ጾመ ነብያት

                                                                    ጾመ ነቢያት ኅዳር 15 ጀሚሩ ታህሳስ 28 ይፍጸም።

እዚ ጾም ኣብ ሰለስተ ዘመናት ማለት ዘመነ ማቴዎስ ዘመነ ማርቆስ ዘመነ ሉቃስ ሕዳር 16 ይጅምር ኣብ ታሕሳስ 29 ይሰዓር። ከሎ ናይ ጾም መዓልታት 43 ይኸውን ማለት እዩ። ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ግና ሕዳር 15 ጾም ይጅምር። ካብዚ ዝተላዕለ ኣብ ሰለስተ ዘመናት 44 ክጽወም ከሎ ኣብ ዘመነ ዮሓንስ ግና 43 መዓልታት ይጽወም። ኣብ ኣርባዕተ ግዜ ሓንሳብ ሓንቲ መዓልቲ ጾም ትጎድል። ኣብ ሰለስተ ዘመናት 44 ንጾሞ፣ ንጾም ከኣ ዚያዳ ከነዳሉ ስለ ዝግበኣና እዩ።

ስለዚ ንነብያት ኣብነት ጌርና እግዚአብሔር ብተስፋን ብበረከትን ከንብረና ፣ እቲ ጽቡቅ ድሌት ልብና ክፍጽመልና ምእንቲ ከም ቅዱሳን ኣቦታትና ብቃሉ ክንነብር ምእንቲ ንጸውም።
ብፍልጥ ድዩ ብዘይ ፍላጥ ሓደ ሓደ ሰባት ጾም ዝጅመረሉን ዝወደኣሉን መዓልታት ከም ሕቶ ኣቅሪቦም ክከራኸርሉ ይረኣይ። ኮይኑ ግን እዚ ቀኖና ቤተ ክርስትያን እምበር ዶግማ ስለዘይኮነ ዘከራኽር ጉዳይ’ውን ክኸውን ኣይግበኣን። ፍቅረ እግዚአብሔር ብምሕሳብ ናብ ፍቅሪ ብምምላስ ንጾም ከነድሉ ይግበኣና። ሥርዓተ ቤተ ክርስትያን ብምሕሳብ ኣቲ እንጽሞ ብፍቅሪ ክንግበሮ ኣቦታት ይመኽሩና።

ኣብዚ ጾም ዝለዓል መሠረታዊ ጉዳይ ነብያት ኣርብዓ መዓልቲ ጥራሕ ኢዮም ጼሞም እዚ ተወሳኺ ኣርባዕተ ወይ ሰለስተ መዓልቲ ካበይ መጺኡ ዝብል እዩ።
ነብያት ኣርብዓ መዓልቲ ጥራሕ ዝጸሙ ክንብል ከለና ካብ ሕዳር 19 ጀሚሮም ታሕሳስ 29 ፈጺሞም ማለት እዩ። ንሕና ከኣ ሕዳር 15 ጾም ይጅምር ንብል። እዚ ከኣ ዘከራኽር ኣይኮነን። ኣብ ፍትሓ ነገስት አንቀጽ 15 ቁጽሪ 568 ካብ ፍርቂ ሕዳር ስለ ዝብል ናይ ሕዳር ፍርቂ ከኣ 15 እዩ።

ካልኣይ መጽሓፈ ስንክሳር ሕዳር 15 ናይ ስብከት ጾመ ልደት መጀመርያ እዩ ይብለና። ክብሪ ይኹኖ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተወልደሉ ዕለት ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ያዕቆብያውን ዝሰርሕዎ ሕጊ እዩ። በረከቱም ምሕረቱን ንዘልዓለም ምሳና ጸኒዑ ይንበር።

ሳልሳይ ሓዋርያ ፊሊጶስ ሕዳር 16 ብሰማእትነት ምስ ዓረፈ ንሥጋኡ ከቓጽልዎ ምስ ደለዩ መልኣከ እግዚአብሔር ንሥጋኡ ሰዊርዎ ። ድሕሪኡ ደቂ መዛሙርቱ ካብቲ ዕለት ጀሚሮም ሰለስተ መዓልቲ ምስ ጾሙ ኣብ ሕዳር 18 ኣምላከ ቅዱሳን ብቅዱስ መልኣኹ ጌሩ ንሥጋኡ ምስ ሃቦም ሽዑ ቀበርዎ። ሰለዚ ሰለስተ መዓልቲ ጾመ ፊሊጶስ ተባሂሉ ተወሲኹ።

ራብዓይ በዓለ ልደት ረቡዕን ዓርብን እንተዊዒሉ ይብላዕ እዩ ፣ ነዚ መተካእታ ከኣ ጾመ ገሃድ ሓንቲ መዓልቲ ቅድሚ ጾመ ፊሊጶስ ተወሲኻ ሕዳር 15 ክንጸውም ኣዚዞምና።
ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾመ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከሎ ንሕና ግና 55 መዓልቲ ከም እንጸሞ ማለት እዩ። መጀመርታ ሳምንቲ ጾመ ሕርቃል ናይ መወዳእታ ሳምንቲ ድማ ሰሙነ ሕማማት ብምባል ከም እንጸሞ ማለት እዩ። እዚ ናይ ኣቦታትና ትእዛዝን ሥርዓት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ዝሰርዖዎ ስለ ዝኾነ ተቀቢልና ንትግብሮ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና ። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.