ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐደ አምላከ አሜን።

ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነ መሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዲዴ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ ትርከብ ከተማ ምዃና ይሰማምዑላ። ዋላ እካ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተድኮነት ትኹን። ዘፍ. 10፣11-12። ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማ ዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። 2ይነገ,19፣36። ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብሃል።

ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋኣትን ሓጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለ ዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱ ርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ኣህዛብ ሃገር ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብ ንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብ ተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ።

ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ ክገልጽዎ ከለዉ ፣ << ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኮነ ድኅነት ካብ ህዝበ እስራኤል እንዲረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት እዩ ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32።

ቅደስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ምእንቲ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን ኣዝማዱን ክርገም ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቑ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞም ክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ልብን ኩላሊቶን ዝምርምር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡ ክወስዶ ንርኢ። ኣቀዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዲልዩ፣ ቀጺሉ’ዉን እቲ ነባሪ ዓሳ ንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቅሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ።

ነብዩ ዮናስ ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከደ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዱ ሰለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስ ናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።

ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣመኑ፣ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ናእሽቱኦም’ውን ኽሻ ተኽደኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቀመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገድን ካብቲ ኣብ ኢደ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰ መን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዲ ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔር’ውን ነቲ ከውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10።

ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየድልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔር ቀረባ እዩ።

ንሕና ሕዝበ ንክርስትያን’ውን ነዚ ብምዝካር << ንስሓ ኣቲና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎትን ልመናን ብፍጹም ልቡና እንድሕር ተመሊስና ፣ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ካብቲ ዝተሓስበሎም መቅዘፍቲ ዝድኃኑ፣ ካብ ናይ ዓለም ፈተናን መቅዘፍትን ንድሕን ። ኢልና በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብ ረቡዕ << ጾመ ነነዌ >> ብምባል ንጾሞ።

ሰብአ ነነዌ

ካብ ሰብአ ነነዌ ኣዝዩ ዝኸፍአ መን ኔሩ? ካብኦም ንላዕሊ የማኖምን ጸጋሞን ዘይፈልጡ መን ኔሮም?  

ሰብአ ነነዌ ብዛዕባ ሃለዋተ እግዚአብሔር ዘይፈልጡ ዋላ እኳ ኣህዛብ ኣምለኽቲ ጣኦት እንተኾኑ ፣  ኣቀዲሙ ብዛዓባ ፈሪኃ እግዚአብሔር ዘምህሮም ነብዩ እንተዘይረኸቡ ዋላ እኳ ፣ ነብዩ ዮናስ መጺኡ ሓንቲ ቃል ምስ ነገሮም ግና ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ኩሉ ነገር ገዲፎሞ። ዘማዊ ንጹህ ኮይኑ፣ ዘይወሃቢ ወሃቢ ኮይኑ። ቅጡዕ ተጻራፊ መራቒ ኮይኑ። እቲ ሰንፉ ፣ ንጾምን ንጸሎትን ዝበርትዐ ኮይኑ። ካብቲ ዝነበሮም ክፍኣት ኩሉ ሒደት ዘይኮነ ኩሉ ገዶፎሞ።

በዚ ከኣ እቲ ሰማይ ዓሪጉ ዝነበረ እከይ ግብሮም መሊኡ ኣብ ልዕሊኦም መዓት ኣንጸላሊዉ እንተነበረ፣ ብምሉእ ስለዝተመልሱ ፣ እግዚአብሔር ከኣ ካብ ቁጣዑኡ ተመሊሱ ብምሕረት ዓይኑ ርእይዎም። ነቲ መዓት ከኣ ኣሊሎም።

ንሕናከ ምእመናን ኣህዛብ ሰብአ ነነዌ ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ልቢ እግዚአብሔር ዘራህርሀ ንስሓ ካብ ኣተዉ። ንብዙሕ ዘመናት ተማሂርና ዘይተለወጥና ክርስትያን ከኣ እንታይ ዓይነት ፍርዲ ይፍረደና ይኸውን።

ብንስሓ ንመለስ መዓልቲ ድኅነት ሕጂ እያ።

ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ

ናይ ሎሚ ዓመት ዓብይ ጾም የካቲት 5  ስለ ዝኣቱ ካብ ሰኑይ ጥሪ 21 ስጋብ ረቡዕ 23 ጥሪ ጾመ ነነዌ ንጸውም።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዩ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድኅን ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.