ደብረ ዘይት

    

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት።

ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ

ወአምላክነሂ ኢያረምም

እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ። መዝ.49-3

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን

ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ

ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።

መዝ.50፣3።

ወንጌል ማቴ.24፣1-36፣     ግ.ሓ.24፣1-22    1ይተሰ.4፣13     2ይጴጥ.3፣7-15።

ቅዳሴ አትናቴዎስ

ሓሙሻይ  ሰሙን ጾም /ዓቢይ ጾም/ ጾመ እግዚእ

  ደብረ ዘይት ብቛንቋ ዕብራይስጥ ሃር ዘይቶን ዝበሃል ናይ ዘይቲ ጎቦ/እምባ ማለት እዩ። እዚ እምባ ካብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ኣስታት ሓደ ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ፡ ናይ ኣውሊዕ ገረብ ዝርከበሉ እምባ እዩ (ሕዝ 11፡23 ፡ ግብ. ሓዋ. 1፡12) ። ደብረ ዘይት ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ኻብ ኣውሊዕ ዘይቲ ስለዝርከብ፤ ኣብቲ እምባ ድማ ኣውሊዕ ስለዘሎ እዩ። ኣብዚ ቦታ ከምቲ ኣብ ትንቢተ ዘካርያስ ፲፬፡፩-፬/14፡1-4 ዝነግሮ “እግዚአብሔር ኣብ ፍርዲ ዝቕመጠሉ መዓልቲ ክመጽእ እዩ። … በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዘሎ ደብረ ዘይት ክቐውም እዩ” ከም ዝብል ኣይሁድ ብጥበቦም ከምቲ ከሓዲ ዝኾነ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ መንግሥቲ ኣምላኽ ያኢ ብመስርዕ ሪጋ ዝእቶ መሲልዎም ኣብ ደብረ ዘይቲ ይቕበሩ። ኣብኡ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ናይቲ እምባ ናብ ኢየሩሳሌም ገጹ መቓብሮም ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ እምባ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ክሳዱ ዘዕረፈትሉ፡ ጐይታ ዝዓረገሉ፣ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ አቡነ ዘበሰማያት ዝመሃረሉ እዩ፥ ንቑልቑል ገጹ ድማ ናይቶም ሠለስተ ናይ መወዳእታ ነቢያተ ኦሪት ዝኾኑ ናይ ነቢይ ሓጌ (520 ዓመተ ዓለም ዝነበረ)፣ ዘካርያስን፣ ሚልክያስን (ማእከል 470-440 ዓመተ ዓለም ዝነበረ)፣ ዝተቐብሩሉ ቦታ፣ ጐይታ ንኢየሩሳሌም ዘሰመዓላን ዘልቀሰላን (ሉቃ ፲፱፡፵፩/19፡41)፡ ቀጺሉ ድማ ብናይ ግሪኻውያን ናይ ማርያም መግደላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሓንፀ ኣሎ። እዚ ዅሉ ዝተጠቕሰ ቅዱስ ሥፍራ፡ ብግሪኻውያንን ብሮማውያንን ቤተክርስቲያን ዝተሓንፆ ገሊኡ ድማ ብመሓመዳውያን ዝተታኅዘ ቦታ እዩ።

ጐይታ ኣብዚ እምባ ኣብ ጊዜ ቀትሪ ኢየሩሳሌም እናመሃረ ውዒሉ ምስ መሰየ ናብ ደብረ ዘይቲ ከይዱ ይኃድር ከም ዘነብረ ተጠቒሱ ኣሎ፡ “ኢየሱስ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር፡ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይት ዚበሃል እምባ ደይቡ ይኃድር ነበረ” ይብል (ሉቃ ፳፩፡፴፯/21፡37 ፡ ዮሓ 8፡1)። እዚ ቦታ ቅዱስ እምባ ምዃኑ ጐይታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብኪደተ እግሩ ምምልላሱ ከም መረጋገጺ እዩ። ኣይኮንነዶ ጐይታ ብዙኅ ጊዜ ዝተመላለሰሉ፡ ሓንሳዕ እኳ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝረገጾ ቦታ ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣብቲ ቅዱስ እምባ ምስኡ ኸሎና” ኢሉ ደብረ ታቦር ‘ቅዱስ’ እምባ ምዃኑ ገሊጹ እዩ (፪/2 ጴጥ ፩፡፲፰/1፡18) ። እምበኣር ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ቦታ በጺሕና፡ ክንቅደስ ቅድስት ቤተክርስቲያን ትምህረና እያ። ብዛዕባ ደብረ ዘይትን ከባቢኡን ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ተገሊጹ ዝውዳእ ስለዘይኮነ ሕጽር ብዝበለ ኣብዚ ይኣኽለና’ሞ፤ ነቲ ኣብ ዕለቱ ዘሎ ናይ ቤተክርስቲያን መልእኽቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ።

 ደብረ ዘይት ኃሙሸይቲ ሰሙን ናይ ጾም ፵ ኮይኑ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ኣብ መወዳእታ ዝኸውን ምጽኣቱ ንዝነገሮም ቃል ትንቢት እነስተንትነሉ፡ ነፍስ ወከፍና ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ከም ዝግበኣና እንመሃረሉ ዕለት እዩ። እዚ ጐይታ ባዕሉ ኣብ ወንጌል፣ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መልእኽቶም፣ ሊቃውንቲ ድማ ኣብ ትርጓሜን ናይ ጸሎት መጻሕፍትን ዝጠቐስዎ እዩ።

“እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለሐዋርያት ዑቁኬ ኢያስህቱክሙ፡ ወንበሩ ድልዋኒክሙ ወአክብሩ ሰንበተ በጽድቅ እስመ ጽድቅ ታግእዘክሙ፡ ተፋቀሩ ጽፉቀ ምስለ ኵልክሙ/ ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕቱኹም ፍለጡ ተዳሊኹም ድማ ጽንሑ፡ ሰንበት ብጽድቂ ኣኽብሩ ጽድቂ ከተሳግረኩም እያ’ሞ ምስ ኵሎም ተፋቐሩ” ኢሉ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ ብዝጸሓፎ ክንጅምር ከሎና፥ ኣብ መወዳእታ ጐይታ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ከመይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ከም ዝግበኣና እዩ ዝገልጸልና። እቲ ቀንዲ ካብ ሃይማኖት ከይንወጽእን ብሥነ ምግባር ድማ ዘይብቁዓት ኮይና ከይንርከብ የጠንቅቕ። ነዚ ጐይታውን ንደቀ መዛሙርቱ ተጠንቀቑ ብምባል ኣብ መወዳእታ ጊዜ ዝኸውን ፈተና ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ከረድእ ከሎ፥ “ምኽንያቱ ኸኣ ሓሰውቲ መሲሓትን፡ ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም። እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ኅሩያት ከይተረፈ እኳ ንምስሓት ዓቢይ ምልክታትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።” (ማቴ ፳፬፡፳፬/24፡24)፣ “እተን መዓልታት እቲአን ዘይሓጽራ እንተ ዝኾናስ፡ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ኵሉ ኣይምደኃነን ነይሩ፤ ግናኸ እተን መዓልታት እቲአን ምእንቲ እቶም ኅሩያት ክሓጽራ እየን።” ይብል (ማቴ ፳፬፡፳፪/24፡22)። ነዚ ከሰንብደና ኢሉ ዝበሎ ኣይኮነን፥ እንታይ ድኣ፡ ነዚ ፈተና ክንኃልፍ ኣዚና ድልዋት ክንከውን ከም ዝግበኣና ክነግረና ስለዝደለየ እዩ፤ ‘ድልዋኒክሙ ንበሩ፡ ተዳሊኹም ንበሩ” ከም ዝበለ ሊቅ ማሕሌታይ ያሬድ ኣብ ድርሰት ዘቅድስት።

 “እሞኸ ድኣ ነዚ ጊዜ ከመይ ጌርና ክንኋልፎ ንኽእል፧’ እቲ እዋን’ከ መዓስ ኮን ይኸውን፧ ብዛዕባ ዝብል ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምጽኣት ናይ ጐይታ ከመይ ከም ዝመስል ተገሊጹ ኣሎ። ድሮ እኳ በቲ ምልክታት ኣቲናዮ ከም ዘሎና ኣብ (ማቴ ፳፬፡፩-፴፮/24፡1-36) ተጻሒፉ ዘሎ ምስክር እዩ። ኣብዚ ግና ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ስለእንርእዮ ነቲ ዝተረፈ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመልከቶ፡ “ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፥ ‘ መዓስ እዩ ዝኸውን፧ ናይ ምምጻእካን ናይ ኅልቀት ዓለምን ምልክቱ እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና፧’ እናበሉ ናብኡ ቀረቡ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ ‘ሓደ እኳ ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ክመጹ እዮም፥ ንብዙኃትውን ከስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፥ ኣስተውዕሉ ኣይትሰንብዱ፥ እዚ ዅሉ ብግድን ዝኸውን እዩ፡ እንተኾነ መወዳእታ ሽዑ ኣይኮነን። ሕዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ፥ መንግሥቲውን ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ክለዓል እዩ፥ ኣብ ኵሉ ቦታታት ከኣ ረሃብን ምንቅጥቃጥ ምድርን ፌራን ክኸውን እዩ። (ኣብ ናይ ትግርኛ ፌራ ዝብል የለን፡ ኣብ ናይ ግእዝን ናይ ግሪክን ግና ኣሎ)። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቅልውላው እዩ። በቲ እዋን እቲ ንመከራ ኣኅሊፎም ክህቡኹም ክቐትሉኹምውን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ብዅሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኾኑ ኢኹም” (ማቴ 23፡3-9.) . . . . “ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተመሃሩ። ጨንፈራ ምስ ለምለም፥ ቘጽላውን ምስ ጠጥዐ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ነዚ ኵሉ ነገራት እዚ ምስ ረኣኹም ኣብ ኣፍ ደገ ከም ዝቐረበ ፍለጡ። እዚ ነገራት እዚ ዅሉ ክሳዕ ዝፍጸም፥ እዚ ወለዶ እዚ ከም ዘይኃልፍ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሰማይን ምድርን ክኃልፍ እዩ፡ ቃለይ ግና ኣይክኃልፍን እዩ።” ማቴ ፳፬፡፴፪-፴፭ /24፡32-35)። እምበኣር በዚ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝገለጾ ምልክታት እቲ እዋን ሕጂ ቀሪቡ ከም ዘሎ የረድኣና። ከም ተወሳኺ መረዳእታ ነቲ ጐይታ ዘመልከቶ ምስ ናይ ትርጕሙ ኣብ መጽሓፍ ትርጓሜ ዘሎ ነቲ ምልክታት ብጋህዲ ዘረጋግጽ እዩ።

ብውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮም እሞ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ካብ ዝመጹሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ፥ ኣባጊዕ ተመሲሎም ማለት ሓቀኛታት መሲሎም ካብ ዝመጹ ሓሰውቲ፣ ሃይማኖታውያን መሲሎም ካብ ዝመጹ መናፍቓን፣ መንፈሳውያን መሲሎም ካብ ዝመጹ ሥጋውያን መምህራን ተጠንቀቑ፥ ብውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ እዮም’’ ማለት እንተ መርሚርኩምዎም ንሰባት እናመንጠሉ ናብ ገሃነም ዘውርዱ እዮም። … ሓቀኛታት መሲሎም ንዝመጹ ሓሰውቲ፣ ሃይማኖታውያን መሲሎም ንዝመጹ መናፍቓን፣ መንፈሳውያን መሲሎም ንዝመጹ ሥጋውያን መምህራን ብምንታይ ንፈልጦም እንተ በልኩምኒ፧ ‘ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ም’፥ ማለት ብሥርሖም ክትፈልጥዎም ኢኹም፥ እሞ ሥርሖም ከይሠራሕና ትምህርቶም ጥራይ እንተ ተመሃርና እንታይ ዕዳ ይኾነና እንተ በልኩምኒ፧ ‘ካብ እሾኽዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተኾርባዶ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧’ ካብ መናፍቕ መምህር ሃይማኖት፣ ካብ ሥጋዊ መምህር መንፈሳዊ፣ ካብ ሓሳዊ መምህር ሓቀኛ ትምህርቲ ክትመሃሩ ይከኣል ድዩ፧ ያእ ኣይፋሉን ስሚ ስሚ፣ ሓሰኻ ሓሰኻ ከም ዝፈሪ መናፍቅ መምህር ክሕደትን ኑፋቄን፣ ሥጋዊ መምህር ሥጋዊ ትምህርቲ፣ ሓሳዊ መምህር ድማ ሓሶት ከም ዝምህር ከምኡ እዩ።ከምኡ ድማ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፥ እቲ ሕማቕ ኦም ከኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ክፈሪ፥ ሕማቕ ኦም ድማ ጽቡቕ ፍረ ክፈሪ ኣይእልን እዩ።’ጹቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ረጽናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።’ ብኣይ ኣሚኑ ሠናይ ግብሪ ንዘይገብር፡ ሥላሴ ንነፍሱ ካብ ሥጋኡ ይፈልይዎ። ኣብ ገሃነም ድማ ስቅያት የብዝኁሉ።እምበኣርከስ ብፍሪኦም ክትፈልጥዎም ’ ኢሉ ከነስተውዕል ደጊምዎ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ድኣ እምበር፥ ጐይታይ! ጐይታይ! ዝብለኒ ናብ መንግሰማያት ኣይኣቱን እዩ።’  ‘ኵሉ ጐይታይ! ጐይታይ!’ እዩ ዝብለካ ነቲ ዝኣቱን ዘይኣቱን ብምንታይ ንፈልጦ እንተ በልኩም፡ ፍቓድ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር እምበር ኵሉስ ኣይኣቱን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙት ‘ጐይታይ! ጐይታይ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተዛረብናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውእናን፧ ብስምካስ ብዙተኣምራትዶ ኣይገበርናን፧’ ክብሉኒ እዮም ሽዑ ኣነ ‘ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፥ ከቶ ኣይፈልጠምን እየ፥ ካባይ ረሓቑ!’ ኽብሎም እየ።” ማቴ ፯፡፲፭-፴/7፡15-23።

እዚ ወንጌላዊ ማቴዎስ ዝገለጾ ካልኦት ድማ ኣብ ወንጌልን መልእኽቶምን ዘስፈርዎ፡ ኣብ ዘመንና ዘለዉ መስሓትያን ዝጥቀሙሉ ሜላታት እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተገልጸ ምስ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን እናዛመድና ብውሕዱ ክንርእዮ። እቲ ቀንድን መጀመርያን ዝሠርሑሉ ሥራሕ ምፍልላይ እዩ፥ እዚ ነቲ ክፉእ ዕዮኦም ምእንቲ ክጥዕሞም፣ ኃይሊ ናይ ቤተክርስቲያን ንምድኻም፣ ሓድነት ናይ ሃይማኖት ንምብታን እዩ። እዚ ሰይጣናዊ ሥርሖም፦

ቀዳማይ፦ ነቶም ኣብ ቤተክርስቲያን ጸኒዖም ንዘገልግሉ ሰባት ስም ብምጽላም ይጅምሩ፥

እዚ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ጸቕጢ ክፈጥሩሎም፡ ካብ ኣብ ሓዳሮምን ቤተሰቦምን ተነጽሎ ከም ዝህልዎም ንምግባርን፥ ነቶም ኣሰሮም ስዒቦም ቅኑዓትን ጽኑዓትን ኣገልገልቲ ንምዃን ዝጋደሉ ተስፋ ንምቝራጽ እዩ። ኣብ ምእመናን ድማ እቲ ቅኑዕ ኣገልጋላይ ተኣማንነት ከይህልዎን፡ ምእንቲ ከይንሳሕ ኣብ ሥልጣነ ክህነት ንዘለዎ እምነት ንምጕዳል እዩ። ከም ኣብነት ኣብ ገሊኤን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝግበር ዘሎ፥ ምእመናን ኣብ ልዕሊ መነኮሳት ካህናት ዘለዎም ኣኽብሮትን እምንቶን ከጕድሉ፡ መነኮሳን፣ ዘይኮኑ ናይ መነኮሳን ልብሲ ለቢሶም፡ ኣብ ቤት መስተን ዳንኬራን ምስ ኣመንዝራታት ይረኣዩ ከም ዝነበሩ። እዞም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ድማ ቤተክርስቲያን ተኸታቲላ፡ ኣብ ሕጊ ምስ ኣቕረበቶም መነኮሳን ከም ዘይኮኑ ተረጋጊጹ እዩ።

ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ ፈተነ ድማ ተሓድሶ መናፍቓን፡ ነቶም ናይ ቤተክርስቲያንና ቅኑዓት ኣገልገልቲ ሥዕሎም፡ ስሞም፡ ዓዶምን ኣዝማዶምን እናጠቐስካ ስም ምጽላም ቀንዲ ሥራሕና ኢሎም ካብ ዝተኃኃዝዎ ኃያሎ መዓልትታት ኣቝጺሮምን እዮም። ጐይታ ነዞም ሰባት ካብ ፍሪኦም ክትፈልጥዎም ኢኹም ከም ዝበለና፥ እዞም ሰባት ናይ ሃይማኖት ፍረ ዘይብሎም ምዃኑ ፍሉጥን ግሁድን እዩ ። ምኽንያቱ ንዘይረኣይዎን በእዛኖም ንዘይሰምዕዎን ነገር ኣብኡ ከም ዝነበሩ ገይሮም ዝዛረቡ እዮም። እዞም ከምዚ ዝመሰሉ ሰባት ድማ ጐይታ ሓሰውቲ ነቢያት ኢልዎም እዩ፡ ሓሰውቲ ነቢያት ንዘይረኣይዎ እግዚአብሔር ኣርኢና፡ ኣብቲ ቦታ ኮይኖም ንዘይሰምዕዎ ነገር ‘እግዚአብሔር ኣስሚዑና!’ እናበሉ ነቶም ቅኑዓት ዝኾኑ ነቢያት ከም ዝቕተሉ፣ ከም ዝእሰሩ፣ ይገብርዎም ነይሮም እዮም። ናይዞም ተሓድሶ መናፍቃን ዕላማ ድማ ንካህናት ንመነኮሳት ንሊቃውንትን ንብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ልብና ቦታ ከይህልዎም፡ ብሓሳብ ቀቲልካ ካብ ኣእምሮ ምእመናን ምውፃእ እዩ። እዚ ብዝግባእ እንተ ሓሲብናዮ ሰባት ቅዱሳት ምሥጢራት ፈጺሞም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ምእንቲ ከይኣትዉ ዝግበር ሽርሒ እዩ። ካብ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ነጺልካ ናብ መናፍቃን ምኽቡላል እዩ።          

ካልኣይ፡  ሓለይቲ መሲልካ ምድንጋጽ፦

 እዚ ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ “እቶም ብኣኻትኩም ዝግደሱ ዝመስሉ ዘለው፥ ካባይ ምእንቲ ክፈልዩኹም እሞ ብኣኣቶም ከም እትግደሱ ክገብሩኹም ኢሎም እዮም እምበር፥ ንጽቡቕኹም ኢሎም ኣይኮነን። ንጽቡቕ ድኣ ይኹን እምበር፥ ሰብ ብኣኹም ክግደስ ሠናይ እዩ፡ እዚ ግና ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኮነስ ኵሉ ጊዜ ክኸውን ኣለዎ። ኣቱም ደቀይ! ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዝሰኣል ከም ብሓድሽ ከም ብሕማም ሕርሲ እጽዕረልኩም ኣሎኹ።” (ገላ ፬፡፲፯-፲፱/4፡17-19) ዝበሎ፥ ኣብ ምእመናን ናይ ሃይማኖት ገድሊ ምእንቲ ከጥፍኡ፡ ንሶም ስለዘይጾሙ ጾም ነዊሑ፡ ቅዳሴ ነዊሑ፡ ማሕሌት፣ ሰዓታት ወዘይመስሎ ነዊሑ እናበልካ ምእመናን ኣብ ንዝገብርዎ መንፈሳዊ ተጋድሎ ንምድኻም ዝግበር ሜላ እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘየሎ ሰብ ድማ ከም ሻምቢቆ ኔው ነጀው ዝብል፥ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሠረተ ሰብ እዩ ዝመስል። ነዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ሰብ ብምጥባር ሓሳባት ናብ ዝደለይዎ ይጠዋውይዎ። ኢደ ፓለቲከኛታት ናብ ቤተ ክርስትያን ንምእታው ለይትን ቀትርን ንምፍራስ ቤተ ክርስትያን እንዳሰራሕካስ ብሓሶት ስእሊ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን   ንምድዋን ኣብ ገጽ ምእመናን ዓለምን ግጉይ  ገጸ ስእሊ ንምትሓዝ ብፖለቲካኛታት ከም ትምራሕ ጌርካ ብምጥቃን  ካብ ሓደ ዝጥቀምሉ ድኹም ሜላ  እዩ።  “ ጭጉራፍስ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ”።  ማዕረ ክንደይ ሓለይቲ ዝምስልሉ እሞ ብግሉባብ ንኣቦታት ተማጎቲ ኮይኖም ክቀርብ ዝፍትኑ እንዳሓደረ ሓሳቦት ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ዝቀያየር ንሥጋኦም ዝነብሩ እዩም። ሓልየቶም ሓልዮት ዝብኢ “ ስጋብ ዝደልወካ….. “  ብድሕሪ መጋረጃ ትካቦ ባዕዳዊ ስለዘዐወሮም ብግሉባብ ሃይማኖትን ሓልዮትን ክፋእ ክፍሕሱ ዝሓድሩን ዝውዕሉን ምኻኖም ጭሩ ትምስክሮ እዩ። በዚ መገዲ እቶም ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ኣሰሮም ትስዕቡ ዘለኹምን ንኽትስዕቡ ትንዕ ትብሉ ዘለኹም ካብ ፍሪኦም ኣለሊኹም ብንስሓ ናብ ልብኹም ተመልሱ ። ሓለይቲ መሲሎም እንተቀረብኹም “ ካብ ብመርዚ ዝተለወሰ ቡሒቅ ንሕይወት ዝኸውን ሕብስቲ ኣይርከቦን እዩ። “ ኩሉ ተኽሊ ኣብ ፍረኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ ናብ ፈረ ጽድቀ ዘብጽሕ ሃይማኖት ድዩ ኢልካ ንምርኣይ ብዝሕ ምርምር ኮነመጽናዕቲ ዘድልዩ ኣይኮነን ። ሃይማኖታዊ ትምህርቶም መዝሙሮም ሥርዓቶም  ወ.ዘ ተርፈ . ኣኾቢሊሉ ናብ ኣዳራሽ መናፍቃን ዝወስድ’ዶ ኣይኮነንን። ቅንያቱ ሕማቅ እዩ እሞ ከም ለባማት ንኺድ ኢልና ንእግረ መንገድና ሕውነታዊ ምኽርና ወስ ነብለልኩም።

 ተሓድሶ ብትንፋስ መናፍቃን ዘተንፍስ እዮም ኢልና ሕጂውን ኣርጊጽና ንነግር ። እታ አበው ከይተሸራረፈት ዘረከቡና ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ  ቤተ ክርስትያና ዶግማን ቀኖናን ትውፊታን ሓልያ ኣይትቅየርን እያ ። ተዋሕዶ ብንስሓ ብዝወደቀ ተሕድስ እምበር ኣይትሕደስን ኣይትቅየርን እያ ።  እዛ ብደም ክርስቶስ ኣብ ከርሒ ስለዝተመሥረተት ሃይማኖትና ኵላትና ደቂ ተዋሕዶ ብሓባር ‘ኣይትቕየርን እያ፡ ተዋሕዶ ኣይትቕየርን’ ንበሎኩም ሕጂውን ።

ሳልሳይ ሰብ ንቅድስት ቤተክርስቲያን ከም ዘይንእዘዝ ምግባር፦

እዚ ናይ ቤተክርስቲያን  መሓውር ሰንሰለታዊ ናይ ምኅደራን ሓድነትን ንምዕናውን ንምድኻምን ዝግበር ሽርሒ እዩ።

ከምድሌቶም ንሥጋዊ ክጥዕሞም ምእንቲ ንምእመናን ጓሳ ኣልቦ ጌርካ ካብ ቤተ ክርስትያን ምኹቡላል ፣ እሞ እንታይ ኣለዎ ዝበሃል ስብከት ምትእትታው እዩ። እንታይ ኣለዎ ናይ መናፍቃን መዝሙር እንተሰማዕኩ፣  እንታይ ኣለዎ ምስ መናፍቃን እንተጸልኹ ኣብ ሃይማኖተይ እንድየ ዘለኹ፣ እንታይ ኣለዎ ምስ ሳእነይ ቤተ ክርስትያን እንተኣተኹ፣ እንታይ ኣለዎ ደቀንስትዮ ምስ ወርሓዊ ጽጌታት (ምስ ናይ ኣዴታተን) ቤተ ክርስትይና እንተ ኣተዋ ወዘተርፈ.. እንዳበልካ ሥርዓት ቤተ ክርስትያን ኣቅሊልካ ብምቅራብ ንምእመናን ብምልምማድ ነቲ ሰንሰለታዊ መሓርው ብምድኻምን ንምእመናን ብዘፈቀደ ንክኸይዱ ምግባር እዩ።  

  እቲ እሶም ዝኸድዎ ኣካይዳን ዝገብርዎን  ኩሉ ካብ ሕጊ ወፃኢ ስለ ዝኾነ ኣካይዳኦም ኵሉ ሰብ እንተ ሰሚርዎ ደይ ዅሉ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኢሎም ንዝመጾም ተቓውሞታት ንምህዳእ ዝግበር እዩ ሓደ ድኹም ሽርሒ እዩ ። በዚ ከኣ ካብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሰንሰለታዊ መሓውር ተኸቲሉ ብፅዓን ጳጳሳትና  ንዝመጽእ  ነቶም  ምእንቲ ብዕላማ ዝሠርሑ ተሓድሶ መናፍቓን ኣለልዮምም ናብ ውግዘት ከየብጽሕዎም ምድንጋራት ንምፍጣርን እዩ። ከመይሲ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ “ንስኻትኩም ብምእዛዝ ፍጹማት ምስ ኮንኩም፡ ነቲ ዘይእዘዝ ዘበለ ኽንቀጽዖ ድልዋት ኢና።” (፪/2 ቆሮ ፲፡፮/10፡6)፡ ኢሉ ናትና ዘይምእዛዝ ነቶም ሕጋን፣ ሥርዓታን (ዶግማኣን፣ ቀኖናኣን) ናይ ቅድስት ቤተክርስቲያን ከፍርሱ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ብርትዐ እዩ ዝኾኖም። እሞ እቶም ኣብኣ ኢና ዘሎና እትብሉ ግና ንገሊኡ እምበር ንዅሉስ ኣይንቕበሎን ኢና እናበለ  ምኽንያት ዝድርድር “እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ሕጊ ምዃንኩም ይረትዓኩም ኣሎ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዝብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን። እቲ ‘ኣይትዘሙ’ ዝበለ ‘ኣይትቕተል’ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘመኻ እኳ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ።” (ያቆ ፪፡፲-፲፩/2፡10-11)፥ ብምባል ቅዱስ ያዕቆብ ብጽኑዕ ቃል ይምዕድ ኣሎ’ሞ ንስምዓዮ።    

እዚ ናይ መናፍቓን ሓድሽ ዝተማህዘ ኣካይዳ ዘይኮነስ፡ ቀደም ኣብ ዘመን ሓዋርያት እኳ ከይተረፈ ዝነበረ ምዃኑ ምስዚ ዘሎ ናይ ሕጂ ኵነታት ብምንጽጻር ዝረኣ እዩ። ብኸምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብዙኅ ጊዜ ከም ዝተፈተነ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እኳ እንተ ኾነ፡ ንዝያዳ ኣፍልጦ ኣብ ፪/2 ቆሮ ምዕራፍ ፲ን ፲፩/ 10ን 11 ንመልከት።

ነዚ ብዝግባእ ጥንቁቓትን፣ ኣብ ሃይማኖትና ድማ ዕጉሣትን ክንከውን ከም ዘሎና “ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግሥትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።” (ሉቃ ፲፪፡፲፱/21፡19፡) ብምባል ይምዕደና ኣሎ። እምበኣር ተዓገሡ ካብ በለና ኣብ ምንታይ ኢና ክንዕገሥን ክንጸንዕን ንዝብል ቅዱስ ጳውሎስ ክምልሶ ከሎ፡ “ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ። ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ። ካብ ሕፃንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድኃን ከብጽሕ ዘኽእላ ጥበብ ክህባኻ ይኽእላ እየን። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበል ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን። ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፥ ንተግሣጽ፥ ንምእራም፥ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።” ይብል (፪/2 ጢሞ ፫፡፲፬-፲፯/3፡14-17)። ነዛ ሃይማኖትና ብዝግባእ ክንፈልጣን ክንርዳእን፥ ተረዲእና ድማ ኣብቲ ዝተመሃርናዮ ክንጸንዕ ይግባእ እምበር ኣብ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል ከንቱ ኣብ ዝኾነ ድርቅና ምጽንዕ ኣይጠቅምን እዩ ፥ ናብ መቕዘፍቲ ዝወስድ መገዲ ምኻኑ ክንፈልጥን ክንርዳእን ይግባእ።

እግረ መገድና ነዚ ጸገማት ንምእላይ ቅድስት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንና ኣብዚ ሕጂ እተርእዮ ዘላ ተበግሶታት ኣዚዩ ዝነኣድን ክተባባዕ ዘለዎን እዩ። በቲ ድሩት ዝኾነ ዓቅሚ ሰሙናዊ ኣብ ዝቐርብ ናይ ቤተክርስቲያን ዜና ልሳን ተዋሕዶ ብመንፈሳዊን ሃይማኖታውን ዝወሃብ ትምህርቲ  ንከታተሎ።  ኮነ  ሰኣን ሓበሬታ ናብ ግጉይ ፍርድን መገዲን ከይንኸይድ በቲ ዝገብርዎ ዘለዎ ሥራሕ ክመስገኑ ይግባእ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት ብዓቕምና ብገንዘብ ኮነ ብጕልበትን ብጸሎትን ክንድግፍ ግዴታና ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን።

 ኣብ ጊዜ ጾም እውን ንመንፈሳዊ ሓገዝ ክንተግህ ንእዘዘሉ እዩ እሞ፥ ነዚ ክንገብር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይደግፈና፥ ኣማላድነት ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይፈለየና ኣሜን።

ወስብሕት ለእግዚአብሔር፡

ወለወላዲቱ ድንግል፡

 ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን።   

        

 ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.