ጾመ እግዚእነ ( ዓቢይ ጾም )

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን። 

ካብ ለካቲት 28, 2008 ዓ.ም (መጋቢት 7, 2016) ስጋብ ሚያዚያ 23.. 2008 ዓ.ም ( ግንቦት 1, 2016) ። እዚ ጾም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጥማቁ 40 መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ጾም ብምኻúኑ ዓቢይ ጾም ተባኂሉ። ንሕና'ውን  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ብምዝካር ፣በረከት ንምርካብ ፣ ከምእ'ውን ብግብሪ ንዕዑ ብምምሳል ናይ ሥጋ ፈቃድና ንምግዛእ ንጾሞ። 

ዐቢይ ጾም 55 መዓልታት ንጾሞ ጾም እዩ። ሸሞንተ ሳምንታት ከኣ ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ፣-

1 ሰሙነ ፣ ዘወረደ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ካብ ሰማይ ምውራዱ 

2 ሰሙነ ፣ ቅድስት፣ ናይ ሰንበት ቅድስና

3 ሰሙነ ፣ምኩራብ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራብ ምምሃሩ

4 ሰሙነ ፣ መፃጉ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማን ምፍዋሱ

5 ሰሙነ ፣ደብረዘይቲ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እምባ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ምምሃሩ

6 ሰሙነ ፣ ገብርሔር፣ ቅኑዕ ኣገልጋሊ ዋጋኡ ዘለዎ ምኻú

7 ሰሙነ፣ ኒቆዲሞስ ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ምዝርራቡ

8 ሰሙነ ፣ ሆሳእና ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነ ናብ ቤተ መቅድስ ምእታዉን ስለና ሕማማት ምቅባሉ ይዝከር።

 

 ዘወረደ 

 ካብ ሰናብቲ ዓቢይ ጾም እቲ ቀዳማይ ኮይኑ ዘወረደ ማለት ከምቲ እቲ ቃል ዝሕብሮ ዝወረደ ማለት እዩ። ምሥጢሩ ድማ አምላክ ወልደ አምላክጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤዛ ዓለም ብቅዱስ ፍቓዱ ሰብ ኮይኑ ካብ ሰማየ ሰማያት (ልዕልንኡብትሕትና ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግልማርያም ፍጹም ሰብ ኮይኑ ምውላዱን ምስቃሉን ምማቱን ዘመልክት እዩ። (ዮሓ ፫፥፲፫

 

ኣብዚ ሰንበት እዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ነገራት ትዝክርን ትምህርን። ብዛዕብ ጾም ብዝምልከት ግና ንዓቢይ ጾም ከም መእተዊ ስለዝኾነንከም መዳለዊ፤ መቐበሊ (ቕበላተባሂሉውን ስለዝፍለጥን ከምኡ'ውን ሰፊሕ ታሪኽ ጾም ዘለዎን ብጾም ድማ ንዝተረኽበ ናይ ክርስቲያናት ዓወት ዘዘክርብምኻኑ ብንጉሥ ስም ዝጽዋዕ “ጾመ ሕርቃል” ተባሂሉ ይፍለጥ። 

 

ዘወረደ ተባሂሉ ክስመ ምኽንያት ዝኾኖውን ኣብ ዋዜማ ናይዚ ዕለት ዝዝመር ማኅትው ጠቕላላ ኣብ መዋዕለ ጾም ዝዝመር መዝሙር (ጾመ ድጓመክሠቲኡ “ዘወረደ እምላዕሉ አይሁድ ሰቀሉ” ኢሉ ስለዝጅምር እዩ። ትርጉሙ ድማ ነቲ ካብ ላዕሊ ዝወረደ ኣምላኽ ኣይሁድ ሰቐልዎ ዝብል ኮይኑናይ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገቱ፡ ስቕለቱ፡ መድኃኒትነቱ መዘከርታ ዘለዎ እዩ። (ዮሐ ፩፥፱-፲፩  ፫፥፫-፳፩

 

ሙሴኒ ተባሂሉውን ዝጽውዓሉ ምኽንያት ኣብዚ ሰሙን እዚ እታ መጀመርታ ሰኑይ “ከመዝ ይቤ ሙሴ ፀዓቱ እምትእይንት” ትርጉሙ ድማ ሙሴ ካብከተማ ምውጽኡ ከምዚ እዩ በለ ማለት እዩ። ከምኡውን ኣብዚ ናይ ሰኑይ ኣቡን “ሙሴኒ ይቤ በውስተ ኦሪት ምድር ሰናይት” እናበለ ታሪኽ ሊቀ ነቢያትሙሴ ስለዝተናኽፍ እዚ ሰሙን እዚ ሙሴኒ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብተወሳኺውን ከም ሙሴ ዝኣመሰሉ ነቢያት ኣርብዓ መዓልቲ ጾይሞም ድኅሪምሕላፎም ሕግ ሙሴን ትንቢት ነቢያትን ዝፈጸመ ጐይታ ከምቶም ዝቐደሙ ነቢያት  መዓልትን  ለይትን ምጻሙ ዘዘክር እዩ። (ዘፀ ፳፬፥፲፰ ቀዳማይ ነገ ፲፱፥፰  ማቴ ፬፥፩-)

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾሞ ብሰላም ብፍቅሪ ብትሕትና ጾምና ናብ በዓለ ትንሣኤኡ ብሰላም ክንበጽሕ ብለውሃቱን ምሕረቱ ይሓልወና። በረከታን ረዲኤታን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። ኣሜን።

 

                                                                                               ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

 

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.