ገብርሄር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ።

መኑ ውእቱ ገብርኄር ።

ምስባክ

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ

ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ

          ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ። መዝ.39፣8

ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣

ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣

          ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ። መዝ. 40-8።

ማቴዎስ 25፣14-31።       ግ.ሓዋ.1፣6-9           2ጢሞ.2፣1-16       1ጴጥ.5፣1-12

ቅዳሴ. ባስልዮስ

    

ሻዱሻይ  ሰሙን ጾም /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ           

ሳድሰይቲ ሰሙን ናይ ጾም ፵ ገብርኄር እያ፤ ትርጒም ድማ ‘ሕያዋይ ኣገልጋሊ’ ማለት እዩ። ኣብ ማቴ ፳፭፡፲፬-፴፩/25፡14-31 ጐይታ ብዛዕባ ገብርኄር ብምስላ ክዛረብ ከሎ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ፣ ኢሉ ስለዝዛረብ፥ ገብርኄር ማለት ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ማለት ምዃኑ ንርዳእ። በዚ ዕለት ኵላትና ብሓባር እሙናትን ዘይእሙናትን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃንና ገዛእ ርእስና እንፍትሸሉ ናይ ዕለቱ ምንባባት ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ሠሪዖምልና ኣለው። ገብርኄር ኢሉ ኣብ ወንጌል ብዛዕባ መክሊት ዝተዋህቦም ስለዝዛረብ፡ ገለ ሰብ እቲ መልእኽቲ መዓርግ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ንዝተቐበለ ሰብ ጥራይ ዝምልከት ክመስሎ የብሉን፥ ምኽንያቱ ይብዛኅ ይውሓድ ኍላትና ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ መክሊት ኣሎና። እቲ በዓል መክሊት ምስ መጸ ኵላትና ዋጋና ስለ እንቕበል ድማ፡ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ መክሊት ብዝግባእ ክንዓየሉ ግድን እዩ።

እምበኣር  ጐይታ ምስ መጸ ነፍስ ወከፍ ሰብ ዝወሃቦ ዋጋ መክሊቱ እንታይ ምዃኑ ካብ ነገረና፡ ከምቲ ዓስቢ ናይ እሙን ኣገልጋሊ ክንረክብ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንኸውን ከም ዝግበኣና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ናይ ዕለቱ ናይ ገብርኄር ምንባባት ከይወፃእና ምስ ትርጓሜኡን ብምውህሃድ፥ መክሊት ዝተባህለ እንታይ ምዃኑ፣ ከመይ ኢልና ክንረብሓሉ ከም እንኽእል፣ ዝረባሕናን ዘይረባሕናን ዓስብና እንታይ ከም ዝኾነ ክንርኢ ኢና።

ምስባክ ናይ ዕለቱ፥ መዝ ፴፱፡፰/40፡8 “ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ፥ ወሕግከኒ በማዕከለ ከርሥየ፥ ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዐቢይ፤ ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፥ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፥ ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ።”

ናይ ዕለቱ ምንባባት፦ ፪/2 ጢሞ ፪፡፩-፲፮/2፡1-16፣ ፩/1 ጴጥ ፭፡፩-፲፪/5፡1-12፣ ግብ ሓዋ ፩፡፮-፱/1፡6-9፣ ማቴ ፳፭፡፲፬-፴፩/25፡14-31።

ኣብ ማቴ ፳፭፡፲፬-፴፩/25፡14-31 ዘሎ ትርጓሜ ወንጌል ብዛዕባ ናይ መክሊት እንታይነት ክገልጽ ከሎ፥-

   ሀ. ቀዳማይ ትርጒም ሰብአ መክሊት

“ብዓል ኃሙሽተንን ብዓል ክልተን መክሊት ዝተባህሉ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሮም መኺሮም ኣስተምሂሮም ንርእሶም ኣምሲሎም ዘውፅኡ እዮም። እዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቀለሜንጦስ፡ ጳውሎስ ድማ ንጢሞቴዎስ ከም ዘውፅኡ ማለት እዩ። ብዓል ሓደ ዝተባህለ ግና ተማሂሩ ከየስተምሃረ ዝተረፈ፥ ንጐይታኡ ንስኻ ሕጊ ከይሠራሕካ ብኣእምሮ ጠባይእ ፈሊጥኩም፥ መምህር ከይሃብካ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም፥ ዘይትሠርሑ ኢልካ እትፈርድ ጽኑዕ ጨካን ምዃንካ ፈሊጠ፥ ዓልውያን ሓዊ ስሕለት ኣርእዮም ከየኽሕዱኑ፡ መናፍቓን ተኸራኺሮም ምላሽ ከየስእኑኒ ኢለ ፈሪሀ ደፈንክዎ፡ ኣብ ውሽጢ ልቦናይ ድማ ኃዝክዎ ኢሉ ንጐይታኡ ዝተዛረበ እዩ። ጐይታኡ ድማ ገብር ሃካይ ሕጊ ከይሠራዕኩ ብኣእምሮ ጠባይእ ፈሊጥኩም፣ መምህር ከይሃብኩ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚርኩም፣ ዘይሠራሕክዎ ዝደልን ዝፈርድን ጽኑዕ ጨካን ምዃነይ ትፈልጥ ዲኻ፧ ከምዚ ምዃነይ ካብ ፈለጥካ ሹመትካ ክትመልሰለይ ምተገብኣ ነይሩ፥ ወሪዱ ደይቡ ንዘስተምህር ምሃብክዎ ነይረ፡ ወይ ድማ ኣብ ክልተ ወይ ሠለስተ ኣእዛን መብጻሕካዮ’ሞ ኣነ ድማ ተራድኤ መስፋሕፋሕክዎ ነይረ። ናቱ መምህርነት ኣኅዲግኹም ነቲ ሓደ ሃብዎ። ንእኡ ግና ኣውፅእዎ ኢሉ እቲ ጐይታ ነቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ከም ዝወፅእ ይገብር፥ እዚ ማለት ግና እቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ካብ መንግሥተ ሰማያት ኣይወፅእን እዩ። ብምምህርና ምእታው ካብ ተረፎ ብሕዝባዊነት ይኣቱ። ታሪኽ እዚ ብኣባ መልክኣ ክርስቶስ ተፈሊጡ እዩ፥ ፍጹም ትምህርቲ ከየስተምሃሩ ተሪፎም ብብሕትውና ፈጺሞሞ እዮም፡ ኣብ ዝሞቱሉ እዋን መልኣኽ ገሢጽዎም እቲ ቀለም ኣካል ኂዙ ክወፅእ ተራእዩ እዩ። [ሓበሬታ፥ እዚ ንመክሊት ብምምህርና ናይ ስብከተ ወንጌል ምስ ዝትጐርም ዝገጥም እዩ።]

  ለ. ካልኣይ ትርጒም ሰብአ መክሊት

  1. ኃሙሽተ መክሊት ሙሴ እዩ፥ ምኽንያቱ ኃሙሽተ መጻሕፍቲ ስለዘለዎ፣ ብዓል ክልተ ክልተ መልእኽቲ ስለ ዝጸሓፈ ቅዱስ ጴጥሮስ ወይ ድማ ክልተ ዝተባህሉ ብሉይን ሓድሽን እዮም፡ ብዓል ሓደ ከኣ ይሁዳ እዩ። ከምኡውን ብዓል ኃሙሽተ ብሊቀ ጳጳሳት፦ ኣንብሮተ እድ ላዕለ ጳጳሳት፣ ሠይመ ቀሲስ፣ ሠይመ ዲያቆን፣ ሥርዓተ ጥምቀትን ሥርዓተ ቍርባን ስለዝፍጽም።
  2. ብዓል ክልተ ብቀሲስ ይምሰል፡ ሥርዓተ ጥምቀትን ሥርዓተ ቍርባን ስለዝፍጽም።
  3. ብዓል ሓደ ከኣ ዲያቆን፡ ንተልእኾ ጥራይ።

   

ሐ. ሣልሳይ ትርጒም ሰብአ መክሊት

ብዓል ኃሙሽተ፦ ኣሚን (እምነት)፣ ፍሥሓ፣ ምሕረት፣ ትዕግሥትን፣ ተስፋን።

 ብዓል ክልተ ኣሚንን ፍሥሓን፣

ብዓል ሓደ ኣሚን ጥራይ።

መ. ራብዓይ ትርጒም ሰብአ መክሊት

ብዓል ኃሙሽተ፦ ጥምቀት፣ ተኣምኆ ኃጣውእ፣ ከዊነ ሰማዕት፣ ተባሕትዎ፣ ምንኩስናን፥

 ብዓል ክልተ ጥምቀትን ተኣምኆ ኃጣውእን፣

 ብዓል ሓደ ጥምቀት ጥራይ።

ሠ. ኃሙሻይ ትርጒም ሰብአ መክሊት

ብዓል ኃሙሽተ ፍጹም ብዓል ጸጋ

ብዓል ክልተ ከም መጠኑ ብዓል ጸጋ

 ብዓል ሓደ ፍጹም ድኻ ብዝብል ይትርጐም።

ብተወሳኺ እዞም ዚተፈላለዩ ቍጽሪ መክሊታት ዘለዎም ናይ ጕዕዞ መንፈሳዊ ሕይወት ደረጃ የመልክቱ፡፡ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ናይ ፍጹማን፡ በዓል ክልተ ናይ ማእከላውያን፡ በዓል ሓደ ኸኣ ናይ ወጣንያን (ጀመርቲ)፡፡

  ኣብዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስላ ገይሩ ምዝራቡ ንትምህርቲ እኳ እንተ ኾነ፡ ንዅሎም ሓደ ዓይነት ዝኾነ ጸጋ ኣይሃቦምን እዚ ኣፈላላይ ወይ ኣብዚኊ ዘይህብ በቃቕ ስለዝኾነ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንኵላትና ዝግበኣናን ዓቕምናን ይፈልጥ ምዃኑ የረድእ፤ በዚ ድማ ንነፍስ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ሂብዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ “ሕጂ ኸኣ ኣኅዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ውህበት ብዘይ ፍልጠት ክትኮኑ ኣይፈቱን እየ። … እምበኣር በብዓይነቱ ውህበት ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ኣገልግሎት ኣሎ፥ ጐይታ ሓደ ንሱ እዩ። በብዓይነቱ ዝኾነ ተግባራት ኣሎ፥ እቲ ኣብ ኵላቶም ንዅሉ ዝገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ንጥቕሚ ብዙኃት ንነፍስ ወከፍ ሰብ ይወሃቦ እዩ።” ይብል (፩/1 ቆሮ ፲፪፡፩-፮/12፡1-6) ።

 ቅዱስ ኣውግስጢኖስ ብዛዕባ ምስላ ናይ መክሊት ክዛረብ ከሎ “እዚ መክሊት ንዓኻ ከም ዘይተዋህበካ ጌርካ ኣይትሕሰቦ፡ ብርግጽ ኣብ ላዕሊ ጽፍሒ ኮንካ ዘይትዓይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፥ እንተ ኾነ ግና በቲ ዝተዋህበካ ዕድል ክሳዕ ዝከኣለካ ክትዓዪ ትኽእል ኢኻ። ክርስቶስ ክዝለፍ ከሎ ተኻላኸል ሞግት፥ ነቶም ዘረምርሙን ዘማርሩን መልሰሎም፥ ነቶም ዝጻረፉ ገስጾም ምስ ኦም ድማ ኣይትዕረኽ። ኣብ ገዛኻ ግዴታኻ ፈጽም። እቲ ጳጳስ ንዅሉ ዘገልግልን ዝጓስን ነቶም መጓሰ ድማ ክሰምዖም ዝተጸውዐ እዩ። ደጊም ነፍስ ወከፍ ርእሲ ናይ ቤቱ ዝኾነ ሰብ ናይቲ ጳጳስ ዕዮ ይዕየ፥ ሓደ እኳ ኣብ ገዛኡ ካብ ዘለዉ ናብ ምንፍቕና ከይከይድ ነቒሑ ይሓሉ። ሰበይቱ፣ ወዱ፣ ጓሉ፣ ኣገልጋሊኡ፣ ኵሎም ብኽቡር ዋጋ እዮም ዝተዓደጉ። ንሓደ እኳ ኣይትነጽሎ ንሳቶም ንዓኻ እጃምካ እዮም፥ ከመይሲ ነቒሕካ ድኣ ብዛዕባ ድኅነት ነፍስ ወከፍ ሕሰብ፥ ነዚ እንተ ጌርካ ነቲ ዝተዋህበካ መክሊት ተጠቂምካሉ ኢኻ ማለት እዩ። ምስቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ድማ ኣይክትጽብጸብን ኢኻ፥ ነቲ ዘሳቕቕ መቕጻዕቲውን ኣይክትፈርሆን ኢኻ።”

ካብዚ መክሊት እግዚአብሔር ዝረብሖ ነገር የብሉን ብዛዕባ እዚ ናይ መክሊት ምስላ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ወይ ቀንዲ መልእኽቲ ምብዛሕን ምውሓድን ናይቲ መክሊት ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኣገልጋሊ እሙን ወይ ዘይእሙን ምዃን ወይ ተገዳስነትን ሸለልትነትን ወይ ድማ ትግሃትን ትህኪትን እዩ ዘተኵር።

ትህኪትን ሕመቕን ናይቲ ዘይእሙን ኣገልጋሊ ንጐይታኡ ጨካን ኢሉ ከም ዝኸሶ ገይርዎ እዩ። እዚ ውጽኢት ናይ ፍርሂ እዩ፡ ማለት ትህኪቱን ሕመቑን ነቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ከም ዝፈርህ ጌርዎ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ኃጢኣት ካልእ ኃጢኣት ስለ ዝወልድ። ነዚ እዮም ኣበው “እቲ ቀሊል ዘይጠቅምን ዝመስል ኃጢኣት ናብ ዓቢይ ኃጢኣት ይመርሓካ። በዚ ምኽንያት ኢና ድማ ንኃጢኣት ካብ መጀመርታ ክንድምስሳን ክንቃወማ ዘሎና” ዝብሉ። ቅዱስ ጳውሎስውን “ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን፥ ምኽንያቱ ክሰብኽ ምዙዝ እየ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።” ዝበለ (፩/1 ቆሮ ፱፡፲፮/9፡16)፡ ነብይ ኤርምያስውን ከምዚ ይብል ‘እቲ ንዕዮ እግዚአብሔር ዕሽሽ ኢሉ ዚብገሮ ርጉም ይኹን’ (ኤር 48፡10)።

እምበኣር እዞም በዓለ መክሊት ዝተባህሉ ብዓቢኡ ንምእመናን ክመርሑ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተሠይሙ ጳጳሳት፡ ካህናትን ዲያቆናትን (ከም ተራዳኢ) ከም ዝኾነ ኣብ ትርጒም ብሰፊሑ ተገሊጹልና ኣሎ። ነዚ መጓሰ ክጓስዩ ካብቲ ሓለቓ ጓሶት ዝኾነ ሰማያዊ ጐይታ መክሊት ዝተቐበሉ ቅዱሳን ሓዋርያት፥ እዚ ናይ መጓሰ ኣገልግሎት ንውሉድ ወለዶ ዝተዋህበ ምዃኑ ነቶም ብድኅሪኦም ነታ ቤተክርስቲያን ክመርሑ ንዝኽእሉ ኣገልገልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ብምሻም ኣረጋጊጾምልና እዮም። ነዚ ናይ ጒስነት ዕዮ ከምቲ ንሳቶም ካብ ጐይታ ብቃል ኣጽንኦ/ ብጽኑዕ ቃል ሠለስተ ጊዜ “ዕያውተይ ኣብልዕ፣ … ኣባጊዐይ ሓሉ፣ … ኣባጊዐይ ኣብልዕ” ዮሓ ፳፩፡፲፭-፲፯/21፡15-17 ተባሂሎም ብሕድሪ ከም ዝተቐበልዎ፥ ንሳቶም ድማ ነቶም ነዚ ኣገልግሎት ብቑዓት ንዝኾኑ ኣገልገልቲ ክሸሙ ከለዉ ብማዕዳን ብጽኑዕ ምኽርን ከመይ ክኾኑ ከም ዘለዎም “በቲ ብቓል ትንቢትን ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ዝተዋህበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣጸቢቕካ ትጋህ፥ እናዓቤኻ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ክግለጽሲ፥ ነዚ ነገር እዚ ኵለንተናኻ ወፊ። ንገዛእ ርእስኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፥ ኣብኡ ጸኒዕካ ንበር፥ ነዚ እንተ ገበርካስ፥ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድኅን ኢኻ።” ፩/1 ጢሞ ፬፡፲፬-፲፮/4፡14-16 ብምባል ብጽኑዕ ቃል ኣመሓላሊፎምዎ እዮም። ከም ተወሳኺ መረዳእታ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ፩/1 ጴጥ ፭፡፩-፲፪/5፡1-12 ዘሎውን ከምዚ ይብል፣ “ኣነ ኸምኣቶም መራሕ ቤተ ክርስቲያን፥ ናይቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ መስካሪ፥ ኣብቲ ደኃር ክመጽእ ዘለዎ ክብሪውን ተማቓሊ ዝኾንኩ፥ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ መራሕቲ ቤተክርስቲያን እምዕዶም ኣሎኹ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ እንተ ኾነ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብጽቡቕ ድላይ እምበር ንከንቱ ረብሓ ኣይኹን። ነቲ መጓሰ ኣርኣያ ድኣ ኩንዎ እምበር፥ ኣብ ልዕሊ እቶ ዝተዋህቡኹም ጐይቶት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ ዘይጽምልው ኣኽሊል ክብሪ ክትቕበሉ ኢኹም። ከምኡ ኸኣ፥ ኣቱም መንእሰይ፥ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም። ‘ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም’ ከም ዝብል ድማ ትሕትና ለቢስኩም ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ከብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። ዲያብሎስ፥ እቲ መጻርርትኹም ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፥ ንቕሑ። ኣብ እምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ፡ ምኽንያቱ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ኣኅዋትኩምውን እዚ መከራ እዚ ይበጽሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ናይ ዘለዓለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፥ ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፥ ቍሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፥ ንሱ ፍጹማት ክገብረኩም፡ ከጽንዓኩም፥ ከበርትዓኩም፥ ክስረተኩምውን እዩ። ንዘለዓለም ዓለም ንእኡ ኽብርን ሥልጣንን ይኹን። ኣሜን።”

ኣብዚ ቅዱስ ጵጥሮስ ዝገለጾ ነቶም መጓሲኡ ካብ ዝምንጥል ተዂላን፡ ካብቲ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ዝዘውር ዲያብሎስ ከይምንጠሉ ኣጽኒዑ ዝሕሉ ጓሳ “እቲ ሓለቕ ጓሶት ምስ ተገልጸ”፡ “ዘይምጽሉ ኣኽሊል ክብሪ” ክህቦ ምዃኑ ብዘይሕሶ ቃሉ ተነጊርና ኣሎ። ብዙኃት ንክህነት ንዲቁና ንምዝማር ንምስባኽ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ንምዃንን ንኻልእ ኣገልግሎትን ጥራይ ዝተሸሙ ወይ ዝተጸውዑ ዝመስሎም፥ እንተ ኾነ ግና ሽግር፣ መከራ፣ ማእሰርቲ፣ ተነጽሎ፣ ጸርፊ፣ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ዘድሓርሕሩ ዕርፊ ኂዞም ንድኅሪት ዝጥምቱ ኣለዉ። እዚ ናይ እሙን ኣገልጋሊ መምዘኒ ኣይኮነን ከመይሲ ጽሑፍ “ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፥ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፥ ኣርኣያውን ኃደገልኩም።” ፩/1 ጴጥ ፪፡፳፩/2፡21 እዩ ዝብል። እቲ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ጎቦ ደይቡ፣ ቍልቍል ወሪዱ፣ ደኺመ ከይበለ፣ ከይተሃከየ፣ ተጊሁ እናዓየየ፥ ብስም ጐይታ ዝጽረፍ፣ ዝግረፍ፣ ዝእሰርን፣ መከራ እናተቐበለ ዘገልግል እምበር እናተናእደ፣ ጠጥዕሙ እናማረጸ፣ ብምሽው ኵነታትን (ብምቾትን) ብምቅብጣርን ዝሓንቀቐ ኣገልጋሊ ኣይኮነን። ነዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብቕኑዕ ሃይማኖት መሪሖም ናብዚ ዘለናዮ ዘመን ዘብጽሑና ብዙኃት ቅዱሳን ኣብነት ገይሩልና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባኦም ከይዛረብ ጊዜ የብለይን ኢሉ ገለ ካብኣቶም ዝጠቐሶም ኣብ ዕብራውያን ፲፩፡፴፪-፴፰/11፡32-38 ተጻሒፎም ኣለዉ። ባዕላቶም ሓዋርያትውን ንኸምዚ ዝበለ መከራ ብሓጐስ ይቕበልዎ ከም ዝነበሩ “… ንሓዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፥ ብስም ኢየሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ፥ ኃደግዎም። ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ውርደት ንምቕባል ብቑዓት ኮይኖም ስለዝተረኽቡ ካብቲ መጋባኣያ እናተሓጐሱ ወፅኡ።” ግሓ ፭፡፵-፵፩/5፡40-41 ኢሉ ይነግረና። ነዚ ትብዓት ኣባና ጸኒዑ ክነብር ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ዕለቱ መልእኽቲ ጽሒፉልና ኣሎ።

“ጢሞቴዎስ ወደይ! በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። ነቲ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ነገር፥ ካልኦት ክምህሩ ንዝከኣሎም ሰባት ሕድሪ ሃቦም። ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ወተሃደር (ዓቀይታይ) ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። ንኣዛዚኡ ከሕጐስ ዝደሊ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ወተሃደር፥ ብኻልእ መነባብሮ ኣይሕለኽን እዩ። ከምኡውን እቲ ኣብ ጸወታ ዝወዳደር ከም ሕጊ ገይሩ እንተ ዘይተወዳዲሩ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። እቲ ዝጽዕር ሓረስታይ ካብቲ ዘፍረዮ እቲ ቀዳማይ ግደ ክወስድ ይግባኦ እዩ። እግዚኣብሔር ንዅሉ እትርደኣሉ ኣእምሮ ክህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተውዕሎ። ነቲ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለደ ካብ ምውታት ዝተንሥአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ፡ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል እዚ እዩ። በዚ ወንጌል እዚ ከኣ ከም ገባር ክፉእ ተኣሲረ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ። ቃል ኣምላኽ ግና ኣይእሰርን እዩ። ስለዚ እቶም ኅሩያት፥ ነቲ ዘለዓለማዊ ክብሪ ዘውህብ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ድኅነት ምእንቲ ክረኽቡ፥ ንዅሉ እዕገሥ ኣሎኹ። እዚ ዝስዕብ ቃል እሙን እዩ፦ ‘ምስኡ እንተ ሞትና ምስኡ ኸኣ ብሕይወት ክንነብር ኢና። እንተ ተዓገሥና፥ ምስኡ ከኣ ክንነግሥ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ። ንሕና እሙናት እንተ ዘይኴንና፥ ንሱ ንርእሱ ክኽሕድ ስለዘይክእል እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር።’ ንዝሰምዕዎ ዘጥፍኦም፥ ረብሓ ብዘይብሉ ቃል ከይበኣሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እናመስከርካ እዚ ኣዘክሮም። ንቓል ሓቂ ትኽ ንትኽ ዝምህር ዘኅፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተወፊ ጸዓር። ነቲ መንፈስ ዘይብሉ ከንቱ ክትዕ ግና ካባኻ ኣርሕቆ፥ ከመይ እቶም ነዚ ዘዘውትሩ ካብ ኣምላኽ እናረሓቑ እዮም ዝኸዱ።” ፪/2 ጢሞ ፪፡፩-፲፮/2፡1-16።

ኣብዚ ብንጹር እሙን ኣገልጋሊ ክኾኖ ዘለዎ ተገሊጹ እዩ። እወ፡ እሙን ኣገልጋሊ በቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ዝደለደለ፣ መከራ ዝጸግብ፣ ብኻልእ መነባብሮ ዘይሕለኽ፣ ብሕጊ ዝመላለስ፣ ካብ እግዚኣብሔር ንዅሉ ዝርደኣሉ ኣእምሮ ዝተቐበለ፣ መስተውዓሊ፣ ንክርስቶስ ኵሉ ጊዜ ዝዝክሮ፣ ተኣሲሩ ሓሳረ መከራ ክጸግብ ዝተዳለወ፣ ንዅሉ ዝዕገሥ፡ ረብሓ ገዛእ ርእሱ ዘየቐድምን ዘይደልን፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝምስክር ‘ብቃል ሓቂ ትኽ ንትኽ ዝምህር፥ ዘሕፍር ዘይብሉ፥ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ’ ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ከወፊ ዝጽዕር ወዘይመስሎ እዩ። እቲ እሙን ኣገልጋሊ ዝበሃል ከምዚ እዩ ዝመስል እምበኣር፡ ብኣፍ ጥራይ ኣብ መድረኽ ዝሰብኽ፡ ዝዝምር መራሒ ኮይኑ ከመኃድር ዝደሊ ዝቕድስን ዝውድስን እንተ ኾነ ግና፣ ኣብ ላዕሊ ካብ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መስፈሪ ክፀውር ኮነ ብእዳዉ ክትንክፍ ዘይደሊ እሙን ኣገልጋሊ ከም ዘይኮነ ይረዳእ። ከምቲ ሃካይ ኣገልጋሊ ድማ ናብቲ ደርብይዎ ዝተባህለ ነቲ ዘለዎ ድማ ኣኅዲግኹም ነቲ ዘለዎ ሃብዎ ኢሉ ጐይታ ዝተዛረበሉ ከይንኸውን ንገዛእ ርእስና ንመርምር። ከመይሲ “ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ” ተባሂሉ ዝተፈርዶ እዩ (ሉቃ 13፡28  ማቴ 25፡30 ፣ ማቴ 22፡13)። በንጻሩ ግና እቲ እሙን ኣገልጋሊ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጻጋ ሂቡ ጐይታኡ ዝሸሞ ኣገልጋሊ ኣብ ናይ ሓጐስ ጐይታኡ ዝኣቱ እወ ኣብቲ “ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ … ኣብኡ ሥዕሊ መልክዕ ገጹ ኣሎ። ኣብኡ ንጹሕ ኣኽሊልን ብሩህ ኣልባስን ኣሎ። … ማኅበር ቅዱሳን ነቢያትን ማኅበር ሰበኽቲ ሓዋርያትን ማኅበር ዕውታት ሰማዕታት ኣብ ዘለውዎ … ማኅበር ብሩኻት ጻድቃንን ማኅበር ሥዩማን ካህናትን ማኅበር ትጉሃን መላእኽትን ኣብ ዘለውዎ … ማኅበር ፍጹማን ደናግልን መነኮሳትን ምስ እዚ ዅሉውን ናይዛ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነት ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፍጹም ሓድነታ ኣብ ዘለዎ” (ቅዳሴ ማርያም) ተባሂሉ ዝተነግረሉ ፀሐይ ኮነ ወርኂ ምብራህ ኣብ ዘየድልይዎ ስፍራ ዝኣቱ እዩ። እዚ እሙን ኣገልጋሊ መን ኮን ይኸውን፧ (መዝ ፩/1)፡ እቲ ብቕንዕና ዘገልግል ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ብዝግባእ ዝጥቀመሉ ኣገልጋሊ ንሱ እዩ::

እሞ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽና ከምዚ እሙን ሕያዋይን ኣገልጋሊ ክንከውን ይደግፈና፡ ኣሜን! ወላዲተ ኣምላኽ በማላድነታ ትራድኣና፥ ኣሜን! እቶም ንደቂ ሰባት ዝራድኡ ቅዱሳን መላእኽቲ፣ ብጸሎቶም ዝሕልውና ቅዱሳን ይራድኡናን። ኣሜን!

"መኑ ውእቱ ገብርኄር ወምእመን……… እቲ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ መን እዩ፧" ቅዱስ ያሬድ

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.