ልደተ ስምዖን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ልደተ ስምዖን ካብተን ትሸዓተ ናይ ጐይታ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኾይኑ ኣብ ለካቲት ፰/8 ከምተን ካልኦት በዓላት ብማህሌትን መዝሙርን ቅዳሴን ተሰሪዕሉ ክበዓል ከም ዘለዎ ኣብ መጽሓፈ ዝሰፈረን ዝበዓልን በዓል እዩ። በዚ ዕለት ሕፃን ጐይታ ካብ ዝውለድ ኣብ መበል ፵/40 መዓልቱ ቅድስት ድንግል ማርያምን ጻድቕ ዮሴፍን ናብ ቤተ መቕደስ ዝወሰዱሉን፥-

- “ነቲ ሕፃን ናብ እግዚአብሔር ኼቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም (ናብ ቤት መቕደስ) ወሰድዎ። እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚአብሔር ‘ማሕፀን ወላዲቱ ዚኸፈተ ዘበለ ወዲ ዂሉ ንእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ይበሃል’ ዚብል ተጻሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ። ከምኡውን ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚአብሔር ‘ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጨቐዊት ርግቢት መሥዋዕቲ የቕርቡ’ ስለ ዚብል እዩ።” ሉቃ ፪/2፡፳፪-፳፫/22-23።

ብተወሳኺ'ውን

- እቲ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ጻድቕን ንኣምላኽ ዝፈርህን ስምዖን ዝተባህለ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብ “ነቲ መሲሕ እግዚአብሔር ከይረኣዮ ከም ዘይመውት ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተነጊርዎ ነበረ። ንኢየሱስ ሕፃን፥ ዮሴፍን ማርያምን ከም ልማድ ሕጊ ኺገብሩሉ ናብ ቤት መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፥ ስምዖን ብመንፈስ ቅዱስ ናብኡ መጸ። ንሱ ድማ ኣብ ሕቑፉ ተቐቢሉ ንኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣመስገኖ” ዝብል ጽሑፍ ብተግባር ዝኾነሉ ዕለት እዩ።

ስምዖን ብቛንቛ ዕብራይስጥ፣ ግእዝን፣ ትግርኛን ምስማዕ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ስም እዩ። እዚ ቅዱስ በዓል ካብተን ፱/9 በዓላት ናይ ጐይታ ተመዲቡ ክነሱ ልደተ ስምዖን ዝተባህለሉ ምኽንያት ንምርዳእ መጀመርታ ነቲ ታሪኽ ናይ ጻድቕ ስምዖን ምስኡ ድማ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ምትእስሳርን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ስንክሳር ካብ ዝተጻሕፈ ብትግርኛ ተርጒምና ክንርኢ ኢና።

፩፤ ብስመ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን አሐዱ ኣምላኽ በዛ ሻሙነይቲ ዕለት ናይ ለካቲት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክቡር ልደቱ ድሕሪ ፵/40 መዓልቲ ናብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ዝኣተወሉ እዩ።

፪፤ እቲ ነዚ ምሥጢር ልኡኽ ዝኾነ ጻድቕ ዮሴፍን ወላዲቱ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን፥ ክብሪ ንእኡ ይዂኖ፥ ንሕዝቢ እስራኤል ንዝተሰርዐ ሕጊ ክፍጽሙን መሥዋዕቲ ከዕርጉን መጹ። እቲ ጻድቕ ዝኾነ ካህን ስምዖን ድማ ነቲ ሕፃን ሓቖፎ።

፫፤ ኣቦና ኣዳም ካብ ዝፈጠር ኣብ ፭/5 ሽሕን ፪፻/200 ዓመት እቲ መላኺ ዝተባህለ በጥሊሞስ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ሕዝቢ ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ሥልጣኑ ስለዝነበሩ ናብ ሃገረ ኢየሩሳሌም ልኢዂ ካብ ሊቃውንቶምን፣ ፈላጣቶምን መምህራኖምን ፸/70 ሰባት መሪጹ ናብኡ ወሰዶም። ንመጻሕፍቲ ድማ ካብ ቋንቋ ዕብራይስጥ ናብ ቋንቋ ጽርእ (ግሪክ) ክትርጉሙ ኣዘዞም። እዚ ከም ፍቕድ እግዚአብሔር ካብ ኣይሁድ ናብ ኣብ ኲሉ ዓለም ዘሎ ክርስቲያን ክበጽሕ ስለዘለዎ እዩ።

፬፤ በብኽልተ ገይሮም ድማ ክፈልይዎም ኣዘዞም። ንሳቶም ፸፪/72 ስለዝነበሩ ፴፮/36 ድንኳናት ኣዳሊዉ ኣብኡ በብክልተ ኣንበሮም። ንሳቶም ብናይ ተንኮል ሥራሕ ፍሉጣት ስለዝነበሩ ተራኺቦም ብምስምማዕ ነቲ ዝጽሕፍዎ ናይ ሕጉ ቃል ከይልውጡ ኣብ ልዕሊኦም ሓለውቲ ገበረ።

፭፤ በዚ ድማ ስምዖን ናይ ነቢይ ኢሳይያስ መጽሓፍ ክትርጉም በጽሖ’ሞ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ኽትወልድ እያ፥ ስሙውን ኣማኑኤል ኢላ ኽትሰምዮ እያ። ኣብ ዝብል በጽሐ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ብምባል ንጉሥ ከም ዘላግጸሉን ከም ዘይቅበሎንም ምስ ሓሰበ ስምዖን ነቲ ቃል ክጽሕፎ ፈርሀ። ንርእሱውን ከመይ ኢሉ ይኸውን ኢሉ ተጠራጠረ።

፮፤ ከምዚ ኢሉ ክሓስብ ከሎ ድቃስ መጺዎ ደቀሰ። መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ ነቲ ዝተጠራጠርካዮ ካብ ድንግል ዝውለድ ክሳዕ እትርእዮን እትሓቕፎን ሞት ኣይክትጥዕምን ኢኻ በሎ። ብድሕርዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተወሊዱ ክሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘምጽእዎ ዕለት ፫፻/300 ዓመት ጸንሐ። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ እቲ እትጽበይ ሕጻን እዚ እዩ ኢሉ ዝነገሮ ንጐይታና ሕፃን ምስ ሓቖፎ ዓዊረን ዝነበራ ኣዕይንቱ ተኸፍታ ኲለንተናኡ ድማ ተሓደሰ።

፯፤ ንእግዚአብሔር ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ድማ ኣመስገኖ ሓላፊ ኣብ ዝኾነ ናይዚ ዓለም ሕይወት ምእንታኻ ተኣሲረ ነይረ፥ እንሆ ሕጂ መጺኻ ረኣኹኻ ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክኸይድ ደጊም ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ፥ ኣዕይንተይ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣሕዛብ ብርሃንካ ክትገልጸሎምን ንኽብሪ ሕዝብኻ እስራኤል ዘዳሎኻዮ ምድኃንካ ርእየን እየ።

፰፤ ብድሕርዚ ነዲኡ ንእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም እዚ ወድኺ ኣብ እስራኤላውያን ንብዙሓት ምኽንያት ምዕንቃፎምን ምትንሣኦምን ንፍርዶምውን ዝተዳለወ ምልክት እዩ በላ።   

፱፤ ብተወሳኺ'ውን ብዛዕባ ኣብ ልባ ዝኣቱ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ዝኸፍል ሓዘን ክኣቱ እዩ ኢሉ ኣረድኣ። ብድሕርዚ ብሰላም ዓረፈ።

፲፤ ቅዱስ ወንጌል ዝዘከራ ሐና ነቢይት ጓል ፋኑኤል ኣብኡ ነበረት ብዛዕባኡ ድማ ንእግዚአብሔር ኣመስገነቶ ትንቢትውን ተነበየት ንሱ እቲ ካብ ባርነት ሰይጣን ዘድኅኖም መድኃኒት ከም ዝኾነ ነገረቶም። ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕያዋይ አቡኡን ንመሓሪ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስን ክብርን ምስጋናን ይዂኖ ንዘለዓለም ኣሜን።

ካብዚ ታሪክ ናይ ስምዖን ኣረጋዊ ምስ ጐይታና ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ናይ ታሪኽ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ በዓል ብዓቢኡ ናይ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ከሎ ልደተ ስምዖን ዝብል ስያመ ዝተዋህበሉ ምኽንያት ክንርኢ።

ቅዱስና ንእግዚአብሔር ናይ ባህርይ ገንዘቡ እዩ። “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ፩/1 ጴጥ ፩/1፡፲፭-፲፮/15-16፥ ዝብል ቃል ንደቂ ሰባት ዝተነግረ እኳ እንተ ኾነ እግዚአብሔር ናይ ቃሉ መሕደሪ ኮይኖም ንዝተረኽቡ መላእኽቲ፣ ሰባት፣ ንዋያት ኮኑ ዕለታት ቅዱሳን ክኾኑ ከም ዘፍቀደ ዘረድእ እዩ። ናይ ደቂ ሰባት ቅድስናን ስለቲ ቅድስናኦም ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦም ክብሪ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ ናይ ቅዱሳን ቅድስና ካብ ነፍሶም ናብ ሥጋኦም፣ ናብ ክዳኖም፣ ናብ ዝተንከፍዎ፣ ናብ ዝረገጽዎ፣ ካብኡ ሓሊፉውን ክሳዕ ዘለዓለም ዝኽሮም ክነብር ታቦት ተቐሪጽሎም፡ ዕለት ተፈሊሎም፣ ገድሊ ተጻሒፍሎም ከም ዝዝከሩ ነቢያት “ሰናብተይ እንተ ድኣ ሓሊኻ፥ ንኣይ ዜሕጉስ እንተ ድኣ ኃሪኻ፥ ኪዳነይ ከኣ እንተ ድኣ ኣጽኒዕካ፥ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደንበይን ሥፍራ፥ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ድማ ስም ክህበካ እየ። እወ፥ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካ እየ።” ኢሳ ፶፮/56፡፬-፭/4-5 ኢሎም ዝተነበይዎ እዩ። ብተወሳኽውን ኣርባዕቲኡ ወንጌል ብዛዕባ ናይ ጐይታ ታሪኽ ካብ ልደት ክሳዕ ዕርገት ዝገልጽ እንከሎ ናይ ማቴዎስ ወንጌል፣ ናይ ማርቆስ ወንጌል፣ ናይ ሉቃስ ወንጌል፣ ናይ ዮሓንስ ወንጌል ተባሂሉ ምስያሙ፡ ነዚ ዝገልጽ እዩ። ስለዚ በዓለ ልደተ ስምዖን ዋላኳ ናይ ጐይታና በዓል ይዂን ድኣ እምበር ከምቲ ወንጌል ናይ ጐይታ ታሪኽ ዘዘንቱ ከሎ ብስም ወንጌላውያን ዝተሰምየ ብስም ስምዖን ዝተሰምየ እዩ። “ከመይ እግዚአብሔር ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎዂምን ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን።” ዕብ ፮/6፡፲/10።

ልደተ ስምዖን ኣብ ዝብል ቃል፥ ልደት ክብል ከሎ ስምዖን ኣረጋዊ ከም ብሓድሽ ተወሊዱ ንማለት ዘይኮነ፥ ካብቲ ዝነበሮ ዕድመ ፫፻/300 ዓመት ተወሲኽዎ ኣብ እርጋኑ ንሕፃን ጐይታና ምስ ሓቖፎ ከም ዝተሓደሰ ዘረድእ እዩ። ሰብ ብኣካለ ሥጋ ኣሪጉ ናብ ማህጸን ኣዲኡ ከም እንደገና ተመሊሱ ከመይ ገይሩ ይውለድ ኢሉ ከም ኒቆዲሞስ ዝሓትት እንተሎ፥ እቲ መልሲ ብኣካለ ሥጋ ዘይኮነስ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነ ጐይታ መሊስሉ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ምሕዳስ ሰብ ኃይሊ እንተ ረኺቡ ከም እኒ ሙሴ ነቢይ ፵/40 መዓልትን ፵/40 ለይትን ብዘይ መግብን ማይን ይጸውም፣ ከም እኒ ኤልያስ ፵/40 መዓልትን ለይትን ይጓዓዝ፣ እንባ ብእምነቱ የልዕል፣ ብሰማየ ሰማያት ብደመና ተጻዒኑ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይንሳፈፍ፣ ኣብ ባሕሪ መንጸፍ ኣንቢሩ ከም ኣብ ጃልባ ዘሎ ጸምበለል እናበለ ይኸይድ፣ ወዘይመስሎ ክገብር ይከኣሎ እዩ። ብኸምዚ ስምዖን ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ ከም ዝብለና ኣብ ጊዜ እርጋኑ ንጐይታ ምስ ሓቖፎ ብኃይሊ ኣምላኽ ተሓደሰ። እታ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ዘፈር ክዳን ናይ ክርስቶስ ተንኪፋ ካብ ሓወየት፥ ማቴ ፱/9፥ ፳፩/21፥ እቲ ንጐይታ ዝሓቖፎ ስምዖን ድኣ ክንደይ ኣብዚሑ ካብ እርጋን ድኻሙ ዘይሕደስ። እምበኣር ኣሰያይማን ታሪኽ ናይዚ ቅዱስ ዕለት እዚ ካብ ኮነ፥ “እቲ ቐደም ዝተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንትምህርትና እዩ ዝተጻሕፈ።” ሮሜ ፲፭/15፡፬/4 ከም ዝብል ካብዝን ካብ ናይ ዕለቱ ምንባባትን ከመይ ኢልና ክንነብር ከም ዘሎና የስተምህረና።

ናይ ክርስቶስ ልደት ምስሊ ናይቲ ንዂላትና ምስ ክርስቶስ ዘሎና ዓቢይ ሓጎስ የመልክት። እታ ንክርስቶስ ዝጸነሰትን ዝወለደትን ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰትን ዝተባረኸትን ቅድስት ቤተክርስቲያን እያ። ንሳ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብማይ ሰለስተ ጊዜ ብምጥላቕ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ብሓድሽ ሕይወት ከም እንውለድ ዝገበረትን እትገብር እያ። እዚ በቲ ዂሉ ዝኽእል ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝተቐበለቶ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እታ ኣረጊትን መኻንን ወለደት፣ እቲ ዝተዓብሰ ካህን ኣፉ ከፊቱ ኣመስገነ፣ ኣብ ማህጸን ዘሎ ሕፃን ተሰራሰረ፣ ሐና እታ መበለት ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፣ እቲ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ጻድቕን ንኣምላኽ ዝፈርህን ስምዖን ኣረጋዊ ብመንፈስ ቅዱስ ናብቲ ሕጻን መጸ ነቲ ሰማይን ምድርን ዘይጸርዎ ኲሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ በእዳዉ ሓቚፉ ኣመስገነ።

እዚ ዂሉ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ዝተፈጸመ ተኣምር እዩ፥ ምስ ዕለቱ ዝኸይድ ንምግላጽ ዝኣክል እምበር ኣብ መቕደሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቕሰ ብዙሕ ዝተገብረ ተኣምር ኣሎ። በዚ ኃይሊ ኣምላኽ ዝርከበሉ ቀንዲ ሥፍራ ቤተክርስቲያን ከመ ዝኾነ ምስ መረዳእታኡ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ መረዳእታ ባዕሉ እቲ ወሃቢ ኃይሊ ዝኾነ ጐይታ ንሓዋርያት “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ በሎም።” ምስበሎም “… ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ ብብዙሕ ሓጎስውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ ንኣምላኽ ኲል ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም የመስግኑ ነበሩ” ሉቃ 24፡49-53። ኣብ በዓለ ሃምሳ ኣብ ቤት መቕደስ ተኣኪቦም ከለዉ ድማ መንፈስ ቅዱስ ተመልኡ። ግሓ ፪/2፡፩-፬/1-4። ነዚ ዕለት (በዓለ ጰራቅሊጦስ) ቅዱሳን ሊቃውንት ልደት ናይ ቤተክርስቲያን ይብልዎ። ልደተ ስምዖንውን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኣሉ ምዃኑ ኣብ ቤት መቕደስ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝርከብ ህዳሰ ኣነጺሩ ዘመልክት እዩ።

እምበኣር ከምዚ ካብ ኮነ ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ከም ዝግብኣና ንምርዳእን ከምቲ “እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ ፲፪/12፡፪/2፥ ዝብለና ካብ ቤቱ ከይተፈለና ጥበብ ንቕሰም፥ ነቶም ኣብ ቤቱ ዘየለዉ ድማ “ዘይለበመ እንተሎ ናብዚ ይምጻእ።” ምሳ ፱/9፡፬/4፥ እናበልና ኣሰር ነቢያትን ሓዋርያትን ንፈጽም።             

ብተወሳኺ’ውን በዚ ዕለት ሃና ጓል ፋኑኤል ማለት ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ “ካብ ነገደ ኣሴር ሃና እትበሃል ጓል ፋኑኤል፥ ኣዝያ ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ካብ ድንግልናኣ ኂዛ ድማ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። ንሳ ፹፬/84 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ። ካብ ቤት መቕደስ ከይወፀት ከኣ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፤ ነቶም ምድኃን ኢየሩሳሌም ዝጽበዩ ዂሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።” ሉቃ ፪/2፡፴፮-፴፰/36-38 ኢሉ ዝጸሓፈላ ዘዕረፈትሉ ዕለት እዩ። ስንክሳር ለካቲት ፰/8።

ኣብዚ ዕለት ዝንበብ መልእኽትን ወንጌልን ነዚ ኣብ ዕለቱ ዝተፈጸመ ዘኪርና በረኸት ክንረክብ በቲ ሓደ ድማ እንመሃረሉ ስለዝኾነ ገለ ጭልፍ ኣቢልና ካብቲ ጽሑፍ ክንርኢ። እቲ ወንጌል ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እዩ።

1ጢሞ 5፡5 “እታ ሓጋዚት ዘይብላ መበለት ግና ተስፋኣ ኣብ እግዚአብሔር ገይራ ምእንቲ ክረድኣ ለይትን መዓልትን ብምህለላን ጸሎትን እያ እትጸንዕ እታ ብደስታ እዚ ዓለም እዚ ጥራይ እትነብር ግና ብሕይወታ ከላ ዝሞተት እያ ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክኾኑስ እዚ ድማ ኣዝዝ ሓደ እኳ ነቶም ኣዝማዱ ምናዳ ግና ንሥድራኡ ዘሓሊ እንተሎ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።”

ያዕ 5፡14-16 “እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተንሥኦ እዩ። ኃጥያት ገይሩ እንተኾይኑ እውን ክሓድገሉ እዩ። እምበኣርሲ ምእንቲ ክትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ ምእንቲ ንሓድሕድኩመን ጸልዩ ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።”

ግሓ 3፡16 “ስሙ ማለት ብስሙ ምእማን ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ እታ ብኢየሱስ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ኲላትኩም ምሉእ ጥዕና ሃቦ።”

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.