ጾም ፵ /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ፵/40 መዓልትን ፵/40 ለይትን ጸይሙ፣ (ማቴ ፬/4፡፩-፲፩/1-11)፣ ከመይ ጌርና ኃይሊ ፍትወታት ናይ ሥጋ፣ ፈተነ ናይ ዲያብሎስ፣ ጸብኣ ኣራዊት ከም እንስዕር ኣርኣያ ኮይኑና እዩ። በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጾም ፵/40 ካብ ኣዋጃት ናይ ጾም ሠሪዓ ዓመት መጸ ንዅሎም ምእመናና ዝኾነ ምኽንያት ከየቕረብና ክንጸውን ትእዝዝ። ንሕና ደቃ ድማ ኣቦታትና ካብ እንመን ከም ዝተመሃርዎ ስለ እንፈልጥ ነዚ ተኣዚዝና ንጸውም በዚ ድማ በረኸትን መንፈሳዊ ኃይልን ንረክብ (2 ጢሞ 3፡14-15 ፣ ዕብ 13፡7)።

ጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠመቐ ከይውዓለ ከይኃደረ ንዕለቱ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ዝጾመ እዃ እንተ ኾነ፡ ቤተ ክርስቲያን ግና ናይቲ ጾም መዛዘሚ ትንሣኤ ከም ዝኸውን ንምግባር ናይ ጾም ፵ መጀመሪ እንተ ቀልጢፉ ባሕቲ ለካቲት እንተ ደንጎየ ድማ ካብ መጋቢት ፭/5 ኣይኃልፍን እዩ። እዚ ኣብ ባሕረ ሓሳብ፡ ኣብ 'ኢየዓርግ ኢይወርድ' ብኸምዚ ኣስፊርዎ ኣሎ “በዓተ ጾም (፵) ባሕቲ ለካቲት እምበር ንጥሪ ኣይትንክፍን እዩ፥ … በዓተ ጾም ካብ መጋቢት ፭/5 ንላዕሊ ኣይድይብን እዩ።” ዓብይ ጾም ዓመት መጸ ኣብ ውሱን መዓልቲ ዘይኮነሉ ምኽንያት በዓላትና ምስ ዘይኣመንቲ ንኸይነብዕል ማለት ፋሲካ ናይ ክርስቲያን ምስ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ምእንቲ ኣብ ሓደ ከይውዕል ንምግባር እዩ። ብዛዕባ እዚ እቶም ፫፲፲፰/318 ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ኣብ “ወተዐቀቡ በተጠናቅቆ ብዙኅ እምበዓለ አይሁድ ዘውእቱ በሊዐ ናእት ዘይከውን በዘመነ ሚያዝያ ወዘንተ ዕቀቡ እስከ ፳ወ፩ ዕለተ እም ወርኀ ከመ ኢይኩን አመ ፲ወ፬ ለሠርቀ ወርኅ በካልእ ሱባዔ ዘእንበለ በሱባዔ ዘቦቱ ይገብሩ ፍስሐ ፣ ካብ ናይ ኣይሁድ በዓል ብፍጹም ጥንቃቐ ተሓለው፡ እዚ ኣብ ሚያዝያ ዝኸውን ናይ ቅጫ በዓል እዩ። ብጀካ ሓጐስ ኣብ ዝገብሩሉ ሰሙን ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርኂ (ናይ ለይቲ ብርሃን) ምስ ወጸት ኣብ ፲፬/14 መዓልቲ ከይከውን ካብቲ ወርኂ ጀሚርኩም ክሳዕ ፳፩/21 መዓልቲ ሓልው።” ይብል (ፍትሓ ነገ. ኣን. ፲፱፡፯፻፴/19፡730)።

ጾም ፵ ካብተን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እቲ ቀንዲ ኮይኑ ንሸሞንተ ሰሙናት ዝጽወም ጾም እዩ። ስያሚኡ ድማ ነቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ እንጾሞ ዕለታት ዘመልክት እዩ። ኣብ ሰሙን ፯/7 መዓልቲ ካብ ሃለወ ምስ ሸሞንተ ምስ ረብሐ ፶፮/56 መዓልቲ ከም ዝመጽእ ርዱእ እዩ። እሞኸ ድኣ ከመይ ኢሉ ጾም ፵ ተባሂሉ ንዝብል ሊቃውንት ናይ ቤተክርስቲያን ካብ ዝመለስዎ ክልተ ምኽንያት ክንርኢ፤

፩/1፤ ጾም ፵፣ ጾመ ሕርቃል (ጾመ ንጉሥ)፣ ጾም ኣርብዓ፣ ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ኣብ ሠለስተ ይኽፈል። 'ጾመ ሕርቃል' ኣብ መጀመርታ ናይ ጾመ ፵ ሰሙን ዝጽወም ክኸውን ከሎ፣ ሰሙነ ሕማማት ድማ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘሎ ጾም እዩ። በዚ ክልተ ሰሙን ማለት ንጾመ ሕርቃልን ሰሙነ ሕማማትን እንተ ድኣ ኣጒዲልና እተን ዕለታት ናይ ጾም ኣርብዓ ፵፪/42 ይመጻ። እተን ክልተ ዕለታት ማለት ናይ መጀመርታን (ዘወረደ) ናይ መወዳእታን (ትንሣኤ) ስለዘይጽወማ ካብ ፵፪/42 ክልተ ምስ ጎደላ እቲ ዕለት ልክዕ ፵/40 መዓልቲ ይመጽእ። ብኸምዚ ናይ ጾመ ፵ ቍጽሪ ከመይ መጺኡ ንዝብል ካብ ተረዳእና ናይ ጾመ ሕርቃል ሕጂ ሰሙነ ሕማማት ድማ ኣብ ጊዜኡ ክንርኢ።

 ጾመ ሕርቃል ታሪክ ካብ ስንክሳር

፱፤ “እቲ ካልኣይ (ታሪኽ ናይ መስቀል) ኣብ ዘመን ሕርቃል ናይ ሮም ንጉሥ ዝኾነ እዩ። ናይ ፋርስ ሰባት ኣብ ሃገረ ግብጺ እንከለዉ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ደለዩ፡ ካብቶም ሹማምንቲ ሓደ መኰንን ተነጺሉ ብምኅላፍ ኣብ ሃገረ ኢየሩሳሌም በጺሑ ናብቲ ክቡር መስቀል ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ኣተወ። ኣብ ቅድሚ እቲ መስቀል ዝተተኽለ ጒንዲ ብርሃን ከብርህ ርእዩ ከግዕዞ ኢዱ ምስ ዘርግሐ ሓዊ ወጺኡ የእዳዉ ኣቃጸሎ።
፲፤ ሽዑ ብጀካ ክርስቲያን ነቲ ክቡር መስቀል ክኅዞ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ሰባት ነገርዎ።
፲፩፤ በዚ ድማ ክልተ ዲያቆናት ኂዙ ነቲ ክቡር ዕፀ መስቀል ክጸርዎ ኣዘዞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ከኣ ብዙኃት ሰባት ማሪኹ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።
፲፪፤ ሕርቃል ናይ ሮም ንጉሥ ናይ ፋርስ ሰባት ንኢየሩሳሌም ከም ዘዕነውዋ ብዙኃት ሰባት ድማ ማሪኾም ነቲ ክቡር ናይ ክርስቶስ መስቀልውን ከም ዝወሰድዎ ምስ ሰምዐ ኣዚው ኃዘነ፡ በዚ ድማ ንምእመናን ምእንታኡ ጾም ክጾሙ ኣዘዞም። ናብ ፋርስ ከይዱ ድማ ብዂናት ወግኦም ንብዙኃት ከኣ ቀተለ ነቲ ክቡር ዕፀ መስቀል ግና ኣብ ዅሉ ሃገሮም ደለዮ ሰኣኖ።
፲፫፤ እቲ ነቶም ዲያቆናትን መስቀልን ዝወሰደ መኰንን ብኣንጻር ቤቱ ኣብ ዘሎ ሓደ ቦታ ወሲዱ ዓሚቕ ጉድጓድ ክፍሕሩ ኣዘዞም። ኣብኡ ድማ ነቲ ክቡር መስቀል ከም ዝቐብርዎ ገበረ። ነቶም ዲያቆናት’ውን ቀተሎም።
፲፬፤ ነገር ግን እቲ መኰንን ዝማረኻ ካብ ወገን ካህናት ዝኾነት ኣብ ቤቱ እትነብር ሓንቲ ጓል ነበረት። ንሳ ነቲ ክቡር መስቀል ክቐብሮን ነቶም ክልተ ዲያቆናት ክቐትሎምን ኣብ ውሽጢ ቤት ኮይና ብመስኮት ትዕዘብ ነበረት፡ ናብ ንጉሥ ሕርቃል’ውን ከይዳ እቲ መኰንን ዝገበሮ ኵሉ ነገረቶ።
፲፭፤ ንጉሥ ነዚ ምስ ሰምዐ ኣዚው ደስ በሎ እታ ጓል ድማ ነቲ ንጉሥ ምስ ብዙኃት ሠራዊቱን ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን መርሓቶም። ናብቲ ቦታ ክሳዕ እተብጽሖም ድማ ነታ ጓል ሰዓብዋ። ኲዒቶም ድማ ነቲ ክቡር መስቀል ረኺቦም ካብቲ ዓሚቑ ኣውጽእዎ፡ ንጉሥን ሠራዊቱን ኵሉ ሕዝብን ከኣ ሰገዱሉ ብልብሰ መንግሥቱ ገይሩ ድማ ጠቕለሎ ብዓቢይ ክብርውን ኣኽበሮ ምስ ሠራዊቱውን ኣዚዩ ተሓጎሰ።
፲፮፤ እዚ መስቀል ዝተገልጸሉን ዝተረኽበሉን ዕለት ፲/10 መጋቢት እዩ።
፲፯፤ ካብዚ ንደኃር ነቲ ክቡር ዕፀ መስቀል ተሰኪሙ ናብ ሃገረ ቊስጠንጢንያ ወሰዶ። በረኸት ናይ መድኃኒና መስቀል ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ንዘለዓለም፡ ኣሜን።”

እዚ ካብ ስንክሳር ዝረኣናዮ ናይ ጾም ሕርቃል መሠረት እዩ። በዚ ድማ ጾመ ሕርቃል ክቡር ናይ ጐይታ መስቀል ካብቲ ዝተማረኾ ቦታ ምእንቲ ክምለስ ዝተገብረ ጾም ምዃኑ ንርዳእ።

ብተወሳኽውን ኣብ ሥርዓተ ሰዓታት ኣጸዋውማ ናይዚ ጾም ከረድእ “ኣብ ቅድስት ጾመ ፵ ኣብ ቀዳማይ ሱባኤ ክሳዕ ፀሐይ ዝዓርብ፥ እዚ ምስ ኃለፈ ክሳዕ ፲፩/11 ሰዓት፥ ኣብ ጊዜ ሕማማት ድማ ክሳዕ ኮኸብ ዝወጽእ ይጹሙ” ኢሉ ኣብ ፍትሓ ነገሥት ኣብ ኣን.፲፭፡፭፻፺፮/15፡596 ይገልጽ። ይኹን ድኣ እምበር ጾመ ሕርቃልን እቲ ኣብ መንጎ ዘሎ (፵ መዓልቲ)ን ሰሙነ ሕማማትን ብሓፈሻ ጾመ ኣርብዓ ተባሂሉ ይጽዋዕ፥ ዝፈላለውን ኣይኮነን።

፪/2፤ እቲ ካልኣይ መረዳእታ ቝጽሪ ዕለታት ናይ ጾም ፵ ኣርብዓ ምዃኑ ኣብ ሸሞንተ ሰሙናት ናይ ጾመ ፵ ንቀዳሚት ሰንበትን ንሰንበተ ክርስትያን ቅድስትን ኣጒዲልና እንረኽቦ እዩ። ኣብ ሰሙን ካብ ዘለው ፯/7 ዕለታት ክልተ ዕለታት ማለት ቀዳሚት ሰንበትን፣ ሰንበተ ክርስቲያንን ምስ እነጕድለሉ ኣብ ሰሙን ፭/5 መዓልቲ ንረክብ ነዘን ፭/5 መዓልቲ ድማ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ንዝጽወም ፰/8 ሰሙናት ምስ ኣርባሕናዮ ኣርብዓ መዓልቲ ይመጽእ፤ (5*8= 40)። ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ጾም ዘይቍጸረሉ ምኽንያት ቀዳሚት ሰንበት ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ብጀካ ኣብ ቀዳም ስዑር፣ ሰንበተ ክርስቲያን ድማ ፈጺሙ ክንጸሞ ዘይግባእ ዕለት ስለዝኾነ እዩ (ፍትሓ ነገ.አን ፲፭፡፭፻፸፯/15፡577)። እዚ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ናይ ስዕረት መግቢ ይብላዕ ማለት ዘይኮነ ከምተን ካልኦት ፭/5 መዓልታት ናይ ሰሙን ማለት ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ዘለዋ ዕለታት ጾምካ ከም ዘይወዓል ንምርዳእ እዩ።

 በኸምዚ ናይ ጾም ፵ ኣሰያይማኡን ኣጀመምራኡን ካብ ረኣና። ከምቲ ኣርብዓ መዓልቲ ብምዃኑ ጾመ ኣርብዓ ዝተባህለ ብብዝኂ ዕለታትን ብኽብሩን ዓቢይ ጾም፡ ጐይታ ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ ድማ ጾመ እግዚእ ተባሂሉውን ይጽዋዕ እዩ። ጐይታ ካብ ፵ መዓልቲ ልዕል ወይ ትሕት ከይበለ ልክዕ ኣርብዓ መዓልቲ ዝጾመሉ ቀንዲ ምሥጢራዊ ምኽንያት ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ብኸምዚ ይገልጾ።

“ሰራሔ ሕጊ ብምዃኑ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጸይሙ ንጾም ናይ መጀመርያ ሕጊ ገበረ፥ ንሥርሑውን ብጾም ጀመረ። መብልዕ ናይ ኃጢኣት መሠረት ከመ ዝኾነ፡ ጾም ድማ ንምግባርን ንትሩፋትን መሠረት እዩ። 'እማ ለጸሎት ወእኅታ ለአርምሞ፡ ወነቅዓ ለአንብዕ ወጥንተ ኵሉ ገድል ሠናይት' ከም ዝብል።

   ጐይታ መዓልትን ለይትን ዝጾመ ስለምንታይ እዩ እንተ ተባህለ፧  

† ነቢያት ኣርብዓ ጸይሞም እዮም። ካብዚ እንተ ዝውስኽ ወሲኹ እንተ ዘጉድል ኣጒዲሉ ኢሎም ኣይሁድ ነታ ቅንዕቲ ሕገ ወንጌል ካብ ምቕባል ምተዓንቀፉ ነይሮም።

† ሙሴ ብ፵ ዘመኑ ንዕብራዊ ረዲኡ ነቲ ግብጻዊ ቀቲሉ ኣብ ሑፃ ቀበሮ፥ ሙሴ ናይ ወልደ እግዚአብሔር፣ ዕብራዊ ናይ ኣዳም፣ ግብጻዊ ናይ ዲያብሎስ፣ ሑፃ ናይ መስቀል ምሳሌ እዩ። ከምኡውን ናይ ሠለስተ ርእሰ ኃጣውእ ምሳሌ እዩ። ምሳሌ፦ ሙሴ ፵ ጸይሙ ሕገ ኦሪት ከም ዝሠርዐ፡ ጐይታ ድማ ፵ ጸይሙ ሕገ ወንጌል ሠርዐ። ሙሴ ፵ ዘመን ኣብ ምድያም ነይሩ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጺእዎም እዩ። ንሱ ድማ ፵ ጸይሙ ንነፍሳት ካብ ሲዖል ኣውጺኡ እዩ።

† ናይ እስራኤል ልኡኻት (ንከንኣን ክስልዩ ከይዶም ዝነበሩ) ኣብ ፵ ተመሊሶም እዮም፡ ንሱ ድማ ናብ መንግሥተ ሰማያት ዘእቱ ልኡኽ እዩ። እስራኤል ኣብ ገዳም(በረኻ) ፵ ዘመን ኮለል ኢሎም ናብ ምድረ ርስቲ ኣትዮም እዮም። ንስኻትኩም'ውን ፵ እንተ ጾምኩም ገነት መንግሥተ ሰማያት ክትኣትው ኢኹም ንምባል። v ኤልያስ ፵ ጸይሙ ገነት (ምድረ ሕያዋን) ከም ዝኣተወ፡ ንስኻትኩምውን ፵ እንተ ጾምኩም ገነት መንግሥተ ሰማያት ክትኣትዉ ኢኹም ኢሉ ንምርዳእ።

† ሕዝቅኤል ብጸጋማይ ጐድኑ ፵ መዓልቲ ደቂሱ ፮፻/600 ሙታን ኣተንሢኡ እዩ፡ ንስኻትኩምውን ፵ እንተ ጾምኩም ትንሣኤ ዘለክብር ክትትንሥኡ ኢኹም። 

† ዕዝራ ፵ መዓልቲ ካብ መግቢ ተኸልኪሉ መጻሕፍቲ ጽሒፉ እዩ። 'አንሰ በውእቶን መዋእል ኢበላእኩ ወኢሰተይኩ ማየ እሙንቱሰ መዓልተ ይጽሕፍ ወሰርከ ይዴረሩ' ከም ዝብል፥ ንሳቶም መዓልቲ ክጽሕፉ ይውዕሉ ምሸት ድማ ይምገቡ ነይሮም፥ ንሱ ግና መዓልቲ ንዝጽሕፎ ለይቲ ክሓስቦ ይኃድር ከም ዝነበረ፤ ንስኻትኩምውን እንተ ጾምኩም ምሥጢር ክግለጸልኩም እዩ ንምባል።

† ተመን ኣካሉ ከሕድስ እንተ ኾይኑ ፵ መዓልቲ ካብ መግቢ ተኸልኪሉ ይስንብት በስቁረተ ዕፅ በስቁረተ ዕብንውን ይብል እዩ፡ ክኃልፍ ከሎ ተገፊፉ ይወድቀሉ በዚ ድማ ይሕደሰሉ። ከምኡ ድማ ፵ እንተ ጾምኩም ተሓድሶተ ነፍስ ክትረኽቡ ኢኹም።

ነቲ ምሳሌ ፈሊጡ ከም ዝፍጸም ገይርዎ እዩ። ፍጻሜኡ ግና ከመይ እዩ እንተ በሉ፥ 'ኣዳም በኣርብዓ መዓልቲ ንዝረኸቦ ውልድነት ኣውሲድዎ ስለዝነበረ ንእኡ ከም ዝኸሓሰ ንምርዳእ'፥ ካልኣይ ፵ መዓልቲ ተስእሎተ መልክዕ ንዝተፈጸመሉ ንዅሉ ሰብ ክኽሕስ ከም ዝመጸ ንምርዳእ። ን፬/4 ባሕርያት ዓሠርተ ንምኽሓስ እቲ ፭/5ይ ባሕርየ ነፍስ እንተ ተወሰኸ ሸሸሞንተ ክኽሕስ ከም ዝመጸ ንምርዳእ። ኣብዚ ጠሚው ኣይሰሰዐን፡ ተዋጊኡ ኣይተሳዕረን 'ወሶበ ጾመ እግዚእ ፵ መዓልተ ወ፵ ሌሊተ ከሠተ ከመ ኢሐመ እምረኃብ ወፅምዕ በኃይል ዘይደሉ ለመለኮት ከም ዝብል።

ካብዚ ሥሪሑ ሠርሑ በለ እምበር ዘይኣጻብዕትኻ ኣፍ ገበል ለክዓሉ ከም ዝበሃል ከይሠርሐ ሥርሑ ኣይበለናን” ኣብ ማቴ ፬፡፪/4፡2 ካብ ዘሎ ትርጓሜ ወንጌል ዝተወስደ እዩ።

ጐይታ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ፵ መዓትን ፵ ለይትን ምስ ጾመ ጠመየ፣ በዚ ድማ ዲያብሎስ ብሠለስተ ርእሰ ኃጣውእ ማለት ብስስዐ፣ ብትዕቢትን፣ ብፍቅረ ንዋይ ፈተኖ። ክርስቶስ ድማ ንተንኮል ናይ ዲያብሎስ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቐሰ ነቲ ስስዐ ብትሕርምቲ፣ ንትዕቢት ብትሕትና፣ ንፍቅረ ንዋይ ብጸሊአ ንዋይ፣ ስዒርዎ እዩ። እዚ ኣብ ጊዜ ጾም ንዝፈታተነና ዲያብሎሳዊ ሓሳባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምንባብ ከም እንስዕሮ ዘዘኻኽርን ዝምህርን እዩ። እዚ ኣብ ጊዜ ጾም ጥራይ ዘይኮነ ኵሉ ጊዜ ክንትግብሮ ዝግባእ ከም ዝኾነ ኣብ መጽሓፈ ግጻዌ ዘሎ ነናይ ዕለቱ ማለት ናይ ፫፻፷፭/365 ዕለታት ኣብ ንግሆ፣ ኣብ ቅዳሴ፣ ኣብ ሰርክ፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲን ወንጌልን መዝሙር ዳዊትን ክንበብ ይእዝዝ እዩ።

ብተወሳኽውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾመ ኣብ ምድረ በዳ ማለት ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከም ዝኾነን ኣራዊት’ውን ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበሩን ተጻሒፉ ኣሎ (ማር ፩፡፲፫/1፡13)። ኣራዊት ሰብ ካብ ዝነብረሉ ቦታ ርሒቑ ከም ዝነብር ምስ ኣራዊት ይነብር ዝበሎ ርሕቀት ናይቲ ቦታ ዘረድእ እዩ።

ኣብ ጊዜ ጾም እንተ ተኻኢሉ ብኣካል እንተ ዘይተኻእለ ድማ ብሓሳብ ካብ ግብረ ሥጋ ፈጺምና ክንርሕቕ ከም ዘሎና ናይ ጐይታ ጾም ኣርኣያ እዩ (1ይ ጴጥ. 2፡21)። ነዚ ኣሰር ናይ ጐይታ ብምስዓብ መነኮሳት ኣበው ብኣካል ኣብ ገዳም ባሕታውያን ድማ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ኮይኖም ተጋዲሎምን ይጋደሉን ኣለው (ዕብ 13፡13-14 ፣ ዕብ 11፡38)። ብምኽንያት እዚ ጐይታና ኣብ ዝጾመሉ ቦታ ኣብ ምድረ በዳ ናይ ይሁዳ ገዳመ ቆሮንቶስ’ውን ገዳም ተገዲሙ ይርከብ። እቲ ገዳም ከይተሓንፀውን ቅዱሳን ኣበዉ ኣብዚ ቦታ እናመጹ ጾም ፵ የኅልፉን፡ ገሊኦም ፍቕሩ ዝዓዘዘሎም ድማ ኣብኡ ዅሉ ዘመን ሕይወቶም ከም ዝነበሩ ናይቲ ቦታ ታሪኽ ይነግረና። ንመርኣያ ዝኸውንውን ብዓሠርተታት ዝቝጸሩ ብርክት ዝበሉ ጥንታውያን በዓትታት ይርከቡ። ናይዚ ገዳመ ቆሮንቶስ ዝብል ስያመ ካብ 'ኳራንታ' ዝብል ናይ ላቲን ቃል ዝወጸ ኾይኑ ኣርብዓ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ጐይታ ፵ መዓልትን ፵ ለይትን ንዝጾሞ ዝገልጽ ስያመ እዩ። ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነ ንምርዳእ ድማ ብቋንቋ እንግሊሽ ማውንት ኦፍ ተምፕቴሽን (Mount of Temptation) ወይ ድማ ናይ ፈተና እምባ ይበሃል።

ኣብዚ ቦታ ከይዱ ንዝረኣየ በጻሒ ናይቲ ጾም ክብደት ጥራይ ዘይኮነስ ናይቲ ቦታ ምድረ በዳነት ናይ ቀትሪ ሃሩር ናይ ለይቲ ቊሪ ናይቲ ዓቐብን ጸድፊ ኣቀማምጣ መሬታዊ ቅርጺ ልቢ ዝትንክፍ እዩ። በዚ ድማ ጾም ማለት ነፍስኻ ካብ መብልዕን መስተን ምቕጻዕ ጥራይ ከም ዝኾነ የረድእ። አረ ነቲ በብዓይነቱ ናይ ጾም መግቢ እናበልዐ ዝጸውምሲ ኣነኸ ይጸውም ኣሎኹ ድየ ኢሉ ዘተሓሳስቦ እዩ።

'ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ፡ ወንትፋቀር በበይናቲነ' ጾመ ድጓ ዘማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር። 

ዲን.ዘሚካኤል

     

Comments are closed.