ገዳም ደብረ ቍስቋም ቅድስቲ ማርያም ኣረጊት ድባርዋ (6 ኅዳር ክብረ በዓላ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

  ቀደም ናይ ሃገርና ርእሰ ከተማ ዝነበረት ድባርዋ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ካብ ቅድም ኣትኂዛ ብመልክዕ ገዳም ትርአ ነበረት። ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳን ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ነዛ ቦታ ኣብ ጊዜ ስደታ ከምዝረገጸታን ኮፍ ኢላትላ ከም ዝኃለፈትን ታሪኽ ይነግረና። ብድኅሪዚ ድማ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ንገለ ኣዋርኅ ዝኣክል ተቐሚጦማ ነበሩ፤ ኣብኣ’ውን ስብከተ ወንጌል ኣካይዱ ገለ 19 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ሤሙ ባረኾም። ዱባርዋ ልዕሊ 58 ዝኾኑ ዝተሸሙላ፤ ከባቢ 54 ዝኾኑ ባሕሪ ነጋሢታት ከምዝነበርዋ ዝትረኸላ ዓባይ ናይ ሃገረ ኤርትራ ጥንቲ ርእሰ ከተማን ምምሕዳርን ኢያ ዝነበረት።

 ብ1515 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ወራር መሓመድ ግራኝ ንብዙኅ ዓመታት ዝኣክል ዝጸንሐ፤ ድባርዋ ተወሪራን ተዳኺማን ኢያ። መሓመድ ግራኝ ንዱባርዋ ሰባን ጥሪታን ወዲኡ፤ ዓዲ ኣቃጺሉ ነዛ ገዳም ደብረ ቍስቋም ኣዕኒዋ ኢዩ። ማሕልፎ እዚ ድማ ብጊዜ ግዝኣት መንግሥቲ ኃይለ ሥላሴን ደርግን ገዳም ደብረ ቍስቋም ቅድስቲ ማርያም ካብ ኣገልገልታ ክሳዕ ንዋያት ገዳም ብዙኅ ግፍዕን ብርሰትን ኣጋጢምዋ ኢዩ። ገለ ክንብል፡

  1. ብ16 ነሓሰ 1968 ክልተ ኣገልገልቲ መነኮሳት ኣብ ማእከል ገዳም ብጢይት ተረሸኑ፡
  2. ብ16 ሰነ 1976 ብኃይሊ ሠራዊት ደርጊ ኣብ ገዳም ቍስቋም ዝተሓጽረ ነታጒ ዲያ. ተክለሃይማኖትን ዲያ. ኅሩይ ገብረመድኅንን ዝተባህሉ ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ፤
  3. ካብ 1967 ክሳዕ 1976 ብተደጋጋሚ መኸተ ውግእ ምስ ኃይሊ ደርጊ ንገዳም ንተደጋጋሚ ዘስካሕካሒ ፍጻሜ ወሪዱዋ ኢዩ፤ [ሓፂር ታሪኽ ገዳማት ኤርትራ፤ ገጽ 214-219]።

ዋላኳ ኣነዋሪ ጭካነ እንተወረዳ እዛ ገዳም እዚኣ ብዙኃት መምህራን ሊቃውንትን ካህናትን ዘፍረየት ዓባይ ገዳም ኢያ። ገለ ካብኦም ድማ ቀደም መምህር ኣብርሃም ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ዘኤርትራ (1924 ዓ.ም. -  2004 ዓ.ም.ግ.)  ዘፍረየት ቅድስቲ ገዳም ኢያ። ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ብ1948 ዓ.ም.ግ. (1956 ፈረንጂ) ኣብታ ዘይተደኮነት ገዳም ቍስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ ምስ ኣርብዓ ዝኾኑ ተመሃሮኦም ብምቕማጥ ኣብ መምህርነትን ምናኔን ብሕትውናን ተፀምዱ። ካብዚ ኃሊፎምውን ንጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ማርያም ኣረጊት ድባርዋ ካብ ገበርቲ ሠናይ ገንዘብ ብምውፃእ ምስ ተመሃሮኦም ብምዃን ብሓድሽ ዘመናዊ ሕንፃ ምስ ኵሉ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎትን ገዳማዊ ናብራ ገዳምን ዘድሊ ኣማሊኦም ብምሕናፅ ብ1953 ዓ.ም.ግ. ከም ትምረቕ ገበሩ።

ናይቲ ቀደም ዓንያቶ ዝነበረት ኣብዚ ጊዜ'ዚ ካልኣይ ብስም ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስትያን ተሠሪሑላ ከምኡ'ውን ክትርእዮ መሳጢ ዝኾነ ናይ መንፈሳውያን መሣርሒ ተሠሪሑላ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣላ፡ ካብቲ መሓመድ ግራኝ ዘንደዶ ቅዱሳን መጽሓፍቲውን ሓደ ሓደ ይርከብዋ። እዛ ገዳም ክብረ በዓላ 6 ኅዳር ኢዩ፤ ቍስቋም ኣመንትን ማየ ጸሎት ዝተሓጽቡ ሰብ መብጽዓን ከምኡ ድማ ኣቡኡ ዝተማህሩ ሊቃውንትን ካልኦትን ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምብጻእ ዓመት መጸ ብማሕሌትን ስብሓታትን ቅዳሴን ማዕሪጋ ትውዕል። ቅድስቲ ገዳም ኢያ እሞ ኣብዚ ገዳም ኬድና በረኸትን ረድኤትን ተኻፊልና ክንመጽእ ይግብኣና።

  "ሰላም ለአእጋሪከ ውስተ ደብረ ቍስቋም እለ ጌሣ፡ ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ አመ ጐየይከ እምደወለ ንሒሳ፡ አመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኃይለ አንበሳ፡ እንተ ሠመርከ በኅድአት ለነፍሱ ታፍልሳ፡ ሰላም ሰላም ለወልደ ዮሴፍ ዮሳ።”

"ስብሐት ለኪ ማርያም በጽጌ መላእክት ትጉሃን፡ ስብሐት ለኪ ማርያም በጽጌ ነብያት ቅዱሳን፡ ስብሐት ለኪ ማርያም በጽጌ ሐዋርያት ሰባክያን፡ ስብሐት ለኪ ማርያም በጽጌ ሰማዕት ወጻድቃን፡ ወስብሐት ይደሉ ለትእምርተ ጽጌኪ ወይን፡ እስመ በጽጌኪ ወይን ይትፌሣሕ ኅዙን።"

 ንዓመታ ብሰላም ኣብ ሃገርናን ሕዝብናን ንውዕሎ ይግበረልና፤ ዓውደዓመትና ትባርኸልና፡ ሰላምን ፍቕርን ተንግሠልና፡ ሓሳባት ልብናውን ተስምረልና ኣሜን። ዝጎደለ ዝነጠበ ብኣፍ ትጉሃን መላእኽቱ ይኣርመለይ ጸሎታን በረኸታን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና፡ ኣሜን።

     ‘ሰብሐት ለኪ ማርያም በስብሐተ አብ ፈናዊ፡ ስብሐት ለኪ ማርያም በስብሐተ ወልድ ተፈናዊ፡ ስብሐት ለኪ ማርያም በስብሐተ መንፈስ ቅዱስ ማሕየዊ፡ ቃለ ስዕለትየ በአዕዛነ መንፈስ ጽልዊ፡ ወዲበ ዛቲ ጸሎት ሰላመ ከዓዊ።’

6 ኅዳር መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮ ፡

* ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ናብ ደብረ ቍስቋም ዝኣተውሉ [ዘዕረፉሉ]

* ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ፊሊክስ ዘዕረፈሉ ዕለት

* ናይ 172 ሰማዕታት መዘከርትኦም ኢዩ።

 *  ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ፤

  ነብይ ኢሳይያስ፡ ቅዱስ ዲዮናስዮስ፡ ቅድስት ማርያም ግብጻዊት ኢዩ፤

 ጸሎቶምን ሃብተ ረድኤቶምን ምስ ዅላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን፡ ኣሜን።

   ኣዳላዊ ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

 ምንጪ

  1. መጽሓፈ ስንክሳር
  2. 'ትርጓሜ አርባዕቱ ወንጌል' ግዝእን ትግርኛን፡ ብመጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእን መር. ተወልደመድኅን መንግሥቱን
  3. ሓፂር ታሪኽ ገዳማት ኤርትራ 1ይ ኅታም ብመም. ተወልደብርሃን ዓንደመስቀል 2003 ዓ.ም.ግ (2012 ፈረንጂ)
  4. ሊቃውንት ኣበው ዘሃገረ ኤርትራ
  5. መዋዕለ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ዘኤርትራ፤ ብልሳን ተዋሕዶ ታኅሣሥ 2018 ዓመተ ፈረንጂ

ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

9 ኅዳር 2011 ዓመተ ምሕረት

14 ኅዳር 2018 ፈረንጂ

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

Comments are closed.