ፍቕሪ ኣደን: ፍቕሪ ቤተክርስቲያንን

ነታ ኣብ ማህጸና ትሽዓተ ወርሒ ዝጾረቶ፡ በጥባታ የዐንጊላ ኣእጋሩ ክሳዕ ዝተክል ታተ ዘበለቶ፡ ብዘይ ዝኾነ ዶሞዝ መምህር ቋንቋ ብምዃን በሃምነት ኣጥፊኣ ቋንቋኣ ዘምለኸቶ፡ ስለቲ ቆጺርካ ዘይውዳእ ሠናይ ተግባራታ፡ ዓስቢ ኩሉ ከርተታ፡ ስለኹሉ ሓልዮታ፡ ውሬታ ክመልሰላ ዘይደሊ ሰብ የልቦን። ምናልባት እንተሎ ግን ምሥጢር ኣደነታ ዝተኸወሎ ጥራይ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ከኣ ካብ ኣደ ንላዕሊ እያ። ሥጋዊት ኣደ እትወልዶም ብቑጽሪ ውሱናት'ዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ግን ካብ ልደታ ክሳዕ ሎሚ ምውላድ ኣቋሪጻ ኣይትፈልጥን እያ። ኣበው፡ ነቢያት፡ ካህናት፡ 12 መናቱ ሓዋርያት ፡ 36 ቅዱሳን ኣንስቲ፡ 72 ኣርድእትን እልፍ አእላፋት ወትእልፊተ አእላፋት ቅዱሳን ምእመናን ውሉድ ዝወለደት ወላድ እያ። ብጥምቀት ውን ዘወትር ምስ ወለደት እያ።

ኣደ ንደቃ ብብዙሕ ቅልውላውን ጻዕርን ትወልድ። መንፈሳዊት ኣደ ቤተክርስቲያን ከኣ ምእንቲ ስሙ ካብ ጸላእታ (ሎሚ ግን ብደቃ ከይተረፈ) መከራ፡ ስደት፡ ምስ ተቐበለት እያ። ኣደ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ውሉዳ ክትገላገል ኮላ፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ድሕሪ 40ን/80ን ደቃ ካብ ኣብራኽ ሥላሴን ማሕጸን ዮርዳኖስን ትወልዶም። ኣደ ንደቃ ካብ ጸልማት ማህጸን ናብ ዓለም ተምጽኦም፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ካብዛ ጸልማት ዓለም ናብቲ ዘለኣለማዊ ሰማያዊ ብርሃን ትሰዶም። ኣደ ደቃ ክሳዕ ነብሶም ዝኽእሉ ኣብ ሑቕፍኣ ተዕብዮም፡ ቤተክርስቲያን ድማ ደቃ ክሳዕ መንግስተ ሰማያት ዝበጽሑ ኣብ ቤታ ትሓቚፎም። ኣደ ደቃ ክመስሉን ፍሬኦም ክትርእን ኣዝያ ትብህግ፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ደቃ ብሕጊ ብተኽሊል ወይ በስኬማ ዘመላእክት ሸሊማ፡ ሠናይ ፍሬ ከፍርዩ ብርሃኖም ኣብ ዓለም ከብርሁ ትምህር። ኣደ ንደቃ ብጸባ ጀሚራ ምስ ተረሩ ከኣ ዕጹም ብልዒ መጊባ ዓቕሚ ኣዳም ተብጽሖም፡ ቤተክርስቲያን ከኣ ንደቃ ብቐሊሉ ክርድኦም ብዝኽእል ትምህርቲ ጀሚራ፡ ንምርድኡ ክብድ ዝብል ዓበይቲ ምሥጢራትን ትምህርትን ምሂራ፡ ክሳዕ ሰማይ ዘብጽሕ ስንቂ ቅዱስ ቃል ኣሰኪማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ተረክቦም። ናይ ሥጋ ኣደን ናይ መንፈስ ኣደን ክፍቀራን ክኽብራን ይግብአን።

ቤተክርስቲያን መምህር እያ።

ካብ ፊደል ምቑጻር ክሳዕ ምጽሓፍ፡ ካብ ውዳሴ ክሳዕ ቅዳሴ፡ ካብ ቅስና ክሳዕ ጵጵስና፡ ካብ ድንቁርና ናብ ሰማያዊ ፍልጠት፡እንዳ መሃረት ኮስኲሳ እተዕቢ ኣደ፡ ንልቢ ዘደስት ሰማያት ዝኸፍት ሰማያዊ ዜማ መልእክት ንደቃ እትምግብ ፈቃር ኣደ፡ በዓልቲ ክልተ ኣጥባት (ብሉይን ሓዲስን ኪዳን) ሓቀኛ መምህር ንሳ ቤተክርስቲያን እያ።

ጥሜትና ተዐንግል ጽምእና ተርዊ

እታ "እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ንዓ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዝሰምዕውን ንዓ ይበል። ዝጸምአ ከኣ ይምጻእ፣ ዝደለየ’ውን ማይ ሕይወት ብኸምኡ ይውሰድ።" ከምዝተባህለ ራእይ 22፥17። ንኩሎም ውሉዳ ዝኸውን እኹል ብልዒ ሕብስተ ሕይወት፡ እኹል መስተ ስቴ መድኃኒት ኣለዋ። ብኸምዚ’ውን ንዝደለየ ኩሉ ትምግብ።

ቤተክርስቲያን ወላድ እያ

ሰብ ብናቱ ጥፍኣት እኳ ካብ ኣዲኡ እንተ ኾብለለ ቤተክርስቲያን መኻን ትመስሎ ኣሎ። ንሳ ግን ካብኡ ዝበልጽ ሎሚ ወሊዳ እያ ትሓድር። ብጥምቀት ኣብዚ ምድሪ ብዘይ ምቁራጽ ክትወልድ ከላ፡ ብሰማዕትነት ይኹን ብዕረፍቲ ከኣ ኣብ ሰማያት ሰማያዊ ናብራ (ድኻምን ረሃጽን ዘይብሉ ሕይወት) ክጅምሩ ትሰድድ። እምበኣር ቤተክርስቲያን ወላድ እያ። ንናይ ሥጋ ኣዲኡ ዝንዕቕ ውሉድ ከም ዘሎ፣ ንቤተክርስቲያን ክብሪ ዘይህብ ውሉድ'ውን ኣሎ። ስኒ ምስ ኣውጽአ ጡብ ኣዲኡ ዝነክስ ውሉድ ከም ዘሎ ኲሉ፡ ጸባ ወንጌል ተመጊቡ ንዝጠበዎ ጡብ ኣብ ክንዲ ምምስጋን ዕረ ዝለኪ፡ ጡብ ኣዲኡ ዘቑስል ከም ዘሎ ከኣ ምፍላጥ ልቦና እዩ። ጡብ ቤተክርስቲያን (ብሉይን ሓዲስን) ኣይነጽፍን እዩ። ካብ ቃል ኣምላኽ ምስፋሕን ምስባኽን ንላዕሊ ህልኽ፡ ጸርፊ፡ ክትዕ ዘላምድ ንኽብሪ ርእሱ ዝነብር ውሉድ፡ ነቲ ሓቀኛ ዕላማ ወንጌል ንኻልእ ዝጥቀመሉ እዩ። ካብ ምስ ጸገብካ ኣብ ልዕሊ ኣዴኻ ምትንሣእ፣ ነቲ ዝመገበትካ እናስተማቐርካ ምንባር ይበልጽ።

ሎሚ ክብሪ ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ዝድፈረሉን ዝጽረፈሉን ዘሎ ዘመን እዩ። ኲሉ ፊደል ዝቖጸረን ዘይቆጸረን ገጹ ዘማዕትብን ዘየማዕትብን፡ ቆራብን ዘራግን፡ ሰጋድን ዓንዳርን፡ ቀዳስን ኣዝማርን ብሓፈሻ ኩሉ ዘርከበ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ከርሳ ዝወጹን ኣጥባታ ዝጠበዉን ብዓይኒ ጽልኢ ዝርእይዋ ብዙሓት እዮም። ንጸገማታ ተረዲኦም ካብ ብግብሪ ዝሰርሑ ንላዕሊ፡ ከጸልሙን ክወቕሱን ክጸርፉን ዝህንደዱ ይበዝሑ።

ዘይትሰዓር ኣደ

ከሓድያን እንተ ኣቃጸልልዋ፡ ነገስታት እንተ ኣሳደድዋ፡ መናፍቓን እንተጸረፍዋ፡ ሰብ ክልተ መልሓስ እንተ ወቐስዋ፡ ርህርህቲ ኣደ እያ እሞ ስለ ኲሎም ትጽሊ። ደጌታት ሲኦል ክሕይልዋ፡ ክስዕርዋ ዘይክእሉ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ስለዝተሓጽረት እያ። ብዙሓት ብርሃና ክርእዩ ይደልዩ፡ ተሳተፍቲ ብርሃና ግን ኣይኮኑን። ብዙሓት ክብራ ክርእዩ ድሌት ኣለዎም ንሶም ግን ኣይኽብርዋን እዮም። ዕቤታ ክርእዩ ሃረር ይብሉ ግን ንዕቤታ ኣይሰርሑን እዮም። ብህላውነታ ይድነቑ፣ እንተኾነ ግን ብሕይወት ኣይመላለሱን።
ዝሓስብዎን ዝገብርዎን ክልተ በበይኑ ጫፋት እዩ። ንሳ ብዂሉ ትግፋዕ ንኹሉ ግን ትስዕር።

ካብ ኩሉ ክፍኣት ኣርሒቓ ጽድቂ እተላምድ ኣደ

ቤተክርስቲያን ብሃልዮ፡ ብነቢብ፡ብገቢር ኃጢኣት ከይንፍጽም፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ኣርሒቓ ሓሳብና ንሰማይ፡ ኣኣዛንና ናብ ሕያው ቃሉ፡ ህዋሳትና ኲሉ ካብ ኃጢኣት ክርሕቕ ትሕልወና። ብሕልና ዝበሃል ገመድ ኣሲራ ኣብ ዝኸድናዮ ክፋእ ከይንሰርሕ ብሕልና ዝብሃል ገመድ ትኣስረና፡ ትወቕሰና። ኩሉ ሕይወትና ብቕድስና ከም ንኽለል ትገብረና።

ፍቱወይ! ትሑት፡ ፈቃር፡ ለዋህ፡ ሕጉስ ትኸውን ኢኻ፣ እዚ ኩሉ ግን ካብኣ ኢኻ ረኺብካዮ። ካብ ኃጢኣትካ ዝተጣዓስካ፡ ብቅዱስ ሥጋኡን ብኽቡር ደሙን ዝተሓተምካ፡ ድንግልናኻ ዝሓለኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኩሉ ክብሪ ዘብጽሓትካ፡ ክብርኻ ክትሕሉ ዝመሃረትካ ግን ቤተክርስቲያን እያ። እዚ ኩሉ ጸጋ ካብታ ባሕረ ጥበባት ዝኾነት ቅድስት ቤት ኢኻ ረኺብካዮ። ብዛዕብኣን መንገዲ ድኅነትካን ንኽትፈልጥ፡ ፍልጠት ዘፍለጠትካ ንሳ እያ። ቤተክርስቲያን ሓንቲ እያ፡ ግናኸ ንኹሉ ዝኸውን ሓጎስ፡ ደስታ፡ ዕረፍቲ ኣለዋ።
ናይ ገዛእ ርእስኻ ዝብሃል ሓንቲ'ኳ የብልካን። ንስኻ ውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣይኮንካን፡ ብኽቡር ደሙ ኢኻ ዝተዓደግካ።

ንቤተክርስቲያን ምፍቃር

ቅዱስ ያሬድ "ለቤተክርስቲያን ርኢክዋ፡ አእመርክዋ፡ ወአፍቀርክዋ" (ንቤተክርስቲያን ርኤኽዋ፡ ፈለጥኩዋ፡ ኣፍቀርክዋ) ከም ዝበለ ነዛ ናይ ሕይወትና መርከብ፡ ካብ ምንዋጽ ማዕባል ናይዛ ዓለም ኣድኂና፡ ናብ ወደብና ዝኾነ ኣምላኽ እተብጽሓና ቅድስት ቤተክርስቲያን ክንሪኣ፡ ክንፈልጣን ከነፍቅራን ይግብኣና። ብዙሓን ንቤተክርስቲያን ይርእይዋ እዮም፡ ግን ኣይፈልጥዋን እዮም። ዝፈልጥዋን ድኅነት ኣብ ውሽጣ እምበር ካብኣ ወጻኢ ከም ዘይርከብ’ውን ዝኣምኑ ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ግን ዝፈልጥዋ ዘበሉ ኩሎም የፍቅርዋ ማለት ኣይኮነን፣ እንተ ዘፍቅርዋስ መገልገልዋ፡ ምተገዝእዋ ነይሮም። እምበኣር ንቤተክርስቲያን ንርኣያን ንፍለጣን ነፍቅራን። ብንስሓ ካብኣ ዝርከብ ሓቀኛ ሰላምን ሩፍታን ነስተማቕሮ። ሽዑ ከነፍቅራ ኢና። ሰላማ ከየስተማቐርካ፡ ብንስሓ ዝርከብ ሓቀኛ ሓጎስን ዕረፍትን፡ ብቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝርከብ ንጽሕና ከይረኸብካ፣ ንቤተክርስቲያን ሓቀኛ ፍቕሪ ምፍቃር ፍጹም ኣይከኣልን እዩ። ብዙሓን ንቤተክርስቲያን ብሰበኽቲ ወንጌል፡ ብዘመርቲ፡ ብመራሕቲ፡ ገለ'ውን ብወረኛታት፡ ስለዝፈልጥዋ ንዓኣ ዘለዎም ፍቕሪ ብጽልዋ እዞም ዝተጠቕሱ ይድረት። ንሶም እንተተንሢኦም ይትንሥኡ፣ እንተወደቑ ከኣ ይወድቁ። ቤተክርስቲያን ግን መምዘኒኣ እዚ ኣይኮነን፡ መምዘኒኣ እቲ ርእሳ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። ቤተክርስቲያን ናይ ኲሉ ኣደ እያ። እምበኣር ነቲ ርእሲ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ክርስቶስ ንጠምት እሞ ሽዑ ኣካሉ ንዝኾነት ቤተክርስቲያን ከመይ ከም ነፍቅራ ክገልጸልና እዩ።

ስለቲ ኩሉ ንዓና ዘለዋ ጻዕሪ ዝመለስናላ ውሬታስ እንታይ ይህሉ፧ ዓስቢ ዝተገብረልና ሠናይ ነገር ኣብ ክንዲ ክብረትን ኣገልግሎትን ምፍዳይ፣ በንጻሩ ጸርፍን ስደትን ክንእውጀላ ኣይግባእን። ጸብኣ ተመጊብና ዝዓበና፡ ኣንኳይ ንምውቃስን ንምጽላምን ግዜ ክህልወናስ፥ ንውዳሴን ንቅዳሴን ዝኸውን እኹል ግዜ እኳ ኣይሃብናያን ዝግብኣ ኣይመለስናላን ንበል እሞ ሽዑ ሓንቲ ግብሪ ጽድቂ ከም ዘይብልና ክበርሃልና እዩ። ንቤተክርስቲያን ኢድና ካብ ምውጥዋጥ፡ ምስ ዘማራይ ዳዊት ኴንና "ኦ ኢየሩሳሌም እንተ እንተረሲዐክስ እታ መሰንቆ ዝሃርመላ የማነይቲ ኢደይ ትንቀጽ። ኦ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይዘኪረኪ፡ ኃለፋ ኲሉ ሓጎሰይ እንተ ዘይገይረክስ፥ ምዝማር ክሳዕ ዝስእን መልሓሰይ ኣብ ትንሓገይ ትጣበቕ" መዝ 137፥ 5 ምባል ይግብኣና።

ድምጺ ኣዲኡ ዘየለሊ ህጻንን ጽምጺ ወዳ ዘይተለሊ ኣደን የላን'ሞ ደቃ ድምጻ ይሰምዑ፡ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ንደቃ ብናይ ግብሪ ስሞም ትፈልጦም። ከምዚ ዝበሉ ኩሎም ናይቲ ሕያዋይ ጓሳ እዮም። ሓቀኛ ሰማዕታ ተብዓት እዮም። ክሳዶም ንሰማዕትነት፡ ኣእዳዎም ንጸሎት፡ ኣኣጋሮን ንቤተክርስቲያን፡ ከናፍሮም ንመዝሙር ንውዳሴ ኲሉ ግዜ ድሉው እዩ።
ንቤተክርስቲያን ንርኣያን ንፍለጣን ነፍቅራን።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብ ኣማላድነታ ኣይተፈለየና።

ዲያቆን ይከኣሎ ገብረእግዚአብሔር

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲያ. ማቴዎስ

Comments are closed.