ደብረ ታቦር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

'ወእምድኅረ ስሱ መዋእል ነሥኦሙ እግዚእ ኢየሱስ ለጴጥሮስ ወለያዕቆብ ወለዮሐንስ እኅሁ ወዓእረጎሙ ደብረ ነዋኅ እንተ ባሕቲቶሙ…… ድኅሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያዕቆብን ንዮሓንስ ኃውን ወሲዱ ናብ ነዊኅ እምባ [ከረን] ኣደየቦም። (ማቴ. 17፡1)

ሀ. 'ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዞም ሠለስተ ሓዋርያት ኂዝዎም ዝደየበ ነቶም ካልኦት ዘይወሰዶም ንምንታይ እዩ፧!' እንተ ተባህለ ብሰንኪ ይሁዳ ምኽንያት እዩ። ኂዝዎ ናብ ከረን ከይድይብ 'ያአትትዎ ለኀጥእ ከመ ኢይርአይ ስብሐተ እግዚአብሔር' ተባሂሉ ትንቢት ተነጊሩሉ ስለዝኾነ ኣየደየቦን፡ ፈልዩ ገዲፍዎ ከይድይብ ድማ ይሁዳ ንከትኅዞ ከሎ ምኽንያት ከይኮኖ ኢሉ ምስቶም ሸሞንተ ደቀ መዛሙርቱ ገዲፍዎ ከደ፡ ነገር ግና ኣብ ርእሲ ደብሪ ነቶም ሠለስተ ምሥጢር ዝተገልጸ ኣብ እግሪ ደብሪ ንዘለው ነቶም ሸሞንተ ደቀ መዛሙርቲ ተገሊጹ እዩ።

 ትርጕሙ ኣብ ደብረ ሲና ንሰብዓ ሊቃውንት ዝተገልጸ ምሥጢር ኣብ ከተማ ንዘለው ንኤልዳድ ሰሙዳድ ከምዝተገልጸ ማለት እዩ። ከረን (ጎቦ) ናይ ወንጌል ምሳሌ እያ፡ ከረን ክትድይቦ የድክም ተስፋ የቋርጽ ምስ ደየብካዮ ግና፡ ደስ የብል መኣዝኡ የሐጕስ፡ ወንጌል ድማ ክትመሃራ ተድክም፡ ምስ ተመሃርካያ ግና ጽድቅን ኃጢኣትን ፈልያ ስለ እተፍልጥ ደስ ተብል ተሐጕስ።

ትርጕም፡ ከረን (ጎቦ) ናይ መንግሥተ ሰማይ ምሳሌ ንከረን ብብዙኅ ጻዕሪን ድኻምን ከም ትድይቦ፡ ንመንግሥተ ሰማይ ድማ ብብዙኅ መከራን ድኻምን ከም ትረኽባ ንምዝካር ናብ ከረን ኣደይብዎም። 'እስመ በብዙኅ ጻማ ሀለወነ ንባእ መንግሥተ እግዚአብሔር፡ ንመንግሥተ እግዚኣብሔር ብብዙኅ ጻማን ድኻምን ክንኣትዎ ይግባእ!' ከም ዝብል፡ (ግብ. ሓዋ. 14፡22)። ከምኡ ድማ 'በሀፍ ወበድካም እለ አሥመሩ ኪያከ፡ ነሢኦሙ ዲናረ ሃይማኖት የአትው ሰርከ፣ ላዕልን ታሕትን ብምባል ንዓኻ ዘስመሩኻ፡ ናይ ሃይማኖት ኣኽሊል (ዓስቢ) ኂዞም ናይ መዕረፊኦም ኣተዉ' ከም ዝብል እቲ ሊቅ (መልክዐ ኢየሱስ፡ ለሕንብርትከ)። ነዚ ከረን እምባ ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶስ 'ታቦር' ኢሎም ሰምዮሞ እዮም።

ለ. 'ነዚ ምሥጢረ መለኮቱ ኣብ ታቦር ዝገበሮ ንምንታይ እዩ፧!' እንተ ተባህለ ምሳሌኡን ትንቢቱን ንምፍጻም እዩ። ምሳሌኡ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ፣ ባራቅ ንሲሳራ ዝሰዓረሉ ስለዝኾነ (መጽሓፍ መሳ. 4፡14-24)። ጐይታ ድማ ኣብ ልቢ ሓዋርያት ዝኃደረ ሰይጣን ዝሰዓረሉ እዩ።

ሐ. ትንቢቱ'ከ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ፣ 'ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌስሑ፡ ወይሴብሑ ለስምከ፡ መዝራእትከ ምስለ ኃይል ፣ እምባ ታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብል። ኃያል ቅልጽም ኣሎካ' ይብል፡ (መዝ. 89፡13)።

  ንምሥጢሩ ንምንታይ ኣብ ከረን ገበሮ እንተ በልና፣ ኣብ ጐደና ገይርዎ እንተዝኸውን ሎሚ ምሥጢር ኣብ ፈቐዶ ምተዘርወ ነይሩ ኣብ ከረን ዝገበሮ 'ምሥጢረይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ግበርዎ!' ክብል ስለዝደለየ እዩ። ማቴ. 17፡3 'ወናሁ አስተርአዩ ሙሴ ወኤልያስ እንዘ ይትናገሩ ምስሌሁ …… ንሙሴን ንኤልያስን ንምንታይ ኣምጺእዎም፧!' እንተ በልና፣ ኣብ ቂሳርያ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ 'ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ፧!' ምስ በሎም 'ገሊኦም ሙሴ ገሊኦም ኤልያስ ይብሉካ ስለዝበልዎ ነዚ ክምስክሩ ንሙሴን ኤልያስን ኣምጺእዎም ክምስክሩሉ፡ ሙሴ መጺኡ፡ ጐይታ መን እዩ ሙሴ ክብለካ 'ኣምላኽ ሙሴ ደኣ ይበሉካ!' ክብል  መጽአ። ኤልያስ ድማ ናተይ ናይ ኤልያስ ጐይታ መን እዩ ኤልያስ ክብለካ፣ 'ኣምላኽ ኤልያስ ይብሉካ!' ክብል ኤልያስ መጽአ። ትርጕም፣ ሙሴ ኣነ ባሕሪ እንተ ከፈልኩ፡ ጸላኢ እንተ ሰዓርኩ፡ ደመና እንተ ተጋረድኩ፡ መና እንተ ኣውረድኩ፡ ንእስራኤል ካብ ክፍኣቶም መሊሰ ከድኅኖም ኣይከኣልኩን ብኣኻ ግና  ዘልዓለማዊ ድኅነት ኣሎ፣ ኤልያስ ድማ ኣነ ድማ ሰማይ እንተለጎምኩ፡ እሳት እንተ ኣውረድኩ ንእስራኤል ካብ ክፍኣቶም ከድኅኖም ኣይከኣልኩን ንስኻ ግና ካብ ዅሉ ባርነትና ተናግፈና!' ክብሉ ተሰሚዖም እዮም።

ሠ. 'ነዞም ነብያት ዘምጽኣሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧' እንተ ተባህለ 'ሙሴ ቅድም ገጽካ ክርእይ ፈትየ!' ምስ በሎ 'ገጸይ ርእዩ ክነብር ዝኽእል የለን፡ ግና ሕቘይ ርአ!' ኢልዎ ነበረ፡ መሥዋዕት ኮይነ ምስ ቀረብኩ ኣብ ደብረ ታቦር ክግለጸልካ እየ ኢልዎ ነበረ። ንኤልያስ ድማ 'አንተሰ ትከውነኒ ስምዓ በደኀሪ መዋዕል፣ ብደኃር ጊዜ ምስክር ክትኮነኒ ኢኻ!' ኢልዎ ነይሩ፡፡

ረ. 'ስለምንታይ ክልተ ካብ ነብያት፡ ሠለስተ ካብ ሓዋርያት ኣምጽአ፧!' እንተ ተባህለ፣ ከረን ናይ ቤተ ክርስትያን ምሳሌ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብሉይን ሓድሽን ከምዝንገሩ ንምዝካር፡ ኣብ ቅዳሴ ምሳሌ ናይ ክልተ ዲያቆናትን ሠለስተ ካህናትን፡ ክርስቶስ ድማ ናይ ሥግኡን ደሙን ምሳሌ፡ ከምኡ ድማ ናይ ታቦት ምሳሌ ንምዝካር። ትርጕም፣ ናይ መንግሥተ ሰማይ ምሳሌ ነብያትን ሓዋርያትን ሓደ ኮይኖም ከምዝወርስዋ ንምዝካር፡ ካብ መዓስባን (ዝተመርዓው) ንሙሴ ካብ ደናግል ንኤልያስ ኣምጺኡ፡ 'ደናግል እምበር መዓስባን መንግሥተ ሰማይ ኣይወርሱን እዮም ከይብሉ ደናግልን መዓስባንን ሓደ ኮይኖም ንምዝካር፡ ምውታንን ሕያዋንን ሓደ ኮይኖም ንመግሥተ ሰማይ ከምዝወርስዋ ንምዝካር ኣምጺእዎም።

ማቴ. 17፡4 'ወአውስአ ጴጥሮስ ወይቤሎ ለእግዚእ ኢየሱስ እግዚኦ ሠናይ ለነ ሀልዎ ዝየ ወእመሰ ትፈቅድ ንግበር በዝየ ፫ ማኅደረ አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ፡ ወአሐደ ለኤልያስ…… ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ ከምዚ በሎ 'ጎይታን! ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ፍቓድካ እንተድኣ ኮይኑስ ሠለስተ ዳስ ክንሠርሕ፡ ሓደ ንኣካ ሓደ ንሙሴ ሓደ ንኤልያስ በሎ።' (ማቴ. ፲፯፥፬ ፡ 17፡4) ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብዚ ዘደንቅ ቃል ተዛሪቡ 'ንኣና ኣብዚ ምንባር ሠናይ እዩ!' ኢሉ ሎሚ ድማ ንሕና ሕዝበ ክርስትያን 'ንኣና ኣበይ ምንባር እዩ ሠናይ፧!' ክንብል ይግብኣና፡ ኣምሳል ከረን ታቦር ዝኾነት ቤተ ክርስትያን እዩ ምንባር ዝግብኣና (ሉቃ. 24፡49) 'እንሆ ተስፋ ሰማያት ክሳዕ እትለብሱ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይትውጽኡ' ዝብል ቃል ጐይታና ሎሚ ድማ ንሕና ካብ ኢየሩሳሌም ክንወጽእ ከምዘይብልና ደጊሙ ደጋጊሙ ይነግረና ኣሎ። 'ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል መሪጸ ኣለኹ' (ኢያ. 24፡15) ዝበሎ ቅዱስ እያሱ ሊቃውንት ክትርጕምዎ ከለው 'ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር (ቤተ ክርስትያን) ክነብር ይሕሸኒ' ኢሎም ይትርጕምዎ። ከምዚ እናበለ ከሎ ካብ ሰማይ 'ወናሁ መጽአ ቃል እምውስተ ደመና ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ዘቦቱ ሰመርኩ…… ካብ ሰማይ ደማና መጺኡ ጋረዶም እሞ ከምዚ ዝብል ቃል ተሰምዐ 'ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትው ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ!' በሎም እግዚኣብሔር ኣብ ተዛረበ። ካብ ደማና ክምለኸሉ ዝፈተኽዎ ንተዋሕዶ ዝመረጽክዎ ወደይ እዚ እዩ ዝብል ቃል ተሰሚዑ። 'ወሎቱ ስምዕዎ! ክመውት ክስቀል እየ እንተ በለኩም ኣይትመውትን ኣይትስቀልን ኣይትበልዎ!' ክብል ስምዕዎ በሎም። ኣብዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ መንግሥቱ ምሥጢረ መለኮቱ ዝገለጸሉ ቦታ ደብረ ታቦር እዩ።

እዚ ቦታ ደብረ ታቦር ብዙኅ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ምሥጢራት ዝተገልጸሉ ቦታ እዩ። ደኃር ብ1408 ዓመተ ምሕረት ዮሓንስ ገበላዊ ዝተባህለ ሊቅ ናይ ቅዱስ ያሬድ መንገዲ ቅኔ ክገልጸሉ ኣብዚ ደብረ ታቦር ሱባኤ ከምዝኣተወ'ሞ ከምዝገለጸሉ ምሥጢር ቅኔ ምስ ቤቱ ከምዝተገልጸሉ'ሞ ምስ ናይ ቅዱስ ያሬድ ኣተኃኂዙ ድርሰት ደሪሱ እዩ። እቲ ታሪኽ ብሕጽር ዝበለ እዚ ይመስል፡ እዚ ክብረ በዓል እዚ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኵልና ከም ንፈልጦ ናይ ተመሃሮ በዓል ወይ ናይ ቆሎ (ኣብነት) ተመሃሮ በዓል እዩ፡ እዚ ከመይ እዩ ምስ ንብል እቶም ተማሃሮ ደቀ መዛሙርቱ ዝረኣይዎ ምሥጢር ብተመሃሮ ክኽበር ስለዘለዎ ማለት እዩ፡ በዚ ትምህርቲ ዝኃለፈ ከም ዝፈልጦ ቅድሚ እዚ በዓል ኣብዚ ቅንያት ትእከብ እሞ ሥዕለ ኣድኅኖ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኂዝካ፡ ጋቢኻ ተከዲንካ ገዛ ገዛ እናኸድካ 'ብደብረ ታቦር ብርሃን ዝኾነልኩም ክርስትያን፡ ብርሃን ናይ ገዛኩም ዝበርሃልኩም፡ ንኣና ንተመሃሮ ክብረ በዓልና (ዓውደዓመትና) መብዓሊ በዓልና መኽበሪ ሓግዙና!' እናተበሃለ ይዘወር፡ ኣኪብካ ሕብስቲ እንጌራ ኣኪብካ ኣምጺካ ኣብዚ በዓል ይኽበር ይብላዕ። ኣብ ገዛ ገዛ እናኣተካ ካብ ዝዝመር መዝሙር ብዙኅ ሓንቲ ክንጠቅስ 'ብርሃን ተሸፊና፡ ብብርሃን ተዀሊዕና ኣብ ዓመቱ እንሀ መጺና ካብ እቶትኩም ክተበርክቱልና፡ ንኲሕኩሕሓኩም ኣለና ዓመት ንዓመታ ድገመና!' ዝብል ይመስል እንቋዕ ናብዚ ክብረ በዓለ ደብረ ታቦር ብሰላም ብጥዕና ኣብጽሓኩም ኣብጽሓና፡ ዝጐደለ ዝነጠበ ብኣፍ ብኢድ ትጉሃን መላእኽቱ ይኣርመለይ።

ብፍጹም ሰላመ እግዚኣብሔር ሰላም ንኵልካትኩም ይኹን ፍቁራን ሕዝበ ክርስትያን፡ እንቋዕ ናብዚ ኽቡር ክብረ በዓለ ደብረ ታቦር ብሰላም ኣብጽሓኩም ኣብጽሓና።

13 ነሓሰ መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮም፡

ሀ. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ መለኮቱ ዝገለጸሉ ደብረ ታቦር ይዝከር፡

ለ. ቅድስት ኦፍራ ብሰማዕትነት ዝዓረፈትሉ

ሐ. ኣባ ጋልዮን ዘዕረፈሉ ዕለት እዩ።

 ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ቅዱስ መልኣኽ ሩፋኤል፡ አእላፍ መላእኽት፡ ንጉሥ ዳዊት እዮም፡ ጸሎቶም በረኸቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን፡ ኣሜን።

"ጸርሐ አብ ኪያከ በውዳሴ፡ ወበርእስከ ጸለለ መንፈሰ ቅዳሴ፡ አመ ገበርከ በታቦር እግዚኦ ምስለ ሐዋርያት ክናሴ፡ ኤልያስ መንገለ ቆመ ወሃበ ሃለወ ሙሴ፡ ዘመለኮትከ ወልድ ከሠትከ ሥላሴ"።

ኣዳላዊ ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

10- ነሓሰ - 2011 ዓ.ም.

16 - 08- 2019 ፈረንጂ

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Comments are closed.