ዘመነ ብርሃን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐድ አምላክ አሜን።

  ሰናብቲ ናይ ልደት

                                                                               ዘመነ ብርሃን

ናይ ሰንበት መዝሙር እም ፲፬ (14) እስከ ፳ (20) ታኅሣሥ ብርሃን

መዝሙር ዘብርሃን አቀዲሙ ነገረ በኦሪት።

አቅዲሙ ነገረ በኦሪት ፣ ከመ ይመጽእ ወልድ በስብሐት ፣

ዘይዜንዋ ለጽዮን ቃለ ትፍሥሕት፣ ወካዕበ ይቤ በአፈ ዳዊት፣

ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር።

 ብርሃን ዘመጽአ ውስተ ዓለም።

ዘያበርህ ላዕለ ጻድቃን ።

ወርዓዊሃ ለቤተ ክርስትያን ይርዳእ ዘተኅጕለ ያስተጋብእ።

ዝርዋነ መጽአ ኅቤነ።

ብርሃን ዘመጽአ ውስተ ዓለም።

ዘመነ ብርሃን ኣብ መወዳእታ ናይ ጾመ ነቢያት ካብ ዘለዉ ሰለስተ ሰሙናት እቲ ካብ ስብከት ቀጺሉ ዘሎ ሰሙን ክኸውን ከሎ፡ ከም በዓል'ውን ዕለተ ሰንበት ኣብ ታኅሣሥ ካብ ፲፬/14-፳/20 ኣብ ዝወዓለሉ ዝበዓል ንኡስ ናይ ጐይታ በዓል እዩ።

ምስባክ

ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፡

እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፡

ወውስተ አብያቲከ እግዚኦመዝ ፵፪፡፫/433

ሮሜ.13፣ 11- ፍጻሜ። 1ይዮሓ.1፣1- ፍጻሜ። ግ.ሓዋ.26፣12-19። ዮሓ.1፣1-19።

ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ቅዱስ በዓል፡ ቅዱስ ጉባኤ ጸዊዓ (ዘሌ ፳፫፡፰/23፡8) ሊቃውንታ ኣማእኪላ ከምቲ ኣብ ኲሉ ናይ ቤተክርስቲያን ዝግበር በዓላት ዋዜማ፣ ማኅሌት፣ መዝሙር፣ ቅዳሴን፣ ስብከትን ገይራ ተብዕሎ። “ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከልኩም ኣሎኹ።” ማቴ ፲፰፡፳/18፡20 ከም ዝብል፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ተረኺቡ ይባርኸና፡ ዘፀ ፳፱፡፵፫-፵፬/29፡43-44። ኣብዚ ቅዱስ በዓል ካብቲ ካልእ በዓላት ፍልይ ብዝበለ ኣብ ፍረ ቀለም ናይ ዕለቱ ዜማን ንባባትን ዝስበክ ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ኣማናዊ ብርሃንነት እዩ። ብተወሳኽውን በዓለ ብርሃን ካብ ስብከትን ኖላዊን ፍልይ ዝበለ ሥርዓተ ማኅሌት ኣለዎ። ኣብ ስብከትን ኖላዊን ማኅሌት ብትምህርተ ኅብኣት ክቕወም ከሎ ብርሃን ድማ ብመልክኣ ኢየሱስ ማለት ኲሉ ብርሃናዊ ዝኾነ ኣካላት ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጸጉሪ ርእሲ ክሳዕ ጽፍሪ እግሪ ይውደስ።

እቲ ሓቀኛ ብርሃን ክርስቶስ ከም ዝኾነ ነቢያት ኣቐዲሞም ዝተነበይዎ፡ ባዕሉ እቲ ኣማናዊ ዝኾነ ናይ ዓለም ብርሃን ክርስቶስ ዝተዛረቦ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ነቢያት “ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ።” ኢሳ ፱: ፪/9፡2፣ ማቴ ፬፡፲፮/4፡16 ኢሎም ንዝተነበይዎ፣ ክርስቶስ ከስተምህሮም ከሎ “ኣነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም/ ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፥ እቲ ዚስዕበኒ ኸኣ ብርሃን ሕይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ።” ዮሓ 8፡12፥ ክብል በእዛኖም ንዝሰምዕዎ፡ ብርሃነ መለኮቱ ኣብ ደብረ ታቦር በዒንቶም ንዝረኣይዎ፡ ማር ፱፡፫/9፡3፣ ፪/2 ጴጥ ፩፡፲፮  ንገሊኣቶም እውን ኣብ መንገዲ ደማስቆ ካብ ብርሃን ጸሓይ ደሚቑ ከም ዝተራእዮም፡ ግሓ ፱፡፩-፭/9፡1-5 ብራእይ “ኣነ ኢየሱስ… ኻብ ሱር ዳዊት ዘርኡን ዝኾነ፥ እቲ ኮኸብ ጽባሕ እየ።” ራእይ 22፡16 ኢሉ ከም ዝተገልጸሎም ዝመስከርዎ እዩ።

ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ነቲ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ከም ዝኾነ ንዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ከምቲ ኣብ ፪/2ጴጥ ፩፡፳/1፡20 “ ቅድሚ ዂሉ፥ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት፥ ሓደ ብናይ ርእሱ ኣተሓሳስባ ክትርጒሞ ኸም ዘይክእል ፍለጡ። ከምይ ትንቢት፥ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ዝተዛረብዎ እምበር፥ ኸቶ ብፍቓድ ሰብ መጺኡ ኣይፈልጥን።” ዝብል ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ተርጒሞምዎን መረዳእታ ሂቦምሉን እዮም።   

ነዚ ብዝምልከት ቅድሚ ቅዳሴ ብዜማ ኣብ ዝቐርብ ናይ ዕለቱ ዋዜማ፣ ማኅሌትን፣ መዛሙርን “ተሰብከ መድኅን ክብረ ቅዱሳን ብርሃን ዘመጻ ውስተ ዓለም…. ብርሃን ዘመጻ ሃቤነ” (ዋዜማ)፡ ብምባል ናይ ዓለም ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ናባና ከም ዝመጸ ጥዑም ላዛ ብዘለዎ ያሬዳዊ ዜማ የዚሙ። እዚ ብርሃን ናብ ዓለም ምስ መጸ ጸልማትን ሞትን ኃይሊ ከም ዝሰኣኑ ንምርዳእ “ዘበጸዳለ ብርሃኑ ሰሰለ ኃይለ ጽልመት ወሞት/ ብብርሃነ ጸዳሉ ጸልማትን ሞትን ርሓቐ” ፡ “ኣብ ጎህ ወልድ ጎህ መንፈስ ቅዱስ ጎህ አሓዱ ውእቱ ጎሃ ጽባህ ዘበጸዳለ ብርሃኑ ሰሰለ ጽልመት/ አብ ብርሃን ወጋሕታ እዩ፡ ወልድ ብርሃን ወጋሕታ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ወጋሕታ እዩ፡ ሓደ ብርሃን ወጋሕታ እዮም፡ ብብርሃነ ጸዳሉ ጸልማት ርሓቐ” (ማኅሌት) ይበሃል። እዚ ድማ ሓድሽ ዜና ዘይኮነስ ብነቢያት ዝተነግረ ከም ዝኾነ ኣብ መዝሙር “አቅዲሙ ነገረ በኦሪት“ እናበሉ ንዘለናዮ ናይ ጾመ ነቢያት ዘመን የዘኻኽር። እዚ ምስ ተባህለ “ወኲሎ ዘተጽሕፈ ለተግሣጸ ዚኣነ ተጽሕፈ/ እቲ ቐደም ዝተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንትምህርትና እዩ ዝተጻሕፈ” ሮሜ ፲፭፡፬/15፡4። ከም ዝበሎ ቅዱስ ጳውሎስ ንዝተዛረቦ ቃል ኣምጺኡ “ንግደፍ እምላእሌነ ኲሎ ምግባረ ጽልመት፡ ንዑ ናንሶሱ በብርሃኑ/ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ብብርሃኑ ንመላለስ።” ሮሜ ፲፫፡፲፪/13፡12 የስተምህርን ይግስጽን። እዚ ካብቲ ዝበሃል ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝቐረበ እምበር ልዕሊ ፲፯/17 ሰዓታት ዝወስድ ከም ጸሎትን ምስጋናን ዝቐርብ እዩ።   

ብተወሳኽውን ኣብ ናይ ዕለቱ ኣብ ቅዳሴ ዝንበቡ ምንባባት፥ ብመጀመርታ ሮሜ ፲፫፡፲፩/13፡11-ፍጻ፣ “ነቲ ጊዜ ፍለጥዎ፥ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን በጺሑ እዩ፥ ከመይ ምድኀን ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ። ለይቲ ሓሊፉ መዓልቲ ቐሪባ እያ። ስለዚ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ፥ ብጓይላን ስክራንን፥ ብምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ፥ ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንንበር፥ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልበስዎ ድኣ እምበር፥ ንዊንታ ሥጋዂም ከተርውዩ ኢልኩም ኣይትሕሰቡ።” ቀጺሉ ፩/1 ዮሓ ፩፡፬/1፡4-ፍጻ፣ “… እታ ኻብ ክርስቶስ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩኡም እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ፦ እግዚአብሔር ብርሃን እዩ፥ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ዚብልዎ ኸቶ የልቦን። ‘ምስኡ ኅብረት ኣሎና’ እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፥ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንሓድሕድና ኅብረት ኣሎና፥ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ኃጢኣት የንጽሓና እዩ።”

ብድሕሪኡ ድማ፡ ግሓ ፳፮፡፲፪-፲፱/26፡ 12-19 ፣ “… ቀትሪ ኣብ መንገዲ ከሎዂ ካብ ፀሐይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን ኬንጸባርቕ ከሎ ረኣኹ…. ኣነ ድማ መን ኢኻ ጐይታይ በልክዎ ጐይታ ኸኣ ኣነ ንስኻ እተሳድዶኒ ዘሎኻ ኢየሱስ እየ።…” ምስ ተነበ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ መዝሙረ ዳዊት ድማ ወንጌል ይንበብ።

መዝ ፵፪፡፫/43፡3 ፣ “ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፡ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፡ ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ/ ብርሃንካን ጽድቅኻን(ሓቅኻን) ለኣኽ፥ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ንብታ ቅድስቲ እምባኻን ናብታ መኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ”

ዮሓ ፩፡፩-፱/1፡1-9 “…እታ ሕይወት ከኣ ብርሃን ነበረት። ብርሃን እውን ኣብ ጸልማት የብርህ፥ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ብኣምላክ ዝተላእከ ሓደ ዮሓንስ ዝስሙ ሰብ ነበረ። ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኲሎም ንእኡ ምእንቲ ኪኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር መጸ እምበር ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንዂሉ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም መጸ።…”

ኣብዚ ብርሃን ዝተባህለ ክርስቶስ እዩ። እቲ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር ዝመጸ ድማ ካብ ነቢያት ሓደ ዝኾነ ዮሓንስ መጥምቕ እዩ። ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን ዝበሎ “ ናይ ዮሓንስ ብርሃንነት ብጸጋ ናይ ጐይታ ድማ ናይ ባሕርይ፡ ናይ ዮሓንስ ብርሃን ሕፀፅ (ጉድለት) ዘለዎ፡ ናይ ጐይታ ድማ ሕፀፅ የብሉን።” (ትርጓሜ ወንጌል) ኢሉ ንምርዳእ እዩ። በዚ ድማ እቲ ብቓሉ ዝነብርን ብተግባር ዝመስሎን፡ ንክርስቶስ ስለ ዝለብሶ ጸልማት ተቐንጢጥሉ ናይ ብርሃን ጸጋ ይለብስ፡ ምስ ብርሃን ድማ ኅብረት ይህልዎ፣(ሮሜ ፲፫፡፲፬/13፡14፣ ፩/1 ዮሓ ፩፡፬/1፡4)።

 ብዛዕባ እዚ ጐይታ ንሓዋርያት ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ፭፡፲፬/5፡14 ”ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢዂም” በሎም። ኣብ ትንቢተ ዳንኤልውን “እቶም ንብዙኃት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘልዓለም ዓለም ኪበርሁ እዮም።” ዳን ፲፪፡፫/12፡3 ኣብ ማቴ ፲፫፡፵፫/13፡43 ድማ “ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ፀሐይ ኪበርሁ እዮም” ይብል። ነዚ ኣብ ኦሪት ብምሥጢር ዘይኮነስ ብጋህዲ ከረድእ ከሎ፡ ሙሴ ብቕንዕና፣ ብተወፋይነት፣ ብንጽሕናን፣ ካብ ኲሉ ዓለም መዘና ብዘይብሉ ትሕትና፡ ዘኁ ፲፪፡፫/12፡3 ምስ እግዚአብሔር ምስ ተመላለሰ፡ እስራኤል ዘሥጋ ገጽካ ሸፍነልና ክሳዕ ዝብሉ ገጹ ደሚቑ የብርህን ካብ ምብራህ ሓሊፉ እውን የንጸባርቕን ነበረ። ዘፀ ፴፬፡፳፱-፴፭/34፡29-35።

ቅዱሳን ምእንቲ ጽድቂ ኣብ ፈቐዶ በዓትታትን ጎዳጉድን እኳ እንተ ነበሩ። መዓልቲ ኾነ ለይቲ እቲ ብርሃን ዝኾነ ኣምላኾ ምስኦም ስለ ዘሎ ዘብርሃሎም ፀሐይ ኮነ ወርሒ ኣየድልዮምን እዩ። እዚ ብርሃን ካብ ፀሐይ ዝደምቕ ብርሃን እዩ። (ግሓ ፳፮፡፲፫/26፡13) በዚ ድማ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ንዂሉ ዓለም ዝተርፍ ብጸጋ ድማ ነቶም ብንጽሕና ብቓሉን ትእዛዛቱን ንዝመላለሱ ዝወሃብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ “ቃልካ ንስጒምተይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ” ። መዝ ፻፲፰፡፻፭/119፡105 ዝበለ ነዚ እዩ።

በንጻር እዚ ንመላለስ ቃላቱን ትእዛዛቱን ዘይንሕሉ እንተ ኾይና በዚ ድማ ኣብ ጸልማት እምበር ኣብ ብርሃን ኣይንነብርን ምስ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ኅብረት የብልናን ማለት እዩ። ካብዚ ጸልማት ክንወጽእ እንተ ኾይንና ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክንቀርብ ግብሪ ጽድቂ ክንገብር ኃይሊ ክህበና “ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፡ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፡ ወውስተ ኣብያቲከ እግዚኦ/ብርሃንካን ጽድቅኻን(ሓቅኻን) ለኣኽ፥ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ንብታ ቅድስቲ እምባኻን ናብታ መኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ” መዝ ፵፪፡፫/43፡3፣ እናበልን ክንጽሊ፡ ምስኡ ድማ ሠናይ ክንገብር ይግባእ።

 “ንእኡ እንተ ፈሊጥናዮ ነፍስና ድማ ብእኡ ክትበርህ እንተወፊናያ ናብቲ ብርሃን ክንቀርብ ንኽእል ኢና። ንሕና ብገዛእ ፍቓድና ብጸልማት ዝተመላእና፡ ንሱ በይኑ ብርሃንና ኮይኑ እንተዘይ ኣብሪሁልና ብርሃን ክንከውን ኣይከኣለናን እዩ።” ይብል ቅዱስ ኣውግስጢኖስ። በዚ ድማ ብርሃን ንዝኾነ ክርስቶስ ንለብሶ። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያዊ ብርሃን ደቂ ሰባት ከመይ ክበርህ ከም ዝኽእል ከረድእ ከሎ “ንጽሕና ምስ እንፈቱ ንክፉእ ድማ ምስ እንጸልእ፡ ንፍትወታትና ምስ እንገንሖን እንቆጻጸሮን፡ ግብሪ ጽድቂ ኣፍቂርና ኃጢኣት ምስ እንጸልእ፡ ንድኻታት ዘይንርስዕ ንኲሉ ድማ ልብና ክፉት እንተ ኾይኑ፡ ትሕትና ንዝተመልኦ ሓሳባት ነእንግድ ንናይ ትዕቢት ሓሳባት ድማ ምስ እንብትን፡ ብርሃን ለቢስና ምስ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ሕብረት ይህልወና ።” ይብል። እግዚአብሔር ናብ መንገዲ ብርሃን መብራህቶም ወሊዖም ከም ብርሃን እናብርሁ (ብቓልን ብግብርን) ዝመርሑና መራሕትን ኣገልገልትን ዝኾኑ ጳጳሳት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ካብ ቅድም ኣዳሊው ኣሎ።

እንተኾነ ግና “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፥” ፪/2ቆሮ. ፲፩፡፲፬/11፡14 ካብቶም መተዓይይቲ ሰይጣን ዝኾኑ፡ ማይ ዘይብሎም ዒላታት፡ ሰባት ካብኦም ግብሪ ጽድቂ ዝረኽቡ መሲልዎም ካብ ርሑቕ ተጓዒዞምን ደኺሞምን ምስ መጹ ዝስተ ግብሪ ጽድቂ ካብ ዘይብሎም፡ ክንጥንቀቕ፡ ይግባእ። እዚኣቶም ኣብ ጸልማት እምበር ኣብ ብርሃን ዝነብሩ ኣይኮኑን፡ ኣብ ጸልማት ድማ ሰብ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኤፌ ፭፡፲፩-፲፬/5፡11-14 “ነቶም ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ዝገብሩ ሰባት ግን ኣቃልዕዎም እምበር ምስኦም ኅብረት ኣይሃሉኹም። እቲ ንሳቶም ብኅቡእ ዝገብርዎ ንምዝራቡ እኳ ዘነውር እዩ። ኲሉ ነገር እንተ ድኣ ናብ ብርሃን ቀሪብ ግና ይረኣ፥ እቲ ንዂሉ ከም ዝረኣ ዝገብር ከኣ ብርሃን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ፥ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ ተበራበር ካብ ምውታትውን ተንሥእ፥ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ እዩ ዝተባህለ።” እሞ ንኣእምሮና ብፍልጠት ሓቂ ናብ እተብርሃልና፡ ነቲ ጸልማት ካብ ብርሃን እንፈልየሉ ጥበብ ናብ እትህበና ቅድስት ቤተክርስቲያን ክንመላለስ፡ ይግባእ።

“ እመኑ በብርሃኑ ወአንሰስዉ እንዘ ብክሙ ብርሃን “ ቅዱስ ያሬድ አንቀጸ ብርሃን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር። 

ዲን. ዘሚካኤል

 

Comments are closed.