ዘመነ ክረምት [ ሰኔ 26- መስከረም 25 ]

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ብ25 ሰነ ክረምቲ ዝኣትወሉ እዩ፡ ካብ 26 ሰነ ክሳብ 1 ሓምለ መዝሙር ናይ ክረምቲ እዩ። ሊቃውንት ቤተክርስትያን ከምዚ እናበሉ መዝሙር ምስጋንኦም የቕርቡ፣ 'ደምፀ እገሪሁ ለዝናም ሶበ ይዘንም ዝናም ይጸግቡ ርኁባን፣ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም ሶበ ይዘንም ዝናም ይትፌሥሑ ነዳያን፣ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም ወሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ፣ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም ደምፀ እገሪሁ ለዝናም…… ፥ ድምፂ ናይ ዝናም ምስ ተሰምዐ ዝናም ይሃምር፡ እቶም ጥሙያት ይጸግቡ፣ ድምፂ ናይ ዝናም ምስ ተሰምዐ ዝናም ይሃርም፡ ነዳያን ድማ ይሕጐሱ፣ ድምፂ ናይ ዝናም ምስ ተሰምዐ፡ ሰንበት ንሰባት ዕረፍቲ ክትኸውን እግዚኣብሔር ሠሪዕዋ ኣሎ፣ 'ንምንታይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እምበር፡ ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን' ከምዝበለ፡ (ማር 2፡27-28)።

'ነዞም ብጸሎት እንልምን ብመንፈስ ሰላም ኪኸድነናን ጸጋኡ ከብዝኃልናን ኣዕይንቲ ኣልባብና ከብርሃልናን፣ ጸሎትና ሰሚዑ ኪቕበል ቀሪብና ንእግዚአብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።

  • ጸሎት ምእንቲ ዝናማትን ማያት ኣፍላግን

ኦ ንዅሉ እትኅዝ እግዚአብሔር ኣምላኽና! . . .

ኣብቲ ዚድለ ቦታ፡ ዝናማትካ ኸተዝንም ብፍጹም ንልምነካ ኣሎና። ንገጽ ምድሪ ኣለምልም፡ ንትልማ ኸኣ ኣርዊ፡ ንዘርእን ዓጺድን ኣብጽሕ። ኦ ጐይታ ካብ ሕያውነትካ ዚርከብ ይቕሬታኻ ቐልጢፉ ይፈጸመልና።

. . . ንማያት ኣፍላግ ክሳዕ ልክዕ መስፈርቶም ምእንቲ ኪመልኦም ንልምኖ ኣሎና። ሠናያት እትገብር፡ እወ ክረምቲ እተምጽእ፡ ዝናማት ከኣ እትፍኑ ንስኻ ኢኻ እሞ ንገጽ ምድሪ ኣለምልም፡ ትልማውን ኣርዊ። ንዘርእን ንዓጺድን ኣብጽሕ። ምሕረት ንምግባር ሥልጣን ዘሎካ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኢኻ። . . .

ንማያት ኣፍላግ ክሳዕ መስፈርቶም ምላእ። ንደመናት ዝናም ኬውርዱ ኣዝዞም። ንኣፍላግ ድማ ብዓቕሞም ማያት ምልኣዮም፡ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ንገጽ ምድሪ ኣለምልም። እኽሊ ኣብዝኅ። ናይ’ዚ ዓመት እዚ እቶትውን ብሕያውነትካ ባርኽ።. . .

  • ሠናያት እትገብር፡ ንኣትክልትን ዕምባባታትን ፍርያት ምድርን፣ ክረምቲ እተምጽእ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኸኣ ዝናም እትፍኑ ንስኻ ኢኻ።
  • እወ ንዅሉ ፍጥረት መጋቢ ንስኻ ስለዝኾንካ ንኣኻ ምስ ወድኻን ፍቁርካን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይግባእ፣ ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ምስጋናን ግዝኣትን ክብርን ብእኡ ዘሎካ፣ ሎምን ኵሉ ሳዕን ንዘለዓለም ዓለም፡ ኣሜን።"

'ድምፂ ናይ ዝናም ምስ ተሰምዐ……' እናበለ እቲ ሊቅ ይቅጽል፣ ስለዚ በዚ በአተ ክረምት እግዚኣብሔር ቅዱስን ንጹሕን ጽሩይ ንኽእሎ ማይ ይሃበና፣ ኣፍላጋትን ቀላያትን ዝመልኡሉ፡ ዝዕጸድ ምድሪ ዝህበና፡ ነዚ ሕማም ዘመንና ሓጺቡ ዘጥፍኣልና ክኸውን ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይስመሮ። ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት፡ ናይ ዅሎም ኅሩያነ እግዚኣብሔር ጸሎትን በረኸትን ኣይፈለየና፡ ኣሜን። ብሰላም ምእታውና ክረምቲ ጌሩ ብሰላም ምውፃእና ክረምቲ ይግበረልና ኣሜን።

መወከሲ፥

  1. ሥርዓተ ቅዳሴ ‘በእንተ ቅድሳት’ ቍጽሪ 95፡ 96፡ 97
  2. መስተብቍዕ በእንተ ዝናማት
  3. ዘይነግሥ በእንተ ማያተ አፍላግ

ኣዳላዊ ዲያ ዳንኤል ኣብርሃም

ሰኔ 4 2012 ዓ.ም.

ሰኔ 11 2020 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ማርያም፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል።

Comments are closed.