ጽዩፍ ነገራት ከይትለምዱ ተጠንቀቑ።" (ዘዳ. 18: 9)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።

ዓመት መጸ 31 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ዓለምና ብድምቀትን ብስፍሓትን ካብ ዝበዓሉ በዓላት ሓደ ሃለዊን (Halloween of All Hallows’s eve.) እዩ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዝገልጽዎ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ክሳብ $ 8 ቢልዮን ዶላር ዝኣክል ወፃኢ እናተገብረሉ፡ ብዕብየቱ ካልኣይ ደረጃ ኂዙ ዘሎ በዓል እዩ። እዚ በዓል’ዚ ብፍሉይ ንሕፃናት ከምዝስሕብ ጌርካ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ሕፃናት ናይ ኣስከሬን፡ ዱባ፡ ሓዊ፡ …..ወዘተን ዝኣመሰሉ ዘፍርሑ ምስልታት ዘለዎም ኣልባሳት ብምልባስ ዘሕልፍዎ መዓልቲ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እንተ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ኣብ ዓለምና ዘብዕልዎ ሰባት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናበዝኁ እዮም ዝመጹ ዘለዉ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ድማ ነጋዶ ከም ምንጪ እቶቶም ጌሮም ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ብዓቢኡ ግና ነዚ ኣጋጣሚ ዝጥቀሙ ነጋዶ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣጋንንቲ ወይ ርኹሳት መናፍስቲ’ውን እዮም። ኣብዚ ዲያብሎስ ሰልጢኑሉ ዘሎ ዘመን ከም ክርስቲያን ነዞም ብመልክዕ ሕዝባዊ በዓል ዝበዓሉ በዓላት ከነስተብህለሎምን ክንጥንቀቐሎምን ይግባኣና። ከመይ እቲ ቅዱስ ቃል “እትገብርዎ ዘበለ ኩሉ ንክብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” 1 ቆሮ 10፡30 ስለዝብል። ስለዚ ከም ክርስቲያን ብድኅሪ ዝኾነ ይኹን ብዓላት፡ መን እዩ ኽብሪ ዝወስድ፧ መን እዩ ንዕላምኡን ኽብሩን ዝጥቀመሉ፧ መን እዩ ህላዉነቱ ዝገልጽ፧ ኣምላኽ ሕጉስ ድዩ ጉሁይ፧... ወዘተ ዝብላ ሕቶታት ክንሓትትን ብቓል ኣምላኽ መሠረት ክንምልሶን ይግብኣና እዩ።

ንምዃኑ ሃለዊን ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ እምበኣር ብዛዕባ ሃለዊን ድኃን ዝዀነ ኣፍልጦ ምእንቲ ክህልወና ኣመጻጽእኡን ታሪኹን ንመልከት፤
ሃለዊን (Halloween or Hallowe'en) ሡር ኣጀማምርኡ ፓጋን (pagan) ካብ ዝበሃሉ ኣምለኽቲ ጣዖታት ዘብዕልዎ ዝነበሩ በዓል እዩ። እዞም ዓሌት እዚኣቶም ሓዲስ ዓመት ኣብ 1 ኅዳር እዮም ዘብዕሉ፣ እዚ ድማ ቀዉዒ ተወዲኡ ክረምቲ ዝኣትወሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ከምኡ’ውን ቐትሪ ብርሃን ዝሓጽረላ ናይ ለይቲ ጸልማት ድማ ዝነዉሓላ ናይ መጀመርያ ምዓልቲ እያ። ስለዚ ድማ ነዚ ናይ ጸልማት ምንዋሕ ምኽንያት ብምግባር፡ ነዚ ሃለዊን ዝበሃል በዓል ብዝተፈላለየን ኣዝዩ ዘጽልእን፡ ንናይ ሰይጣን ኣሠራርሓን ጥንቆላን ዝገልጽ ክዳዉንትን ምስልታትን …ወዘተ ብምግባር የብዕልዎ። ኣብቲ መዓልቲ በዓል ካህናት ናይዞም ኣምለኽቲ ጣኦት መሰውዒ ሓዊ ይገብሩ’ሞ ኩሎም ሕዝቢ ተኣኪቦም ነታ ዝሓለፈት ዓመት ንምስንባት ነታ ትመጽእ ዓመት ድማ ንምቕባል ብምባል ዝተፈላለየ ዓይነት መስዋዕቲ የቕርቡ። ውላዶም ከይተረፈ ከም መስዋዕቲ ጌሮም የቕርቡ ከምዝነበሩ ታሪኾም ይገልጽ። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ምሸት በዓል ንኣሽቱ ጐራዙት ደቂ ኣንስትዮ ዝምርዓወን ዝደልያሉ ምሸት እዩ።

ሮማውያን ንምድሪ ፓጋን ምስ ተቖጻጸርዎ ድማ ምስተን ንሳቶም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ንዝሞቱ መዘከርታ (Feralia)፡ ከምኡ’ውን ንናይ ፍረታትን ኣትክልትን ኣማልኽቲ (Pomona): ኢሎም ዘብዕልወን ዝነበሩ ክልተ በዓላት ተሓዋዊሰን ክበዓላ ጀመራ። ኣብ 609 ዓ.ም ድማ ቦናፊቸ ዝተባህላ ካቶሊካዊ ጳጳስ ነቶም ዝሞቱ ሮማውያን ተቓለስቲ መዘከርታ፡ መዓልቲ ሰማዕታት ብምባል ኣብዛ ዕለት’ዚኣ በዓል ክኸውን ወሰነ። ከምኡ’ውን ድኅሪኡ ብዝመጸ ጎረጎርዮስ ዝተባህለ ካልእ ጳጳስ መዓልቲ ቅዱሳን (All Hallows' Eve) ተባሂላ ክትበዓል ወሰነ፡ እዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ 1 ኅዳር ዝበዓል ዘሎ በዓል እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ግና፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዘመናት ኣብ ግንቦት 13'ያ ትብዓል ዝነበረት።

ስለዚ እምበኣር እዚ ሮማውያን ንኣማልኽቶም፡ ክርስቲያን ድኅሪ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ድማ ናይ ቅዱሳንን ሰማዕታትን እናበሉ ኣብ ግንቦት 13 ዘብዕልዎ ዝነበሩ በዓል፡ ቅመራ ዓውደ ኣዋርኅ ብዝተቐየረ፡ ዝኽበረሉ ዕለት ክፈላለ ጀመረ። ንምሳሌ፥ ግሪኻዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ድኅሪ ጴንጠ ቆስጠ ዘሎ ሰንበት፡ "ሰንበተ ኵሎም ቅዱሳን- Sunday of All Saints" ኢላ ክተብዕሎ ከላ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ግና፡ ከምዚ ዝብል ክብረ ዕለት ቅዱሳን የብላን። ግብጻዊ ብፁዕ ኣቡነ ዮሴፍ ነዚ ከብርሁ ከለዉ፡ "ቤተ ክርስቲያንና ወትሩ ንቕዱሳን ስለ እተብዕልሲ፡ ብሓደ ዕለት ምብዓል ኣየድልናን" ክብሉ፡ ኦርቶዶክሳዊ ርእይቶኦም ይህቡ። ወሲኾም፡ [ግብጻዊት] ቤተ ክርስቲያንና፡ ንብሮማውያን ገዛእቲ እተሰውዑ ሰማዕታት ኢላ ዕለት ሓደ መስከረም ስለ እተብዕል፡ ምብዓል ኣይድልያን፡" ይብሉ።

ክሳብ’ዚ ዘመን’ዚ ድማ ኣብ ዓለምና ሰፊሕ ዝኾነ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ኣሽሓት ቢልዮት ዶላራት ወፃኢታት እናተገብረሉ ይበዓል ኣሎ። ከምቲ እንዕዘቦ ድማ ብግዜ ጸልማት ኣብ ግዳምን ኣብ ገዛን፡ ናይ ኣስከሬን (Vampire) ምስሊ ዝተሣዕሎ ክዳዉንቲ ብምልባስ ይበዓል ኣሎ። ቫምፓየር (Vampire) ምዉታት ሰባት ኮይኖም ብግዜ ጸልማት ወይ ለይቲ ጥራይ ህያዋን ኮይኖም ሥጋ ሰብ ዝበልዑን ደም ሰብ ዝሰትዩን ንሰብ ድማ ናብ ከምኦም ዝቕይሩን ርኹሳን መናፍስቲ ዝተቖጻጸርዎ ጽውጽዋያዊ ዓይነት ፊልም እዩ። ኣብዚ ክልተ ነገር ክንዕዘብ ንኽእል፤

1. ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ምምላስ መናፍስቲ (ghost) ኣይትኣምንን።
2. መናፍስቲ ተዓቊቦም ብምጽናሕ፡ ካብ መጽንሒ ቦታ (purgatory) ከም ዘሎውን ኣይትኣምንን።

ሎሚ ዓለምና ብምዕባለ ውሃ ዘበለ ደረጃ በጺሓትሉ ኣብ ዘላ እዋን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ርኹሳን መናፍስቲ ሰልጢኖምን ኣእምሮ ደቂ ሰባት ድማ ተቖጻጺሮሞን ይርከቡ፡ “እቲ ዘንብብ የስተውዕል” ማቴ 24፡15 ከም ዝተባህለ ድማ ምስትውዓል ዘድልዮ ዘመን እዚ ዘለናዮ ዘመን እዩ’ሞ ብምስትውዓል ክንነብር ይግባኣና። ኣብዚ መንፈሳውነት ዝዛሕተለሉ ዘመን፡ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ በቲ ዘለዎ ረቒቕ ዝኾነ ሜላ ንዓለምና ናብ ናይ ኵሉ ርኽሰትን ኃጢኣትን መወዓውዒት መድረኽ ንምግባርን፡ ኣሎ ዝበሃል ክፋእ ግብርታትን ኃጢኣትን ናብ ደቂ ሰባት ከም ባህሊ ንከውርስን ምቹእ ዝኾነ ባይታ ረኺቡ እዩ። ሓደ ናይዚ ኣብነት ደኃን ኰይኑ ዝስመዓና ግን ኣዝዩ ሓደገኛን ቀታልን ዝኾነ ናይ ሃለዊን በዓል እዩ። ብፍላይ ምዕራባዊ ዓለም በዚ ሕማም’ዚ ተላቢዑ ይርከብ። ብፍላይ ኣብተን ምዕቡላት ዝበሃላ ሃገራት ኤውሮጳን፡ ከምኡ’ውን ኣሜሪካን ካናዳን፡ በዚ ምሸት ቆልዑ ይጠፍኡ (ይስረቑ)፡ ሰባት ይቕተሉን (ንመሥዋዕቲ ይሕረዱ) ብዙኅ ክፉእ ነገራትን ሓደጋታትን ድማ ይወርድ እዩ። ከም ክርስትያንን፡ ከም ደቂ እቲ ጭዋ ሕብረተሰብን፡ ነዚ ብዓል ከነኽብሮ ዘይኮነስ ከምቲ ቅዱስ ቃል “ወደይ ኃጥኣን እንተ ሓባበሉኻ እምቢ በሎም” (ምሳ 1፡10) ዝብል ክንቃወሞን መንፈስ እግዚአብሔር ንዓለምና ክመልኣ ድማ ክንጽሊን ይግባኣና።

ስለዚ እምበኣር ጸዓዱ ጌሮሞ ኢልና ንደቅና፡ ደቂ ኣጋንንቲ ኣምሲልና ንደገ እንዳ ሰብ ክልምኑን ንሰባት ከፈራርሑን ምስዳድ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዝዳሎ በዓል ናይ ሃለዊን ምስዳድ፡ ንደቅኻ መሣርሒ ናይ ርኹሳን መናፍስቲ ክኾኑ ምሃብ፡ ወይ ድማ ንሰይጣን ከም ምክራይ እዩ’ሞ ክንጥንቀቐሉ ይግባኣና። እግዚአብሔር ድማ ከምኡ ክንገብር ኣይፈቐደልናን። ”ናብታ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ነቲ እቶም ሕዝቢ ዚገብርዎ ጽዩፍ ነገራት ከይትለምዱ ተጠንቀቑ። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዚሥውዕ፡ ወይ መውደቒ ዛዕጐል፡ ወይ ብደበናን ብተመንን ዚጥንቊል፡ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ብድግምቲ ዚጐድእ፡ መናፍስቲ ዚጽውዕ፡ ወይ ጠንቋሊ፡ ወይ ንምዉታት ዚሓትት፡ ኣብ ማእከልኩም ኣይሃሉ። እዚ ነገርዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ፍንፉን እዩ። ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ነቶም ሕዝብታት ካብ ቅድሜኹም ዚሰጎም ዘሎ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንጹሓት ኩኑ። እቶም ንስኻትኩም እትወርስዎም ሕዝብታት፡ ንጠንቆልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን እዮም ዚሰምዑ፡ ንኣኻትኩም ግና እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ኸምዚ ዝበለ ክትገብሩ ኣይፈቐደልኩምን። (ዘዳ. 18፡9-14)

እምበኣር “ሰይጣን ከይብለጸልና…….” 2 ቆሮ 2፡10 ክንጥንቀቕ የድልየና። ጌሮሞ ኢልና ሃይማኖትናን ባህልናን ዘይፈቕዶም በዓላትን፡ ባህልታትን ካብ ምብዓል ንቆጠብ። ንሰብ ሰብ ዘብሎ ናቱ እዩ’ሞ ዘለውና ቅዱሳን በዓላት ብግቡእ ዓቂብና ንደቅና ድማ ከነውርስ ንጽዓር። ከመይ፡
ናይ ዘመንና ነገር ክትኣትዎ እናተዋዘኻ፡
ክትወፆ ግን ዋሕዚ እናነባዕኻ።

ንሱ’ውን እንተወፂኻ እዩ’ሞ ዝኣተናዮ ዓዘቕቲ ምውፅኡ ስኢንና ደቂ ጸልማት ከይንኸውን፡ ነዞም ናይ ጸልማት ግብርታት፡ ካባናን ካብ ሕፃናት ደቅናን ነርሕቆም፡ ኣምላኽና ብርሃን እዩ፡ ንሕና ድማ ደቂ ብርሃን ኢና። “ለይቲ ሓሊፋ፡ መዓልቲ’ውን ቀሪባ እያ’ሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።” (ሮሜ 13፡12) ብርሃንና ኣብዛ ጸልማት ዓለም ከብርህ እንበር፡ ንሕናን ደቅናን ምስ እዛ ጸልማት ዓለም ክንጽልምት ኣይግባእን። ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለም’ዚኣ እንገብሮን፡ እንኃብሮን ነገራት ድማ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሓተትቲ ኢና ምዃንና ኣይንዘንግዕ።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከምፍቓዱ ክንነብር ብጸጋኡ ይደግፈና።
ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

መወከሲታት፤
1.Rogers N., (2002) Halloween: From Pagan Ritual to Party Night (New York: Oxford University Press
2. መርበብ መንፈሳዊ ምግቢ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን lacopts.
ዲያ. ማቴዎስ

Comments are closed.