ይቅረ ምባልና ረብሓ’ዶ ወይ ክሳራ፧

ይቅረ ምባልና ረብሓ’ዶ ወይ ክሳራ

ይቅሬታ(2)

“ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ኤፌ 4፡32

v  ይቕሬታ እንታይ ኢዩ?

             ይቕሬታ ሕድገት ኢዩ፡ ሓደ ሰብ ብነብሱ፡ ብሃብቱ፡ ብቤተሰቡ፡ ብኽብረቱ ኮነ ብኹሉ ንዋዩ ንዝተበደሎ ነገራት ገዲፉ ቂም ካይሓዘ ክነብር ምስ ዝኽእል ይቕረ ኢሉ ወይ ይቅሬታ ገይሩ ይበሃል። ይቕሬታ ቃሉ ናይ ትግርኛ ክከውን ከሎ ትርጉሙ ሕድገት ወይ ይትረፍ: ይረሳዕ: ከም ዘይኮነ ይኹን: ማለት ኢዩ። መንፈሳውያን ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታትና ክምህሩና ከለዉ “ይቕሬታ ማለት ንዝበደልካዮ ሰብ ኬድካ ይቕረ በለለይ ማለት ጥራሕ ዘይኮነ ንዝበደለካ ሰብ ይቕረ በለለይ ንኽትብድለኒ ኣነ ኢየ ደፋፊአካ ወይ ከኣ ንዝተበደልካዮ በደላት ብዘይ ቅድመ ኩነት ምግዳፍ ማለት ኢዩ” ይብሉና።  ሰባት ብዙሕ ጊዜ ይቕረ ክብሉ ዘቐምጥዎ ቅድመ ኩነት ኣሎ ንሱ ድማ ዝተበደሉዎ በደል፡ ዘጋጠሞም ናይ ሞራል ውድቀት፡ ሽዑ ንዝከሰርዎ ክሳራታት፡ ኽብሮም ......ወዘተ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንጸባጸ እንተኾን ንገብሮ ዘለና ይቕሬታ ዘይኮነስ ናይ ሞራል ኻሕሳ ኢዩ። ይቕሬታ ግን ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰነፍ ሓሳባት ዝረሓቐ ናይ መንፈስ ልዕልና እዩ። 

         መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርኅሩኃትን ኴንኩም ይቕረ ተበሃሃሉ” ኤፌ 4፡32 ኣብዚ ጥቅሲ መጽሓፍ ቅዱስና ዘቐመጠልና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘለና ጥራይ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘለና ውን ኢዩ፡ እቲ ቃል ከምቲ ኣቀዲምና ዝረኣናዮ  “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም” ኢዩ ዝብል። ኣብዚ ክፍሊ እዚ እንበኣር ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ክንፍትሽ ኢና 

v  ኣምላኽ ብኽርስቶስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ይቕረ ኢልልና?

           ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ይቕሬታ ከምዚ ብምባል ብዘደንቕ ኣገላልጻ የቐምጠልና  “ንስኻትኩም ቀደም ብበደልኩም ምውታት ነበርኩም።ብናይ ዓለም ክፉእ መገዲ ትነብሩ ነበርኩም፡ነቲ ሕጂ ነቶም ንእግዚኣብሔር ዘእዘዙ ሰባት ዝመልኽ ርኹስ መንፈስ ሓለቃ ገዛእቲ ኣየርን ትእዘዙ ነበርኩም ቀደም ንሕና ውን ኩልና ከምኦም ትምኒት ስጋና እንዳፈጸምና ከም ድሌትናን ሓሳብናን ንነብር ሰባት ነበርና። ግናኸ እቲ ብምሕረቱ ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ ንኣና ብበደልና ምዉታት እኳ አንተነበርና ምስ  ኽርስቶስ ህያዋን ገበረና፡-ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም”ኤፌ 2፡1-5። እወ ኣምላኽ ነቶም ንኽብሩ ዘይንበቅዕን ንኣምላኽነቱ ብምስሊ ዝተፈላለዩ ኣምልኾታት ለዊጥና ነሕዝኖ ዝነበርና ሰባት ኢዩ ኣፍቂሩና ፡እወ ነቶም ምዉታት ዝነበርና፡ እዚ ሓዋርያ እዚ መሊሱ እውን ከምዚ ይብለና ኣሎ “ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስለን። እንዒ! ኣብ ኽንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኪመውት ዝደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን ።ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ ኢዩ እሞ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ” ሮሜ.5፡7-8  ይብል።  እስኪ ኣብዚ ነስተውዕል ክርስቶስ ይቅረ ክብለና ከሎ ከመይ ዓይነት ሰባት ሰለ ዝኾና ኢና ነየናይ መንነትና ኢዩ’ኸ ገለ ከም ዘይንፈልጥ ብጹኣት ገይሩ ዝተቐበሎመጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝምልሰልና 

Ø  ምዉታት ኮለና

Ø  ብናይ ዓለም ክፉእ መንገዲ እንነብር ሰባት ኮለና

Ø  ነቲ ገዛኢ ናይዛ ዓለም እዚኣ እንእዘዝ ኮለና

Ø  ትምኒት ሥጋና ንፍምን ብሓሳብናን ድሌትናን ንነብርን 

Ø  ጸላእቱ ኮለና

ኢዩ ኣምላኽ ይቕረ ኢሉና። እበኣር መጽሓፍ ቅዱስና ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቅረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ ክብል ከሎ ከምቲ ኣብዚ ንኽብሩ ዘይበቕዕ ዓለም ትነብሩ ሰባት ከለኹም ኣምላኽ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ይቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩም እውን ብዘይ ቕድመ ኩነት ብዘይ ቕጥዕታት ብዘይ መለክዒታትን  ካሕሳታትን ይቕረ ተበሃሃሉ ማለቱ ኢዩ።

v  ይቕሬታ ንምንታይ የድሊ?

           ደቂ መዛምርቱ ንጐይታ መጺኦም ጐይታ ጸሎት መሃረና ክብሉዎ ኮለዉ ኣብ ዝመሃሮም “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና” ማቴ 6፡9፡13  እትብል ጸሎት ሓሙሽተ መሰረታውያን ነገራት ንረክብ ኢና። እታ ሓንቲ ካብእተን እንበኣር ነዚ ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ቕድስና መላል እንሳለየሉ ይቕሬታ ኢ ተመልክት “ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና” ማቴ 6፡12።  ንሕና ንዝበደሉና ሰባት ብዝሓደግናሎም መጠን ኣምላኽ ድማ በደልና ይሓድገልና ንሕና በደል ናይ ደቒ ሰባት ብዝሓዝናዮ መጠን ድማ ኣምላኽ በደልና ይሕዘልና ማለት ኢዩ። ነዚ ኢዩ ከኣ እቲ ናይ ሰላም ኣዋጅ ሒዙ ዝመጸ መስፍን ሰላም ዝተባህለ ጐይታ ከምዚ ዝበለና “ንሰብ በደሎም እንተሓደግኩምሎም ንዓኻትኩም ድማ ሰማያዊ ኣቦኹም በደልኩም ኽሓድገልኩም ኢዩ፡ንሰብ በደሎም እንተዘይሓደግኩምሎም ግና ንዓኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይክሓድገልኩምን ኢዩ” ማቴ 6፡14-15  እንበኣር ይቅሬታ ካብ ዘድልየሉ መሰረታዊ ነገራት ሓደ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ምርካብ ኢዩ። ደቂ እስራኤል ብዙኃ እዋን ምስ በደሎም ኮለዉ ጾይሞምን ጸልዮምን መዓቶም ሰለ ዘይረሓቀ ናብ ኣምላኾም ርዑ እሞ ኣምላኽ ከምዚ ክብል መለሰሎም “ኣይፋልኩምን ንኣኻትኩምን ንእምላኽኩምን ኣብ መንጎ ኮይኑ ዝፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም ኢዩ ካይሰምዓኩም ከኣ ኣብ ቕድሜኹም ኮይኑ ገጽ እግዚአብሔር ዝሓብኣልኩም ዘሎሲ ሓጢኣትኩም ኢዩ.......... ንመገድኹም ትጠዋውዩዎ እቲ ብእኡ ዝኸይድ ፡ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን” ኢሳ 59፡1-8  በሎምናይዞም ሰባት መሰረታዊ ጸገም ሕድገት ዘይምግባር ወይ ድማ የእዳውካ ዘይምንጻህ ኢዩ ስለዚ ካብ ኣምላኽ ስርየት ሓጢኣት ዝደሊ ዘበለ ንሰባት ብዘይ ዝኾነ ተጉላባነት ይቕረ ክብል ይግባእ።

     ብተወሳኺ ይቕሬታ ስጋዊ በረኸት ንኽንረክብ ይገብረና ፡መጽሓፍ ቅዱስ “ሕራይ እንተኢልኩምን እንተተኣዚዝኩምን ምድሪ ተፍርዮ ሠናይ ዘበለ ክትበልዑ ኢኹም” ኢሳ 1፡18  ይብለና ሕራይ ዝበለ ዝተሰማመዐ በረከት ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምድሪ እውን ከይተረፈ ኣይጎድሎን ኢዩ። ኣምላኽ ዘይባረኾ ነገር ከንቱ ከም ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ክብል ይገልጸልና “ኣምላኽ ንቤት እንተዘይሃነጻ ሃነጽቲ ንከንቱ ይጽዕሩ ኣምላኽ ንቤት እንተዘይሓለዋ ሓለውቲ ንኸንቱ ይነቕሑ” መዝ 127፡1።  ስለዚ ካብ ትእዛዛቱ ሓንቲ ዝኾነት እበኣር ነንሕድሕድና ንኽንፋቐርን ንኽንተሓቛቖፍን እትብል እያ፣ 2ይ ዮሐ 1፡5። ነዛ ትእዛዝ ኣምላኽ እዚኣ ብዝሓለናያ መጠን ድማ ምድሪ ተፍርዮ ሰናይ ዘበለ ንረክብ። ኣብዚ ነስተውዕለሉ ዘለና ነጥቢ ምድሪ ተፍርዮ ክበሃል ከሎ ኣብ መሬት ዝፈረየ ኩሉ ዘይኮነስ ነቲ ሰናይ ዘበለ ጥራሕ ከም ዝህበና ኢዩ እቲ መሓሪ ኣምላኽ ዝነግረና ዘሎ። ኮይኑ ግ ነቲ ትእዛዝ ናይዚ መሓሪ ዝኾነ ኣቦናን ሕያዋይ ጓሳና እግዚአብሔር ክፍጽሙ ንዘይደለዩ ሰባት ከምዚ ኽብል የዘክሮም “እንታይ ወሪዱኩም ከም ዘሎ እስኪ ኣስተውዕሉ ብዙሕ ዘራእኩም ሒደት ኣእቶኩም፡ በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረወኹምን፡ተኸደንኩም ኣይሞቕኩምን፡ እቲ ንውዕለቱ ዘእቱ ንመነባብሩኡ ዝኸውን ኣየዋህልልን” ሓጌ 1፡6-7 ብምባል ነቶም መቕደስ ኣምላኽ ዓንያ እንከላ ኣብ ስሉም ኣባይቲ ክቕመጡ ዝደፈሩ ሰባት ይዛረብ። እበኣር ንሕናውን ኣብ ልብና ዝሰፈሩ መቕደስ ኣምላክ ብዝተፈላለዩ ሓጣውእ ኣዕኒና ደጋዊ ጽባቀን ጥራሕ እንተሰለምና ዕጫና ካብዚ ዝፍለ ኣይክኸውንን ኢዩ።

v  ይቕሬታ ክሳብ ምንታይ?

     ይቅሬታ ክሳብ ምንታይ ኢዩ ደረት ኣለዎ ዲዩ ብዙሕ ጊዜ ሰባት ይቕሬታ ንኽሓቱ ኮነ ንኽሕተቱ ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን ዝመጾም መሰረታዊ ሕቶ ኢዩ። ነዚ ሕቶ እዚ ቕድሚ ኣሽሓት መታት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቲቱዎ ነይሩ “ጐይታይ ሓወይ እንተበደለንስ ኽሳብ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ክብሎ ክሳዕ ሾብዓተ’ዶ ኣብዚ ክፍሊ እዚ እዚ ሓዋርያ ዝሓተቶ ሕቶ ሰብሲ ይብድል ኢዩ እሞ ሾብዓተ ጊዜ’ዶ ይቕረ ክብለሉ ወይሲ ከመይ ይሓይሽ?ዓቅምና ትፈልጦ ኢኻ ...ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ ዝመስል ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ግን ጐይታ ክምልሰሉ ከሎ ከምዚ ኢዩ ዝበሎ “ኢየሱስ ድማ ክሳብ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደኣ እንበር ክሳዕ ሾብዓተስ ኣይብለካን ኢየ” በሎ ማቴ 18፡21-24።ኣብ  መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ጊዜ ቁጽሪ ሾብዓተ ንፍጹም ነገር መግለጺ ኮይና ኢያ ተገልግል እና ኣብዚ እና ኣብዚ መልሲ ናይ ጎይታ  እንበኣር ከምቲ ንስኻ ዝሓሰብካዮ ብቁጽሪ ሾብዓተ ጊዜ ዘይኮነስ ኣነ ግን ፍጹም ይቕረታ ክትብል ይእዝዘካ ኣለኹ ዝብል ነበረ።

     ይቕሬታ ዘይስዕሮም ነገራት የለዉን። ነቲ ኣዝዩ ተሪርን ጽንዑን ከም ከውሒ ምንቅስቃስ ኣብዩ ዝነበረ ልቢ ከንቀሳቅሶ ኮነ ክሰብሮ ዝኽእል ይቕሬታ ጥራሕ ኢዩ።ንሰባት ይቕረ ብዝበልናሎም መጠን ክልተ ነገራት ኢና ንገብር ዘለና መጀመርያ ንነብስና በረኸት ምርካብ ክከውን። ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ሰብ ካብ ናይ ሞራል ውድቀት ኣልዒልና ንዝበለጸ ሓድሽን ሰላማዊ ሕይወት ነዳልዎ ኣለና ማለት ኢዩ። ኣቦታትና ክምስሉ ሰብ ኮይኑ ዘይእብስ ዕንጨይቲ ኮይኑ ድማ ዘይተኽኽ የለን ይብሉና። ሰብ ምብዳል ክጅምር ከሎ ንመጀመርያ ዝብድሎ ንርእሱ ክኸውን ከሎ ከምኡ ድማ ይቕረ ክብል ከሎ ንመጀመርያ  ዘርብሕ ንነብሱ ኢዩ። ከመይሲ ምናልባት እቲ በዲሉና ንብሎ ሰብ ንዝበደለና ነገራት ካብ መሠረቱ በደል ከምዝኾነ ዘይፈልጠሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ተቐያሚ ሰብ በዞም ኣጋጣሚታት ንነብሱ ጥራሕ ኢዩ ዝጎድ ንነገራት ኣብ ዝሓድገሉ እዋን ግነቲ ሰብ ይምህሮን የረድኦን ኢዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የልቦን “ 1ይ ነገ 8፡46  ነዚ ኢዩ ድማ ጐይታ ነታ ሕጊ ኣፍሪሳ በዲላ ንኣምላኽ ኣቖጢዓ ብምባል ክፈርዋ ናብ ጐይታ ዘምጽኡዋ ዘማዊት ምስ ረኣየ እቲ ዘይበደለ ኢዱ የንብረላ ዝበሎም ዮሐ 8፡1 ስለዚ ከምቲ ንሕና ሰባት በዲሎምና ኢልና ንሕንሕኖ ንሕና ውን በዲልና ካይንኸውን ርእስና ኽንፍትሽን ክንምርምርን ከምኡ ድማ ዋላ ንሰባት እንተዘይበደልና ንኣምላኽ ዝበደልናዮ በደል ስለዝህልወና ምእንቲ ካብ ኣምላኽ ስርየት ክንቕበል ንሰባኣት ይቕረ ክንብል ይግብና።  

v  መጠቓለሊ 

‘’ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ንሰናይ ከኣ ሓዝዎ ኣብ ነንሕድሕድኩም ምዉቕ ፍቕሪ ኣሕዋት ይሃልኹም ንሓድሕድኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ” ሮሜ 12፡9-10 ከም ዝበለና መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕርና ብነገራትን ብምልክት ሕቶታትን ዝመልአ ዘይኮነስ ፍጹም ግብዝና ዘርሓቐ ክኸውን ይግብእ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕነ ምፍዳይ ክልተ ኣማራጺታት ኢዩ ዘቐምጠልና ንሳተን ከኣ  

 1ይ. “ሕነ ምፍዳይ ናተይ ኢዩ ኣነ ክፈድዮ ኢየ ይብል እግዚኣብሔር” ዘዳ.32፡35 ዝብል ክኸውን ሎ እዚ  ኣነ ሕነይ ባዕለይ ኣይፈድይን ኢየ ኢልካ ፍርዲ ንእግዚአብሔር ምግዳፍ ኢዩ።

        2ይ. “ጸላኢኻ እንተጠመየ ኣብልዓ እንተጸምአ ውን ኣስትዮ እዚ ብምግባርካ ከም ብጉሁር ሓዊ ከተንድዶ ኢካ ነቲእከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ሰዓሮ እበር በቲ እከይሲ ኣይትዓር” ሮሜ 12፡20 ዝብል ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ንነገራት ርሒቕካ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጦም ኮይንካ ክትገብሮም ዝመርሕ መንገዲ ኢዩ ካብዞም ክልተ ኣማራጺታት ወጻኢ ግን ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ኢዩ ንኣምላኽ ዘይምእዛዝ ድማ ካብ ድሪ በረኸት ካብ ሰማይ ድማ ምሕረት ዘርሕቅ ስለዝኮነ ካብዚ ንክንርሕቅ ኣምላኽ ብምሕረቱ ይደግፈና 

  “ ሓደ እኳ ተዓሚጹ ከሎ ምእንቲ ኣምላኽ እንተ ተዓገሰ ብኣምላኽ ቅቡል ኢዩ............ ንስኻትኩም እውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ክትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ ኣርኣያ ውን ሓደገልኩም “  1ይ ጴጥ2፡18-21

ስበሐት ለእግዚአብሔር

ዲያቆን ዮሐንስ ዘደብረ ቁስቋም

Comments are closed.