ሓኪም ሰኣሊ ወንጌላዊ ሰማዕት  ቅዱስ ሉቃስ

ሉቃስ ማለት ነፀብራቅ፡ ብርሃን፡ መበሰሪ ማለት እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ካብ ኣሕዛብ (ኣመንቲ ናይ እግዚኣብሔር ዘይኮኑ) ወገን ኣብ ኣንጾክያ (ሶርያ) እዩ ተወሊዱ፣ ቅዱስ ሉቃስ ሓኪም እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ሕክምና ሞያኡ ኣብ ኣቴንስን እስክንድር ያን ብሊቃውንቲ ክምዘጽንዖ ይንገረሉ፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ስነ-ጥበብ( ሥነ-ስእሊ) ክእለት ነይርዎ’ዩ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ትምህርቱ ሓኪም ነፍሲ ክትከውን ኢኻ ሰዓበኒ ምስ በሎ ከይወዓለ ከይሓደረ ብትግሃትን ተገዳስነትን ሰዓቦ። ካብቶም ፯፪ ኣርድእቲ ድማ ኮነ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታን ምስ ተንስአ ከምዚረኣዮን ከምዝተዛረቦን መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና።

“ምስ ቀልዮጳ ናብ ኤማሁስ ዚኸይድ ዝነበረ” ዝተባህለ ቅዱስ ሉቃስ ምዃኑ ትርጓሜ ወንጌል ይገልጽ፣(ሉቃ. ፪፬።፩፫-፫፭) መንፈሳዊ ተጋድሎ መንፈሳዊ ተጋድሎ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ደብረ ዘይቲ ዕጫ ውድቕ ምስ ገበሩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ሮማ ትብሃል ዓዲ በጺሓቶ ኣብኣ ከሎ። ቲቶን ሉቃስን ተታሓሒዞም ብምኻድ ምስኡ ይቕመጡ ነበሩ። ብድሕር’ዚ ቅዱስ ሉቃስ ወዲ መዝሙር ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ኮይኑ ወንጌል መንግስት ድሕነት ዓለም ይእውጅ ነበረ። እንተኾነ ንጉስ ኔሮን ንቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ብ፮፯ ዓ.ም ብሰማዕትነት ምስ ኣሕለፎም፣ ቅዱስ ሉቃስ ካብቲ ንጉስ ዘለዎ ዓዲ ተሰዊሩ ወሰነ ወሰን እናበለ ኣብ ኣውራጃታት ሮምያ የስተምህር ነበረ፣ ነቶም ሕዝቢ ብሕክምና ይፍውሶምን ወንጌል ሰቢኹ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ንዕዉራትን ሓንካሳትን ለምጻማትን ይፍውስ ነበረ።

ነዚ ተኣምራት ክርእዩን ክፍወሱን ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ደቂ’ቲ ዓዲ ናብ እምነት ክርስትና ወሓዙ፣ ቅዱስ ሉቃስ ብዝሖምን እምነቶምን ርእዩ ድማ ቤተክርስቲያን ኣስርሓሎም። እንተኾነ ከምቲ ‘ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ’ ከም ዝብሃል ካህናተ ጣዖትን ኣይሁድን ዝርከብዎም ነቶም ኣማልኽቶም ሸላሊሞም ዓበይቲ ዓዲ ብምጽዋዕ ንቅዱስ ሉቃስ ከጥፍኡ ኣኼባ ገበሩ። ሓደ ካብቶም ወደብቲ’ቲ ኣኼባ ተንሲኡ ከምዚ ቢሉ መደረ። “በሉ ሕጂ መእከቢና ኣይትስሕትዎን ትኾኑ ስለዚ ነዚ ነገር’ዚ ዝገልጸልናን ዘረድኣናን ከምኡ’ውን ኣብዚ ደው ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ንምረጽ”፣ ንሳቶም ድማ “እወ” ዝብል ሊቀ ካህናት መሪጾም ኣተንስኡ፣ንሱ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ተዛረበ “ካብቶም ፩፪ ሓዋርያት ፯፪ ኣርድእትን ኣብዚ ሃገርና ኣትዮም ንብዙሓት ኣብ እምነቶም ከም ዘእተውዎም እሙን ነገር እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑና ዘሎ ትምህርቶም ቅኑዕ ብዘይምዃኑ እዩ። ድሮ እኳ ነዚ ተረዲኡ ንጉስ ኔሮን ካብኣቶም ዝቐተሎም ኣለዉ፣ እዚ ናይ ሕጂ ኣኼባና ግን ብምኽንያት ሉቃስ ዝብሃል ሓዋርያ ኮይኑ። እቶም ብጾቱ ክቅተሉ ከለዉ ተሓቢኡ ጸኒሑ ሕጂ ጸገም ይፈጥረልና ስለ ዘሎ እዩ።” ብምባል እቲ ሊቀ ካህናት ነቶም ሕዝቢ “ድሕሪ ለባም ኣይትመድር” ከምዝብሃል “እወ እወ” ከምዝብሉ ገበሮም፣ ኣብዚ ኣኼባ ነንሓድሕዶም ምእንቲ ኪረዳድኡ “እዚ ሉቃስ ዝበሃል ብስም ኢየሱስ ዝሰብኽ ዘሎ እዩ” ኢሎም ኢየሱስ ዝብል ስም ምስ ኣልዓሉ እቶም ተሸላሊሞም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ጣዖታት ካብ መናብርቶም እናተነቅሉን እናተነጸሉን ወዲቖም ተሰባበሩ። በዚ ነገር’ዚ ዝተሰናበዱ መልዓልቲ ነገር ፈሪሖም ነቲ መሐከሊ ሰይጣን ኮይኑ ዝነበረ ጸላኢ ሰናያት ንንጉስ ኔሮን ከይዶም ነገርዎ፣ ንሱ ድማ ኣስናኑ እናሓርቐመ ፪00 ወተሃደራት ኣዋፊሩ ንቅዱስ ሉቃስ ከምጽእሉ ኣዘዘ፣ ቅዱስ ሉቃስ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ኣቐዲሙ ስለዝፈለጠ ነተን መጻሕፍቱ ንሲላስ ሓቢኡ ኣረከቦ። እቶም ወተሃደራት ከምዝተኣዘዝዎ ንቅዱስ ሉቃስ ናብ ንጉስ ኔሮን ኣብጽሕዎ፣ እቶም ልኡኻት “ስም ኢየሱስ ክዝከር ከሎ እዮም ኣማልኽትና ዝተሰባበሩ” ስለዝበልዎ 18 ሓምለ ፪0፩፩ ሓምለ ፪0፩፩ ንጉስ ኔሮን እዛ ኢየሱስ ትብል ቃል ኣብ ቤተ-መንግስተይ ከይተልዕለለይ በሎ። እንተኾነ ግን እቶም ህዝቢ ካብዚ ዓድና ኣውጽኣልና እናበሉ ጫውጫው በሉ፣ ንጉስ ኔሮን ድማ “ዘይ-ካብዚ እንተ ኣውጻእናዮ ናብ ካልእ ዓዲ ከይዱ ክሰብኽ’ዩ፣” ዝሓሸሲ ነታ “ኢየሱስ ወንጌል” እናበለት እትጽሕፍ የማነይቲ ኢዱ ደኣ ምቑራጻ ኢሉ ኣዚዙ ኣቝረጻ። ኢድ ቅዱስ ሉቃስ ግን ተቖሪጻ ኣይተረፈትን፣ ቅዱስ ሉቃስ ከምዚ ኢሉ ጸለየ። “ከምቲ ቀደማ ክትገብረለይ እልምነካ ኣሎኹ”፣ እቲ ኩሉ ዘይሰኣኖ ኤልሻዳይ ኣምላኽና ድማ ጸሎቱ ሰምዖሞ። ኢዱ መለሰሉ፣ ኣናጦሊ ዝተባህለ መኮንን ምስ ፪፮፯ ሰራሕተኛታቱ ነዚ ተኣምራት ምስ ረኣዩ ብክርስቶስ ኣመኑ፣ ብኣንጻሩ ንጉስ ኔሮን ልቡ ብምትራር እዚ ዝተገብረ ብስራይ ኢዩ ብምባል ንቅዱስ ሉቃስን ነቶም ዝኣመኑን ብ፪፪ ጥቅምቲ ንሞት ፈሪዱ ኣሕሊፉ ሃቦም። በታ መዓልቲ’ቲኣ ድማ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ፰፬ ዕድሚኡ ክሳዱ ተሰይፉ ዓረፈ። ኣሰሩ ከይርክብ ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። እንተኾነ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ማዕበል ገፊዑ ናብ ወሰን ባሕሪ ስለዘውጽኦ ሓደ በረኸት ሓዋርያት ተኻፈል ዝበሎ ሰብኣይ ሓጺቡ ብንጹሕ ዓለባ ገኒዙ ኣብ ናይ ምእመናን መካነ መቓብር ቀበሮ::

ቅዱስ ሉቃስ ድንግልናዊ ሕይወት ዝነበሮ ሓዋርያ ኮይኑ ባዕሉ ዝጸሓፎም ወንጌልን ግብረ ሓዋርያትን ዝበሃሉ መጻሕፍቲ ኣለውዎ። ትሕዝቶ እዞም መጻሕፍቲ ኣብዛ ሓጻር ዓምዲ መጽሔትና ብግቡእ ክነስፍሮም ከቢድ ምኻኑ እኳ እንተዘይዘንጋዕና። ሕጽር ብዝበለ ሓፈሻዊ ስእሊ ትሕዝቶ እዞም መጻሕፍቲ ክንጠቅስ ክንፍትን ኢና፣ ወንጌል ሉቃስ ወንጌል ሉቃስ • ቅዱስ ሉቃስ ነዚ ወንጌል ዝጸሓፎ ኣብ ፭፰-፮0 ዓ.ም ዘሎ ጊዜ እዩ። እዚ መጽሓፍ’ ዚ ፪፬ ምዕራፍ ፩፬፱ ቁጽሪ ኣለዎ። ብቋንቋ ግሪኽ ንቴዎፍሎስ ዝበሃል መቄዶናዊ (ግሪኻዊ) በዓል ስልጣን ዝተጻሕፈ እዩ። በዚ ድማ “ናይ ኣሕዛብ ወንጌል” እናተባህለ ይጽዋዕ። በዚ መሰረት ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ፦ • ወንጌል ሉቃስ ብኣገላልጽኡን ኣቀራርብኡን ካብ ካልኦት ይፍለ ኢዩ። እዚ ድማ ቅዱስ ሉቃስ ሰኣሊ ብምንባሩ እቲ ታሪኽን ምሳሌታትን ብስዕላዊ መግለጺ ተንጸባሪቑ ንረኽቦ። ንኣብነት፦ ናይ’ቲ ጥፉእ ወዲ (፩፭።፩፩-፫፪) ። ርሕሩሕ ሳምራዊ (፩0።፪፱-፫፯) …ወዘተ፣ • ብተወሳኺ፦ ወንጌል ሉቃስ • ብሓፈሻ ወንጌል ሉቃስ ንኣሕዛብ (ዘይኣመንቲ) ከምዝርድኦም ኮይኑ ስለዝተጻሕፈ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሓደስቲ ምእመናን “ከም ንሕጻን ጸባ” ዝበሃል ብቀሊሉ ክርድእዎ ይኽእሉ። ግብሪ ሓዋርያት ግብሪ ሓዋርያት ቅዱስ ሉቃስ ፩-፫፬ ዓ.ም ዘሎ ናይ ክርስትና ታሪኽ ኣብ ወንጌል ኣስፊሩዎ ኣሎ። ካብ ፫፬-፭፰ ዓ.ም ዝተፈጸመ ድማ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ዝበሃል መጽሓፍ ኣስፊርዎ ይርከብ። ግብሪ ሓርያት ብዛዕባ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ታሪኽ ቀዳሜ ሰማዕት እስጢፋኖስን ስደትን ሓዋርያዊ ጉዕዞን (፱-፩፪) ከምኡ’ውን ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ገድልን ናይ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኤስያን ኤውሮጳን ይገልጽ (ምዕ ፩፫።፩-፰)፣ ሰላም ለሉቃስ እንተ ረትዐ ልሳኑ። ወንጌል መለኮት ይጽሓፍ እምእለ ብዙሓን ወጠኑ። ከመያርኢ ኃይለ ቅድመ ኔሮን ወተዓይኑ። ኣጥበቃ ወሌለያ ለምትርት የማኑ። እስመ ላዕሌሁ ተሰውጠ ለክርስቶስ ሥልጣኑ።

ምንጪ፦ ፩. መጽሓፈ ፄው። ፪) ቤተ ክርስቲያንህን ዕወቅ ፫) ስንክሳር።

ምንጪ። መጽሔት ቃለ ጽድቅ

Comments are closed.