ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል. ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ገለ ካብ ትውፊትና 
ርኅወ ሰማይ 
ወርሐ ጳጒሜን ተዘክሮተ ምጽኣት ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ፫ተ ጳጒሜን ኸኣ ብፍሉይ ሰማያት ዝኽፈተሉ ተባሂሉ ዝእመነሉ መዓልቲ እዩ። መቸስ ሰማያት ዝዕጸወሉን ዝኸፈትሉን ማዕጾ ኣለዎ ንማለት ዘይኮነስ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ምሥጢር ዝግለጸሉ ስለዝኾነ እዩ። ካልእ መዓልቲ’ውን ምሥጢር ኣይግለጽን ንማለት’ውን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጽለዩ ጸሎታት ከም መሥዋዕተ ሠርክ ኣብ ቅድመ እግዚአብሔር ከዕርግ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ስለዝተቐበለ እዩ። ብኸምዚ ኸኣ አበው ይኹን ምእመናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጸሎት ተጊሆም ይርከቡ። ኣብዚ ዕለት ንዝዘንብ ዝናብ ኸኣ ከም ጸበል ስለዝውሰድን ዳርጋ በዚ ማይ ዘይጥልቅይ ወይውን በቲ ማይ ዘይሕጸብ ሰብ የልቦን። እቲ ዝዘንብ ማይ ኸኣ ንሰብ ይኹን ንእንሰሳ እንተላይ ንዘራእቲ ጽቡቕን ጥዕና ዝህብን እዩ ተባሂሉ ይእመን።

ገዓት ሩፋኤል

ቅዱስ ሩፋኤል ነቲ መርዓ ስለዝባረኾን ነቶም ስድራውን ሓዘኖም ናብ ሓጐስ ስለዘለወጦን መልአከ ከብካብ ይብሃል። ኣብ ባህልና’ውን ኣብዚ መዓልቲ ብፍሉይ ገዓት ተገዒቱ ናይ ሩፋኤል ጸበል እናተባህለ ይጠዓም። እቲ ምኽንያት ኸኣ ቅዱስ ሩፋኤል ንጦቢያ መርዓት ዝመረጸሉን፤ ንመርዕኡ ኸኣ ስለዝተሓጋገዞን ስለዝባረኾን ክንዲ ዓርኪ ርእሲ ድማ ኣብ ሕጽኖቱ ስለዝቐነየን ነዚ መዘከርታ ተባሂሉ ገዓት ይብላዕ።

እኽሊ ዘይምጥዓም

ኣብ ባህልና’ውን ከምዘሎ ብመሠረት ኦሪት ዝሞተ ሰብ ሓመድ ኣዳም ከይለበሰ እኽለ ማይ ኣይጥዓምን። ነዚ ሕጊ ኸኣ ጦቢት ብትግሃት ይፍጽሞ ነበረ። ኣብ ባህልና’ውን ሰሪጹ ዘሎ ትውፊት ኸኣ ንጦቢት ኣብነት ከምዝገበረ ብገለ ኣቦታት ይጥቐስ። 

መጠቓለሊ
እግዚአብሔር ነቲ ሰናይ ዝገብር ዓስቡ ዝርስዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጦቢት’ውን ዋላ ጽቡቕ ግብሪ ይሃልዎ ደኣ እምበር ካብ ስቓይስ ኣይተናገፈን ነበረ። ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር እዩ እሞ እግዚአብሔር ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ጊዜ ንቅዱስ መልኣኹ ሰዲዱ ሓዘኑ ናብ ሓጐስ ለዊጡ፡ ምጽንናዕ ጦቢት ምሉእ ገበሮ። በረኸት እቲ ጽቡቕ ግብሩ ኸኣ ካብ ርእሱ ሓሊፉ ንወዱን ንኣዝማዱን ተረፈ።

እምበኣር ኣብዚ ዕለት’ዚ ታሪኽ ጦቢትን ጦቢያን ከምኡውን ካልእ ተነጊሩ ዘይውዳእ ኣማላድነት ቅዱስ ሩፋኤል ንዝክረሉ እዩ። ከምኡ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ዝተሾመሉ። ንሕና’ውን ብርቱዕ ሃይማኖትን ኣብ ሰናይ ግብሪ ጸኒዕና ንነብር እንተደኣ ኮይንና፡ ውዒሉ ሓዲሩ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብቅዱሳኑ ኣቢሉ ከምዝራድኣና ብንጹር ዘረድእ ኣብነታዊ ታሪኽ እዩ። ምጽዋት ክሳብ ክንደይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በረኸት ዘውህብ ምዃኑ ካብ ታሪኽ ጦቢት ክንመሃር ንኽእል። ስለዚ ነቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሰናይ ግብሪ ወትሩ ኣብ ምፍጻሙ ክንተግህ ይግባእና። ነቶም ጒልባቦም ዝቐልዑ ይኹኑ ዘይቐልዑ ዝተጸገሙ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ኣዴታትናን ኣቦታትናን ካብቲ ዘሎና ብምዝካር ኣብ መዝገብ ሰማያት ጽድቂ ንኣክብ። ጦቢት ንወዱ ጦቢያ ይኹን ንዓና ዝምዓደናውን ከምኡ እዩ። እሞ ኸ ንሕና ከመይ ኣሎና? ኣበናይ ግብሪ ጸኒዕና ኣሎና ኢልና ንርእስና ክንምርምር ይግባእ።

ቅዱስ ሩፋኤል ካብ ኣምላኽ ንዝተዋህቦ ኪዳን ከኣ እናዘከርና በረኸቱ ክንሳተፍ ይግባእና። ንሱ ተራዳኢ መልኣኽ ምዃኑ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ይኹን ድርሳኑ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። ኣብ ሃገርና ብስሙ ካብ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያን ኸኣ እታ ሓንቲ ኣብ ኣሥመራ ቤት መኻእ ትርከብ። ምእመናን ተራዳእነት ቅዱስ ሩፋኤል ብዝግባእ ስለዝፈልጡ ድማ ብብዝኂ ኣብዚ ዕለት እዚኣ ናብዚኣ ቤተ ክርስቲያን ክውሕዙ ይረኣዩ እዮም። 

          

ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ አልባብ ዘተብህለ
           እስመ ይፌውስ ሕማመ ወያጥዒ ቍስለ 
           እንዘ ይብል አስምዖ ለጦቢት ቃለ
           ጽድቀ እለ ይገብሩ ይዴግኑ ሣህለ
           ወእለ ይኤብሱ በነፍሶሙ ያመጽኡ ኃጒለ።
    በረኸትን ተራዳኢነትን ቅዱስ ሩፋኤል ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.