ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ትንቢተ ዮናስ

ትንቢተ ዮናስ ካብቶምም ኣርብዓን ሽዱሽተን ናይ ብሉይ ኪዳን መጽሓፍቲ ሓደ ኮይኑ ጸሓፊኡ ከኣ ዮናስ እዩ ዝበሃል።

ዮናስ ማለት ርግብ የዋህ ማለት እዩ። ዝበነረሉ ዘመነ ከኣ ኣብ ዳግማዊ ኢዮርበኣም ዘመነ መንግሥት እዩ። 825 -784 ቅ.ል.ክ ማለት እዩ።

ነብየ ዮናስ ዋላ ናይ እስራኤል ነብዩ እንተኾነ ዘምሃረሉ ቦታ ግና ካብ ምድረ እስራኤል ወጻኢ ንሰብኣ ነነዌ እዩ። ነብየ ኣሕዛብ ከኣ ይበሃል።

ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነ መሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ ትርከብ ከተማ ምዃና ይሰማምዑላ። ዋላ እካ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ  ብናምሩዴ ዝተድኮነት ትኹን። ዘፍ. 10፣11-12። ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማ ዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። 2ይነገ,19፣36።

ናይ ትንቢተ ዮናስ ዋላ መልእኽቱ እግዚአብሔር ናይ ሕዝበ እስራኤል ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኣሕዛብ ኣምላኽ ከምዝኾነ ብንስሓ ናብኡ ዝተመለሱ ኩሉም ምሕረቱ ሙሉእ ከምዝኾነ ንምርኣይ እዩ።

 ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ዝበሃል ኔሩ። ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋኣትን ሓጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለ ዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱ ሙሉእ ርኅራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ኣሕዛብ ሃገር ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብ ንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብ ተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ።

ቅዱሳን ኣቦታትና ነዚ ናይ ነነዌ ጾም ካብ ዓቢይ ጾም ኣቀዲሙ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክንጸሞ ምግባሮም ብዘይ ምኽንያት ኣይኮኑን። ኣብዚ ጾም ኣብ ጾመ እግዚእነ ዓቢይ ጾም ክንገብሮም ዝግበኣና መንፈሳዊ ትግባሮት ናይ ንስሓን ጾምን ዓይነት ከመይ ክመስል ከምዝግብኦ ፣ ናይ እግዚአብሔር ፍቕርን ጥበብን ማዕረ ክንደይ ዝበዝሐ ከምዝኾነ ፣ ነብያት እኳ ድኻም ከምዝነበሮምን ብኸመይ ከምዝተሥኡ የረደኣናን ይምህረናን።

 ኣብ ትንቢተ ዮናስ እግዚአብሔር ከዘኻኽረና ዝደለዮ ነገር ኣሎ። እሱ ከኣ ነብያት ከማና ድኽመት ከምዝነበሮምን ኮይና ብሓገዝ እግዚአብሔር ኩሉ ነገር ብዓወት ከምዝወጽዎ። 2ቆረ.4-7።

ዋላ እኳ ዮናስ ድኻም እንተነበሮ እግዚአብሔር ንጥበበኛታት ኢና ዝብሉ ከሕፍር ምእንቲ ተጠቒምሉ እዩ። ነዚ’ውን እግዚአብሔር ናትና ድኻምና ንጽቡቅ ከመይ ጌሩ ከምዝጥቀመሉ ንርኢ።

ቃለ እግዚአብሔር ናብ ወዲ ኣሚታይ ዮናስ ከምዚ ክብል መጸ ። ተንሥእ እሞ ናብ ሃገር ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ  ኪድ እሞ ኣንጻራ ኣውጅ፣ ኣተምህር ። ድኻ ምብዳሎምን ኣብ ቤተ ጣኦት ኣትዮም ስምዓና በዓል እንዳበሉ ምልማኖም በዚሒዮ።

እወ እስራኤል ቃል እግዚአብሔር ካብ ምስማዕ ኣእዛኖም ደፎኖም እዮም’ሞ እግዚአብሔር ከኣ ገጹ ናብ ኣሕዛብ ኣዚሩ። ንዮናስ ክልእኾ ፈተፈ ዮናስ ግና ኣይተኣዘዘን፣  ካን ገጽ እግዚአብሔር ክሃድም’ውን ጀመረ።

ዘይተኣዛዝነት ነብዩ ዮናስ እግዚአብሔር ንጽቡቕ ቀየሮ ፣

ብ 347-420። ዝነብረ ዓቢ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣቦ። ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ ክገልጽዎ ከለዉ ፣ “ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኮነ ድኅነት ካብ ህዝበ እስራኤል እንዲረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት እዩ ማለት እዩ። “ ዘጻ.32፣31-32

ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ምእንቲ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ክርገም ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕’ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣሕዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቑ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞም ክተርፉ ከለዉ ፣ ኣሕዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ኮይኑ ግና ዮናስ  ብምኽንያት ዘይምእዛዙ ናብ ዝኸፍአ  ካልእ ኃጥያት ምስ ኣተወ ኔሩ ። እግዚአብሔር ግና ሙሉእ ብኩለሄ ምዃኑ ከየስተውዕል ጌርዎ።

ከም ኣዳምን ቃኤልን ካብ ገጽ እግዚአብሔር ኾብሊሉ ናብ ብባሕሪ ክሃድም ፈቲኑ። እግዚአብሔር ግና ኣብ ኩሉ ኣሎ። ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊ ኣብ መዝሙሩ ከዝተዛረቦ “ ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ ፣ ንሰማይ እንተደየብኩ ኣብኡ ኣለኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተኣንጸፍኩ እንሆ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ፣ ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተወሰድኩ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተተቐመጥኩ ኣብኡ ከኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ የማነይቲ ኢድካ’ውን ክትሕዘኒ እያ። ” መዝ.139፣7-10።

ሓደ ሓደ ግዜ ንእግዚአብሔር ዘይምእዛዝና ዓይነ ልቦናና ከምዚ እዩ ዝዕውር። ንሓቒ ምርኣይ ሲኢና ናበይ ከምእንኸይድ ኣንፈትና ጠፊኡና ንኹብልል።

ዮናስ ካብ ንባሕሪ ዝፈጠረ ጐይታ እግዚአብሔር  ክሃድም ናብ ባሕሪ ከይዱ መርከብ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚአብሔር  ርሒቑ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ ዋጋ ከፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።

ዮናስ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ንምህዳም ገንዘቡ ከፊሉ ። ንሕናከ ሕዝበ ክርስትያን ካብ ገጽ ኣምላኽና እግዚአብሔር ንምህዳም እንታይ ኢና ንኸፍል ንኸውን ፣ ገንዘብና ክብረትና ስምና ወ.ዘ.ተ ………. ንነፍስና ናብ ባሕሪ ዓለም ንምድርባይ ከየተረደኣና ካብ ጸጋ እግዚአብሔር ንርሕቕ ፣ ምስ ነፍስና ብሚዛን እግዚአብሔር ንምዘና ሕዝበ ክርስትያን።

ዮናስ ገንዘብ እንተዘይነብሮ ኔሩ ከምዚ ኣይምገበረን ኔሩ። ዋጋ ከፊሉ ክኸይድ ከሎ ሓደ ገንዘቡ ሲኢኑ ፣ ካልኣይ ከኣ ክብረት ተኣዛዝነቱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሲኢኑ።  “ ካብ በላዒ ብልዒ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ምውጻእ ዝከኣሎ እግዚአብሔር።”መሳ.14፣14። ናይ ዮናስ ዘይተኣዛዝነት ንጽቡቅ ተጠቒሙሉ። ንካልኦት ሰባት ምድኃን ተጠቂምሉ።  እሱ ብዘይምእዛዙ እቶም መርከበኛታት ድኂኖም። ኣብቲ መርከብ ዝነብሩ ሰባት ከምቲ ሰብአ ነነዌ ድኅነት ዝግባኦም ዝነብሩ ኣሕዛብ ድኂኖም።

እግዚአብሔር ንዮናስ ከምዚ ይብሎ ኔሩ። “ ኦ ዮናስ ልበ ደንዳና ዝኾኑ ወገናትካ ጥፍኣቶም ኣሕዚኑካ ካብ ገጸይ ዝሃደምካ ይመስለካ ፧ ብፍጹም ! እካ ድኣ ቅኑዕ ኢኻ ከም ሰብኣ ነነዌ ድኅነት ዝግብኦም ናብቶም ባሕረኛታት ክልእኸካ እየ። ኮይኑ ግና ከም ነብዩ ኣይኮነን ፣ ከም ሰባኺውን ኣይኮነን፣ ንገዛእ ርእሱ ከም ዝወቅስ ኃጢያተኛ ሰብ እምበር። በዚ ከኣ ነቶም ባሕረኛታት ከድኅኖም እየ። ዘይምእዛዝካ ንበረኸት ክገብሮ እዩ።

ናብቲ ባሕሪ ዋል እንተደርበዩኻ እታ ባሕሪ ፍጥረት ኣእዳወይ እያ እሞ ንዓኻ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዳልየ ንሞተይን ትንሣኤን ኣብነት ክገብረካ እየ።

ብሓቂ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ግሩም ዘደንቅ እዩ። ናይ ጲላጦስ ድኽመትን ፣ ይሁዳ ንጐይታ ኣሕሊፉ ምሃቡን ንዓለም ንምድኃን ተጠቂሙሉ።  

ሓሳብ ልብና እንታይ ምኻኑ ዝፈልጥ እግዚአብሔር ኣምላኽ ናይ ዮናስ ዘይተኣዛዝነት ንባሕረኛታት ንምድኃን ተጠቂምሉ።

ሕዝበ ክርስትያን ካብዚ እጹብ ድንቂ ዝኾነ ጥበበ እግዚአብሔር ንሕና ድኹማት ዝኾና ደቁ ተጠቀምቲ ንኹን።

ካብቲ መሪር ሙቁር ምውጻእ ንመሃር ፣ ካብ ሕማቅ ጽቡቅ ነገር ምውጻእ ንመሃር እምበር ኣይነማርር። እግዚአብሔር ግዑዛን ብዝኾኑ ነገራት ንዮናስ ይግስጾ ኔሩ።

ዮናስ ናብታ መርከብ ምስ ኣተወ እግዚአብሔር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ እታ መርከብ ክትስበር ክሳብ እትቐርብ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።

ይቅጽል…….

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔርጾምና ይባርኸልና።ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.