ደብረ ዘይት   5ይ ክፋል መወዳእታ

ሕራይ እዝስ÷ " ነታ ንሱ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ብደቂ ሰባት ከይትፍለጥ ምግባሩኸ ንምንተይ እዩ᎒ እንተባህለ፥

ንሰባት ጥቕሚ እዩ።ነጊሩ እንተ ዝነብር ነይሩ ሰባት ምጽኣቱ ኣትዩ እዩ ብዝብል ታህዋኽ ኣብ ሥጋዊ ይኹን መንፈሳዊ ካብ ዝኾነ ዓይነት ሥራሕ በኹርና ንቐቢጸ ተስፋ ምተጋለጽና፥ እዚ ታሕዋኽ ካባና ወይ’ውን ካብ'ቶም ካብ ሓቂ ከወናድቡና ዝስለፉ ሓሰውቲ ክልዓል ይኽእል። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ «ብትንቢት ኮነ ብወረ ወይ ካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥"መዓልቲ ጐይታ መጺኣ እያ፥ ብምባል ብቐሊሉ ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን። ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ፥ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ፥ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ፥ ከይተገልጸ፥ መዓልቲ ጐይታ ኣይትመጽእን እያ እሞ፥ ሓደ እኳ ብገለ ነገር ኣየስሕትኩም»ኢሉ ኣሎ። 2ተሰ2፥2-3። እወ ዕላማን ኣድላይነትን ናይ ምጽኣት፥ ከምኡ ድማ ንሕና ንምጽኣት ከመይ ዚዓይነቶም ሰባት ኮይና ክንጸንሕ ከም ዝግባእ ፈሊጥና ደኣ ኩሉ ግዜ ክነቅሕ የድሊ እምበር ምርባጽን ምህዋኽን ግቡእ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን፥ ገና እዩ ኢልና ድማ ነቒሕና ካብ ምድላው ንድኅሪት ምበልና፥ከምተን ኃሙሽተ ዓያሹ ደናግል ከኣ ምደቀስና። ምበልና ነይርና ጥራይ ዘይኮነ ሰባት ኣቐዲሞም ብንስሓ ሕይወት ተሓጺቦም ከይዳለዉ ከም ብዘመነ ኖኅ ገና እዩ ዝብል ከንቱነት ሓሳብ ኣብ ልባቶም ስኢሎም ብኽፍኣትን ብምብላዕ ምስታይን ጥራይ ከም ዝጽመዱ ዘተባብዑ፥ በዚ ከኣ ሰባት ካብቲ ሓቅን ቅኑዕን መገዲ ወጺኦም ክወናበዱ እምበር ብንስሓ ክዳለዉ፥ ኩሉ ግዜ ብንቕሓት ክመላለሱ ዘይገብሩ ሓሰውቲ  ከም ዝለዓሉ ዝተገልጸሉ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ « ኣቱም ፍቁራት!እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግረ ቃልን፥ ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝን እናኣዘኻኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ ዝጽዕር ዘለኹ። ኣብተን ዳኅሮት መዓልታት ብኽፉእ ፍትወት ሥጋኦም ዚመላለሱን ዘላግጹ መላገጽትን ከም ዝመጹ ቕድሚ ኹሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም"ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ᎒ ካብታ ኣቦታትና ዝሞትላ መዓልቲ፥ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ኂዙ ኩሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ" ኪብሉ እዮም።…ድኅሪ ምባል፥ ነቶም ፍቁራቱ ማለት ነቶም መልእኽቱ ዝሰደሎም ዘሎ ኣመንቲ ድማ ንኹሉ ኣጠቓሊሉ ከምዚ ይምልሰሎምን ይመኽሮምን÷ "ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ ኣብ እግዚአብሔር ሓንቲ መዓልቲ ከም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፥እዛ ሓንቲ እዚኣ ኣይትረስዑ። ጐይታስ ኩላቶም ናብ ንስሓ ክበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገሥ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም (ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ᎒ዝብሉ) ዝድንጊ ዚመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጉን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመጽእ እያ፥ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺኃልፍ እዩ፥ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፥ ምድርን ኹሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዚግብኣኹም᎒

    "ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚአብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግብኣኩም። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰማይ ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፥ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር እያ። ንሕና ግና፥ ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓዱሽ ሰማይን ሓዱሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። ስለዚ ከኣ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘለኩም ኮይንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ። እቲ ጐይታና ንኸድኅነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ» ኣሜን 2ጴጥ3፥1-15።

  ነስተውዕል ቅዱስ ጴጥሮስ "ተስፋ ምጽኣቱ ደንጉያ ዘይኮነስ ንሕና ንንስሓ ስለ ዝደንጎና እዩ" እዩ ዝብለና ዘሎ። ጐይታ ከኣ ናትና ጥፍኣት ዚፈቱ ኣምላኽ ስለ ዘይኮነ ንንስሓ ትዕግሥቱን ኣባታዊ ኃልየቱን ዘርእየና ምህላው የነጽረልና ኣሎ። እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ክነብር ከም ዝግባኣና ድማ ከምዚ እንሰምዖ ብግልጺ  ነጊሩና እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ብጾም፥ ጸሎት፥ ስግዳን፥ ምጽዋት ብሠናይ ዘበለ ኹሉ ተግባራት ተጸሚድና፥ ብሓፈሻ እምነትን ግብርን ከም ነፍስን ሥጋን፥ ከም ሓውን ሓጺንን ኣዋሃሂድና ብምሓዝ ከምተ ኃሙሽተ ለባማት ድናግል ምስ መብራህትና ነቒሕና ምእንቲ ክንጸንሖ እዩ። ጐይታ ከሉ ግዜ÷ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ተጠንቀቑ፥ ኣስተውዕሉ፥እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ፥ ንቕሑ፥ ተዳለው……ወዘተረፈ ዝብሉ ናይ ኣጽንዖ ቃል መልእኽቲ ዘለዎም ደጋጊሙ ክጠቕሶም እንሰምዖ ምእንትዚ እዩ።ስለዚ ንሕና ኩሉ ግዜ ነቒሕና ድልዋት ኮይና ክንርከብ ቀንዲ መልእኽቲ ናይዛ ዕለት እዩ።

« ካልእ ጐይታ ናይ ኅልቀት ዓለምን ምልክተቱን ከምኡ ድማ ተስፋ ምጽኣቱን በቲ ሽዑን ቅድሚኡን ዝኸውን  ዘርዚሩ ድኅሪ ምንጋር ኣብ መወዳእታ" እቲ በብግዜኡ ምግቦም ኪህቦም ኢሉ ጐይትኡ ኣብ ልዕሊ ሥድራ ቤቱ  ዝሸሞ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ᎒ ዝበሎ ቃል እዩ። ማቴ.24፥45-51። እዚ ኣብ " ገብር ኄር" እኳ ብመጠኑ ዝጥቀስ እንተኾነ፥ ኩላትና ክንምልሶ ዘሎና ንኹላትና ዝምልከት ሕቶ ስለ ዝኾነ ግን መልሱ  ካብ ነፍስ ወከፍና ይኸውን።
  
ትርጉሙ÷"
     እዚ ኣገልጋሊ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ሰብ ጸጋ ሃብታማት ምሳሌ እዩ። እቶም ሥድራ ቤት ተባሂሎም ዘለው ከኣ ናይ ድኻታት ምሳሌ እዮም። እቲ ጐይታ ኢሉዎ ዘሎ ድማ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ከኣ ጐይታ ንሰባት ምድራዊ ሃብቲ ዚህቦም ኣብ ልዕሊ ድኻታት ምሻሙ  ዘርኢ እዩ። ስለዚ ጐይታ ንስኻትኩም ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ክመጽእ እዩ እሞ" እቲ ጠምየ ክብልዎ እናኣብልዐ፥ ጸሚአ ክብልዎ እናኣስተየ፥ ዓሪቐ ክብልዎ እናኸደነ …በብግዜኡ ምግቦም ክህቦምን ክሕብሕቦምን ኢለ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤተይ (ድኻታት) ዝሸምኩዎ እሞ ነቒሑ ነዚ ክፍጽሞ ዝረኽቦ እሙንን ለባምን ኣገልጋሊ መን እዩ᎒ ንምባሉ ዘርኢ እዩ። ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ከም ዘሎና ኣብ ምጽኣቱ እንታይ ኢሉ ብምሕታት ፍርዱ ከም ዝህብ ንዘክር። መልሱ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ዝምለስ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍና ሕጂ ክንምልሶ ዝግብኣና ቃል እዩ። ምናልባት ሃብታማት ይብል ስለዘሎ ገለ ኣነ ሃብታም ኣይኮንኩን ዝብል ሓሳባት ይመጸና እሞ ነዚ ሕቶ ከም ዘይምልከተና ጎሲናዮ ክንሓልፍ ንኽእል ንኸውን፥ግን ቅዱስ መጽሓፍና ብኽልተ ሳንቲም’ውን እዩ ጸዊዕና። ስለዚ ምኽንያት ከነቕርብ ንኽእል ኢና ግናኸ ዘይጠቅምን ፍረ ዘይርከቦን እዩ።

ካልእ’ውን፥
           "እቲ በብግዚኡ ኪምህሮምን ንስሓን ቁርባንን ኪህቦምን ኢሉ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝሸሞ እሞ ብእኡ ነቒሑ ክፍጽሞ ዝጸንሖ እሙንን ለባምን ካህን መምህረ ንስሓ መን እዩ᎒ ንምባሉ ዘርኢ እዩ። ሕጂውን መልሱ ናባኹም። ዝምለስ ከኣ ሕጂ እምበር በታ ሰዓት እቲኣ ኣይኮነን። 

      ምናልባት ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ገለ ወገና «ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥  ብዘይካ ኣቦ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወልድ ኾነ፥ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን።» ስለ ዝበለ "ሎቱ ስብሐት" ክርስቶስ ኩሉ ኣይፈልጥ ኢሎም ዚከራኸሩ ኣይተሳእኑን። ግን ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተነግረና ካብ በዘፈቀደ ኣፍካ ከፊትካ ምዝራብ፥ እትብሎ ምእንቲ ክትፈልጥ ኣፍልጦውን ክትረክብንሲ መጀመርታ ልብኻ ኸፊትካ፥ ኣእምሮኻ ኣዳሊኻ፥ እዝንኻ ጸሊኻ ብቅኑዕ ሕልና ምንባብን ምስማዕን፥ ኣንቢብካ ሰሚዕኻ ከኣ ብልቢ ምስትውዓል የድሊ። ከምዚ እንተ ደኣ ገይርካ ንስሕተት ኮነ ሓደጋ ኣይትቃላዕን። ምርድኡ ዝሰኣንካዮ ከኣ ምሕታትን ጸሎት ምግባርን። ካብዚ ዘሊልካ ናይ ባዕልኻ መደምደምታ ምሃብ ግን መወዳእታኻ " ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፥ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ" ከም ዝተባህለ ምሳ.14፥12,ምሳ16፥25። ንስኻ’ውን ዕጫኻ እዚ እዩ ዝኸውን። ኣታ" ወልድ "ተባሂሉ ዘሎ ክርስቶስ እዩ ትብል ዘሎኻ፣ ወልድ ስለ ዝበለ ዲኻ᎒ ወይስ እቲ መጺኡ ዝነበረ ዳግም ተመሊሱ ድማ ንኅያዋንን ምዉታንን ክፈርድ ዝመጽእ፥ ቅድሚ ምምጽኡ ስለ ዝፍጸም ነገራት ኩሉ ፈሊጡ እውን ኣቐዲሙ ዝነገረስ፥ ስለ'ታ ሰዓት እቲኣ ኣይፈልጥን እዩ ኢልካ ስለ ዝኣመንካ ኢኻ᎒ "ወልድ"ስለ ዝበለ እንተ ኾይኑ ኣዳም’ውን ወልድ ተባሂሉ እዩ። ሉቃ3፥38፥ ኣይፈልጥን ዝብል እምነት እንተሎኻ ከኣ፥ ስለ እምነትካ ዘይኮነ ስለ ሓቁ ብዝተጻሕፈ እቶም ኣብ ዝወዓሎ ዝወዓሉ፥ ኣብ ዝሓደሮውን ዝሓደሩ፥ንትምህርቱ ብኣእዛኖም ሰሚዖም፥ ኣምላኻዊ ተኣምራቱ ከኣ ብኣዕይንቶም ርእዮም መንነቱ  ብጽጹይ (ፈልዮም) ፈሊጦም  ደቀ መዛሙርቱ ዝመስከርዎ ሓቂ ክንነግረካ።
    *እቶም ደቀ መዛሙርቱ ከኣ÷
"ኩሉ ከም እትፈልጥ ሓደ እኳ ኺሓተካውን ከም ዘየድልየካ ሕጂ ፈለጥና።" ዮሓ.16፥29-30፥

«ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሠዊሩ ዘሎ።» ቆላ.2፥3፥

ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ሓሳባት ኩሉ ከም ዝፈልጥ ድማ እንሆ ከምዚ ተነጊሩ ኣሎ÷
     " ነቲ ኢየሱስ …ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ  ብዙኃት ሰባት ብእኡ ኣመኑ። ኢየሱስ ግና ንኹሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ማለት ኣብ ተኣምራት ዝተመሥረተት ግዝያዊ እምነት ዝገበሩ እምበር ባህርየ ኣምላኽነቱ ፈሊጦም ዝኣመንዎ ከም ዘይኮኑ ይፈልጦም ነበረ እሞ፣ ኣይኣመኖምን (ብተኣምራት ዝኣምን ብተኣምራት ከኣ ይጠፍእ፡ ይብሉ ሊቃውንት) ከመይሲ ተኣምራት ንዘለካ እምነት ዘጽንዕ እምበር መሠረታዊ ናይ እምነት ሚዛን ስለዘይኮነ፣ ማር.16፥20። ቀጺሉ እቲ ቃል" ነቲ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ኸኣ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን ነበረ።"ይብል። ዮሓ.2፥23-25።

በል ሓዝ! ኩሉ ዝፈልጥ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ በሎ፥መዝገብ (ምንጪ) ፍልጠት’ውን ኣብኡ ካብ ኮነ፥ ልብን ኮላሊትን ዝምርምርን ዝፈልጥን ከኣ ሓደ እግዚአብሔር ምዃኑ ካብ ኣመንካ 1ተሰ2፥4፥ እዚ ድማ ኣብ ክርስቶስ ካብ ሃለወ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ነታ ባዕሉ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይፈልጣን እዩ ትብል ኣሎኻ᎒ "ብዘይካ ኣቦ በይኑ" ስለ ዝበለዶ ትኸውን᎒ "ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና" ዮሓ.10፥30። " እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኹሉ ናተይ እዩ።" ዮሓ.16፥15። ዚብሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ከኣ  ኣለው እዮም። ከም ኣባሃላኻ " ኣቦ ዝፈልጦ ወልድ ዘይፈልጦ ወይውን ወልድ ዘይፈልጦ ኣቦ ግን ዝፈልጦ እናሃለወ" ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና ወይ’ውን እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኹሉ ናተይ እዩ። " ምባል ትርጉም ዝህብዶ ይመስለካ᎒ መረዳእታኻ ካበይ እዩ᎒ እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ኹሉ ናተይ እዩ ምባሉ፥ እቲ ፍልጠት ናይ ኣቦ ናይ ወልድ ፍልጠት’ውን ምዃኑ ዘረድእ ምዃኑ ግልጺ እዩ። ነዚ’ውን ክትርድኦ ዘይምኽኣልካ ቃል ጥራሕ ፈሊኻ ብትርጉም ክትርእዮ ስለዘይፈተካ እዩ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ዓይነ ልቦናኻ ይኽፈተልካ። ብዙኅ ክትፈልጦ ዝግብኣካ ዝተረፈ ዘይተረዳእካዮ ነገር ከም ዘሎ፥ ኣብ ስሕተትውን ምህላውካ ኣስተውዕል እሞ መገድኻ ኣቕንዕ።

ነዚ ቃል ዝመስል ኃያሎ ስለ ዘሎ ንኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ካብዚ ጥቕሲ ተላዒልና ብዝሓጸረ መልክዑ ብሠለስተ መገዲ ንመልከቶ÷

  † መጀመርታ÷
      «ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ ብዘይካ ኣቦ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወልድ ኾነ፥ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን።» ማለት ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ብጀካ ሓደ እግዚአብሔር ባዕሉ ካብ ፍጡር ወገን ክፈልጣ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ዝገልጽ መልእኽቲ እዩ ዘሎዎ። ምኽንያቱ እዚ ናቱ መደብ ጥራይ ስለ ዝኾነ። ግ.ሓዋ.1፥7። ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብባህሪዩ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ዮሓ.1፥1-3,ፍሊ.2፥6። ስለዚ " ወልድ "ተባሂሉ ዘሎ ንኣዳምን ዘርኡን ዘመልክት እዩ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ነዚ ከኣ ልዕሊኡን ትሕቲኡን ዘሎ ንባባት ርኢና ክንርድኦ እንኽእል ሓቂ እዩ። ብፍላይ «ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ ብዘይካ ኣቦ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወልድ ኾነ፥ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን » ድኅሪ ምባሉ፥ ብኣብነት ነቲ ብዘመነ ኖኅ ዝኾነ ኣምጺኡ፥ ብናይቶም በቲ ግዜ ዝነበሩ ሰባት እናናጻጸረ ምግላጹ ዝያዳ ፥እቲ "ወልድ ኾነ" ዝብል ቃል ንዓና ንደቂ ሰባት ዝተነግረ ወይውን ዘመልክት ምዃኑ ንጹር ይገብሮ። ማቴ.24፥36-39።

† ካልኣይ÷
            ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ " ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባሕርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እምበር ኅቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን።" ከም ዝበሎ ሃይ.ኣበው ዘቅዱስ ቄርሎስ. 75፥3,79፥32። ባሕርየ ኣምላኽነቱን ነገረ ተዋህዶቱን ንምርዳእን እዩ። ከመይ እንተተባህለ፥

ክርስቶስ ኣቐዲሙ "ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ᎒" ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሓቲትዎም ከም ዝነበረ። ማቴ.16፥13። ዓለም መንነቱ ብዝግባእ ትፈልጥ ኣይነበረትን እሞ፥ ሕጂ ከኣ ናይ ኅልቀት ዓለምን ምልክታቱን፥ ናይ ምጽኣቱን ምልክታቱን ከይኮነ ኣቐዲሙ ካብ መጀመርታ ክሳዕ ዕለቱ ዘርዚሩ ይነግሮም ብምህላው፥ " ኣነ ኣቐዲመ ነዚ ኹሉ ይነግረኩም ኣለኹ" እቲ ቅድሚ ትሥብእት ኩሉ ዘይፈልጥ ዝነበረ ለቢሰዮ ዘለኹ ሥጋ ብተዋህዶ ምስ ባሕርየ መለኮተይ ሓደ እንተዝይገብሮ፥ ከምቲ ሰባት ዝምልከቱኒ ተራ ሰብ (ዕሩቅ ብእሲ) እንተ ዝኸውን ነዚ ከመይ ጌረ ፈሊጠ ይነግረኩም ኣለኹ᎒ መላእኽቲ ኾኑ ወዲ ሰብ (ኣዳም) ነዚ ነገር ክፈልጡ ኣይተዋህበን ንምባል እዩ። እዚ ከኣ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ እቲ ቃል ዝያዳ ባሕርየ ኣምላኽነቱ ዘጉልሕ እምበር ዘይምፍላጡ ዘርኢ ኣይኮነን ።

† ሣልሳይ÷
      "ብዘይካ ኣቦ በይኑ" ከም ዝበሎ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ብአብ ልብነት ደኣ ተሓሲባ ኣላ እምበር ብወልድ ቃልነት ኣይወጸትን ንምባል እዩ። እዚ ከኣ ምሥጢረ ሥላሴ ክንምሃር ይዕድም። እዚኸ ከመይ እዩ እንተበሉ፥ ሥላሴ ሠለስትነት፥ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ማለት እዩ። ብስም፥ ብኣካል፥ ብግብሪ ሠለስተ፥ ብሥልጣን ብፍቓድ ብባሕርይ  ብህልውና ብመለኮት ድማ ሓደ እዮም። ሓደ እናሃለው ሠለስተ፥ ሠለስተ እናሃለው ሓደ እዮም። ብኣካል ሠለስተ ይኾኑ ብመለኮት ግና ሓደ ይኾኑ። " ከም ዝበሉ (ሠለስቱ ምእት ኣበው ሊቃውንት)። ሓድነቶም ንሠለስትነቶም ከይጠቕለሎ፥ ሠለስትነቶም ድማ ንሓድነቶም ከይፈለዮ ብሓድነትን ሠለስትነት ጸኒዖም ዝነብሩ ማለት እዩ። ብአብ ልብነት ይሓስቡ፥ ብወልድ ቃልነት ይዛረቡ፥ ብመንፈስ ቅዱስ እስትንፋስነት ከኣ የተንፍሱን ህያዋን ኮይኖም ይነብሩን። ናይ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ልቦም አብ እዩ፥ ናይ ባዕሉ ከኣ ባዕሉ እዩ። ናይ አብን መንፈስ ቅዱስን ቃሎም ወልድ እዩ፥ ናይ ባዕሉ ድማ ባዕሉ እዩ። ናይ አብን ወልድን እስትንፋሶም መንፈስ ቅዱስ እዩ ናይ ባዕሉ ከኣ ባዕሉ እዩ። ስለዚ ነዚ እንተ ደኣ ተረዲእና ቃሉ ግልጺ ክኾነልና እዩ።
ሰብ ለባዊት (ፍልጠት)፥ ነባቢት(ቃል)፥ ህያዊት(እስትንፋስ)
ዝበሃሉ ሠለስተ ባህርያት ዘለዋ ነፍስ ዘለዎ ፍጡር እዩ። በዚ ከኣ ሥላሴ "ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር ኢሎም ከም ዝፈጠርዎ፥ ንኣምላኹ ይመስል። ዘፍ.1፥26-27። ነገሩ ርዱእ ንምግባር ናብ ኣርእስትና ንመለስ እሞ፥ "ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ብልቡ ፈሊጥዎ ብቃሉ ግን እንተ ዘየውጽኦ፥ በዚ " ነገሩ ኣይፈለጦን ኣሎ’ዶ ክበሃል ይክኣል እዩ᎒ ያእ፣ ኣይፋሉ ኣይበሃልን። ሰባትከ ነቲ ንሱ ዝፈልጦ ኣብ ልቡ ዘሎ ክፈልጥዎ’ዶ ይኽእሉ᎒ ያእ፣ ኣይፋሉ ክፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ከምቲ ሓደ ሰብ ንሓሳባት ገዛእ ርእሱ ዝፈልጦ ካልኦት ሰባት ግና ክፈልጦ ዝኽእል ዘየልቦ «ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ግና፥ ብዘይካ ኣቦ በይኑ፥ ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኾኑ ወልድ ኾነ፥ ሓደ እኳ ዚፈልጣ የልቦን። » ዝበሎ ከኣ " ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን መላእኽቲ ኮነ ሰባት ካብ ፍጡር ወገን ክፈልጣ ዝኽእል የልቦን ይብል ምህላው ተረዳእ። እቲ ሰብ እቲ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ብቃሉ ስለዘየውጽኦ ኣይፈልጦን ከም ዘይበሃል ከኣ፥ "ብአብ ልብነት ደኣ ተሓሲባ ኣላ እምበር ብወልድ ቃልነት ኣይወጸትን ንዝበሎ ድማ ነታ መዓልቲ እቲኣን ነታ ሰዓት እቲኣን ወልድ ኣይፈልጣን ማለት ከም ዘይኮነ ፍለጥ።

      እምበኣርከስ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። ማቴ.24፥42።

 አምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቕሓቱን ኃይሊ ጸጋኡን ይሃበና ።በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ፣ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.