መረን-ሣልሳይ ክፋል

ጓል ገርሂ ልባ ድማ ዝፈልጦ ኣይነበረንን፣ ምምልላስ እናበዝሐ ኣነ’ውን ክለማመድ ጀመርኩ። ንሱ ዕላሉ ናይ ዕርክነት መንእሰያት እናኾነ ምስ መጸ ግና በብቁሩብ ኣነ’ውን ይሓተኒ’ዶ ህይሉ ክብል ጀመርኩ። ኩሎም እቶም ኣብታ መካይድትና ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ተገዳስነት ኣይነበሮምን ዕላሎም ብዛዕባ ፍቅሪን፣ መንእሰያትን፣ መጽሔታቱን ብምዃኑ ኣነ’ውን ሳሕቲ ኣብቲ ዕላል ኢድ ነይሩኒ እዩ ግና፣ ካብ ዝሰማዕክዎ ደኣ አዕልል ነበርኩ እምበር፣ ትምህርተይ ከይወዳእኩስ ብዛዕብኡ ኢደይ ከእቱ ድሌት ኣይነበረንን። ልምምድ እናቀጸለ ከደ። ኣሮን ካብቶም ተመሃሮ ደቂ ገዛዉትና ምስ ተፈለና። ሻሂ ንስተ ክብለኒ ጀመረ። ኣነ ግና ሓቂ ይሓይሽ ኩነታት እናፈለጥክዎ ምስ መጻእኩ፣ ኣበኽዎ። ብተደጋጋሚ ሓሙሽተ ግዜ ለመነኒ (ሻሂ ንክንሰቲ) መዘዝ ከተምጽኣለይ እያ እዛ ሻሂ እናበልኩ፣ ምኽኒት እናነገርክዎ፣ ከም ዘይከዉን ገለጽኩሉ፣ ገዛ’ውን ዘይፈቕዱለይ ምዃኖም ደርጓሕኩሉ።

በዚ ኮነ በቲ፣ ብሓደ ምኻድና ቀጸለ፣ መዓልታት እናነዉሐ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፣ ኣብ መገዲ ከለና የፍቅረኪ’የ በለኒ… እዚኣ ከም እትመጸኒ ይስሕታ ስለ ዘይነበርኩ ስቕ ኢለ ጒዕዞይ ቀጸልኩ፣ ንነዊሕ መንገዲ ስቅታ ዝተሓወሶ ብሓደ ከድና። ገለ’ባ በሊ ተዛረቢ እባ ብዙሕ ይዛረብ፣ ገዛ ስለ ዝበጻሕና ግና ካልእ ግዜ ክምልሰልካ እየ ኢለዮ… ስጉም ስጉም ኣቢለ… ፍንትት በልኩ። ንሱ ደዉ በለ ኣንጎሎ መጥወይት ገዛና እያ እታ ቦታ ክሳዕ ገዛይ ዝኣቱ ደዉ ኢሉ ነበረ። ገዛ ኣቶኹ ብዛዕብኡ ይሓስብ ነበርኩ። ዋላ አብ ቀዳመ ሰንበት ተደጋጋሚ ብዛዕብኡ ይሓስብ። ሄለን ብጊደኣ ነቲ ተኣጒዱ ዘሎ መጋርያ፣ ዕንጨይቲ ካብ ምዉሳኽ ዓዲ ኣይወዓለትን። ኣሮን’ሲ መሓዛይ ደስ ክብለካ እዋይ፣ ምስዚ እትመሓዞ እኳ ዕድለኛ እያ። ብዛዕባኺ እኳ እንድዒ ዝግደስ እዩ ዝመስል? እዚ ዝመስል ከይተሕልፍዮ … ወዘተ ትብለኒ ነበረት። ሕቶ ኣሮን መዓልታዊ ቀጸለ… ማዕረ’ቲ መልኣኽ መሰል ጥዑም ኣተሓትትኡ፣ ለይቲ ለይቲ ይኩን መዓልቲ ብዛዕብኡ እናሻዕ ይሓስብ ነበርኩ። ተደጋጋሚ ምስ ኮነኒ ግና ብሓደ ለይቲ ሎሚ መልሲ ክህቦ ኣሎኒ ኢለ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ምስ ሄለን ተራዳዲእና ኢና።

መሬት ክወግሕ ምስ ጀመረ፣ ድቃስ ኣበየኒ… እናሻዕ የዕለብጥ ከምዚ ዚዓይነቱ ተርእዮ ንመጀመታ እዩ ኣብ ሕይወት ዝገጥመኒ ዝነበረ። ቃላቱ፣ ቁመንኡ፣ ፍሽኽታኡ፣ ኣብ ጽላት ዓይነይ ዝተቀርጸ ክመስል ኣብ ኩሉ ይዝከረኒ ይርእዩ ብሓሳባት ይዛረቦ። ንክረኽቦ ይህወኽ.. መሬት እሞ ትዉጋሕ ሎሚ ክሓተኒ እንድዩ፣ ኣነ ከኣ በቃ መታን ዕረፍቲ ክረክብ ነዛ ወሲነያ ዘለኹ ክነግሮ እየ በልኩ፣ ዘይወግሕ የለን መሬት ንርእሳ ክትብል ወግሐት። ናብ ትምህርቲ ዘይከም ቀደመይ ቀልጢፈ እየ ዚኸይድ፣ ንሄለን ቀልጢፈ ክትመጽእ ደዊለላ ስለ ዚነበርኩ ክልቴና ዳርጋ ብምርግጋጽ ኢና ኣብ ሰዓትና ዝተራኸብና፣ ሰላምታ ድሕሪ ምልዉዋጥ ሄለን፣ ናይ ደሓን’ዶ መሓዛይ በለትኒ፣ ጉዳየይ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብ ቅድሚኣ ርዱእ ክንሱ፣ ምሥጢር ክትምእርር ዝደለየት ሄለን። ኣነ ከኣ፣ ሓቀኛ ተነሳሒ፣ ኣብ ቅድሚ ኣባት ነብሱ፣ ብግሩህ ልቢ ብንጹሕ ሕልና ከም ዚናዘዝ ዝገብረንን ዝስምዓኒን ንሱ ዝብለኒን ክናዘዝ ጀመርኩ፣ ብኣንክሮ ትሰምዓኒ ብምንባራ ኑዛዘይ ከም ማይ ይዛሪ ነበረ። ዘረባይ ምስ ወዳእኩ ካዕ ካዕ ኢላ ሰሓቐት።

ንሱ እኳ ብኣኺ ፈዘዝ ቀዘዝ ኢሉ እዩ ዘሎ። በቃ ሎሚ ፍሉጥ እዩ፣ ክሓተኪ እዩ ከም ቀደሙ፣ ንስኺ ኩርዕ በሊ ኢኺ፣ እቲ ብተደጋጋሚ ምእባይኪ መልሲ ዘይምሃብክን’ውን መሊሱ ከም ለባም ብፍቅርኺ ከም ዝቃጸል ጌርዎ እዩ። “ፍቅሪ ማለት እኳ መሓዛይ ብሓደ ምምልላስ…” ማለት እዩ። በዚ ኾነ… ሕጂ ከምዚ ግበሪ ኢላ ከሻኒት ፍቕሪ… ብዙሕ ክብሎን ከማእዝኖን ዝግበኣኒ ሓሳባት መጠወትኒ። ይኹን ኣይኹን ክላስ ኣትየ ደኣ ኮፍ ኢለ እንበር፣ “ንሳ ምሳይ ልባ ምስ ደበሳይ” ከም ዝበሃል ልበይስ ኣርሒቑ ገይሹ እዩ ዝነበረ። ካብ ርሑቕ ከም ማዕበል ዝገላብጥ ዉቅያኖስ… ኣብ ዉቅያኖስ ከም ዘሎ’ሞ ብሶሉኡ ከም ዝተበላሸወት መርከበኛ፣ ብዙሕ ይሓስብ የዉርድ የደይብ። ምልክት ኣብ ሓደ ማዕበል ክሳብ ምእታወይ ከኣ ናብ ሓደ ነገር ምስ ጠመትኩ ይፈዝዝ ብምንባረይ። ሄለን እናተናኸፈት ካብቲ ሓሳብ ተዉጽኣኒ ነበረት.. ኣንቲ ከመይ ዲኺ ኮይንኪ በለትኒ ሄለን… እንታይ’ዶ ኮይነ እየ “ዋላ ሓንቲ..ሓ…ሓንቲ ኣይኮንኩን” ኣንቲ… ኣንቲ… ኣዜብ በለትኒ ኣድያም እንታይ’ኺ ዝበልኪ ኢለ ዝበለትኒ ሰላም ቃላት ሄለን መሲሉኒ ተንከፈትኒ’ሞ ኣትሪራ ሓተተትኒ እንታይ’ዶ ኢለ እየ ዝተዛረብኩ ድዩ መሲሉኪ በልክዋ፣ እዋእ ተዛሪብኪ ጥራይ ድዩ። “እንታይ በዲለዩ ኢየ… ጨካንዩ” ክንደይ ቃላት ካብ ከናፍርኪ ክፈስስ ሰሚዐ እየ በለትኒ።

ድሮ ፍጥነት ጒዕዞና 120 ኪ.ሜ.-140 ኪ.ሜ. ኣብ ሰዓት ብምንባሩ፣ ካብ ፍጥነት ዝተላዕለ፣ ደሮና ዝለበስና ንመስል ነበርና፣ ጥምት ኣበልክዎ’ሞ ስሓቕኩ፣ እዋይ ኣቲ መሓዛይ ፋሕሩ መሲልኪ በልክዋ’ሞ ስሓቕኩ፣ ናትካ ኣቐሚጥካስ ናይ እንዳ ኣማትካ በለትኒ። ኣብ ከምዚ ህሞት መኪናና በብቁሩብ ፍጥነታ ክትንኪ ጀመረት፣ እዚ ኣጋጣሚ ሻቅሎት ክፈጥረልና ጀመረ፣ ገለ ነገር’ዶ ኣበላሽያ ትኸዉን ዚብል 6 ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ኩላትና ይመላለስ ነበረ። ብኡ ምኽንያት ከኣ ደሓንድ’ዩ ደሓንድ’ዩ እንታይ ኮይንና’ዲና እዛ መኪና… ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ብኩሉ መኣዝን ክቐርቡ ጀመሩ። ካብቶም ኣብ ልዕሊ ጋቢና ዝነበሩ ምስ መራሒ መኪና ድሕሪ ምሕታት ዝተረኽበ መልሲ ግና፣ ኣብ ድሕሪት ዝነበራ መሳንይትና መካይን፣ ብቴሌፎን ብዝሃብኣ ሓበሬታ ደዉ ከም ዝበለት ተሓበረና። ግዜ ኣይወሰዳን ጽንብር በለና’ሞ፣ ንሰልፊ ዚተዳለዋ ክመስላ ብመስርዕ ኣዕረፋ። ሓደ ከይወርድ ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ነበረ። ኣይጸንሐን መራሒ መኪና ናይ ሳልሰይቲ መኪና ኣርባዕተ ሰባት ኣምሪሑ ብምምጻእ። ምስ መራሒ መኪናና ተፈንቲቱ ኩሉ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ርእሱ ብምንቅናቕ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ድሕሪ ምግላጽ መራሕ መኪናና ቅርብ ኢሉ… ንስኻ ንስኻ ፣ ብምባል ንኣርባዕተ ሰባት ተስፋይ ዝርከቦም ኣውረደ።

ዉርድ ምስ በሉ ነቶም ካብ ካልእ መኪና ዚመጹ፣ ደይቡ በሎም። ተስፋይ ከምኡ’ውን ካልኦት ፣ ኮፍ መበሊኦም ክምንጠሉ ምስ ተገንዘቡ፣ ስማዕ እስከ ንሕና’ኸ ኣበይ ከንከዉን በልዎ። እንተደለኹም ተጸቓቒጥኩም ደይቡ፣ ወይ ከኣ ናብታ መኪናኦም ኪዱ በሎም። ብህድኣት ይዛረብዎ ነበሩ፣ ኣብ መኪና ዝነበርና ኣስደሚሙና፣ እዋእ እንታይ ትገብር ኣለኻ በልናዮ፣ ንሱ ግና “ብዘፈራርህ ቃላት፣ ከሊኩም ሳክቲን “ትርጉሙ ኣብ ዘይእትወኩም ኣይትእተዉ.. ስቅ በሉ ። እቲ መራሒ ካልኣይቲ መኪና፣ “ኣብ ዓዱ “መን እንቱ ለይሳ ለኩም ክያር ብልእሙር..” ኣማራጺ የብልኩምን ስምዕዎ ተረሓሓቑ… እናበለ ከፈራርህ ጀመረ። ራእሱን ኣብ ጥቃኡ ኮፍ ኢሉ ዚነበረ ብወዲ ከረን ዝፍለጥ፣ ከደራይ ቆማት፣ ከቢብ ገጽ፣ ተጻዋቲ፣ መንእሰይን ካልእ ክልተን ነንሓድሕዶም ክዛራረቡ ድሕሪ ምጽናሕ ዝል ኢሎም ወረዱ’ሞ። ወዲ ከረን ንነዊሕ ኣብ ሱዳን ዚተቐመጠ ብምንባሩ፣ኣብ ኣፎም ብምዃን፣ ንስኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፣ ንዕኦም ከተጽብበሎም። በሎ። ንስኻ እንታይ ኣእትዩካ በሎ፣ እቲ መራሒ መኪና፣ ኩሎም እንታይ ኮይኑ ዘየእትወና፣ ከም ድሌትካ መሲሉካ፣ እቶም ውረዱ ዚተባህሉን እቶም ኣሕዋቶም ንምድጋፍ ዚወርዱን ምስቶም፣ መራሕቲ መካይን ምንህሃር ዛየደ፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ፣ ወይ ይመለሱ ወይ ከኣ ነፍስኹም ፍርሁላ ምስ ተባህሎም። ኣዉቲስታታት ዘይተዋጽእ ሙዃና ስለ ዝፈለጡ… ነናብ መኪናኦም ኣምርሑ፣ ኣባላት መኪናና ኸኣ ኣብ ናቶም፣ ኣብ መንበር ካልኦት ኮፍ ኢሎም ኣራጢጦም ክኸዱ ዚሓሰቡ፣ ኣፈራሪሆም ዉረዱ በልዎም።

ወረዱ ኸኣ…ናብ ናይ ቀደም መኪናኦም ከኣ ተመልሱ። መራሕ መኪናና ሓሰን ሓሪቑ፣ ብምንባሩ ንመኪና ከም ዑፍ ከብርራ ጀመረ፣ ካልኦት’ውን ከምኡ ይስዕባ ነበራ፣ ብኣዝዩ ከቢድ ፍጥነት ይከይድ ብምንባሩ ከኣ፣ ኩልና ስክፍታ ነበረና፣ ኣጸቢቕኩም ሓዙ፣ “ኣምስኩ ኮይስ ያጀምዓ” ዚብል ቃላት ብክልተ ቋንቋታት ይዝረብ ነበረ። ኣድያም ንኩነታትና ድሕሪ ምዕዛብ፣ ዓዉ ኢላ “ኣንታ ዘይተሓስበ ክጠቕመና እዩ” ከምዚ እንተ ደጊሙ ደኣ ቀልጢፍና ናብ ልብያና በለት። ወዲ ባጽዕ ከኣ ንስኺ ከኣ ኣኺሉኪ በቃ ዘይግድሰኪ፣ በለ። ብኸምዚ ሠለስተ ሰዓት ዝኣክል ተጓዓዝና፣ ድሮ ዓይኒ ሒዙ ሰዓት ሹዱሽተ  ኮይኑ ነበረ። ፍጥነት በብቁሩብ እናነከየ ከደ፣ በብቅሩብ ከኣ ደዉ በለት። በቃ ኩሉ ሰብ ይዉረድ፣ ኣብዚ ክንሓድር ኢና ዚብል፣ መልእኽቲ ስለ ዚመጸ፣ ኩላትና ወረድና። ብምዕጻፍ ረብሪቡ ዚወዓለ እግረይ፣ ምረቱ ክገልጽ፣ ረድረድ በለ። ነፍሲ ወከፍና ብቅልጡፍ ካብቲ ኮፍ ኢልናዮ ዚወዓልና፣ ስንቂ ነናቱ ብምዉሳድ ክንምገብ ጀመርና፣ ደቀንስትዮ ብሓደ መኣዝን ደቂ ተባዕትዮ ብሓደ ሸነኽ ናይቲ መኪና ብምዃን፣ ለም ኢልና፣ እናዕለልና ተገምሰስና።

ራብዓይ ክፍላ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ዲ.ዘርአ

Comments are closed.