ጾመ ነብያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፣ ጾም ቀድሱ ፣  ጉባኤ ጸውዑ ።” ዩኤ.2፣15።

እንቋዕ ናብ ጾመ ነብያት ኣብጽሓና! ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾመ ሥርየት፣ ጾመ ድኅነት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና።

ዕለት ቀዳም ኅዳር 15-2011 ዓ.ም ( 11/24/18) ጀሚሩ ስጋብ ታኅሣስ 29-2011 ዓ.ም (01-07-2019) በዓለ ልደት ዝጽወም ጾም እዩ።

ጾመ ነብያት

ነብያት ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣ ናብ ግብጺ ስደቱ፣ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስምጥማቁ፣ ብትምህርተ ወንጌል ስብከቱ ንጸልማት ዓለም ምብርኁ፣ ናብ ደቒ ሰባት ጸዋእት መከራ ተቀቢሉኣብ መልዕለት መስቀል ምስቓሉ ፣ ብዛዕባ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ልደቱን ዳግመ ምጽኣቱን ትንቢት ተዛሪቦም። ብምቅጻልውን ንኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋ ተገሊጽሎም ዝተዛረብዎ ትንቢት ፍጻሜ ክበጽሓሎም ንፈጣሪኦምተማኅፂኖም ። በበዘመኖም “ አንሥእ ኃይልከ ፈኑ እዴከ፣ ሓይልኻ ኣልዕል ምሕረት ኣእዳውካ ለኣኸልና። ” እንዳበሉ ተማኅጺኖም ።

ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ጊዜ መዓልታት፣ ብሳምንቲ ብኣዋርሕ ዓመታትን ቆጾሩ።ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ትንቢተ ነብያት ብምፍጻሙ እዚ ጾም “ ጾመ ነብያት ”ተባሂሉ። ናይ ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ምዃን፣ ናብ ደቂ ሰባት ተስፋ ዝተመስከረሉ ብስራት ዝተነግረሉ ስብከት ስለዝኾነ “ ጾመ ስብከት”  እውን ይብሃል።

 ጾም እንታይ ማለት እዩ። ንምንታይ’ከ ንጸውም ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ክንርኢ ኢና።

ጾም

            ጾም ማለት ትርጉሙ ገደፈ፡ ተዓቀበ፡ ተከልከለ ማለት እዩ። ማለት ትርጉሙ ተዓቀበ፡ ተከልከለ፡ መግቢ ምግዳፍ። ጾም ማለት ብሓፈሻ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምስክሮ፥ ንሥጋ ሓይልን ጉልበትን ብምሃብ ናብ ኩፉእ ስራሕ ከለዓዕለና ካብ ዝክእል ዓይነት መግብታት ከም ጥልላት ማለት ካብ እንስሳ ንረኽቦ መግቢ ፈጺምና ምግዳፍን ብስዓተ ቤተክርስትያን ካብ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ከም ዝእዝዝዎ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ሰብነትና ካብ ዝደልዮም ነገራትን ኩሉ ንዝተወሰነ ግዜ ምኽልካል ማለት እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ግዜ ጾም ሥጋኻ ኣድኪምካ ብንስሓን ብጸሎትን ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ተምበርኪኽካ ስለ በደልካን በደል የሕዋትካ ንግዚኣብሔር ምሓረኒ እናበልካ ምሕረት ምልማን ኢዩ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ጾም።

            ጾም ካብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ሓደ ኢዩ፡ ንሥጋ መንፈሳዊ ልጓም ኢዩ። ጸዋሚ ሰብ ፍቃድ ሥግኡ እናገትአ ንነፍሱ ስንቂ ዝኾኖ ምልምማድ ይገብር። ጾም ቁስሊ ሥጋ እትፍውስ፡ ሓይሊ ፍትወት እተድክም፥ ናይ ሰናይ ተግባራት ኩሉ መጀመርያ ኢያ። ካብ እግዚብሔር ጸጋ እተውህብ፡ ናይ ወንጌል ናይ መጀምርያ ስራሕ ኣርምሞ እተስተምህር፡ ናይ ጸሎት ምኽንያት፡ ምንጪ ንጽህና፥ ንሰናይ ተግባራት እተነቃቅሕ፥ ሰብነት ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ብምውራድ ትሕትና ንምውናን እትረድእ መድሃኒት ነፍሲ ኢያ። ማር ኢሳ ምዕ 4፥6.

            ጾም ተድላ ሥጋ እተጥፍእ፥ ናይ ሥጋ ጾር እተድክም፥ ቁስሊ ነፍሲ እተድርቅ፥ ነጉባዝ ጸጥታን ርግኣትን እተስተተምህር ፡ እንስሳዊ ተግባራት እትኽልክል፡ ሰብ መላእኽቲ መሲሉ ዝነብረላ መንፈሳዊ ሓይሊ ለቢሱ ዝነብረላ ብርኽቲ አርኣያ ኢያ። ጾም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝምህሩና ንሰብ ኣብ ገነት ዝተዋህበቶ ናይ መጀመርያ ትእዛዝ ኢያ, ኩፋሌ 4፥8-9, ዘፍ 2፥17። እግዚብሔር ልዑል ምኻኑ ሰብ ፍጡር ሙኻኑ ከረድኦን፡ ጾም ከስተምህሮን እዛ ክፉኡን ጽቡቅን እተፍልጥ ኦም ሕጊ ኾነት። ስለዚ እዛ ትእዛዝ ጾም ምፍራሱ ዓቢ በደል ብምፍጻሙ ዓገበ፡ ጾም ክንጥቀመሉ ካብ እግዚብሔር ዝተወሃበና ጸጋ እምበር (ትእዛዝ) ሕጊ ጥራሕ ኣይኮነን። ካብ ሕገ  ልቦና ዝነበሩ ኣቦታት ክሳብ ሕገ ኦሪትን ክሳብ ምምጻእ ክርስቶስን፡ ድሕሪ ክርስቶስ ሓዋርያትን ሊቃውንትን ቤተክርስትያንን ካህናትን ነገስታትን መኳንንትን ምእመናን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብፍቓድን ብኣዋጅን ብሙጿም ካብ እግዚብሔር ምሕረትን ረዲኤትን ረኺቦም ኢዮም። ብጾም እግዚኣብሔር ብምግልጋል ዓቢ በረኸትን ትሩፋትን በዚሑሎም ኢዩ። ሉቃ 2፥36-37. ሃይማኖት ኣብ ዘለዎ ኩሉ ጾም ኣሎ፡ ጾም ጸላኢ ሰናያት ሰይጣን ነስታሕፈርሉ ፍቃድ እግዚብሔር እንፍጽመሉ መሳርሒ ኢዩ። ግብ 13፥3, ዮሃ 15፥19 2ይ ቆሮ 11፥27. 

ንምንታይ ንጸውም፥

            ናይ ጾም ጥቅምን ኣገልግሎትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብጉሉሕ ርዱእን ኣገባዝ ዝተዘውተረ ኢዩ። ሰብ ፈተና ዲያብብሎስ ፡ ናይ ፍትወት ጾር ንምድካም፡ ሥጋ ንነባቢት ነፍስ ንኽትእዘዝ ይጸውም። ካብ ሥጋዊ ስራሕ ኣብሊጹ ንመንፈሳዊ ስራሕ ቦታ ብምሃብ ናይ ነፍሲ ዋጋ የብዝሕ፡ ካብ ስጋዊ መግቢ ንላዕሊ መንፈሳዊ መግቢ ንምገብ. ቅዱስ ያሬድ “ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ ወታጸውም ኩሉ ፍትወተ ስጋ” ጾም ቁስሊ ነፍስ ትፍውስ ድልየት ስጋ ድማ ተገትእ ይብል። ዘማራይ ዳዊት ድማ “ ጉልበተይ ብጾም ደኸመ” መዝ 109፥24, ስለ’ዚ ጾም ንነፍሲ ጽኑዕ መድሃኒት ኢዩ, ገላ 5፥16-17።

ጾም ኣብ ክንደይ ይኽፈል፥

            ጾም ኣብ ክልተ ይኽፈል፥ ናይ ግሊ ጾምን ናይ ኣዋጅን ይብሃሉ.

ናይ ግሊ ጾም ድማ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል።

ሀ. ናይ ንስሓ ጾም

ለ. ናይ ፍቃድ ጾም

ሐ. ቅድመ ምድላው

ሀ.ናይ ንስሓ ጾም

            ምእመናን ምስ መምህር ንስሓ (ኣቦ ነብሲ) ተማኺሮም ንስሓ ኣትዮም ብመሰረት ኣንቀጸ ንስሓ  ቀኖና ክወሃቦም ከሎ ዝጸምዎ ጾም ኢዩ። ቀኖናኦም ዝፍጽምዎ ማንም ከይፈለጦም ዝፍጽምዎ ስለ ዝኮነ ናይ ግሎም ኢዩ። ጸዋሚ ብዘይክኡን ኣቦ ንስሑኡን ማንም ክፈልጦ ኣይግባእን። ሱባኤ ሒዙ ብንብዓት ዝቐደመ ሓጥያቱ ክስረየሉ እግዚብሔር ይምሕጸን፥ መዝ 6፥1-10 ሞጻሙ ንሰብ እንተ ነጊሩ ከንቱ ውዳሴ ኢዩ ዝኾኖ።

ለ. ናይ ፍቃድ ጾም

            ብግሊ ወይ ብማሕበር ክፍጸም ይኽእል። ኣብ ገዳማውያን ዝዝውተር ጾም ኢዩ። ዓጽዩ ይብሃል ክሳብ ዝተወሰነ በዓቱ ኣትዩ ወይ ኣብ በረኻ ኣብ ጫካ ይዕጾ ክሳብ ሱባኤኡ ዝውድእ ምስ ማንም ኣይራኸብን። ኣብ ቤቱ ኮይኑ ዝጸውም ድማ ኣጋጣሚ ሰብ ረኺቡ ናይ ስዕረት ክበልዕ እንተተሓቲቱ ብምኽንያት ይሓልፎ። ካልእ ድማ ኣግዚኣብሔር ብትግሃት ዘገልግሉ ምእመናንን ምስ የሕዋት ወይ ገዳማውያን ኣቦታት ኮይኖም ናይ ሓባር ጉባኤ ዝኣትውዎ ኣሎ፥ ኣብ መንጎኦም ስለ ዝተፈጥረ ሽግር፥ ስለ ሃገር ሰላም፥ ስለ ሓድነት ቤተክርስትያን ይጾሙ” ግብ 1፥14። ምስጢሩ ክገልጸሎም፥ ዳኒ 10፥14, መንፈሳዊ በረኸት ንምጉንጻፍ ኢዩ።

ሐ. ቅድመ ምድላው

ብስውር ንምጻም ዝሓስብ ሰብ ኣብ መንጎ ከይሰናኽል ኣቐዲሙ እኹል ምድላዋት ይገብር።

ቅድሚ ኩሉ ዝተጀመረ ነገር እንተሃልዩ ድሓር ብሓሳብ ከየሰናኽሎ ክፍጸም ኣለዎ.

ምስ ኣቦ ንስሑ ምምኽኻር ይግባእ፥ ብፍቓድ ኣግዚኣብሔር, ብምኽሪ ካህን ዝኸይድ ሰብ ፈተና እንተመጻ እኳ ብኸመይ ከም ዝሓልፎ ስለ ዝፈልጥ ኣይሰናክል ኢዩ።

ጸዋሚ ንኣበ ንስሓኡ፡ ግዲ ምፍላጥ ዘለዎም ቤተሰቡን እንተዘይኮይኑ ንዝረኸቦ ሰብ ሱባኤ ክኣቱ ምዃኑ ክነግር የብሉን።

ጸዋሚ ሰብ ዓቕሙ ዝፈልጥ፡ ዝጸሞሉ ቦታ ሕልንኡ ዘይሰርቕ ክከውን ዝጾሞ ግዜ ገደብ፡ ስለምንታይ ኢዩ ዝጸውም ዘሎ ኣነጺሩ ክፈልጥ ይግባእ።

ናይ ኣዋጅ ጾም

            ብኣዋጅ ንህዝቢ ዝንገር ብሓባር ዝጸሞ ጾም ኢዩ. ኩሉ ብሓደ መልክዕ ዝጾሞ ጾም ስለ ዝኮነ ውዳሴ ከንቱ የብሉን። ናይ ኣዋጅ ጾም ዝጸውም ጾም ሰብ እጸውም ኣለኹ እንተበለ ብልቡ ክሳብ ዘይተዓበየ ጾም ሰቢኹ እንበር ወዳሴ ከንቱ ኣይብሃልን ኢዩ። ኣብ ቡሉይን ሓዲሽን ናይ ኣዋጅ ጾም ተጠቂሞም ካብ እግዚኣብሔር ጸጋን ምሕረትን ዝረኽቡ ቡዙሓት ኢዮም።

እግዚኣብሔር ህዝቡ ካብ ስደት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ካህን እዝራ መዓልቲ ወሲኑ ብኣዋጅ ጾመ። እግዚኣብሔር ድማ ህዝቡ ናብ ሃገሮም መለሶም ዕብ 8፥21-34፡ ነህምን ህዝቡን ነህ፡ 9፥1-38፡ ነብዩ ኤርምያ ኤር፡ 36፥9፡ ዮናስ 3፥1-10, ዘካ 8፡9, ኢዮ፡ 2፥12-15።

ኣብ እግሪ ጎይታ ዝተምሃሩ ሃዋርያት ውን ዝተወስና ናይ ጾም ግዜ ነበሮም ግብ፡ 27፥9, ግብ፡ 13፥1-3.

ስለ’ዚ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ካብ’ዚ መሰረት ጌራ ህዝባ በረኸት ዝቕበሉሉ 7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኣለውዋ. እዚ ኣጽዋማት ኣዋጅ ቤተክርስትያን ብዘይካ ትሕቲ 7 ዓመት ህጻናትን ሕሙማትን ኩሉ ክጾሞ ግዴትኡ ኢዩ።

ካብ ምንታይ ንጸውም

ወቕትን ግዜን ፈሊና እንጾሞን ዕለት ዕለት ዘየቋርጽ ዓቃቢ ህዋሳት ጾምን ኣለና።

ወቕቲ ፈሊና እንጾሞ፥ ካብ ጥልላት መብልዕ፡ ብግዜ ጾም ውጽኢት ዝኾኑ፡ ሥጋ, ኣንቋቕሖ, ጸባ, ጠስሚ ኣይፍቀድን። ቅዱስ ዳዊት “ብጥሜት ኣብራኸይ ጠለመኒ ሰብነተይ ከኣ ዓበረ” መዝ 109፥24. “ኣነ ዳኒኤል ሰለስተ ሰሙን ጾምኩ፡ ሥጋን ወይንን ብኣፈይ ኣይለኸፍኩን”ዳኒ 10፥2-3 ብጾም ምኽንያት ሥጋና ቀጺዕና መንፈስና ነሐይል ማለት ኢዩ,ሮሜ፡14፥17, 1ይ ቆሮ፡6፥12-13, እብ፡ 13፡9።

ካብ ዘስክር መስተ፡ ኣብ ዝተቀደሱ ኣጽዋማት ክርስትያን ካብ ዘስክር መስተ ክርሕቅ ግዴትኡ ኢዩ። ዳኒኤል “ዘስክር መስተ ኣብ ኣፈይ ኣየእተኹን” መስተ ናብ ስኽራን ዝወስድ መንገድ ኢዩ. ሰኺርካ እትፍጽሞ ሓጥያት ድማ ቀታሊ ነብሱ ኢዩ, ስለ’ዚ ኣይትስተ, ምባ  23፡29-35. ምስ መስተ ዝተሓሓዘ ስኽራን ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሂወት ኣባላሽዩ ኢዩ ሓሊፉ፡ ጻድቅ ኖህ ዘፍ፡ 6፥8, 9፥20-24።

ሎጥ ብሰንኪ ስኽራን ምስ ክልተ ደቁ ዘመ.. ዘፍ፡ 19፥

ንጉስ ቢልጣሶር “ ማኔ ተቂል ፋሬስ” ዳ፡5፥1-3. 

ብቕዱስ ቃልኪዳን ዘለዉ የሕዋት ውን ካብ ርክብ ክኽልከሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ጾም ናይ ምብላዕን ምስታይን ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ህዋሳትና ክጸውም ይግባእ, 1ይ ቆሮ 7፡5. ብሓፈሻ ሰብ ሓዳር ኣብ እዋን  ጾም፡ በዓላት፡ ሕርስን፡ ግዜ ጽግያትን ካብ ግብረ ስጋ ክኽልከሉ ይግባእ። ዕለት ዕለት እንጾሞም ዘየቋርጹ ጾመ ህዋሳት (ተዓቅቦ ህዋሳት) ካብ ክፍኣት፡ ካብ ተንኮል፡ ካብ መንቀኘነት፡ ካብ ቂም በቀል ከም ዜጋታት መንግስተ ሰማይ ካብዚቶም ክንርሕቅ ይግባእ።

ይጹም ዓይን፡ ዓይንና ካብ ክፉእ ምርኣይ ዝርእየሉ ቦታን ምኽልካል 1ይ ዮሓ፡ 2፥10

ይጹም እዝን፡ ክፉእ ካብ ዝሰምዓሉን ቦታ ምኽልካል

ይጹም ልሳን፡ ክፉእ ካብ ምዝራብን ሕሜታን ምኽልካል መዝ 39፡1

እግርን ኢድን ይጹሙኡ፡ ናብ ሕማቅ ቦታ ምኻድን ካብ ቀንጠብጠብን ካብ ዝሙት ህደሙ፡ 2ይ ጢሞ 2፥22።

ክሳብ መዓስ ንጸውም፥ ጸወምቲ መንፈሳዊ ብሰለቶምን ደረጅኦም ይፈላለ ኢዩ። ህጻናት ደቂ ሸውዓተ ዓመት ከም ዓቅሞም፡ መንእሰያት ዓበይን ግና እንተኸኣሉ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ክጸንሑ ብመጠን ዓቕሞም ድማ ምስ ኣባት ነብሶም ክዘራረቡ ይግባእ ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾመ ሥርየት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና። ናይኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከትን ረደኤትን ኣማላድነትንኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን። ሺሞንዲ

Comments are closed.