ፍቅሪ  ጎሮባብትና

ፍቅሪ   ጎሮባብትና

በቲ ጸላም ዝወሮሶ ፣ ወርሒ ትሃደመሉ ዝነበርት ለይቲ ከውታ፣ ሓንቲ ነጥቢ ትኾውን  ጩራ ብርሃን ካብ ሰማይ ሶሊኻ ዘይትርአ ዘነበረት መዓልቲ እዩ። ኣደይ ዘውዲ ምስ ጓል ጋለን ሄርሚላ፣ ሓጺን መውቀጢ ናይ ቡን ብምሓዝ፡ ነታ ሕላፍ ሰዓት ካብ ስራሕ ናብ ገዛ ተኣትዉ ጓለን ክጽበያ ንግዳም ይወጻ ነበራ። ኣቦይ ተስፋይ ከም ኣመሎም ነደይ ዝወዲ ከሳሉዩ እታ ንጻላም በሲዓ ዓይንኻ ትደጉሕ ላምፓዲንኦም ብምብራህ ከመይ ኣምሲኺ ዘውዲ ሓፍተይ እዛ ብሊን ዓይንኺ ጌና ኣይኣትውን ድያ በሉ። እግዝአብሔር ኣምላኽ ይመስገን ተስፋይ። ከመይ ኣምሲኹም ፧ በላ ኣደይ ዘውዲ ካብቲ ኮፍ ኢለናሉ ዝነበራ ቦታ ነቦይ ተስፋይ ቦታ ክህባ እናተንስኣ። እግዝአብሔር ኣምላኽ  ይመስገን ፣ ናበይ ደኣ ትለዓሊ፡ ንኹልና እኮ እኹል እዩ  በሉ። ኣደይ ዘወዲ ሓቅኹም ኮፍ ስለ ዝበዘሓኒ እየ ኮፍ ደኣ በሉ። ኣብ ገዛውትና ሰለ ሽሙ ኢና ምስ ስድራና ንቅመጥ እምበር ፡ ፍቅሪ ቀንዲ ሕንብርትን ትንፋስን ናይ ከባቢ ሰለ ዝኾነ ዝሕብሕቡናን ዝዕብዩናን ዝናብዩናን ኣቦታትን ኣዴታትን ናይ ደቂ ገዛውትና እዮም ነይሮም።

ኣብ ሞንጎ ዕላል ነታ ሒዘንኦ ዝነበራ መጉዲኢ ቡን ምስ ተዓዘቡ፣ ኣቦይ ተስፋይ በቲ ድኹም ሓይሎም እናሰሓቁ፣ ኣንትን ዘውዲ እዛ ምጉዲኢ ቡን በቃ ኣይትገድፈኣን። በዚ ዘሃርምኩንኦ ሰብ  ደኣ እንታይ ክተርፎ ዋላ እኳ ክድሕን ዘይክእል  በሉ። ኣደይ ዘወዲ እሂናይ ደኣ ፣ ነዚኣ ክጥዕማ እንተ ዘይደሊዩስ እባ ሙሉእ ሰብ ኮይኑ ናይ ሰብ ስራሕ ይስራሕ፣ ምስ በላ ኵሎም ብሰሓቅ ክርትም በሉ። እንታይ ክንገብር ኢልኩምና ኢኹም ተስፋይ፡ እቲ ቀደመሲ ሰረቅቲ ፍሉጣት ሰለ ዝነበሩ ክቆርቡና ከለው ቦርሳና ነሓብእ ነይርና ። ናይ ሎሚ ሰርቅቲ ግና ነዛ ትንፋስና ዋላ ዝውስዱ ኮይኖምና ይስሙዓኻ ። ሰለዚ ኢና ናብ ሞግዲኢ ቡን ምሓዝ ንጎይይ ዘለና እምበር ሓላዊኣ ጓሳይኣ መድኅኔ-ዓለም ዝይታኻስ ጓሳ ምኻኑ መዓስ ዘንጊዓ። ስቅ ኢለ ፈውሲ ኣቅሊ ጽበት እዩ፣ ክብላ ዕላለን ምስ ወደኣ እታ ዝጽበየኣ ዝነበራ ጓለን መጸት እሞ ተታሓሒዞም ነናብ ቤቶም ኣምርሑ። ኣጆኺ ብርኽቲ ጓለይ ዋላ’ኳን ኣዳም ሪሂጽካ ብላዕ  ዝብል ትእዛዝ እንተ ተዋህቦ  ፡ ንስኺ ናይ ኣዳምን ሔዋንን ኣጣሚርኪ ትዓያ ዘለኺ ብርኽቲ ፍጥረት ፈረ ጻማኺ ከም ትዓትሪ ርግጸኛ እየ በለዋ ግንባራ እናሰዓሙ።

እቲ ብጸላም ተሓዚኡ ዝነበረ ሰማይ ብብርሃን ተተከአ። ኣቦይ ተስፋይ ነታ ካብ ኣቡኦም ዝወረስዋ ጪራ ኣብ የማናይ ኢዶም ብምዕታር ፣ ብጸጋማይ ኢዶም ነታ ኣብ ጸባ ዝተነክረ ዝመስል ዝነበረ ጻዕዳ ጭሕሞም እንና ሰሓቡ፣ ነቶም ኣብ ገጾም ክዓልቡ ዝደለዮ፡ ዘሸግርዋም ዝነበሩ ሃመማ በቲ ጪራ  የሳድድዎም ነብሩ። ሄርመላ ቦርሰኣ ተሓንግጣ ናብ ኣቦይ ተስፋይ ቅርብ ብምባል ኣቦይ ተስፋይ ካብ ትምህርቲ ምስ ተፈደስኩ ጽንጽዋይ ምሽ ኪትነግሩኒ ኢኹም በለት። ኣቦይ ተስፋይ እወ ኣጆኪ ዛጋለይ በዓጀባ እንበር ጽንጽዋይን ታሪኽ ቅዱሳን ክነግረኪ እየ ፡ ትምህርትኪ ይግለጸልኪ ዛጓለይ ብምባል መሪቆም ኣፋነዉዋ።

ካብተን ንቡዙኅ ዓመታት ዘገልገልኦም ኣዒንቶም ጸረርታ ናይ ንብዓት እናወጸ ስለ ዘሸገሮም በቲ ተወንዝፎሞ

ዝነበሩ ጋቢ ደርዝዎ። ሃንደበት ኣውያት ካብ እንዳ ኣቦይ ሃይለ ገዛ ተሰምዐ እሞ፣ ክረድኡ ድፋእ እናበሉ ተበገሱ። ኣቦይ ሃይለ በዓል ቤተን ነደይ ስላስ ካብ ኮፍ ኢልካ ምርድዳእ ኢዶም ትቅድሞም ።ገዝኦም ካብ ዝኣትዉ ሓሙሽተ ደቂቅ ከይገበሩ  ኣደይ ስላስ ክእዉያ ተሰምዓ። ናይ ሎሚ እውን ካብቲ ናይ ኩሉ ግዜ ብዘይፍለ ንሰን ብመልሓሰን ንሶም ብኢዶም ወስ ስለ ዝበሉ እዩ እቲ ናይ ኩልቲኦም ጎንጺ ነቲ ኣዉያት ዝፈጠሮ። ኵሉ ኣባል ናይታ ካንሸሎ ከም ኣመሎም ኣብ ገዛ እንዳ ኣቦይ ሃይለ ተኣከቡ። ናይታ ገዛ ህውከት ሃዲኡ ፡ ሰላም ምስ ዓቀቡ እብቲ ገዛ  ንሓድሕድካ ተጠማመት ኮነ።

ምሕረት ኣባል ጎረቤት ኮይና ግና ከም ሰባ ኣብ ሰዓት ኣውያት ንረድኤት ዘይተረከበት እያ። ቀንዲ መደንጎያ ምሕረት ናይ ቅዱስ ምካኤል መጠቃ ንመስርሒ ስዋ ስለ ትስንክት ስለ ዝነበረት እያ። ነቲ ናይ መጠቃ ቢሒቅ ተጸይቁ ዝነበረ ኣእዳዋ ማይ ኣፍስስ ኣቢላ ናብ እንዳ ኣቦይ ሃይለ ገዛ ከም ሰባ ኣምረሐት።ነቲ ዘይነቀጸ ኣእዳዋ በቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ግርምቤለ እናደረዘት፣ ከመይ ዉዒላትኩም ክትብል ርእሳ ብምድናን ሰላም በለቶ። ኵሎም ደሓን ጽቡቅ ብምባል ንሰላምትኣ መልሲ ሃቡ። ኣቦይ ተስፋይ ግና ሃንደበት ርእሶም ነቅነቁ። ብኹነታት ኣቦይ ተስፋይ ዝተገረማ ኣደይ ዘወዲ ፣ ደሓን ዲኹም ተስፋይ ደኣ ፧ ክብላ ተወከሳ። ገሪሙኒ ፡ገሪሙኒ ዘውዲ፣ እዛ ጓልና ምሕረት ሰላም ምስ በለት ዝበዛሕና ጽቡቅ ኢልና ምምላስና ኣስደሚምኒ። ነቲ ዊዕልና ነሓድሮ ሞ ንግሆ ንትንስኦ እኳ ከም ንቡር ወሲድናዮ እግዚአብሔር ይመስገን ምባል ገዲፍናዮ። ዘረባ ኣቦይ ተስፋይ ልቦም ሰለ ዝነኽኦም ኵሎም ርእሶም ኣደነኑ።

ዘረበኦም ቀጸሉ ፡ “ሓደ ሓደ ግዚ ከሓስቦ ከለኹስ ንምንታይ ‘ዩ መከራና ዝበዝሕ ዘሎ እብል ፣ ለካ ሓጥያትና ሰማይ ጠቀስ ሰከ ዝበጽሐ እዩ”። ንኣምላኽ ረሲዕናዮ ፣ ወላ እንተ ዘከርናዮ እዉን ገለ ክንደሊ ከለና እዩ። ሹዑ እዉን ዘሓተትናዩ ሻቡ እንተ ዘይተመሊስልና ኣምላክ የለን እንደኣልና ንብል፡ ህላውነቱ ድማ ንኽሕድ። ወረ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና ኣንቶም ሰባት፣ ከማና ቤተ እግዚአብሔር ዝመላለስ የለን። ክምስ እናበሉ ፡ኣነ ዝገርመኒ እግዚአብሔር ናይ ምሕረት ኣምላክ እዩ እናተባሃልና ከምዘይተማሃርና፣ ናይ እከለ ሞት እንተኣርኢኻኒ ጽላል ከዉድቀልካ እናበልና ንልምን እኳ ውሑዳት ኣይኮናን። ንኣምላኽ ዝረሰዐ ሰብ ናብራኡ ኵሉ ግዚ ህውከት እዩ ፣ ትሰምዑኒ ‘ዶ ኣለኹም።

ኣቦይ ሃይለ እወ ክብሉ መልሲ ሃቡ ርእሶም ንታሕቲ ብምድፋእ። ኣውያትኩም እዩ ኣኪቡና ኣብዚ ዘለና። ግና ኣኣብ ገዛና ንዅልና ሽግር ኣሎና ። እቲ ቀንዲ ጠንቁ ንኣምላኽና ዝኸዉን ቦታ ኣብ ልብና ስለ ዘይሰራሕና ኢና ።  እስኪ  ንተዓዘብ ሓደ መዓልቲ ከም እንመውት እናፈለጥና ፣ ካብ ንስሓ ምእታዉ ፣ ሳጽን ናይ ሬሳ ክንሰርሕ ድንኮን ንኸፍት ሰባት ኣለና። ኣብዛ ገዛ ከመይ ዝሸምገለኩም ፡ ካባይ ትንእሱን ተኣኪብና ኣሎና ።ሎሚ ሓሊፋ ምስ መሰየት እታ ሞት ንመና ከም ትምንዝዕ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የለን እሞ በጃኩም ናብ ኣምላኽና ንቅረብ ። ደሓር ይግባይ ዘይቡሉ ቤት ፍርዲ ምስ በጻሕካ ከምዚ እባ ከምቲ የለን በሉ። ኵሉ ሰብ ብምኽርን ተግሳጽን  ናይ ኣቦይ ተስፋይ ኣብ ሓሳብ ተዋሕጡ ነበረ። ኣቦይ ሃይለን ስላስን  ደጊም ብዛዕባ ቅዱስ ቁርባን ተሓስቡሉ ዕድመ እንበር ፣ ንስኽን ትእዉያሉ ንስኹም ድማ ስብእነትኩም ተርእዩሉ እዋን ኣይኮነን።

ኵሉ ሰብ ሰሓቀ። ስጋቦይ ኢለ ፣ ኣንቶም ደቅና ካን መቸም እዛ ሞት ነዞም ዝሸምገለና ጥራይ እንድያ ዘመድና ትመስለኩ። ግና ከሙአ ኣይኮነን ንሕና ስለ ንፈልጣ እቲ ባህሪኣ ምሸት ኮነ ቀትሪ ኢና ንፈርሓ ፣ ንስኹም ግና ወዮ እቲ ብርሃን ትዉንንዎ እንድዩ ዝመስለኩም ምስ መሰየ ኢኹም ጸሎት ተጽዕቁ። ኣደይ ስላስ እዋይ ተስፋይ ዋዛ ምስ ቁምነገር ዘይምነወኩም በላ። ስላስ ፣ ናይ ሓጥያት ግዝእ እንተ ኮይንካ  ናብዛ ስኦልካ ናብ ዘይጠፍ ሓዊ ክትዉርወር ኢኻ እናተባሃልና ስለ ዘይሰማዕናን ዘይስቆረና ፡ ሰለዚየ እናተዘናጋዕና ክንመሃር ዝመረጽኩ በሉ ፍሽክ እናበሉ። ኵሎም ሓቁኹም ክብሉ እቲ ትምህርቲ ኣብ ልቦም ክሕድሮሎም ተማሕሒጺኖም ነናብ ዋኒኖም ቅድሚ ምምርሖም በሉ እስኪ እዚግዮታ ከነብጽሕ ብምብል ..እግዚኦ መሃረን ክርስቶስ ...ብእንተ ማርያም መሃረነ ክርስቶስ ...ብእንተ ሚካኤል ማሃረነ .... እናበሉ ጸሎቶም የዕሪጎም ነናብ ገገዝዞኣም ተፈላለዮ።

ስብሐት ለግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ልዋም-ሰሎሞን

1/23/2019

Comments are closed.