ዘመን ምንቃሕ እዩ‘ሞ ካብ ምድቃስና ንበራበር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ምስባክ

ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ

ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም

ወይረውዩ አድባረ በድው። መዝ 64፣11

2ይቆሮ.6፣1-11። ያዕ.5፣8-13። ግ.ሓዋ.5፣12-17። ወንጌል.ማቴ.11፣1-20።

ቅዳሴ ዘሐያዋርያት (ነአኵተከ)

እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ድንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ ዘመነ ዮሐንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ  ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን።

ወዲ ሰብ ኣቦና ኣዳም ካብ ምስ ተፈጠረ ኣብ መበል ሻዱሻይ መዓልቲ እግዚአብሔር  ኃያል ድቃስ ከም ዘውደቀሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።  ኣዳም ተፈጢሩ ንጽባሒቱ ሰንበት ድሕሪ ምኽባሩ ኩሉ ዝተኣዛዞ ሠሪሑ  ምስ ወደአ ንኣዳም  “ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቅ ኣይኮነን ፣ ንዑኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሎ እየ በለ። “ዘፍ.2፣18። ኣዳም ከኣ ኣብ ከቢድ ድቃስ ከሎ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንሔዋን ፈጠረሉ። ናይ ድቃስ ኣምሳል ሞት ዝኾነት ፣ ሞት ተምጽእ ሔዋን፣ ኣዳም ኣብ ከቢድ ድቃስ ከሎ  እግዚአብሔር ኣምላኽ  ካብ መሰንገሊኡ ወሲዱ ንሔዋን ፈጠረሉ። ታሪኽ ድቃስ ዝፈለጥናዩ ከኣ ካብዚ እዋን ጀሚሩ እዩ።

ድሕርዚ ድቃስ ንባሕርይና ዝስማማዕ ኮይኑ ከነዕርፈሉ ዝተወሃበና ለይቲ ካብዚኣ ክፋእ ዓለም ወጺእና ብልብና ዝሓሰብናዮ ኮነ ዘይሓሰብናዮ ንርእየሉ ሓደ ሓደ ግዜውን ዘይንፈልጦም ንፈልጠሉ ካልእ ግዜውን ንመጻኢ ኣብ ውሽጢ  ሕይወትና  ክኸውን ብእግዚአብሔር ዝተሓሰበልና ቅድሚ ምዃኑ ንርእይሉ እዩ።

እግዚአብሔር ሥርሑ ግሩምን ድንቅን ስለዝኾነ እንፈትዎ ብርሃን ወሲዱ ኣብ ጸልማት የዕርፈና፣ እንዳረኣናን እንዳሰማዕናን ክግበሮ ዘይደለየ ነገር ኣብ ምድቃስና ይገብሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ ለይቲ መዓልቲ እንሰርሖ እንውጥነሉ እዩ። ድቃስ ከኣ ናይ ሕይወትና መስመር እንርእየሉ ኣዝዩ ጠቃሚ ክፍሊ ሕይወትና እዩ። ዝቀደሙ ቅዱሳን ኣቦታትና ዘደንቅ ነገረ ክርስቶስ ሰብ ናይ ምኻኑ ተዋህዶ ምሥጢር ዝረኣዩ ብሠለስተ መገዲ እዩ።  

ብራእዩ

ብሕልሚ

ግልጺ ብዝኾነ መገዲ ካብ እግዚ አብሔር ብዝተላእኸ ቅዱስ መልኣኽ እዩ።

ብዘይ ድቃስ ሕልሚ የለን። ያዕቆብ ኣብ ፍኖተ ሎዛ እንተዘይድቅስ ኔሩ ካብ መሬት ክሳብ ሰማይ ዝተዘርግሐ መሰላል ኣብ ልዕሊኡ ዝተቀመጠ ንጉሥ ኣይመረኣየን ኔሩ። “ ዛቲ ይእቲ ሆኅታ ለሰማይ ዝዮ ይትሐነጽ ቤተ እግዚአብሔር። እዚኣ ቤተ እግዚአብሔር እያ እምበር ካልእ ኣይኮነትን እዚኣ ከኣ ደገ ሰማይ እያ። በለ። ኣብ ምድቃሱ ያዕቆብ ንመጻኢ ዝኸውን ርእዩ ተዛረበ ካብ ኣርብዓን ሸሞንተን ናይ ኣይሁድ ምኩራባት ሓደ ንሱ ዝደቀሰላ ቦታ ኣብ ቤተኤል ከምዝሥራሕ መስከረ። ነብይነቱ ድሕሪ ድቃስ ተጀሚሩ።

ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋንውን እግዚአብሔር ንደቁ ካብ ክፋእን መከራን ብድቃስ ዝስውረሉ ናይ ድኅነት ድንኳን ኮይኑ የገልግል እዩ። ስሳን ሽዱሽተን ዓመት ዝደቅሰ ኣቢሜሌክ ፣ ስለስተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ዓመት ዝደቀሱ  ሸውዓተ ሕጻናት ዝተሰወርሉ መገዲ ስለዝኾነ እዩ።  ድቃስ ካብ እግዚአብሔር ክኸውን ከሎ  ናይ ጥዕና ምልክት እዩ።

ከምቲ ኣብ ኣርእስቲ ዝተገልጸ እዚ ጽሑፍ ቀንዲ መልእኽቱ ብዛዕባ ድቃስ ዘይኮነ ብዛዕባ ምንቃሕ እዩ። ምኽንያቱ ዘመነ ምንቃሕ ስለዝኾነ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኮነ ሓዲሽ ኣብ መእተዊ  መጀመርያ ምዕራፍ ምስ እንርእይ ብዛዕባ ድቃስ ይትርኸልና እዩ። መጀመርያ ኣቦና ኣዳም ዳሕራይ ድማ ቅዱስ ዮሴፍ።  ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፍልልዩ ናይ ኣዳም  ድቃስ  ራእይ የብሉን ። ናይ ዮሴፍ ድቃስ ግና ራእይ ኣለዎ። ድቃስ ኣዳም ሞት ዘስዓበ ስለዝኾነ ራእይ ኣልባ ኮነ።  ዮሴፍ ድቃስ ግና ሲዒቡ ብዘሎ ዘመን ዝመጽእ ዘመን ዘመነ ትንሣኤ ስለዝኾነ ካብ ድቃሱ ምስ ነቅሐ ዝገብሮ ነገር ረኣየ።   

በዓል ራእዩ ዝኾነ ሰብ ኣብ ድቃሱ ከምዝሞተ ዘይኮነስ ንጽባሕ እዩ ዝርእየሉ፣ ቀጻሊ ሕይወቱ ይንበየሉ ፣ ንቁሕ ወለዶ ብማዕበል ከቢድ ድቃስ ኣይናወጽን ፣ ንቁሕ ወለዶ ኣፋ እንተዘይተዛረበ ብኅልናኡ ትም ኣይብልን፣ ኣዕይንቱ እምበር ሕልናኡ ኣይድቅስን እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ማቴ.1፣24። ዝተገልጸ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ምድቃሱ ክትግርሞ ከሎ። “ ወነቂሆ ዮሴፍ እምንዋሙ። ዮሴፍ ካብ ድቃስ ምስ ተበራበረ። ዝብል ናይ ምንቃሕ ናይ ምብርባር ዘመን ነበረ ብምባል ይትርጉሞ።

  ኣብዚ ዘለና ዘመን ዘይጥዕናዊ ድቃስ ፣ ካብቲ ገቢረ ጽድቂ ዝግብረሉን ዝሰመዓሉን ፣ ገቢረ ኃጥያትን ክፋእን ዝግበረሉን ዝሰመዓሉን ዝበዝሓሉ ብምዃኑ ። ዘመን ተቐይሩ ምንቃሕ  ዘመን  ብርሃን ክኾነልና ክንጽልይን ክምህለልን ይግበኣና። ብንጹሕ ህሊና ጸሊና ምስ እንድቅስ ራእይና ድቃስን ይጥዕም ። ዝሓሰብናዩ ከኣ ምትግባር ንኽእል። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዝተባህለ ብእግዚአብሔር ዝተኣዘዘ መልኣኽ ዝተኣዘዞ ክገብር ዝኸኣለ ካብ ድቃሱ ምስ ነቅሐ እዩ። ማቴ. 1፣24። “ወነቂሆ ዮሴፍ እምንዋሙ ገብረ በከመ አዘዞ መለአከ እግዚአብሔር፣ ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተሢኡ መልኣኽ እግዚአብሔር ከም ዝ ኣዘዞ ድማ ገብረ።”ተባሂሉ ብዛዕባኡ ተጻሕፈ።

ካብ ድቃሱ ዘይነቅሐ ወለዶ ከመይ ኢሉ ይእዘዝ፧ ከመይ ኢሉከ ዝተኣዘዞ ይገብር ሕጂ እዋኑ ናይ ምንቃሕ ዘመን እዩ። ብፍላይ ዘለናዩ እዋን ሓዲሽ ዓመት ንጅምረሉ ዓለምና ኣብ ሕማቅ ኩነታት ብለበዳ ሕማም ተታሒዛትሉ ዘላ እዋን  ዝሓለፈ ዓመት በገቢረ ኃጢያት ካብ እግዚአብሔር ዝረሓቅናሉ ናይ ስንፍና ድቃስ ወሪሱና ኣንፈትና ዝሰሓትና ስለ ዝኾነ ፣ ንገቢረ ጽድቂ ንበራበር ንንቃሕ፣ ፣ ናትና ግዴ ከኣ ካብ ጓይላን ዳንኬራን፣ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ንብላዕን ምስታይን ምንዝርናን ነፍሰ ፍትወትን ፣ ነፍስኻ ዘይምግታእን ሪሕቅና ፣ ብንስሓ ናብ እግዚአብሔር ምምላስን ሓዲሽ ልቢ ሒዝና ብፍቅርን ስኒትን ምስ ኩሉ ብሰላም ምንባር እዩ። 

ዝሓለፈ ዘመን እግዚአብሔር ዝኣዘዘና ምግባር ዝተሰኣነና እንታይ ስለዝኾና ኢና፧ ደቂስና ተጸዊዕና ከኣ ከይንሰምዕ ኣእዛነ ልቦናና ተዓጺዩ ህልም ዝበለ ንዋም ስለዝደቀስና እዩ። ኣምላኽና  እግዚአብሔር ንዝደቀሱ ምብርባር ምንቃሕ ልማዱ ስለዝኾነ ተንሥኡ ኢሉ ኣበራቢሩና።  ከምቲ ንዝፈትዎ ኣልኣዛር ካብ ምድቅሱ ዘተንሥኦ “‹‹አልዓዛር አርክነ ኖመ ወባሕቱ አሐውር አንቅሆ፤ ፈታዊና ኣል ኣዛር ደቂሱ ኣሎ እሞ ፣ ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንሥኦ ክኸይድ እየ በሎም። “ ዮሓ.11፣11። ንዝደቀሱ ኣተንሢኡ ኣብ ሕፍቆ ጽላሉ የንብሮም ። ዝድቅስ ኩሉ “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ፣ ተገምሰስኩ ደቀስኩውን እግዚአብሔር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቃሕኩ።” መዝ.3፣5። ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝድቅስ ከኣ ብሰላም ይድቅስን ይትሥእን።  እዚ ከኣ ጠባይዐዊ ድቃስ ይበሃል፣ ንኹሉ ሥጋ ለባሲ ዝተኣዘዘሉ ብምዃኑ ብዝግባእ እንተደቀስና ዘኽፍእ ኣይኮነን። ብርግጽ ባሕታውን አበው  ጾመ ድቃስ ዝተኣዘዘሎም ብምዃኑ መዓልትን ለይትን ብጾምን ብጸሎት የሕልፍዎ፣ ብስግደት ዝደኸመ ሰውነቶም “ኦ ሀካይ ሥጋዬ ንሳዕ መክፈልተከ፤ ኣንታ ሰነፍ ሥጋ ግዲኻ ውሰድ።” ኢሎም ንቅሩብ ሰዓት ጥራህ ይድቅሱ። ኣባ ኣርሳንዮስ ብዛዕባ እዚ ክዛረቡ ከለዉ ኣብ ትግሃት ዘሎ መነኩሴ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ክድቅስ የብሉን። ይብሉ። ኣብ ዓለም ዘሎ ሰብ ግና ብዘይካ እቲ ንጸሎትን ንሥራሕን ዝተመደበሉ እዋን ብግቡእ ተጠቂሙ እንተደቅሰ ኃጥያት ኣይኮኖን እዩ።

እቲ ንመንፈሳዊ ነገር ከይንተግህ ከይንነቅሕ ዝገብረና ናይ ኃጥያት ድቃስ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ። እቶም ሰላማዊ ድቃስ ነገረ እግዚአብሔር እንዳሓሰቡን እንዳስተንተኑን ዝድቅሱ ናይ ምድሪ ዘይኮነ ናይ ሰማይ ምሥጢር ርእዮም እዮም። ንሕና እቶም ገብሪ ጽድቂ ዘይብልና ኃጥያትና ዝበዝሐ ንነብስና ምርኣይ ኣይከኣልናን፣ኣንፈትና ዝጠፋኣና ዓመት መጸ ናይ መብጽዓ ሰባት ጥራሕ ኮይና ንተርፍ።

     ቅዱስ ዮሓንስ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል 25 ዝተጠቅሰ ናይተን ሓሙሽተ ደናግል ታሪኽ ኣብ ዝተርጎሞ “አኮ ንዋም ጠባይዐዊ አላ ኃዲገ ምግባራት ወትሩፋት መንፈሳውያት፤ ድቃሰን ጠባይዐዊ ኣይኮነን፣ ካብ ትሩፋት ምርሓቅ ካብ መንፈሳዊ ተግብር ምፍላይ እዩ እምበር ።” ብምባል ንክርስቶስ ብትግሃት ምጽባይ ዝተሳእነን ሰነፋት ደናግል ይግስጸን።

ስጋብ መዓስ ንድቅስ ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝገበሮ ነቂሑ ዝተኣዘዞ ፈጸመ። ዘይድቅስ ሰብ የለን ፣ ዘይትሥእ የለን ዝሞተ እንተዘይኮይኑ። ንሕና ከኣ ደቂስና ኢና እምበር ኣይሞትናን፣ ናይ ንምቃሕ ፣ ምብራባር እዋን ሕጂ እዩ። “ ኣንታ እትድቅስን ኢየሱስ  ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ከብርሃልካ እዩ እሞ ተሥእ ።” ተባሂሉ ኣዋጅ ዝተነግረሉ ዘመን ኢና ዘለና። ናይ ተስፋ ዘመን ፣ ተስፋ ኣይንቆርጽን ዝደቀሱ ኣተንሢኡ ሥራሕ ከሥርሕ ሪኢና ኢና። ንኣምን ከኣ ሓደ መዓልቲ “ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ።” መዝ.3፣5። ኢልና ክንዝምር ፣ እታ መዓልቲ ከኣ ሎሚ ሕጂ እያ።

ኣብ ሓዲሽ ዓመት ካብ ድቃስን ነቂሕና ሓዲሽ ልቢ ንሓዝ

 ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ሓዲሽ ልቢ ክህልወና ይግባእ ። ንሓዲሽ ዓመት ሓዲሽ ክግበሮ ዝኽእል ሓዲሽ መንፈስ ክህልወና ከሎ እዩ። ምስ ኩሉ ሰብ ብፍቅሪ ብሰላም ንነብረሉ፣ ኣብ ጸልማት ዘለው ብርሃን ክንኮኖም ፣ ዝሓዘኑ እንጸናንዓሉ ፣ ስብራቶም ንጽግነሉ፣ ኣብ ድኻሞም ነበርትዖም ሓዲሽ ልቢ ክህልወና ይግባእ።

ሓዲሽ ልቢ ከይሓዝና ሓዲሽ ነገር ክህሉ ኣይኽእልን እዩ። ሓዲሽ ክዳን ንሰውነት ከምዘይንጽህ ፣ ሓዲሽ ልቢ ዘይሓዘ ሰብ ንዘመን ሓዲሽ ክገብሮ ኣይኽእልን። ሰብ ብምሕዳስ ሓሳብ ሓዲሽ ልቢ ምስዝሕዝ ዘመኑ ፣ ምድሩ፣ ንፋሱ፣ ማዩ ሓዲሽ ይገብሮ።

ዓለምና ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝሓለፍን ክንርእያ ከለና ብዙሕ ልብኻ ኣቂሲሉ ርእስኻ ኣድኒኑ ዘኺደካ ነገራት ምድሪ ብደም ሰብ እንዳተሓጸበት፣ ይቕሬታ ዝረሓቀሉ ዘመን ምዃኑ ንርኢ። እዚ ከምዝን ከይተኣለየ ከመይ ሓዲሽ ዘመን ክርከብ። ምውት ባሕሪ ዝበሃል ሕይወት ዘይብሉ ኣብ ዓለምና ዘሎ ኣመጻጽአ ምኽንያቱ ምስእንርኢ ፣ ቃኤል ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ ናይ ጻድቅ ኣቤል ደም ናብቲ ባሕሪ ስለ ዝፈሰሶ እዩ።  

ዓለምና ደም ንጹሃን እንዳፈሰሳ ምድሩ ባሕሩ ንፋሱ ማዩ ተበኪሉ  ፣ ኣብዚኣ ዝሞተት ምድሪ ዘሪእና ፣ ብዝሞተ ማይ ኣቢቂልና ፣ ብዝሞተ ኣየር ሲሕብና ከመይ ብሕይወት ክንነብር ንኽእል። ዓስቢ ኃጥያትናን ኣበሳናን ከኣ ንሓፍስ ብሕማም ፊራ  ወዘተረፈ.. ብቀጻሊ ሓደ ንሓደ ብምትካእ ይወርደና  ። ስለዚ ንልቢ እግዚአብሔር ንምርህራህ ብንስሓን ብሓዲሽ ልቢን ይቅሬታን እንተዘይተመሊስና ሓዲሽ ዓመት ምብዓልና  ኣፋዊ ኣልቦ ፍረ እዩ ዝኸውን።  

ካብ ድቃስና ንበራበረሉ እዋኑ እዩ እሞ፣ ንሓዲሽ ዓመት ብሓዲሽ ልቢ ክንቅበላ ናትና ዓመት ክንገብራ ካብ ድቃስና ንበራበር ንንቃሕ እሞ ኣንፈትና ፍኖተ ጽድቂ ክኸውን ግራት ልብና ኣልቦ ጻህያይ ጌርና፣ ኣምላክ ቅዱሳን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ማኅደር  ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ማኅደር  ኩሎም ቅዱሳን  ክኸውን ብትብዓት ከምተን ለባማት ደናግል ንውስነሉ ዘመን እዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ ድኻምና ይደግፈና፣ ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፣ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.