለ’ኳ ኣይትጨነቑ ክብል ብወንጌሉ ነጊሩና እዩ። ኣምላኽ ይሓግዘና ጀምዓ ኣጆና በሉ። ወዲ ከረን፣ ነቲ ዘሎ ሓሳብን ወጥሪን ክስበር ስለ ዝደለየ ግዲ ኮይኑ፣ ንዑ እስከ ሓንሳ ንንቀሳቀስ፣ እዚ ዒላ ኣብዚ ጥቓና ዘሎ ንርኣዮ፣ ኣካልትና ተኣሲሩ እዩ ዘሎ፣ ንፍትሓዮ በለ። ቤተልሔም ሓቕኻ  ኣንድያሞ በለት፣ ኩሎም ነቲ ሓድሽ ሓሳብ ስመርዎ።

ኣነ ግና ገና ተኪዘ እየ ዚነበርኩ። ካብ ኩሉ ኲነታት ሰሎሞን ኣደንገጸኒ፣ ከመይ’ሉ ተታሒዙ፣ እዋን ንፉዕ ግን ተስፋ ዘይቆርጽ፣ ኢለ ሓሰብኩ። ኣብ ጥቅኡ ቀሪበ ኣበይ ተታሒዝካ በልክዎ። ኣብ ምስራጥ (ሊብያ) ተታሒዘ።ናብ ኤርትራ ከኣ መሊሶሙኒ። ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ዓሰብ ጸኒሐ… እንደገና፣ ናብ ሱዳን መጺአ። ካልኣይ ግዜ ይፍትን ኣሎኹ በለኒ። ንነገራት፣ ከም ዚመጽዎ ተቀቢልካ ናይ ምብጻሕ ሓይሊ ዘለዎ፣ መስተዉዓሊ መንእሰይ እዩ። ገና ኣብ ገጹ ሓጉስ መንፈስ ነበሮ።

..........እዉይ ሃይለ ሓ…ወይ፣ ልበይ ይደኽመኒ ኣሎ። ሃይለ፣- ኣንታይ ክሕግዘኪ… ነርስ ክጽዉዓልኪ… ኣዜብ፣- ኖ…ኖ… ደሓን… ኣብዚ ኣልትካ መጽሓፍ ቅዱስ… ፍቃድካ እንተኾይኑ ኣንብበለይ። ሃይለ፣- ሕራይ… ዚፈልተዋ ምዕራፍ ኣላትኒ፣ ክደክም ወይ ክጽልኣኒ ከሎ እየ ዘንብባ፣ “… ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ…” ኣዜብ፣-“እዋይ… ኣነ… መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ዘመነይ ዝይምንባበይ ከመይ ይጠዓስ ይመስለካ፣ ከንብብ ከለኹ ፍጹም ሰላም እኳ’ዩ ዚስመዓኒ፣… የቀንየለን ሃይለ ሓወይ” ኣብ ጐነይ ምህላዉካ፣ ኩሎም ገዛና ምሳይ ከም ዘለዉ ኮይኑ እዩ ዚስመዓኒ።” ሕጂ ክቅጽለልካ፣ ሃይለ፣-“… ኣጆኺ ኣዜብ ሓብተይ፣… ሕጂ ምስ ሓወኺ ስራሕ ስርሕ ኣቢላን ናብ ዓዲ ተመሊስና ንገዛን ብሓደ ክንከይድ ኢና”… ደሓን ኣዕርፊ ናይ ግድን ደሓር ተዕልልና፣ ኣዜብ፣- ሕራይ በል። ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ሃይለ፣- ኣዜበይ… ተበራቢርኪ ኣዜብ፣- እወ ክገርመካ… ሰላም ዘለዎ ድቃስ ኣዕሪፈ ፍሽኽ እናበለት ራእሱ ኣይደወለን ሃይለ፣- ኣይደወለን ኢሂ ኣዜብ፣- ኣይ ንግሆ! ደሓር ክድዉል’የ ኢሉኒ ስለ ዚነበረ እዩ።

ሃይለ፣-ሕሺኪ’ዶ ኣዜብ፣- እወ ደሓን’የ። ሃይለ፣- እሞ ሃየ… ኣዕልልና’ምበር… ቀጺልያ’ታ ዕላልኪ ኣዜብ፣- ሕራይ… ኣበይ በጺሓን ኔርና.. ሃይለ፣- ሰለሞን ወዲ ዓሰብ (ተታሒዙ ንገልዓሎ ከምዚኸደ’ሞ… ድሕሪኡ…) ናብ ሱዳን ካብኡ ከኣ ኣብ ጒዕዞኦም ከም ዚተጸንበረ… ገሊጽክለይ። እዋይ ሓቕኻ፣- ዓሰብ’ዶ ኢልኻ፣ ገልዓሎ ቤት ማሕቡስ ምእታዉ፣ ንዓይ’ውን ብመንፈስ ናብ ዓሰብ ከም ዚምለስ እዩ ነጊሩኒ። ሽዑኡ ኣብኡ ከም ዚነበርኩ ገለጽኩሉ’ሞ፣ ኣብ ዲቕ ዚበለ ዕላል ኣቶና። ሃይለ፣- እንታይ ክትገብሪ ዳኣ ገልዓሎ ኬድኪⵗ እ…ህ…ህ፣ ንገልዓሎ ደኣ.. ከምቲ ንግሆ ዘዕለልኩኻ ኣሮን፣ ዘይተጸበኽዎ ነገር ምስ ኣስመዓኒ፣ ዓቕለይ’ዩ ጸቢቡኒ፣ ብፍላይ ፣ ንዓይ ረሲዑ ምስ ካልእ ጓል ምልላዩ፣ እሞ ኸኣ ንዓይ ሰበይቲ ክኾኖ ወሲኑ ክንሱ  ሪዘርቫ ጓል ኣንስተይቲ ምግባሩ፣ ምስ ዚፈለጥኩ ኣዚየ ተበሳጮኹ። ሽዕኡ መሬት ዑንቊ’ያ ኮይናትኒ ልበይ ተሃወኸ፣ ርእሰይ፣ ብኸቢድ መርዘን ተወቕዐ፣ ትንፋስ ክሓጽረኒ ጀመረ። እዋይ ሞት ይሕሸኒ ዚብል ሓሳብ ከመጸኒ ጀመረ።

እታ ኣብ ጐኒ መደቀሲ ዚነበረት ጠበንጃ ክርእን ሓደ ኮነ፣… ሓፍ ኢለ እናጐየኹ… ናብታ ጠበንጃ ከድኩ፣ ካብታ ዝነበረታ ሓፍ ከብላ ከለኹ፣ ሕማላኣ ምስ ኣካላ ስለ ዝተጋጨወ… ቃዕ ዚብል ድምጺ ኣስምዐ፣ ክዕምራን፣ ወዲ ንጉሠ ነጢሩ ክሓቕፈኒ ሓንቲ ኮነ፣ ጥምጥም በለኒ፡ ግደፈኒ፣ በጃኻ… በጃኻ ስለ ዝተቃለስክዎ ቀልጢፉ ኣፍ ናይታ ብረት ካባይ ናብ ካልእ ኣማእዚኑ፣ መንዚዑ ወሰዳ። እዋይ በጃኻ ሞት ይሕሸኒ እናበልኩ፣ ርእሰይ ክነጺ ጀመርኩ፣… ብረት ምልዓለይ ዚርኣየ ኣሮን ብማዕዶ ኮይኑ፣ ተጋጊየ በቃ መዓለሽ… ይብል ነበረ። ረሓቕ… ረሓቕ ክርእየካ ኣይደልን እየ ንኻልኣይ ግዜ ነታ ጠበንጃ ክወስዳ ደለኹ።ለኪመዮ ክጠፍእ ፡ ካብዚ መድራዊ ቃንዛ ክገላገል በቃ። ኣምላኽ ከድሕነኒ ደልዩ እምበር፣ በቃ ሞት ናተይ ዓስቢ ኢለ ወዲአዮ እየ ነይረ። ግናኸ ከምቲ ራእሱ ሓደ ግዜ ኣብቲ ምድረበዳ ከለና ዝመሃረና “ ኣምላኽ ንዂሉ ነገር ጽቡቕ ገበሮ” ኣነ ንክፍእ ሞት ሓሲበ ነበርኩ፣ ኣምላኽ ግና ኣብ ወዲ ንጉሠ ሓዲሩ ኣድሓነኒ።

ካብ ክልተ ሞት ኣናገፈኒ። ትፈልጥ ነፍሰ ቅትለት ክልተ ሞት’ዩ። ሓደ አነቲ ሕይወት ዚሃበካ ኣምላኽ፣ እዛ ሕይወት ኣይደልያን’ዩ ምባል ክኸዉን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ሰኣን ኣስፊሕካ ምሕሳብ፣ ብዲያብሎሳዊ ሓሳብ ተታሊልካ ዝነበርካ ዕድል ሕይወት ምጥፋእ እዩ። ሎሚ ክዝክሮ ከለኹ፣ ሕግብግብ’ዩ ዚብለኒ። ኣሮን ጠሊሙኒ ኢለስ ነብሰይ ክጠልም ፣ ካብቲ ንሱ ዚጐድኣኒስ፣ ኣነ ንነብሰይ ክጐድኣ ዚተበገስኩሉ ይኸፍእ። እግዚኣብሔር ግና ጥዑም’ዩ ሎሚ ከዕልለሉ ጌሩኒ። ሰባት ስለምንታይ ኢና ሓጺር ንሓስብ፡ ኪኖ እቲ ጸልማት ዘሎ ብርሃን፡ ኴኖ እቲ ጸበባ ዘሎ ሓጎስ፡ ኴኖ ኢቲ ድኽነት ዘሎ ሃብቲ ፡ ኴኖ እቲ ሽግር ዘሎ ራህዋ ስለ ዘይንጥምት እኮ እዩ። ሰብ ዝበልዖ ዝኽደኖ ዝድቅሰሉ ቦታ ከይሰኣነ ነብሱ ከጥፊእ ይደሊ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጸጋ ዘልዓለማዊ ሕይወት ይስእን፡ ዘድሓነኒ ኣምላክ ንካልኦት ካብ ከምዚ የድሕኖም! ሃይለ፦ኣሜን። ድሕሪኡ እብለካ፣ ኲሎም ኣብላት ጋንትኡ ተኣኪቦም፣ በቃ ፈንፊኖሞ፣ ገሊኦም ግደፍ ንብለካ’ዶ ኣይነበርናን፣ “ዘይፍለጥ ሕቡእ፣ ዘይክፈት ክዱን የለን” ይብሉ ነበሩ።

ዓስራይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ ገብረ

Comments are closed.