ሆሣእና ኣብ ኣርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሆሳእና፣ ሻሙናት ሰንበት ሆሣእና ይብሃል። እዚ ስም ዝረኸበሉ ምኽንያት ኣብ ዕለት ሰንበትን ዋዜማኡን ዝዝመር ጾመ ዱጓ“ ሆሳእና በአርያም ” ናይ ሆሳእና ቃል ብተደጋጋሚ እንዳጠቀሰ ሰለዝዝመር እዩ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነን እንዳተዘመረሉን ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ጻዕብ ኣድጊን ተወጢሑ ካብ ከባቢ ደብረዘይቲ ናብ ኢዮርሳሌም ከተማ ብኽብሪ ዝኣተወሉ ኩነታት እንዳተረኸ ስለዝዝምር ብምኻኑን፣ ከምኡ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጐይትነቱ ክብሪ ብውዳሴን ቅዳሴን ሆሳእና ኣብ አርያም እንዳተባህለሉ ብኣፈ ዓበይቲን ሕጻናትን ዋላውን ኣእማን ከይተረፈኡ ልሳን ኣውጺኦም እንዳመስገንዎ ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ገልገላ ኣድግን ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ ስለዝገልጽ እዩ። ማቴ.21፣1-17። ማር.11፣1-10። ሉቃ.19፣29-38። ዮሓ.12፣12-15። ዘካ.9፣9። 2ይነገ.9፣13። መዝ.117(118)፣25-26። ኢሳ.56፣7። ኤር.7፣12። መዝ.8፣2። እዚኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ብዛዕባ ሆሳእና ዝተነግረ ትንቢትን ተፈጻምነቶን ይነግሩና።

ሆሣእና ኣብ ኣርያም
“ ነብዩ ግና ብዘይ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ወጻኢ ኣይመውትን እዮሞ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ንኢዮርሳሌም ክድይብ ይግበኣኒ እዩ። ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ።” ። ሉቃ.13፣-31-35።

ምስባክ
ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒምስባክ
እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ
በእንተ ጸላኢ
መዝ.80- 2 (81-2)
ወንጌል ዮሓ፣5፣11-31። ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ እብ.9፣11-ፍጻሜ 1ይጴጥ.4፣1-12

ሆሳእና

ዮሓ.12፣15 “ ከምቲ ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣይትፍርኂ እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ። ” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ኣምላኽናን ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ መጸ።
ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጽኡ 1400 ዓመታት ኣቀዲሙ እግዚአብሔር ብእምነት ኣብርሃም ናይ ቃልኪዳን ሕዝቡ ዝገብሮም እስራኤላውያን ካብቲ ጽኑዕ ባርነት ኣውጺኡ መዓልቲ ብደመና ለይቲ ብዓምደ ብርሃን እንዳመርሐ ኣብታ ናይ መራኸቢት ድንኳን ሓዲሩ እሱ ንጉሦም ኮይኑ ንሶም ድማ ሕዝቡ ኮይኖም ኣብቲ ምድረበዳ እንዳመርሐ ናብ ናይ ተስፋ ምድሪ (ምድረ ርስቲ) ከንኣን ኣእቲዎም። እስራኤላውያን ግና ምድራዊ ንጉሥ ብምድላይ ንንጉሦም እግዚአብሔር ብምግዳፍ ንእግዚአብሔር በደሉ። ኣብ ምድሪ ዘላ መንግሥቱ መርኣያን ኣብነትን ንኽኮኑ ዝመረጾም ህዝቢ ምድራዊ ንጉሥ ደልዮም። እቲ ምልኩዕ ዝኾነ ሳኦል'ውን እስራኤል ዝመረጽዎ ምድራዊ ንጉሥ ግዳማዊ ክብሪ ዘለዉ ንጉሥ ምዃኑ ኣመስኪሩ። እግዚአብሔር ግና ካብዛ ዓለም ዘይኮነት ብሰብ ዝሰርሖ መመልክዒ ዘይመልክዐት፣ ናይ ትሕትናን ፍቅርን ምስጋናን ዝኾነት መንግሥቲ ከርእዮም ምእንቲ ካብ ኣሕዋቱ ዝነኣሰ በዓል በገና ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ወዲ እሰይ መሪጹ። ናይ ዳዊት መንግሥቲ ዋላ እንተሓለፈት “ እግዚአብሔር ንዳዊት ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ።” መዝ.132፣11። ዝበሎ ቃልኪዳን ግን ኔሩ እዩ። ስለዚ ብኣምኽነቱ ናይ ዘልዓለም ናይ ነገሥታት ንጉሥ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ሰብ ምስ ኮነ ተስፋ አበው ተስፋ ዳዊት ተፈጺሙ። ብመለኮታዊ ሥልጣኑ ኣብ ናይ እግዚአብሔር እሪና ዘሎ ወልደ እግዚአብሔር ወዲ ዳዊት ኮይኑ ትንቢት ተፈጺሙ። ስለዚ እዩ ከኣ መልኣኩ ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከበሥራ ከሎ “ ካባኺ ዝውለድ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ክበሃል እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቡኡ ዳዊት ዙፋን ክህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ። መንግሥቱ ከኣ መወዳእታ የብሉን። ” ብምባል ናይ ትንቢት ፍጻሜ ኣበሲሩ። ሉቃ.1፣26-38።

ንጉሥነ ክርስቶስ
ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ሰብአ ሰገል “ እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ።” ማቴ.2፣2። ብምባል ንጉሥነቱ ገሊጾም እዮም። ኮይኑ ግና ብምድራዊ ክብሪ ዘጊጸ ዘይኮነ ኣብ ናይ መብሎዒ ማል ዝደቀሰ፣ ብሶትን ኣሓን ዝተኸበበ ትሑት ንጉሥ እዩ። መንግሥቱ ካብዚ ዓለም ዘይኮነት ካብ ሰማያት ስለዝኾነት መላእኽቲ ብዝማሬ ኣመስገንዎ። ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ዘይኮነሉ ዋላ ሓደ ግዜ እካ እንተዘየለ፣ እዚኣ መንግሥቱ ምድራዊ ክብሪ ዘይኮነት ብትሕትናን ፍቅርን ዝማዕረገት ሰማያዊት ዝኾነት ብሓሳቦም ምድራውያንን ዝኾኑ ሰባት ክፈልጥዋ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ እታ መዓልቲ ምሰ በጽሐት ሰማያዊትን መንፈሳዊትን መንግሥቱ ኣብ ልዕሊ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ገሊጽዋ። “ ሆሳእና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ እስራኤል ብሩኽ እዩ። ” ዮሓ.12፣13።

ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ናይ መጨረሻ ድራር ድሕሪ ምብልዑ ንሓዋርያት ሊኢኹ ጻዕብ ኣድጊ ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ተቀሚጡ ናብ ኢዮርሳሌም ኣተወ። ኣብቲ እዋን'ውን እዞም ዝስዕቡ ተገሊጾም፣-

1.መንግሥቱ ናይ ትሕትናን ናይ ፍቃድን ም

ኣድጊ ካብ ኩሉ እንስሳት ዘይተፍርሕ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ከም ነገሥታት ሥርዓት ኣብ ዝኸበረ ሠረገላን ፈረስን ዘይኮነ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ መንግሥቱ ናይ ትሕትና ምኑ ኩሉ ሰብ ተገዲዱን ፈሪሑን ዘይኮነ ብፍቃዱ ዝኣትዎ ምኑ ንኸረድእን ንኽርእይን እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣድጊ ተወጢሕካ ንሰብ ጎይኻ ንምሓዝ እንኳን ኣይከኣልን እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ወዝቢ ዝመጸ ዘይኮነ ነብያት ብትንቢት ዝተዛረብሉን ኣብ ጉዕዞ ድኅነት ብእግዚአብሔር ዝተሓስበ እዩ። ነብዩ ዘካርያስ “ ኣንቲ  ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ ኣንቲ ጋል ኢዮርሳሌም እልል በሊ። እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ። ” ዘካ.9፣9። ብምባል ገሊጽዎ እዩ።

2. ናይ ምግላጹ ዕላማ ንድኅነት እምበር ንኽብሪ ዘይእስራኤላውያን በዓለ ፋሲካ ቅድሚ ምኽባሮም ኣቀዲሞም ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብዚ ዕለት ንበዓል ፋሲካ ዝኸውን ገንሸል ሒዞም ናብ ኢዮርሳሌም ይኣትዉ ኔሮም። ዘጻ.12፣1-36። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዕለት ናብ ኢዮርሳሌም ምምጽኡ ናይ መንግሥቱ ምሥጢር ብመስቀልን ብመሥዋእትነት፣ ፍቅሪን ዝገልጽ ናይ እግዚአብሔር በጊዕ ንኸረድእ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ናይ ዘካርያስ ትንቢት “ እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣” ዝብል ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ኮይኑ ናብ ኢዮርሣሌም ምእታዉ ንኽምስገን ሓሲቡ ዘይኮነ ክቅበልዎ ምእንቲ ንዓለም ከድኅን ዝመጸ ንጉሥ እሱ  ኣብ ኣደባባይ ንኽእውጅ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ምስጋና ካብ ኣፈ ህጻናት ዝተቀበለ፣ ህጻናት ንኹሉ ስለዝቅበሉ። ነዚ እዩ ከኣ “ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኮይኑ ዘይተቀበላ ከቶ ከም ዘይኣትዋ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ” ዝበለ።ሉቃ.18፣17።

ናይ ድኅነት ተስፋ ዝተነግረሎም እስራኤል ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን፣ ዝመጻላ ዕላማ እዚ ስለዝነበረ ብዛዕብኦም ከኣ ከምዚ ኢሉ በኸየ። “ ምስ ቀረበን ነታ ከተማ ምስ ረኣያን ከምዚ ኢሉ በኸየላ። ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ ሕጂ ግና ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።” ሉቃ.19፣41። ዝመጻሉ ዕላማ ንዓለም ሰላም ዝህብ ምስ እግዚአብሔር ዘተዓርቀና፣ መድኅን ንጉሠ ሰላም፣ በጊዕ ፋሲካና ምዃኑ ንኽእውጅ እዩ ኔሩ ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን ግና በኸየሎም። “ ሆሳእና ማለት ሕጂ ኣድኅን ” ማለት እዩ። መድኅን ክቅበልዎ ይግባእ ኔሩ ግና ኣይተቀበልዎን።
ንጉሥን መድኃኒን  ምግላጹ፣ መንግሥቱ ናይ ፍቅሪ ዙፋኑውን መስቀል ንምግላጽ እዩ። እቲ በጊዕ “ ናይ ነገሥታት ንጉሥ ናይ ጐይቶት ጐይታ ስለዝኾነ። ” ራእ.19፣13-16።

ናይ ሆሳእና ኣከባብራ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና
ቅድስቲ ቤተክርስቲያና በዓለ ሆሳእና ብዓቢ ድምቀትን ክብርን እያ ተኽብሮ። ኣከባብራና ከኣ ከም ኣይሁድ ሰንበት ሆሳእና ብእግዚአብሔር ስም ዝመጸት ናይ ኣቦና ዳዊት መንግሥቲ ዝተባረኸት እያ። ሆሳእና ኣብ ኣርያም ድሕሪ ምባሎም ኣብ ዕለት ዓርቢ “ ስቀልዎ ይሰቀል ” ብምባል ዘይኮነ ስጋብ መጨረሻ ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምን እዩ። እዚ ከኣ ብተግባር ዝርኣዩ መንፈሳዊ ሥርዓት ቤተክርስቲያና ምስክር ኮይኖም ዝግለጹ እዮም ። እሶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣-

ዑደት
ብናይ ቤተክርስቲያና ሥርዓት መሠረት ንግሆ ዕለተ ሆሳእና ቅዳሴ ቅድሚ ምእታዉ ዑደት ይግበር።
እቲ ዑደት’ውን ካብ ቤተመቅደስ ተጀሚሩ፣ ብኣርባዕተ ኆኃተ (ማዕጾ) ቤተክርስቲያን ምስባክ እንዳተሰበከ ወንጌል እንዳተነበበ ድሕሪ ምዛር ኣብ መጨረሻ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ቤተ መቅደሱ ምስ ተመልሱ ይውዳእ። እቲ ዑደት ዲያቆናት መስቀልን ስእለ ማርያም ሒዞም ፣ ካህን ማእጠንት እንዳዓጠነ ይመርሕዎ።

እዚ ዑደት ናይ ቤተክርስቲያን ዘልዓለማዊ ጉዕዞ እዩ። ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ካብ እግዚአብሔር ይጅምር። ክርስትና ናይ ብእግዚአብሔር ተዋሂንማ ዝተጀመረ እምበር ናይ ሰብ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዚ ዑደት ካብ መሠውኢ ይጅምር፣ መሰውኢ ሰማያዊ ስለዝኾነ። ናይዚ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ መራሒ ንህዝቡ ናብ እግዚአብሔር መሪሑ ዘብጽሐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ካህን ዕጣን እንዳዓጠነ ይመርሕ። እዚ ጉዕዞ መከራ ዘለዎ እቲ መገዱ ዋላ ጸቢብ እንተኾነ ብደስታ (ብሓጎስ) ዝተመልአ እዩ። ሰለዚ ዲያቆን መስቀል ክሕዝ ህዝቢ ድማ ይዝምሩ። ደስታን መስቀልን ብሓንሳብ ንምግላጽ እዩ። ናይዚ ጉዕዞ ፍጹም ኣብነት ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ክልቲኡ ስለ ተርእይ። ብሓደ ወገን “ ኃዘን ብልባ ዝሓለፈ ” ስለዝኾነ ብኻልእ ወገን ድማ “ ተዐብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ወትተሐሰይ መንፈስየ ” ኢላ ዘሚራ እያ። ዑደት ብወገን ምዕራብ ኆኃተ (ልዳት ) (በቲ ቀንዲ ልዳት) ምጅማሩን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኆኃተ (ልዳት) ደው ምባሎምን ናይ ዘልዓለም ኆኃተ (ልዳት) ምኽፋቶምን ሰማያውያን ናይ ጉዕዞና ( ናይ ማኅበርና ) ተኻፈልቲ ምኖም ንምሕባር እዩ። 
ኣብ መጨረሻ ዑደት ካህናት ናብ ቤተመቅደስ ምእታው ምውድኡ ናይ ክርስትና ጉዕዞና ምስ እግዚአብሔር ሓቢርና ንዘልዓለም ብምንባር ምፍጻሙ የርእየና። በዚ ጉዕዝኣ ቤተ ክርክስትያን ስጋብ መጨረሻ ምስ ክርስቶስ ዝጸንዕ ዘልዓለማዊ ጉዕዝኣ ትነግር።

ቅዳሴ
ድሕሪ ዑደት ቅዳሴ ይቅጽል። ኣብ ቅዳሴ’ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንቅበል በዚ ከኣ ምስ ክርስቶስ ዘለና ዘየቃርጽ ሓድነትና ንገልጽ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢዮርሳሌም ክኣቱ ከሎ “ ናብ ኢዮርሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ኩሉ ከኣ ኪፍጸም እዩ። ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ ኬላግጹሉ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፣ ገሪፎም ድማ ክቀትልዎ እዮም፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ'ውን ክትንሥእ እዩ። በሎም። ” ሉቃ.18፣31። ከምዚ በለ ናይ ኢዮርሳሌም ጉዕዞኡ ናብ ሞት ዝተገብረ ጉዕዞ እዩ ኔሩ። ስለዚ ብሥጋ ወደሙ ምስ ክርስቶስ ሓደ ዝኾና ምእመናን ምስኡ ናብ ሞት ንኸይድ።

ፍትሓት
ድሕሪ ቅዳሴ ፍትሓት ይግበር። እዚ ከኣ ንኽሉ ህዝቢ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት እዚ ፍትሓት ምናልባት ኣብዚ ሰሙን ዝሞቱ እንድሕር ሃልዮም ንዕዖም እዩ ዝግበር ተባሂሉ ይዛረብ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ፍትሓት ንኹሎም ክርስትያን’ውን እዩ። ኣብዚ ሰሙን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤን ምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓቢርና ሞቱን ትንሣኤኡን ንካፈል ኢና። ሰብነትና ብጸሎትን ብስግደትን ንዓለማዊ ፍቃድና ኩሉ ቀቲልና ብናቱ ትንሣኤ፣ ትንሣኤ ልቦና ንትንሥእ። እዚ ከኣ ከምቲ ንመነኮሳት ዝግበረሎም ፍትሓት ዓይነት ማለት እዩ። መነኮሳት ክምንኩሱ ከለዉ ነዚኣ ዓለም ዝመቱ ምኖም ናይ ክርስቶስ መስቀል ምስካሞም ንምርኣይ ናይ ሙታን ጸሎት ከም ዝግበረሎም፣ ምእመናን’ውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ብምስካም መከራ ብምቅባል ንዓለም ክሞቱ ብምውሳን ቤተ ክርስትያን ናይ ሙታን ጸሎት ትገብር። በዚ'ውን ሓቢርና ናብ ሞቱ ንስዕቦ።

ወስብሓት እግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለምስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.