ገጸ በረኸት

ይዝከረኒ እቲ እዋን ቅድሚ ክልተ ዓመት ድሮ በዓል ልደት እዩ ዝነበረ፡ነታ ብልቢ ዝፈትዋ ራሄል መሓዛይ ህያብ ክዕድግ ኢለ እየ ብኣግኡ ካብ ስራሐይ ወጺአ፡ንዓኣ ዝኸውን ኪቡር ህያብ ንምድላይ ድማ ካብ ድንኳን ናብ ድንኳን ኪናጠር ጀመርኩ ። እታ ዝነበረት ምውቅቲ ጸሓይ ግዜኣ ኣኺሉ ቦታኣ ንጸልማት ኣረኪባ ኪትእለ ጀመረት፣፡ ምስቲ ጸላም ዝመጸ ዒፍዒፍታ ድማ መሬት ናብ በረድ ተለወጠ፡ሳላ ብንግሁኡ ካብ ገዛ ክወጽእ ከለኹ ዝተማላእክዋ ሌዘር ጃኬተይ ድማ በቲ ዓጽምኻ ዝሰብር ቁሪ ከይተዓንቀፍኩ ህያብ ምድላየይ ቀጸልኩ። ድሕሪ ብዙሕ ኮለል ድማ ሓንቲ  ደስ ዝበለትኒ ክብርቲ ህያብ ስለዝረኸብኩ፥ ዝሓተቱኒ ዋጋ ከፊለ ብመጠቅለሊ ዓሺገ ናብ ገዛ እንዳ ራሄል ኣምራሕኩ። እዚ ኹሉ ክንደይ ዓመታት ከም ዘይተመላለስክዎ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛ እንዳ ራሄል ምስ በጻሕኩ በዚ መጺኡ ዘይበልክዎ ፍርሒ ክወረኒ ተፈለጠኒ። ልበይ ከም ጋላቢ ፈረስ ህርመታ ኪትውስኽ ጀመረት። ወላኳ ኣብ ዓጽምኻ ዝኣቱ ቁሪ ይንበር እምበር ረሃጽ ወረር ክብለኒ ጀመረ። “ እዋእ እዛ ኣምጺአያ ዘለኹ ህያብሲ ትፈትዋ’ዶ ትኸውን? እንተዘይ ፈትያታ’ኸ እንታይ ክገብር እየ? ካልእ ክቅይረላ ኖኖ ትፈትዋ’ባ ትኸውን፡”በይነይ ክዛረብ ጀመርኩ። ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ዘለኒ ሓይሊ ኣኻኺበ ብውሽጠይ ራሄል ኪትኸፍተኒ እንዳ ተመነኹ ማዕጾ ኳሕ ኳሕ ኣበልኩ፡

መን?,,,መን ኢኻ?”ኣይከምዝተመነኽዎን ኣዲኣ ንራሄል ናብ ማዕጾ ገጸን ኪመጻ ከለዋ ሰማዕክወን። “መን ኢኻ?” ማዕጾ እንዳ ከፈታ ደጊመን ሓተታ። ”ኣነ እየ ማማ ሓዳስ። ከመይ ቀኒኽን?” ነቲ ብሑቅ ዝተጸየቐ ኢደን ገዲፈ ኣብቲ ዘይተጸየቐ ክፋል ኢደን ሰላም እንዳ በልኩ፡”እዋይ ቢንያም ወደይ ዲኻ’ኸ ከመይ ቀኒኻ ኣታ ሽፍታ እንታይ ወሪዱካ ድኣ ክንድዚ ትጠፍእ”እንዳ በላ ንውሽጢ ገዛ መሪሐናኒ ኣተዋ። ድምጺ ራሄል ስለ ዘይሰማዕኩ ብውሽጠይ ብዙሕ ክሻቐል ጀመርኩ። ዘየላ ከይትኸውን ድማ ፈራህኩ። እቲ ማማ ሓዳስ እትዛረበኒ ዝነበረት ዘረባ ዳርጋ ኣየቕልበሉን እየ ኔረ። ህውኽ ኢለ ድማ “ራሄል ድኣ የላን ድያ?”ኢለ ሓተትክወን።”ኣላ’ባ ነብሳ ትሕጸብ ኣላ ክትመጸካ እያ” ኢለናኒ ዉራይ ገዝአን ክገብራ ንኽሽነ ገጸን ገዲፈናኒ ከዳ፡ኣብቲ ኮፍ ንኽትብሎ ምቹእ ዝኾነ ሳሎን ኮፍ ኢለ ድማ ንድሕሪት ተመሊሰ ምስ ራሄል ዘሕለፍናዮ ክዝክር ጀመርኩ። ራሄል ምልኩዕ ገጽን ስሩዕ ቅርጽን እትውንን ጎርዞ ጓል እያ። ልዕሊ መልክዓን ቅርጻን ግና ልቦናኣን ምስ ሰብ ዘላዋ ፍሕሹው ዝኾነ ኣቀራርባን ኣዝዩ እዩ ተባሃጊት ዝገብራ። ምስ ራሄል ቅድሚ 5 ዓመት ተማሃሮ እንከለና ኢና እንፋለጥ። ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ብሕውነት ኪንጉዓዝ ዝጀመርናሉ ግና ኣብዘን ዝሓለፋ 2 ዓመታት እዩ። ገዛውትና ብሓደ ስለ ዝነበረ ኣነ ካብ ስራሕ ተፈዲሰ ንሳ ድማ ቤተ ክርስትያን ውዒላ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ኢና ንገዛ ብሓንሳብ እንምለስ ራሄል ፈታዊት ቤተ ክርስትያን እያ። ኣነ’ኳ ሓቂ ይሓይሽ እቲ መጀመርታ ንዓኣ ክርኢ እንተዘይኮይኑ ንቤት ክርስቲያን ክመሃር ወይ ድማ ክጽሊ ከይደ ኣይፈልጥን እየ ዝነበርኩ። ራሄል ግን ደሓን ትእቶ ኣብተን እንራኸበለን እዋን ቃል ኣምላኽ እንዳ ነገረት ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ቤቱን ከም ዝሓድረኒ ጌራ እያ፡ኣምላኽ ይመስገን በብቅሩ ኣብቲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ድማ ዕብየት እንዳ ኣርኣኹ ኪመጽእ ጀሚረ።

“ሰላም ቢንያም”ዝብል ድምጺ ናይ ራሄል እዩ ካብቲ ጥሒለዮ ዝነበርኩ ማዕበል ናይ ሓሳባት ስሒቡ ዝወጽኣኒ ።”ራሄላ ከመይ ቀኒኺ፦” ካብቲ ዝነበርክዎ ሳሎን ተንሲአ ሰላም በልክዋ “እግዚኣብሔር ይመስገን ቢንያም ሓወይ፡ እንታይ ደኣ ኪንድዚ ምጥፋእ”እንዳ በለት ኣብ ጥቃይ ኣብ ዝነበረት ሳሎን ኮፍ በለት። ”ኣጋጣሚ ስራሕ ክብድ ኢሉኒ ቀንዩ።ከመይ’ከ ኣለኺ፦”ሓውሲ ሕፍር ኢለ ሓተትኪዋ፡”ኣምላኽ ይመስገን ብዘይካ ናፍቆትካ” በለትኒ ፍሽኽታ ኣሰንያ። ከምዚ ኢልና ብዛዕባ ማሕበራዊ ህይወት ስራሕ ቃል ኣምላኽ እንዳ በልና ጉጅም ኪንብል ኣምሰና። ኣብ መንጎ ዕላልና ነታ ከይትጸልኣ ብዙሕ ስግኣት ዝነበረኒ ብመጠቕለሊ ዝተዓሸገት ህያብ ካብ ቦርሳይ ኣውጺአ” ራሄላ እዚኣ ኸኣ ብምኽንያት በዓል ልደት ንዓኺ እያ” ኢለ ሃብክዋ” ኣታ ቢንያም ሓወይ ናተይ መዓልቲ ልደተይ ደኣ ኣይትፈልጦን ዲኻ ምሽ ቅድሚ ወርሒ ሓሊፉ” በለትኒ ፍሽኽ እንዳበለት “ዋእ! መን ናትኪ ኢሉኪ በዓል ልደት እንዳበልኩኺስ” ኢለ ተጸወግኩላ።  ኣነ ትፈትዋ’ዶ ትኸውን ኢለ ይሻቐል ንሳ ኸኣ ብሕቶታት ተዋጥረኒ ኢለ ብውሽጠይ ሓረቕኩ፡፥እሞ ናይ መን ብዓል ልደት ኢልካ ደኣ ንዓይ ህያብ ሒዝካለይ ትመጽእ?” እቲ ባህ ዘይብለኒ ሕቶ መሊሳ ቀጸለቶ። ኣነ ግን ህያበይ ክትቅበለኒ ስለ ዘይደለየት እያ ትኸውን ብምባል ብሕርቃንን ሕፍረትን ርእሰይ ኣድኒነ ጉልዕጽ ዕጽ ካብ ምባል ሓሊፈ ሓንቲ ቃል’ኳ ትኹን ኣየምሎቅኩን። ራሄል ኩነታተይ ዝተረደአት ኪትመስል ናባይ ቅርብ ኢላ “ስምዓኒ እሞ ቢንያም ሓወይ ኣብ ግዜ በዓል ልደትካ ንስኻ ኣብ ዘይብሉ በዓል ኣብዒለ እቲ ንዓኻ ዝግባእ ህያብ ንኻልኦት እንተዝህቦምስ እንታይ ምስ ተሰማዓካ? ደስ ኣይምበለካን ምሽ?” በለትኒ። “ከመይ ጌሩ ደስ ክብለኒ ኣብ ዓመተይ ንዓይ ክትፈልይኒ ድኣ ንመን ኢልኪ ዲኺ ተብዕልዮ ዘለኪ?” ካብቲ ዝነበርክዋ ቅንዕ ኢለ ብነድሪ መለስኩላ።ብመልሰይ ዝተሓጎሰት ክትመስል ራሄል እንዳ ኣኽመስመሰት “በል እዚ ሎሚ ንስኻ ብምኽንያት በዓል ልደቱ ንዕኡ ገዲፍካ ንኻልኦት ህያብ እትህበሉ ዘለኻ ጎይታ ድማ ከምታ ንዓኻ ደስ ዘይበለትካ ንዕኡ’ውን ደስ ኣይክብሎን እዩ፡”በለትኒ። ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ስለ ዝሰማዕኩ ኣዝየ ተገረምኩ። ብናይ ራሄል ኣተሓሳስባ ድማ ኣዝየ ተደነቅኩ “ ቢንያም ሓወይ ቅድሚ ኩሉ እቲ እነብዕሎ በዓል እንታይ እዩ ትርጉሙ ንመንከ ክንዝክረሉ ይግባኣና ክንፈልጦ ኣለና” እንዳ በለት ዓይኒ ዓይነይ ክትጥምተኒ ጀመረት። ኣነ ግና ወይከ ኣፈይ ሃህ ኣቢለ ጥራይ ተዓነድኩ፡ ቀጺላ ራሄል” እዚ መዓልቲ ‘ዚ ኣዝዩ ክቡር መዓልቲ እዩ እቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንኣዳም ዝሃቦ ተስፋ ንኪፍጽም ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ካብታ ንጽህቲ ንጹሃን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነፍሳ ነፍሲ ካብ ስግኣ ስጋ ወሲዱ ንስሌና ክብል ናብዛ ዓለም ዝመጸሉ ግዜ እዩ’’ ልደት ናይቲ ስለይ ስሌኻ ስለ ኩሉ ዓለም ክብል ካብ ሰማያት ወሪዱ ፈጣሪ ክነሱ ስጋ ፍጡራን ለቢሱ ንጉስ ክነሱ ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ ፍቕሩ ዝገለጸልና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ስለዚ ቢንያም ሓወይ ኣብ መዓልቲ ልደቱ ንጎይታና ናብ ቤትናን ናብ ልብናን ኪንዕድሞ ከምቲ ኣብ ግዜ ልደት ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ እቶም እንዳ መዕረፊ ኣጋይሽ ንቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣማኑኤልን ዮሴፍን መዕረፊ ስፍራ የብልናን ዝበልዎም ሎሚውን ፈጣሪ መዕረፊ ስፍራ ከይስእን ነቲ ዋና እዛ መዓልቲ እዚኣ ክብሪ ሓጎስና ክንገልጸሉ ኣብ ልበይ ተወለድ ክንብሎ  ይግበኣና፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል (ሉቃስ 20፡25) ዘሎ “እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር እቲ ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ሃብዎ’’ ዝበለና ንሕና ድማ ኣብ ዕለተ ልደቱ ንኹሉ ዝገበረልና እንዳ ዘከርና ንዑኡ ከነመስግን እዩ ዝግበኣና፡ ከምቲ ኣብ መዓልቲ ልደትና ካብ ኩሉ ፈተውትናን መቕርብናን ህያብ እንጽበ ንሕና ድማ ነቲ ህያብና ናብ ዋንኡ ከነብጽሖ እዩ ዝግበኣና ፡” በለትኒ እሞ ብሓሳብ ናብተን ብሰንኪ ስእነት ናይ ገዛና ከይተገብራለይ ዝሓለፋ ዕለታት ልደተይ ተመለስኩ ኣብቲ ሽዑ እዋን እቶም ርኹባት ደቂ ገዛውትና ዕለት ልደቶም ከመይ ጌሮም ከም ዘሕለፍዎ ከዕልሉ እንከለዉ ዝስምዓኒ ዝነበረ ቅንኣት ኣብ የዒንተይ ቅጅል በለኒ’ሞ በዚ መጺኡ ዘይበልክዎ ንብዓት ብክልተ መዓጓጉርተይ ወረር ክብል ጀመረ፡ ብልቢ ድማ ምስ ነብሰይ ተማጎትኩ፡” ስድራይሲ ብሰንኪ ስእነቶም ዕለተ ልደተይ ኣየብዓሉለይን፡ኣነኸ፦እንታይ ስለ ዝኾንኩ እንታይ ኮይንካ ተባሂለ እንተዝሕተትሲ እንታይ ኢለ ምመለስኩ፦እሞ ኸኣ ነቲ ስለይ ክብል ካብ ሰማያት ወሪዱ ብልደቱ ንህይወተይ ብርሃን ዝገበረለይ ጎይታይን መድሓንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ” ነዚ ረሲዐ ይጉዓዝ ብምንባረይ ኣዝየ ሓረቕኩ ግናኸ እዚ ኩሉ ሕጂ ብምፍላጠይ ድማ በቲ ሓደ ወገን ተሓጎስኩ፡ ንራሄል ድማ ስለቲ ነዚ ዕጹብ ድንቅ ዝኾነ ዉዕለት ኣምላኽ ዘዘከረትኒ ብልቢ ኣመስገንኩዋ፡ሽዑ ራሄል “እሞ ቢንያም ሓወይ ሕጂ ኩሉ ነገር ካብ ተረድኣካ ነዓ ነዛ ህያብ ናብ ዋንኣ ነብጽሓያ” በለትኒ’ሞ፡ተታሓሒዝና ናብቲ መዋእል ዝፈጠረን ስሌና ክብል ግና ሰብ ኮይኑ መዋእል ዝተቆጽረሉ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ኩሉ ዝገበርካልና ነመስግነካ ኣለና ክንብሎ እታ ህያብ ሒዝናያ ናብ ቤቱ ከድና።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክዝክሮ እንከለኹ ኣነን ራሄልን ኣብ ክልተ ጫፋት ናይ ሓሳብ ምንባርና ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ፡ንሳ ኩሉ እትገብሮ ነገር ብኣፍልጦ እያ ትገብሮ ኔራ፡ናተይ ግና ብኣንጻሩ ይግበር እዩ ኢለ ትርጉሙ ከይፈለጥኩ እየ ዝገብሮ ዝነበርኩ።ደሓር ከም ዝተረድኣኒ ኣብ እዋን በዓል ልደት ህያብ ምልውዋጥ ዘይኮነ ዝጽላእ እቲ እንለዋወጦ ህያባት ነቲ በዓል ዝውክልን ነቲ ዋና በዓል ድማ ዘዘኻኽርን ክኸውን ከም ዝግብኦ ተገንዚበ።ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስትያን ከምቲ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና እንገብሮ ዕለተ ልደት ናይ ሰብ ከነኽብር ናብቲ ንሱ ዝዓደመና ቦታ እንኸይድ፡ ኣብ ግዜ በዓል ልደት ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ናብኡ ንምጻእ እቶም ጓሶትውን ዘመሓላልፉለና ቃል “ ነዚ ኽውን ዝኮነ ነግራት ክንርኢ (ልደት ጐይታ) ናብ ቤተልሄም ንደይብ” ጐይታወን  ደጊሙ በቲ ዘይሕሱ ቃሉ ከምዚ ይብለና ኣሎ” ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ ኣነ ከኣ ከዕርፈኩም እየ።ኣነ ለዋህ እየ ልበይ ውን ትሑት እዩ እሞ ኣርዑተይ ጹሩ ካባይውን ተማሃሩ ንነብስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ከመይ ኣርዑተይ ልዙብ ጾረይ ከኣ ፈኩሽ እዩ፡”ናብ ኣምላኽና ንኺድ ንሱ ድማ ናይ ዘልኣለም ሰላም ክህበና እዩ ንሱ ከም ካልኦት ክቡር ህያብ ኣይክሓተናን እዩ ንሱ ኩሉ ናቱ እዩ’ሞ ካባና ምስጋና ጥራይ እዩ ዝደሊ ስለዚ ኣሕዋተይ ንኹሉ ዘዝግብኦ ንሃቦ፡ኣብዚ ክቡር በዓል ልደትና ድማ ነቲ ጎይታናን መድሓኒናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለቲ ኩሉ ዝገበርካልና ውዕለታት ምስጋና ነቕርበልካ ኣለና በዛ መዓልቲ እዚኣ ዓለም መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱላ እዩ’ሞ ብዙሕ ደስ ይበለና። ንዕኡ እንቅርበሉ ህያብ ምስጋና እዩ’ሞ ነቲ ጎይታ ጎይቶት ዝኾነ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ዝግብኦ ገጸ በረኸት ሒዝናሉ ናብ ቤቱ ንምጻእ።
ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!!!!!!!

Comments are closed.