ጾመ ነነዌ

በስመ አብወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11።

ካብ ሰኑይ የካቲት 15 ስጋብ የካቲት 17 (Monday, February 22- February 24) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። 
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና።

 ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነመሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃናይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ.10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብኃል።

ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሠርሕዎ ክፋትን ኃጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱርህራኄ ዘለዎ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ሃገረ ኣህዛብ ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ነብያት ናብ ደቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይድ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብተርሴስ ክኸይድ ንርእዮ።
ቅዱስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኰነ ድኅነትካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32።

ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽውን ኣብ ዘመነ ሓዲስኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞምክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡክወስዶ ንርኢ።  ኣቐዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዳልዩ፣ ቀጺሉ’ዉን እቲ ነባሪ ዓሳንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ።

ነብዩ ዮናስ  ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከደ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሠለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሠለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።
ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳብ ናእሽቱኦም’ውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥንመኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውንኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገድን ካብቲ ኣብኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰመን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔር’ውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉእተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10።

ካብ ትንቢተ ዮናስ ብዙሕ ኢና ንመኃር ብኸፊሉ ግና፣

 ካብ ትንቢት ዮናስ እንታይ ንመኃር᎒

 v ትንቢተ ዮናስ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎ ዓሚቕ መለክዒ ዘይብሉ ፍቅሪ ዝተገልጸሉ እዩ። መጽሓፍ  ትንቢተ ዮናስ ኩሉ ምስ እንረእዮ እግዚአብሔር ንእስራኤል ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኣምላኽ ምዃኑን ናይ ሕዝብን ኣሕዛብን ሠራዒን መጋብን ከምዀነ ናይ ኩሉ ሰብ ድኅነት ከምዝደሊ የረድኣና።

v ኣብዚ መጽሓፍ ናይ ነብየ ዮናስ ድኻም ንርዳእ ፣ ነብያት ከማና ሰባት ከምዝነበሩን፣ ድኻም ከምዝነብሮን፣ እግዚአብሔር ከኣ ብመለኮታዊ ጥበቡ ነቲ ድኻሞ ንዓቢ ተልእኾ ከምዝተቐመሉ ተጻሒፉ ንረኽቦ፣ 

እግዚአብሔር ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ጥበበኛ ከምዀነን ፣ ንፈጣሪ ኣይፈልጡን ዝተባኅሉ ነቶም መርከበኛታት  ሰባት ፍልጠተ ብርሃን ከምዝተዋኅቦም ንርዳእ።  

v እግዚአብሔር ካብ ዓሚቕ ጥበቡን ፍቅሩን ዝተላዕለ ንደቂ ክግስጽን ምስኡ ክዕረቁ ንምግባር ግዑዛን ፍጠረታት ዋላ ከምዝጥቅመ ንርዳእ።

ንኣብነት ፣ ነታ መርከብ ከናውጻ ዝተላእኸ ሓያል ንፋስ ፣ ንነብየ ዮናስ ዝወሓጦ ዓሳ ነባሪ ፣ ዮናስ ዋዕየ ጸሓይ ከይኃርሞ፣ ኸተጽልሎ ዝበቆለት ጉልዒ። ንጽባሒታ ነታ ጊልዒ ክበልዓ ዝተዳለወ ሓሰኻ እግዚአብሔር ምስ ዮናስ ንኽዕረቕ ዝተጥቅመሎም ፍጥረታት እዮም።

ሎሚ’ኸ እግዚ አብሔር ብኸመይ ዓይነት መገዲ ይጽውዓና ኣሎ ᎒

 እግዚአብሔር ኩሉ ክገብር ዝከኣሎ ኣምላኽ እዩ። ብንስሓ ካብ ኃጥያትና ምስ እንምለስ በረከተ እግዚአብሔር ኣባና ይበዝሕ።  ብኃጢያት ዝነብርናዮ ብዙሓት ዓመታት ምኽሪ ዲያብሎስ ሲዒብና መገዲ ጽድቅን ሰላምን ሲሒትና ካብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ተፈሊና ዝረኸብናዮ ረብሓ ወይ ጥቅሚ የለን፣ እንትርፎ ቀቢጸ ተስፋ። ስለዚ ናብቲ ቅዱስ ዝገብር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብንስሓ ንምለሰሉ እዋን ሕጂ እዩ። ኃጢያት ካብ እግዚአብሔር ምፍላይ ከምዝኾነ ንስሓ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ምምላስ፣ ምስ እግዚአብሔር ምትዕራቕ እዩ። ኣብዛ ዓለም ንነብሮ ሕይወትና ኩሉ ናይ ንስሓ ግዜ እዩ። ነዚ ከኣ ዝተፈለየ ናብ እግዚአብሔር ንምለሰሉ ናይ ጾም እዋን ዝተዋኅበና ካብኦም ሓደ ከኣ ጾመ ነነዌ እዩ። 

ከም ለባማት ነዛ ዓለም ንንበራ ፣ ከባቢና ንርአ፣  ንስማዕ ፣ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝፈልዮና ብዙሕ ፈተናታት ዋላ እንተኃለዉ ነቶም ዝጸንዑ ቅዱሳን ንዘክር። ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየድልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔርቀረባ እዩ። ንሕና ክርስቲያን'ውን ነዚ ብምዝካር ንስሓ ኣቲና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎትን ልመናን ብፍጹም ልቡና እንድሕርተመሊስና ፣ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ካብቲ ዝተሓስበሎም መቅዘፍቲ ዝደኃኑ፣ 

ካብ ናይ ዓለም ፈተናን መቅዘፍትን ንድኅን ።

በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብረቡዕ ”ጾመ ነነዌ” ብምባል ንጾሞ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዮ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድኅን ኣምላከ ቅዱሳንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና።

 በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዱቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

ዘተወልደ ብርሃን

Comments are closed.