መረን-ራብዓይ ክፋል

ኣብቶም ኣወዳት ግና፣ ብገለ ካብ ካልኦት መካይን ብዝመንጨወ ሓሳብን ምልእኽትን ተረቢሾም ብምንባሮም፣ ኣብ ክልተ ሓሳብ ተመቕሉ። 7 ኩነታቶም ንኽፈልጥ ገለ ከም ዝደለኹ ጽንብር በልክዎም እሞ፣ ኣብታ ህሞት ወዲ ባጽዕ፣ ኣቱም ሰባት በብሓደ፣ ዋርድያ ምዉጻእ እታ ዝበለጸት እያ፣ በለ። ወዲ ከረን ከኣ ‘ኖ ኣይንሸገር፣ ገና ነዊሕ ስለ ዘይከድና ስርዓት ምልዉዋጥ ዶብ’ውን ስለ ዘይተኻየደ ዘፍርህ የብልናን፣ ሓዲጐሙና ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም። ጥልመት ኣዉቲስቲ ድሕሪ ዶብ ሊብያ ምእታዉ እዩ ዘሎ። ስለዚ ኣይንሸገር በሎም ኩሎም በዚ ሓሳብ ስለ ዝረዓሙ ንደቅስ ተበሃሃሉ። ኣነ’ውን ብግደይ ናብ መንጸፈይ ኣምራሕኩ። ኣድያምን ሰላምን ክድቅሳ ግዜ ኣይወሰደለንን፣ ካልኦት’ውን ከምኡ ኣብሓደ ሰዓት፣ ኣነ ግና፣ በቲ ኣብ ልበይ ዘይነበረ ሓሳብ ጥልመት መራሕቲ መካይን፣ ስለ ዚተሻቐልኩ ግዲ ኮይኑ እናሻዕ ይገላበጥ፣ መሬት’ውን ብጊደኣ.. እቲ ዓቂባቶ ዚወዓለት፣ ሙቐት ትተፍኦ ስለ ዝነበረት፣ ኣብ ምዕልባጠይ ተራ ነይርዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና፣ ጥንቅሊዒት ናብ ሰማይ እናጠመትኩ ደቀስኩ’ሞ፣ ሰማያት ብከዋኽብቲ ወቂቡ፣ ከም እሉም መጋረጃ ክትገልጾ ብዘይትኽእል መልክዕ ወቂቡ ብምንባሩ፣ ኣእምሮይ ብእኡ ተመስጠ።

ግብ ዚበለ ጸልማት ምስ ፍጹም ስቕታ ተሰንዩ ሕልናይ ናብ ሰማይ ብምምራሕ፣ ምስ ባህርይ ተፈጥሮ፣ ክዛረብ ጀመረ። ሃብቲ ተፈጥሮስ ካብ ገዛእ ርእሱ’ዶ ከምዚ’ሉ ክምልክዕ ይኽእል፣ በልኩ ። ሕልናይ እግዚኣብሔር ክብል ከሎ፣ ብሓደ ወገኑ ኸኣ ብዘንበብክዎ መጻሕፍቲ ስለ ዝኣምን ብ(nuclear fussion) ባእታዊ ምምቕቓል ዚፈጠሮ እዩ፣ ይብል ነበረ። ኣብዚ ህሞት ንፋስ ክነፍስ ጀመረ’ሞ፣ ነቲ ተፈጢሩ ዚነበረ ጸቕጢ እፎይታ ኮኖ። ኣብ ባሕሪ ሓሳብ እናሓንበስኩ ግና ብሰረገላ ድቃስ ስለ ዝተወሰድኩ ደቀስኩ። ይኹን ኣምበር ብተደጋጋሚ ካብ ምብርባር’ሲ ዓዲ ኣይወዓልኩን። መሬት ኣብ ምዉግሑ ከባቢ ሰዓት ስለስተ ናይ ለይቲ ሙቑት ምድረ በዳ ናብ ቀዝሒ ክልወጥ ጀመረ። ናይ ምድረ በዳ ባህርይ ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት ተቐያያሪ ባህሪ ዘለዎ።ብፍላይ ግና ኣብ ለይቲን መዓልቲን ዘሎ ፍልልይ ኣዚዩ ገፊሕ ብምዃኑ መዓልቲ ብኸቢድ ሙቐት ክስነ ከሎ፣ ለይቲ ከኣ ናብ ትሕቲ ዜሮ ክወርድ ስለ ዝኽእል፣ ኩነታቱ ከቢድ ይገብሮ።

ዛሕሊ ምስ ተሰምዓኒ፣ ንኽክደን ስለ ዝተበራበርኩ፣ ሕጂ’ውን፣ ድቃስ ዕጭ በለኒ። ይገላበጥ ንየማን ንጸጋም፣ ግናኸ ለዉጢስ ኣይነበረን። ድቃስ ምምጻእ ምእባዩ፣ ምስ ነብሰይ እሻቐል ነበርኩ ስለምንታይ ድቃስ ኣብዩኒ፣ ኣብ ጉዕዞ ምህላወይ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ፣ ምኽንያቱ ኣእዊኻ ዘይትስምዓሉ፣ ህልም ዚበለ ጸጣሕ ጎልጎል ምድረ በዳ ኢና ኔርና። ኣብ ከምዚ በብዓይነቱ ሃዋህው ሻቕሎት ኣብ ኣእምሮኻ ፣ ክኽሰት ንቡር’ዩ። ባባ ማማ ኣሕዋተይ በብሓደ፣ ክርኣዩኒ ጀመሩ። ባባን ማማን ናብ ሱዳን ክኸይድ ኢየ፣ ኢለ ኣብ ዚገለጽኩሎም እዋን፣ ሕጉሳት ኣይነበሩን። ብፍላይ መጀመርታስ ብትሪ ተቓዉሞኦም  ኣስሚዖም እዮም። ናቶም ሓሳብ፣ መርዓን ዉላድን ብምንባሩ፣ ብተደጋጋሚ፣ ናብ ስደት ንኸይሓስብ ብዓቕሞም ተቓሊሶም እዮም። ሓቂ ይሓይሽ ኣነ’ውን፣ ኣቐዲመ ንስደት ኣይሓስቦን እየ ነይረ ኣብ ናቶም ዝርዕም ሓሳብ’ውን እዩ ነይሩኒ። እንታይ’ሞ ንሕልመይ ዘባኽን፣ ንሓሳበይ ዓዲ ዉዒል ዝገበረ፣ ናጤባ እኮ እዩ ወሪዱኒ በልኩ ብዉሽጠይ። …ኣይተጸበኽዎን።ከምዚ ክኸውን ኢለ ኣይሓሰብክዎን … ምስ ባባን ማማን… ብማዕበል ሓሳብ ብርሑቕ መንፈስ ይዘራረብ “ጉድለተይ ይርድኣኒ’ዩ… ግና ይፈትዎ’የ … በቃ የፍቅሮ’የ ባባ.. ምሽ ፍቕሪ ትርዳእ ኢኻ … ክብሎ ከለኹ ትዝ በለኒ” ሕጂ’ውን ኣሮን ስለ ዝተዘከረኒ፣ …እዋይ ብምንታይ እሞ ክገልጸካየ በልኩ፣ ዚቐርሓነ ልበይ፣ ትርግታ ዝዉስኽ ዘሎ ኮይኑ እናተሰመዓኒ፣ … ናብ ናይ ሌላና እዋናት ክገይሽ ጀመርኩ።

ከም ዝበልኩኻ… ሰዓታት ትምህርቲ ኣኺሉ። ደወል ምስ ተደወለት ቀዳመይቲ ካብ ክላስ ንምዉጻእ፣ ሓፍ ዚበልኩ… ኣነ እየ፣ ዝነበርኩ… ቅድሚ ሕጂ ድሕሪ ሰበይ ዚወጽእ ዝነበርኩ ሽዑ ግና.. ንሄለን ከይተረፈ ረቢጸ፣ ንመንገዲ ገዛና ከም ንብገስ ገበርኩ፣ ኣካይዳና ከም ቀደም እዩ ነይሩ፣ ልበይ ግና ካብ ምህዋኽ ዓዲ ኣይወዓለን፣ ሓንሳብ ማንታ ሓሳብ ይመጸኒ … ከመይ ኢለ ናብ ከምዚ ህይወት ክኣቱ… ባባ ማማ እንተ ፡ ፈሊጦም’ከ እንታይ ክብሉኒ ይብል …ሃንደበት። ሃይ ኬፍኩም ያ ጀምዓ፣ ብድሕሬና ዝተሰምዐ ድምጺ ናይ ኣሮን እዩ ዝነበረ። ምስ ኩልና ሰላምታ ተለዋዊጡ። እናዕለልና ኣብ ዚሰጎምናሉ፣ ሰላምን ደቂ ጉጅለና ናቶም ዕላል ብምኽፋት… ሰገጥ እናበሉ፣ ህዱእ ዘገምታ ክገብሩ ድሕሬና ተሰርዑ፣ ገዲፍናኩም ኣለና… ዚዓይነቱ ምልክት ከይኮኑ ኣይተረፈን። በቲ ሓደ ወገን፣ በይነይ ምስ ኣሮን ክኸዉን፣ ከዕልል ድሌት እኳ ይንበረኒ እምበር፣ ብኸምዚ ዚዓይነቱ ብኹሎም መሓዙተይ ዚተፈልጠ ክኸዉን ኣይደልንየ።

ሄለን’ሲ ደሓን እቶም ካልኦት’ከ ብኸመይ ፈሊጦም፣ ንነገሩ ምሩጻት ቃላት እናተጠቕመ፣ ሜዳ ልበይ ክገዝእ ካብ ዚጅምር ድሮ፣ ነዊሕ ጌሩ’ዩ። ይዉድሰኒ፣ ካበይ’ዩ ዘምጽኦ ኣይፈልጥን ግጥማዊ ሓረጋት እናተጠቕመ… ማዕጾ ልበይ ከፊቱ ነገሰ። ካብ መወዳእታ… ሓንቲ ጽብቕቲ ቀያሕ ፊዮሪ፣ ኣውጽአ… ኣነ የፍቅረኪ’የ ሕራይ በሊኒ’ሞ ተቐበልኒ… እናበለ ክልምነኒ ጀመረ። ንገለ ካልኢታት ደዉ ኢለ ስቕ በልኩ… ግናኸ በጃኺ … ኣነ ብዘይ ብኣኺ ክነብር ኣይእልን’የ… ወዘተ እናበለ ተዛረበኒ። ኣነ’ውን ነገር ጓል ደኣ ትዕቢት ሒዙኒ እምበር፣ ሕራይ ንኽብል ኢየ ዚመረጻእኩ… ተቐበልክዎ፣ ብርእሰይ ምንቕናቕ ከኣ ሓሳብካ ተቐቢለዮ ኣለኹ በልክዎ። ኣብ ጐደና ንኸይድ ብምንባርናን፣ ሰባት ከኣ ይሓልፉን ይመጹን ስለ ዚነበሩ እምበር ነጢሩ ምስዓመኒ ኔሩ። እናዕለልና ናብ መፈላለይት ጎደና በጻሕና። እሞ ኣሮነይ ቻዉ በቃ ጽባሕ ንራኸብ በልክዎ። እዋይ ትፈልጢ ኣዜብ … ብፍላይ ሎሚስ እዛ ገዛኹም ቀሪባ… ንሎሚ ቁሩብ ክትርሕቕ ኔሩዋ ግና ደሓን፣ ካብ ፍቕርና ሓደ ኣይፈልየናን ኢዩ… ብፍላይ ኣነ ካባኺ ተፈልየ ማለት… ሞት ጥራይ እዩ። ክብለኒ ትዝ ይብለኒ ነበረ።

ኣድያም ክትገላበጥ ትሃርመኒ። ጥምት ኣበልክዋ’ሞ ተገላቢጣ ክትሕርንኽ ጀመረት። ክገርመካ ሓቀኛ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ሕጂ እየ ፈሊጠዮ፣ ኩሉ ኣፍቃሪ ፡ ሓቀኛ ኣፍቃሪ ኣይኮነን። “ፍቕሪ ካብ ሞት ትሕይል’ያ” ፍቅሪ ፍጽምቲ እኳ እንተኾነት፣ ሰባት ግና ፍጹማት ኣይኮንናን። ገለ መንእሰያት ኣፍቂረ ዝብሉ ትርጉም ፍቕሪ ከይተረድኡ እዮም። ሓቀኛ ፍቕሪ ፍጹምነት፣ ቅድስና፣ ርህራሄ ዘጠቓለለ ክኽዉን ከሎ። በንጻሩ እዚ ናይ ዘመንና መንእሰያት ሕማም ርእሲ ኮይኑ ዘሎ ግና፣ ኣርቲፊሻል ፍቅሪ እዩ። ገሊኦም ንቁመና፣ ጽባቐ፣ መልክዕ፣ ንዉሓት ጸጉሪ፣ ገንዘብ… ወዘተ ርእዮም የፍቅሩ እታ መንእሰይ ንዕኡ፣ እቲ መንእሰይ’ውን ንሓቀኛ መንነታ(መንነቱ) መምዮም ዘይኮነ ዘፍቅሩ፣ ንነጸብራቕ ደጋዊ ነገራት ብምስዓብ፣ እዮም ዘፍቅሩ፣ ንነጸብራቕ ደጋዊ ነገራት ብምስዓብ፣ እዮም ኣፍቂረ ዝብሉ። ትርጉም ፍቅሪ ከይፈለጡ፣ ኣፍቂረ ይብሉ ይምርዓዉ መወዳእትኡ ከኣ… ጥልመት ሓዳር ምብታን ይኸዉን። ካብ ዕላለይ ደኣ ኣዉጺኤካ፣ ከይህሉ፣ ጸገም የለን ቀጽሊ ደኣ ኣዜብ እቲ ዓጋቲ ዘይብሉ ንፋስ ምድረበዳ፣ ብህዱእ መንፈስ ይሕንበብ ብምንባሩ፣ ከምቲ ብሉጻት ክኢላታት ሙዚቃ ዝተቓነየ ልምሉምን መሳጥን ድምጺ ይህብ ብምንባሩ ብስቑል ሕልና ከስተማቕሮ ጀመርኩ፣ ሃንደበት ግና ጸጸኒሑ ልዕል ዝብል እንሓንሳእ ከኣ ዉሕጥ ዝብል ድምጺ ካብቲ ከባቢ የድምጽ ነበረ።

ሓምሻይ -ክፋላ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ

Comments are closed.