ይቕሬታ እንታይ ኢዩ᎒

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

 “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ተለዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ። ” ኤፌ 4፡32።

             ይቕሬታ ሕድገት ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ብነብሱ፡ ብሃብቱ፡ ብቤተሰቡ፡ ብኽብረቱ ኮነ ብኹሉ ንዋዩ ንዝተበደሎ ነገራት ገዲፉ ቒም ከይሓዘ ክነብር ምስ ዝኽእል ይቕረ ኢሉ ወይ ይቅሬታ ገይሩ ይበሃል። ይቕሬታ ቃሉ ናይ ትግርኛ ክከውን ከሎ ትርጉሙ ይቕረ ወይ ይትረፍ ይረሳዕ ከም ዘይኮነ ይኹን ማለት ኢዩ። መንፈሳውያን ናይ ቤተ ክርስትያን ኣቦታትና ክምህሩና ከለዉ “ይቕሬታ ማለት ንዝበደልካዮ ሰብ ኬድካ ይቕረ በለለይ ማለት ዘይኮነስ ንዝበደለካ ሰብ ይቕረ በለለይ ንኽትብድለኒ ኣነ ኢየ ደፋፊአካ ወይ ከኣ ንዝተበደልካዮ በደላት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምግዳፍ ማለት እዩ። ” ይብሉና።  ሰባት ብዙሕ ጊዜ ይቕረ ምእንቲ ክብሉ ዘቐምጥዎ ቅድመ ኩነት ኣሎ ንሱ ድማ ዝተበደሉዎ በደል፡ ሽዑ ዘጋጠሞም ናይ ሞራል ውድቀት፡ ሽዑ ንዝኸሰርዎ ክሳራታት፡ ኽብሮም ......ወዘተ ነዞም ነገራት እዚኦም ኣብ ንጸባጸበሉ ጊዜያት ግን ንገብሮ ዘለና ይቕሬታ ዘይኮነስ ናይ ሞራል ኻሕሳ ኢዩ፡ ይቕሬታ ግን ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰነፍ ሓሳባት ዝረሓቐ ናይ ኣምላኽ ኅያባት እዩ ።

         መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ። ” ኤፌ. 4፡32። ኣብዚ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስና ዘቐመጠልና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘለና ጥራይ ዘይኰነስ ከመይ ጌርና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘለና’ውን ኢዩ፡ እቲ ቃል ከምቲ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ  “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ” እዩ ዝብል። ኣብዚ ክፍሊ እዚ እንበኣር ሓደ መሠረታዊ ሕቶ ክንፍትሽ ኢና

ኣምላኽ ብኽርስቶስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ይቕረ ኢሉና᎒

           ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ይቕሬታ ከምዚ ብምባል ብዘደንቕ ኣገላልጻ የቐምጠልና  “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ሥልጣን ኣየር እተመላለስኩም ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምውታት ዝነበርኩም ንዓኻትኩም ኅያዋን ገብረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ሥጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና ቀደም ብትምኒት ሥጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቚጥዓ ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ ንዓና ብበደልና ምውታት ከሎናስ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም። 2፡1-5። እወ ኣምላኽ ነቶም ንኽብሩ ዘይንበቅዕን ንኣምላኽነቱ ብምስሊ ዝተፈላለዩ ኣምልኾታት ለዊጥና ነሕዝኖ ዝነበርና ሰባት ኢዩ ኣፍቂሩና። እወ ነቶም ምዉታት ዝነበርና፡ እዚ ሓዋርያ እዚ መሊሱ እውን ከምዚ ይብለና ኣሎ።

 “ ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስለን። - እንዶዒ! ኣብ ኽንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዝደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን ። ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ኢዩ እሞ፣ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንዓና በዚ የርኢ ኣሎ። ” ሮሜ5፡7-8።  ይብል  እስኪ ኣብዚ ነስተዕል ክርስቶስ ይቅረ ክብለና ከሎ ከመይ ዓይነት ሰባት ኔርና᎒ ነየናይ መንነትና ኢዩኸ ገለ ከም ዘይንፈልጥ ብጹኣት ገይሩ ዝተቐበሎ᎒ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ እዩ ዝምልሰልና

ምዉታት ኰለና

ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲ እንነብር ሰባት ኮለና

ነቲ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ እንእዘዝ ኮለና

ትምኒት ሥጋና ንፍጽምን ብሓሳብናን ድሌትናን ንነብርን

ጸላእቱ ኮለና፣ እዩ ኣምላኽ ይቕረ ኢሉና። እንበኣር መጽሓፍ ቅዱስና ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ ክብል ከሎ ከምቲ ኣብዚ ንኽብሩ ዘይበቕዕ ዓለም ትነብሩ ሰባት ኰለኹም ኣምላኽ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩም እውን ብዘይ ቕድመ ኩነት ብዘይ ቕጥዕታት ብዘይ መለክዒታትን ካሕሳታትን ይቕረ ተበሃሃሉ ማለቱ ኢዩ።

ይቕሬታ ንምንታይ የድሊ᎒

           ደቂ መዛሙርቱ ንጐይታ መጺኦም ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት መሃረና ክብሉዎ ኰለዉ ኣብ ዝመሃሮም “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ማቴ 6፡9፡13።  እትብል ጸሎት ሓሙሽተ መሠረታውያን ነገራት ንረክብ ኢና፡ እታ ሓንቲ ካብእተን እንበኣር ነዚ ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና መሠረታዊ ዝኾነ ናይ ቕድስና መሰላል እንሳለየሉ ይቕሬታ ኢየ ተመልክት “ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና” ማቴ 6፡12።  ንሕና ንዝበደሉና ሰባት ብዝሓደግናሎም መጠን ኣምላኽ ድማ በደልና ይሓድገልና ንሕና በደል ናይ ደቒ ሰባት ብዝሓዝናዮ መጠን ድማ ኣምላኽ በደልና ይሕዘልና ማለት ኢዩ። ነዚ እዩ ከኣ እቲ ናይ ሰላም ኣዋጅ ሒዙ ዝመጸ መስፍን ሰላም ዝተባህለ ጐይታ ከምዚ ዝበለና “ንሰብ በደሎም እንተሓደግኩምሎም ንዓኻትኩም ድማ ሠማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ኽሓድገልኩም እዩ፡ ንሰብ በደሎም እንተዘይሓደግኩምሎም ግና ንእካትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይክሓድገልኩምን እዩ። ” ማቴ 6፡14-15።  እንበኣር ይቅሬታ ካብ ዘድልየሉ መሠረታዊ ነገራት ሓደ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ምርካብ ኢዩ። ደቂ እስራኤል ብዙሕ ጊዜ ምስ በደሎም ኰለዉ ጾይሞምን ጸልዮምን መዓቶም ስለዘየቑረሩ ናብ ኣምላኾም ጠርዑ እሞ ኣምላኽ ከምዚ ክብል መለሰሎም “ኣይፋልኩምን ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎ ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ ከይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቕድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚአብሔር ዝሓብኣልኩም ዘሎሲ ኃጢኣትኩም እዩ.......... ንመገድኹም ትጠዋውዩዎ እቲ ብእኡ ዝኸይድ ፡ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን። ” ኢሳ 59፡1-8።  ኢልዎም።

ናይዞም ሰባት መሠረታዊ ሽግር ሕድገት ዘይምግባር ወይ ድማ የእዳውካ ዘይምንጻህ እዩ ስለዚ ካብ ኣምላኽ ሥርየት ኃጢኣት ዝደሊ ዘበለ ንሰባት ብዘይ ዝኾነ ተጉላባነት ይቕረ ክብል ይግባእ።

     ብተወሳኺ ይቕሬታ ሥጋዊ በረኸታት ንኽንረክብ ይገብረና ፡መጽሓፍ ቅዱስ “ሕራይ እንተኢልኩምን እንተተኣዚዝኩምን ምድሪ ተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ክትበልዑ ኢኹም።” ኢሳ 1፡18።  ይብለና ሕራይ ዝበለ ዝተሰማምዐ በረከት ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ እውን ከይተረፈ ኣይጎድሎን ኢዩ። ኣምላኽ ዘይባረኾ ነገር ከንቱ ከም ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ክብል ይገልጸልና “ኣምላኽ ንቤት እንተዘይሃነጻ ሃነጽቲ ንከንቱ ይጽዕሩ ኣምላኽ ንቤት እንተዘይሓለዋ ሓለውቲ ንኸንቱ ይነቕሑ።” መዝ 127፡1።  ስለዚ ካብ ትእዛዛቱ ሓንቲ ዝኾነት እንበኣር ነንሕድሕድና ንኽንፋቐርን ንኽንተሓቛቖፍን እዩ። 2ይ ዮሓ. 1፡5። ነዛ ትእዛዝ ኣምላኽ እዚኣ ብዝሓለናያ መጠን ድማ ምድሪ ተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ንረክብ። ኣብዚ ክነስተውዕለሉ ዘለና ነጥቢ ምድሪ ተፍርዮ ክበሃል ከሎ ኣብ መሬት ዝፈረየ ኩሉ ዘይኰነስ ነቲ ሠናይ ዘበለ ጥራሕ ከም ዝህበና ኢዩ እቲ መሓሪ ኣምላኽ ዝነግረና ዘሎ። ኮይኑ ግን ነቲ ትእዛዝ ናይዚ መሓሪ ዝኾነ ኣቦናን ሕያዋይ ጓሳና እግዚአብሔር ክፍጽሙ ንዘይደለዩ ሰባት ከምዚ ኽብል የዘክሮም “እንታይ ወሪዱኩም ከም ዘሎ እስኪ ኣስተውዕሉ ብዙሕ ዘራእኩም ሒደት ኣእቶኹም፡ በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረወኹምን፡ተኸደንኩም ኣይሞቕኩምን፡ እቲ ንውዕለቱ ዘእቱ ንመነባብሩኡ ዝኸውን ኣየዋህልልን።” ሓጌ 1፡6-7። ብምባል ነቶም መቕደስ ኣምላኽ ዓንያ ኰላ ኣብ ስሉም ኣባይቲ ክቕመጡ ዝደፈሩ ሰባት ይዛረብ። እንበኣር ንሕናውን ኣብ ልብና ዝሰፈሩ መቕደስ ኣምላክ ብዝተፈላለዩ ኃጣውእ ኣዕኒና ደጋዊ ጽባቔን ጥራሕ እንተሰለምና ዕጫና ካብዚ ዝፍለ ኣይክኸውንን እዩ።

ይቕሬታ ክሳብ ምንታይ᎒

     ይቅሬታ ክሳብ ምንታይ ኢዩ᎒ ገደብከ ኣለዎ ዲዩ᎒ ብዙሕ ጊዜ ሰባት ይቕሬታ ንኽሓቱ ኮነ ንኽሕተቱ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘቐምጡዎ መሠረታዊ ሕቶ ኢዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቲቱዎ ነይሩ “ጐይታይ ሓወይ እንተበደለኒስ ኽሳብ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብሎ ክሳዕ ሾብዓተዶ᎒ ኣብዚ ክፍሊ እዚ እዚ ሓዋርያ ዝሓተቶ ሕቶ ሰብሲ ይብድል እዩ እሞ ሾብዓተ ጊዜዶ ይቕረ ክብለሉ ወይሲ ከመይ ይሓይሽ ፣ ዓቅምና ትፈልጦ ኢኻ ...ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ ኣዘራርብኡ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ግን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምልሰሉ ከሎ ከምዚ እዩ ዝበሎ “ኢየሱስ ድማ ክሳብ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣ እንበር ክሳዕ ሾብዓተስ ኣይብለካን ኢየ። ” በሎ ማቴ 18፡21-24።  ኣብ  መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጊዜ ቁጽሪ ሾብዓተ ንፍጹም ነገር መግለጺ ኰይና ኢያ ተገልግል፣  ኣብዚ መልሲ ናይ ጐይታ  እንበኣር ከምቲ ንስኻ ዝሓሰብካዮ ብቁጽሪ ሾብዓተ ጊዜ ዘይኮነስ ኣነ ግን ፍጹም ይቕረታ ክትብል ይእዝዘካ ኣለኹ ዝብል ነበረ።

     ይቕሬታ ዘይስዕሮም ነገራት የለዉን ነቲ ኣዝዩ ተሪርን ደንዳኒን ከም ከውሒ ምንቅስቃስ ኣብዩ ዝነበረ ልቢ ከንቀሳቅሶ ኰነ ክሰብሮ ዝኽእል ይቕሬታ ጥራሕ እዩ። ንሰባት ይቕረ ብዝበልናሎም መጠን ክልተ ነገራት ኢና ንገብር ዘለና መጀመርያ ንነብስና በረኸት ምርካብ ክከውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ሰብ ካብ ናይ ሞራል ውድቀት ኣልዒልና ንዝበለጸ ሓድሽን ሰላማዊ ሕይወትን ነዳልዎ ኣለና ማለት እዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ሰብ ኰይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኰይኑ ድማ ዘይተኽኽ የለን ይብሉና። ሰብ ምብዳል ክጅምር ከሎ ንመጀመርያ ዝብድሎ ንርእሱ ክኸውን ከሎ ከምኡ ድማ ይቕረ ክብል ከሎ ንመጀመርያ  ዘርብሕ ንነብሱ እዩ፡ ከመይሲ ምናኣልባት እቲ በዲሉና ንብሎ ሰብ ንዝበደለና ነገራት ካብ መሠረቱ እውን በደል ከምዝኾነ ዘይፈልጠሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ተቐያሚ ሰብ በዞም ኣጋጣሚታት ንነብሱ ጥራሕ እዩ ዝጎድኣ ንነገራት ኣብ ዝሓድገሉ ጊዜ ግን ነቲ ሰብ ይምህሮን የረድኦን እዩ ዘሎ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ሰብ ኰይኑ ዘይብድል የልቦን። “ 1ይ ነገ 8፡46።  ነዚ እዩ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ሕጊ ኣፍሪሳ በዲላ ንኣምላኽ ኣቖጢዓ ብምባል ክፈርዱዋ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኡዋ ዘማዊት ምስ ረኣየ እቲ ዘይበደለ ኢዱ የንብረላ ዝበሎም ዮሓ. 8፡1። ስለዚ ከምቲ ንሕና ሰባት በዲሎምና ኢልና ንሕንሕኖ ንሕና ውን በዲልና ከይንኸውን ርእስና ኽንፍትሽን ክንምርምርን ከምኡ ድማ ዋላ ንሰባት እንተዘይበደልና ንኣምላኽ ዝበደልናዮ በደል ስለዝህልወና ምእንቲ ካብ ኣምላኽ ሥርየት ክንቕበል ንሰባት ይቕረ ክንብል ይግብእና። 

መጠቓለሊ

‘’ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ንሠናይ ከኣ ሓዝዎ ኣብ ነንሕድሕድኩም ምዉቕ ፍቕሪ ኣኅዋት ይሃልኹም ንሓድሕድኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።” ሮሜ 12፡9-10 ከም ዝበለና መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕርና ብነገራትን ብምልክት ሕቶታትን ዝመልአ ዘይኮነስ ካብ ፍጹም ግብዝና ዝርሓቐ ክኸውን ይግብእ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ክልተ ኣማራጺታት እዩ ዘቐምጠልና ንሳተን ከኣ 

        1ይ “ሕነ ምፍዳይ ናተይ እዩ ኣነ ክፈድዮ እየ ይብል እግዚአብሔር። ”ዘዳ32፡35። ዝብል ክኸውን ከሎ እዚ ፍጹም እግዚአብሔር ይበቀለለይ ኣነ ሕነይ ኣይፈድይን እየ ኢልካ ምሕሳብ እዩ።

        2ይ “ጸላኢኻ እንተጠመየ ኣብልዓዮ እንተጸምአ ውን ኣስትዮ እዚ ብምግባርካ ከም ብጉሁር ሓዊ ከተንድዶ ኢኻ ነቲ እከይ ደኣ ብሠናይ ጌርካ ሰዓሮ እንበር በቲ እከይሲ ኣይትስዓር።” ሮሜ 12፡20። ዝብል ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ንነገራት ርሒቕካ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጦም ኰይንካ ክትገብሮም ዝመርሕ መንገዲ ኢዩ ካብዞም ክልተ ኣማራጺታት ወጻኢ ግን ንኣምላክ ዘይምእዛዝ እዩ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ድማ ካብ ምድሪ በረኸት ካብ ሰማይ ድማ ምሕረት ዘርሕቕ ስለዝዀነ ካብዚ ንክንርሕቅ ኣምላኽ ብምሕረቱ ይደግፈና።

    “ ሓደ እኳ ተዓሚጹ ከሎ ምእንቲ ኣምላኽ እንተ ተዓገሰ ብኣምላኽ ቅቡል እዩ............ ንስኻትኩም እውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ ኣርኣያ ውን ሓደገልኩም ”1ይ ጴጥ2፡18-21።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ከም ፍቓዱ ክንመላለስ ልብና ንይቕሬታ ወትሩ ድሉው ክኸውን ኣብ ድኻምና ደጊፉ ጸግኡ የብዝሓልና ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት
ቅዱሳንን ኣይፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዮሓንስ ዘደብረ ቁስቋም

Comments are closed.