ደብረ ዘይት 2ይ ክፋል ዝቀጸለ

* ናይ ምጽኣቱን ኅልቀት ዓለምን ነገርከ ከመይ እዩ᎒ ምልክታቱስ᎒

   ትምህርቱ ሰፊሕ፥ ምሥጢሩውን ዓሚቕ እዩ። ነገር ግን ዓቕምና ዝፈቕዶ፥ንሱ ብዝረድኣና መጠን ካብቲ ባዕሉ ዝነገረና እናወሰድና ንመረዳእታ ዝኣክል ጥራይ ገለ ክንጠቅስ።

   ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ-ዘይቲ ተቐሚጡ እንከሎ፥ ብዛዕባ ምፍራስ ናይ ቤተ መቕደስ ንሓዋርያት ምስ ነገሮም፥ እቶም ሓዋርያቱ ከኣ ብሕት ኢሎም፥ "እዚ መኣዝ እዩ ዝኸውን᎒" ኢሎም ድሕሪ ምሕታት ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ"᎒፥" ናይ ምምጻእካን ናይ ኅልቀት ዓለምን’ከ ምልክቱ እንታይ እዩ᎒ እስከ ንገረና እናበሉ ናብኡ ቀረቡ። ማቴ.24፥1-3።

ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብዚ ፍቕዲ ቀጺሉ ዘሎ ኩሉ ዘርዚሩ ነገሮም። መጀመርታ ግን « ሓደ እካ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ።ኣነ ክርስቶስ እየ። እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም፥ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም። »ብምባል ፈለሞ። ማቴ.24፥4-5። ቅድሚ ሕጂ ኣነ ክርስቶስ እየ ኢሎም ብስሙ ዝተላዕሉ ብዙሓት እዮም። ብሕጂ’ውን ገና ክለዓሉ እዮም። ንብዙሓት ኣሒቶም፥ ከስሕቱውን እዮም። ግን እቶም ዝቐደሙ ሓሰውቲ ብምንባሮም ከምዝጠፍኡ እቶም ብሕጂ ንስሙን ንቅዱስ ወንጌሉን ሽፋን ተጠቒሞም ብምትንሣእ ዘደናግሩውን ምፍጣሮምም ዘይተርፍ እዩ። ምስዚ እዞም እምነት ኮነ ብቕዓት ከይሃለዎም፥ "ኢየሱስ ብሕልሚ ተራእዩኒ፥ብራእይ ተገሊጹለይ……ዝብሉ ሓሰውቲ ብሓሶት ከኣ ንሰብነቶም ዘርክሱ፥ነቶም "ኣነ ክርስቶስ እየ"ኢሎም ዝትንሥኡ ጸረግቲ መንገድን ብናይቲ ሓሳዊ መሲሕ መንፈስ ዝዓዩን ልኡኻቱ ምዃኖም ክንፈልጦ ይግብኣና።ነዚ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ «ብትንቢት ኮነ ብወረ፥ ወይ ካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል፥ " መዓልቲ ጐይታ መጺኣ እያ። "ብምባል ብቐሊሉ ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን። ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ፥ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ ማለት እቲ " ኣነ ክርስቶስ እየ። " ዝብል ሓሳዊ መሲሕ፥ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ፥ ከይተገልጸ፥ መዓልቲ ጐይታ ኣይትመጽእን እያ እሞ፥ሓደ እኳ ብገለ ነገር ኣየስሕትኩም። »ክብል ብንጹር ገሊጽዎ እዩ። 2ተሰ.2፥1-3። ቅድሚ ምጽኣቱ ካብ ዝፍጸሙ ምልክታት ሓደ እዚ እዩ። መጀመርታ ዝትንስኡ እቶም  መጽሓፍ ቅዱስ«ውሽጦ ዝምንጥሉ ተኻሉ፥ናይ ሞት ደብዳቤ ዝሓዙ ኣባጊዕ መሲሎም ማለት ብሓሶት ስም ክርስቶስ እናጸውዑ፥ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበለና ከኣ ካብ ሓዋርያት ዝተቐበልዋ መልእኽቲ ዝሓዙ ብምምሳል ብናይ ወንጌል ጉልባብነት ቃል መጽሓፍ እናጠቐሱ ክመጽኡ እዮም»ኢልዎም ዘሎ ከሓድትን መናፍቓንን እዮም(ማቴ7፥15-22)። ብናቶም ናይ ስሕተት መንገዲ ኣቢሉ ከኣ፥እቲ "ኣነ ክርስቶስ እየ" ዝብል ሕጊ ዘይብሉ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ማለት እቲ ሓሳዊ መሲሕ ክመጽእ እዩ። እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ድማ " ሎቱ ስብሐት ክርስቶስ ክመጽእ እዩ።እዚ ናይ ስሕተት መንፈስ ብብዙሕ ሜላ ዓይነቱ እናቐያየረ ድሮ ንዓለም ተቓጻጺሩዋ ይርከብ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ነዚ ኣመልኪቱ "ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ዝእመን ዘበለ ኩሉ መንፈስ፥  ካብ ኣምላኽ እዩ። "ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ኩሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ከኣ እቲ ከም ዚመእጽ ሰሚዕኩምዎ ዘለኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ"ኢሉ ኣሎ። 1ዮሓ.4፥1-3። እዞም ኣብ ዘመና ክርስትያን ኢና እናበሉ ዝሽቅጡ ዘለው ዝተፈላለዩ ትካላት፥ ካብ ፕሮቴስታንት ጀሚርካ ንዕኦም ዝመስሉ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከምዝመጸ ኣይኣምኑን እዮም።

   ከመይ᎒ ሰብ ከምዝኾነ ደኣ ይኣምኑ’ዶ ኣይኮኑን ከም እትብሉ ኣይንስሕቶን። እዚን ነዚ ዝመስልን ብዙሕ ዝተፈላለየ ረቂቕ ናይ ስሕተት ስልትን ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎን ትምህርቲ ክሳዕ ሕጂ ንብዙሓት ንጹሃን ምእመናን የዳናግርን ኣደናጊሩን እዩ። ግን" ከመይ ዝብል ለባም" ይብሉ ወለዲ፥ ከመይ ናብ ዝብል ሕቶ ንእቶ÷

ፕሮቴስታንት ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኣድኂኑና ኢሎም ይምህሩ እዮም። እቲ ዝለበሶ ሥጋ ማለት ሰብ ምዃኑ ካብታ ዘርኢ ኣዳም ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝኾነ ግን ኣይኣምኑን። ከመይ ኢሉ ደኣ ሰብ ኮነ ኢልካ ምስ ትሓቶም ከኣ "ካልእ ሥጋ ባዕዲ ኣብ ማህጸና ፈጢሩ" ይብሉ። ገሊኦም ከኣ ካብ ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ምባል ከቢድዎም፥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሩይ ፊደል ጎሊሑ ተጻሒፉ፥ ብቅዱሳን ነብያት ኮነ ብቅዱሳን ሓዋርያትውን ተነጊሩ፥ ተሰቢኹ እናሃለወ "ሰብ ምዃኑ እምበር ዝለበሶ ሥጋ ካበይ ኣምጺእዎስ ኣይንፈልጥን ኢና። "ይብሉ።
    
   ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስትያና ግን ንዝተዋህበ ተስፋ፥ ብዝተኣትወ ቃል ኪዳን ቅዱሳን ነብያት ዝተነበይዎ ቃል፥ ቅዱሳን መላእኽቲ ዘበሰርዎ ሓቂ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝሰበኽዎ ትምህርቲ መሠረት ጌራ " ክርስቶስ ሰብ ምዃኑ"ዘርኢ ኣዳም ወገን ዳዊት ካብ ዝኾነት ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ደኣ እምበር ካልእ ፈጢሩ ወይ ካብ ባዕዲ እዩ ኢላ ኣይትኣምንን። መረዳእታኡ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉዩን ሓዲሽን ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።
 እስከ በሉ ቁምነገሩ ንምሓዝ ነስተውዕል፥
ሰብ ምዃኑ ካብ መላእኽቲ እዩ ከይብሉ፥ መላእኽቲ ረቂቓን ግዝፊ ሥጋ ዘይብሎም መናፍስትን እዮም። እብ.1፥14። ወዲ ሰብ ተባሂሉ’ውን ኣይምተጸውዐን። ሰብ ምኻኑ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እምበር ካብ መላእኽቲ ከምዘይኮነ’ውን ብንጹር ተነጊሩ እዩ። እብ.2፥16።

ካልእ ሥጋ እዩ ፈጢሩ ዝብልዎ ድማ ምስ ናይ ሥነ ፍጥረት ትምህርቲ ብሓፈሻ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃዶ ስሕተት ትምህርቲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፥ እግዚኣብሔር ንሱ ፈቒዱ ነቲ ክፈጥሮ ዝመደቦ በተን ሽዱሽተ መዓልታት ምስ ወድአ በታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ግና ፈጺሙ ኣዕሪፉ እዩ ዝብል። ከምቲ ዝብልዎ ኣብ ማህጸን ድንግል ካልእ ፈጢሩ  ማለት ግን ሓደጋ እዩ። መሠረትውን የብሉን።ንምዃኑ ብጀካ ኣዳምን ዘርኡን ሰብ ዝበሃል ካልእ ኣካልዶ ኣሎ እዩ᎒ እዞም ሰባት ነቲ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ « እቲ ዝቕድስን፥ እቶም ዝቕደሱን ካብ ሓደ መበቆል እዮም። »ዝበሎ እብ.2፥11-12። ጽኑዕ ቃል ሓቂ ብምንታይ ስለዝርድእዎ እዮም᎒ እስከ እንታይ ማለት እዩ ኢልናንሕተቶም። ክርስቶስ ንኣዳምን ዘርኡን ከድኅን ቅድስና ከልብሶም ሰብ ዝኾነ፥ሰብ ኮይኑ’ውን ክቡር ደሙ ዘፍሰሰልና ቅዱስ ሥጋኡ ዝቖረሰልና፥ ንሱ ማለት እቲ ዝፈሰሰልና ክቡር ደሙ፥ ዝተቖርሰልናውን ቅዱስ ሥጋኡ፥ እቲ ካብ ባህሪ ኣዳም ወሲዱ ዝተዋሃሃዶ ምዃኑ ዘመልክት’ዶ ኣይኮነን᎒

ስለዚ እዞም ወገናት እዚኣቶም ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ኣይኣምኑን እዮም ማለትና ምእንትዚ እዩ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ሰብ ኮይኑ’ውን ዘድኃነና ካብታ ዘርኢ ኣዳም  ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃኑ፥ ንሳቶም ድማ ነዚ ስለ ዘይቅበልዎ እዩ። ካብ ኣዳም ወጻኢ ሰብ ንብሎ ኣካል ድማ ፈጺሙ የልቦን። ስለዚ እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ "ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ዝእመን ዘበለ ኩሉ መንፈስ፥ ካብ ኣምላኽ እዩ። " ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ከም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ኩሉ መንፈስ ግና፥ ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። እዚ ከኣ እቲ ከም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘለኹም ናይ ፀረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ። ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ።" ኢልዎ ዘሎ ቃል ነዚ ዘነጽር ሓቂ እዩ።1ዮሓ.4፥1-3።
    
     እዚ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ካብታ ዘርኢ ኣዳም ወገን ዳዊት ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣይኮነን ዝብል ጌጋ ናይ ስሕተት ትምህርቲ፥ እቲ ምስቲ ሓሳዊ መሲሕ ዘተኣሳስሮ ስውር ኣጀንድኡ ወይውን ንዕኡ መንገዲ ዝኸፍተሉ(ዝጸርግ) እዩ ዘብሎ ነገር ከኣ÷
     እዞም ድሮ መጺኦም እንርእዮን እንሰምዖምን ዘሎና፥ "ክርስቶስ ናይ ባዕሉ ሥጋ ኣምጺኡ ደኣ ሰብ ኮይኑ እምበር ሰብ ዝኾነ ካብታ ዘርኢ ኣዳም  ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝኾነ ኣይቅበሉን እዮም። ድንግል ከም እትወልድ ግን ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኣሎ።ንሕና እዚ ቃል ትንቢት እዚ ተፈጺሙ እዩ ኢልና ንኣምን። ተፈጺሙ ስለ ዝኾነ። ገለ ግን ገና ብሕጂ ከምዝፍጸም ክሳዕ ሕጂ ትንቢታዊ ከም ዘሎ ጌሮም ዝቕበሉዎ እዮም። ስለዚ እዞም ድሮ መጺኦም ዘለው ነቲ ዘይቅበልዎ «ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ካብታ ዘርኢ ኣዳም  ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ»ዝብል ንጹህ ትምህርቲ ገዲፎም ፣በቲ ካብ መን ብኸመይ ብዘየገድስ "ሰብኮይኑ እዩ"ዝብል ደጋዊ ትምህርቶም ንብዙሓት ከታልሉ እንከለው፥
እቲ ሓሳዊ መሲሕ ማለት"ኣነ ክርስቶስ እየ እናበለ ዝመጽእ ከኣ ስለይ ዝተነግረ ቃል ትንቢት ክፍጸም ኣለዎ ብምባል"እቲ ድንግል ክትወልድ እያ። " ዝብል ቃል ትንቢት፥ ኣቐዲሙ ከምዘይተፈጸመ ኣምሲሉ ስለዝኾነ፥በቲ ክብሪ ድንግል ማርያም ዝቕንሱ ዘለው መሲልዎም " ካብኣ ሰብ ኣይኮነን ዝብልዎ ድማ ንሱ እቲ ሓሳዊ መሲሕ፥"ካብ ሓንቲ ድንግል እየ በሃሊት፥እስራኤላዊት ጎርዞ ተወሊዱ ንኽብል መጣጥሒ ግጉይ መንገዲ ዝፈጥር እዩ።

እዚ ናይ ስሕተት ትምህርቶም ከምዚ እንርእዮ ኣዝዩ ረቂቕን ብዝግባእ ምስትውዓል ዘድልዮን እዩ።ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ጐይታ ቅድሚ ኩሉ ነገር "ሓደ እካ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ " ክብል ዝፈለሞ። ስለዚ በዚ እዋን ናይ ስሕተት መናፍስቲ ንጹሃን ሰባት ንምጥፋእ መልክዖም እናቀያየሩ ይዓይሉ ኣብ ዘለውሉ ንሕና እቲ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንምርምርን ክንጥንቀቕን ይግባእ።
ጐይታ ድሕሪ’ዚ÷ ሰባት ሰላም፥ ቅሳነት ተሓሪምዎም፥ኣእዛኖም ኣብ ክንድ ጥዑም፣ ሕማቕ፥  ዘውትር ዘየቋርጽ ውግእን ወረ ውግእን ከም ዝሰምዓ፥ ዓይኖም’ውን ክፉእ ከም ዝርእያ፥
ናይ ሓደ ሃገር ሕዝብን መንግሥትን ኣብ ልዕሊ ናይ ካልእ  ሕዝብን መንግሥትን ብኃይሉ ዓሚጹ ጣልቃ ከም ዝኣቱን ንጎበጣ ከም ዝለዓልን፥ ስደት ከም ዝበዝሕ፥ ኣብ ምሉእ ኩርናዓት ዓለም ከኣ ናይ ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከም ዝኸውን ገለጸ። ኣስዒቡ ድማ ሽዑ ሰባት ብጥልመት ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ከም ዝወሃሃቡን ንሹመትን ረብሓን ኢሎምውን ጽልእን ባእስን ከም ዝፈጥሩን ከም ቃየል ድማ ብጭከና ሓው ንሓው ከም ዝቐታተሉን ተዛረበ። እዚ ነቶም ናይ እግዚአብሔር ሰባት መሲሎም ንነፍሲ ንጹሃን ምእመናን ኣታሊሎም ብምንፍቕናን ኽሕደትን ዝቐትሉ ሓሰውቲ መምህራን’ውን ዘመልክት እዩ። ማቴ.24፥6-11።

«ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ከኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ።» ማቴ.24፥12።

3ይ ክፋል ይቕጽል ………………………

                     አምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ፣ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.