ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

ዳግም ምጽአት (ሣልሳይ ክፋል)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙኅ ጊዜ ኣብ ዝተመላለሰላን ዘዕረፈላን ቢታንያ፤ ካብ እምባ ደብረ ዘይት ከምዝዓረገ ዳግማይ ምምጽኡ ድማ ናብኣ ክኸውን እዩ። ኣብ እዋን ዕርገት ጐይታ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገርዎም ጐይታ ዳግም ከምዝመጽእ እዩ። “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።” (ሓዋ ፩፡፲፩) 
ኮይኑ ግና ዳግማይ ክመጽእ ከሎ ከም ዝሓዘነ ወይውን ከምቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልዶ ብትሕትና ዝግለጽ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ብኽብሩ ብቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ክፈርድ እዩ ዝመጽእ። ሽዑ መዝሙር ምስጋና ዝኾነ ሃሌ ሉያ ምስ መዝሙር ሆሳዕና ክዝምረሉ እዩ። ቅዱሳን’ውን ብልዑል ድምጺ ምስ ነገደ መላእኽቲ ስብሓት ውዳሴ ከቕርቡሉ እዮም። ሽዑ ብዙኅ ከንቱ ዝኾነ ዋይ ዋይታ ክስማዕ እዩ። ከምቲ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ዝገለጸልና’ውን “ኣዕይንቲ እቶም ዝወግእዎ እናረኣይዎ ድማ ክመጽእ እዩ።” (ራእ ፩፥፯ ቀዳማይ ተሰ ፬፥፲፮ ማቴ ፳፭፥፴፩)። 
ጐይታና ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ብሥጋ ማርያም ክግለጽ እዩ። ሽዑ ኵሉ ከከም ግብሩ ክፍደ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምሕረቱ ምስቶም ብየማኑ ዝቖሙ ይግበረና። 
ዕርገት ጐይታ ንዓና 
ክርስቶስ ኣምላኽና ንሞትና ብሞቱ ሥዒሩ፡ ተንሢዑ ብምዕራጉ ዝረኸብናዮ ጸጋ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ብዕርገቱ ተስፋና ጽኑዕ ኮነ። ክብሪ’ውን ረኸብና። ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ውን ክንለብስን ክዕደለና ዝኸኣለ ጐይታና ስለ ዝዓረገ እዩ። 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ፈሪሆም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዘጸናንዓሉ እዋን ንሱ ካብኦም ከምዝፍለይ፡ ምፍላዩ ግና “ስፍራ ኸዳልወሎም” ምዃኑን ነቲ ዘተስፈዎም ኵሉ ከምዝፍጽመሎም ነጊርዎም እዩ። “ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙኅ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡” ዮሐ ፲፬፥፩ እዚ ማለት ድማ ማዕርገ ሃብታት ፡ ትሩፋት ሥጋ ወነፍስ፡ ኣብ ምድሪ ስለዘሎን ብወንጌል ዝፍጸም’ውን ገድሊ ብዙኅ ስለዝኾነ ከምቲ ዝበሎም ውልድነቶም ከጽንዓሎም ነቲ ዘተስፈዎም ድማ ከምዘውርሶም “ኣይትሸበሩ” ብምባል ኣጽኒዑ ነገሮም። 
መጽሓፈ ቤተ ክርስቲያን “ዐረገ እግዚአብሔር ከመ ያለቡ ዕርገተ ጻድቃን” (እግዚአብሔር ዕርገት ጻድቃን ከረድእ ምእንቲ ዓረገ)ይብል። እዚ’ውን ነቶም ናይ እግዚአብሔር ጻድቃን ዓቢ ተስፋን ብስራትን እዩ። ሠለስቱ ምእት’ውን “ዐረገ ብስብሐት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ” ይብሉ። ብናቱ ዕርገት ድማ ንሕና ካብ ምድሪ ዝተረኸብናን ምስ ምድሪውን ብሞት ዝተሓዋወስናን ደቂ ሰባት ምስኡ ልዕል ልዕል በልና። ብሞቱ ሞትና ከምዝተሣዕረ፡ ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ከምዝረኸብና ብዕርገቱ ድማ ልዕልና ረኸብና፤ ሰማያውያን ከም እንኸውን ተስፋና ጽኑዕ ኮነ፤ ሕይወትና’ውን ምስኡ ተሰወረ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ምሥጢር ዘለዎ ቃል ንምዝክኻር ንሕና ምእመናን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ግብሩ(ኃጢኣት) ቀንጢጥና ክንድርብይን ሓዲስ ሰብነት ክንለብስን፤ ካብ ኃጢኣት ዘበለ ኵሉ ርሒቕና ክንነብር እናመኸረ “ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሢእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ሕይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ሕይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” (ቈሎ ፫፥፩-፫) ይብል። እዚ ቃል ድማ እዩ ብናይ ክርስቶስ ዕርገት ናይ ጻድቃን ዕርገት እሙን ምዃኑ ዘረጋገጸ። 
ቅድስት ቤተ ክርስቲያናውን “ላዕለ ይኩን ኅሊናክሙ በሰማይ የሀሉ ልብክሙ አእምሩ ኀበ ዘትቀውሙ መስማዑ ቃለ ጽድቅ ወአስምዑ ዜና ሰናይ” (ኅሊናኹም ኣብ ላዕሊ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ይኹን። ልብኹም’ውን ኣብ ሰማይ ይኹን። ደው ዝበልኩሙሉ’ውን ፍለጡ። ቃለ ጽድቅ ስምዑ። ነቲ ጥዑም ዜና ወንጌል’ውን ጽን በልዎ) ብማለት ክትቕድስ ትነብር ኣላ። ዕርገት ክርስቶስ ድማ እዩ ከምቲ ጐይታ ስፍራ ከዳለወልኹም እኸይድ ኣሎኹ ዝበሎም፤ ንቅዱስ ጳውሎስን ንእኡ ብግብሪ ዝኣመሰሉ ቅዱሳንን ዓዶም ሰማያዊ እምበር ምድራዊ ከምዘይኮነ ኣርጊጾም ክዛረቡን ክምዕዱን ዝገበሮም። “ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድኃኒ፡ ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና።” (ፊል ፫፥፳) 
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ብዕርገት ጐይታ ዝረኸብናዮ ካልእ ዝዓበየ ጸጋ ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ብትእግስቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቲ ኣብ ዕርገቱ ዝበሎም ቃል ኣኽቢሮም ክጽበዩ ጸኒሖም እዮም። ብዛዕባ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣቐዲሙ’ውን ተዛሪቡ ነይሩ። በዚ መሠረት ድማ ክሰደሎም እንተደኣ ኮይኑ ንሱ ካብኦም ከም ዝፍለን ክዓርግ ዘለዎ ምዃኑን ብግልጺ ነጊርዎም እዩ “እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።” (ዮሓ ፲፭፥፳፮) “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ? ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ። ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞዕ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።” (ዮሓ ፲፮፥፭-፯)። ከምቲ ዝበሎም ድማ ሰዲድሎምን ተቐቢሎምን እዮም። 
በዓለ ዕርገት 
ዕርገት ወትሩ ካብ በዓለ ትንሣኤ ኣብ መበል ፵ መዓልቲ ስለዝውዕል ዕለት ዕርገት ካብ ሓሙስ ኣይለቅቕን እዩ። ዕርገት ካብ ተሽዓት ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ ኮይኑ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ብቅዳሴ ይኽበር። ብስሙ ኣብ ዝተሰየማ ኣብያተ ክርስቲያናት ግና ታቦት ብምዕዳው ብዓቢ ድምቐት ዝብዕለሉ ቦታታት ኣሎ። ገለ ቡሩኻት ምእመናን ድማ ንኽብሪ ዕርገት ጸበል ጸዲቕ ዝገብሩን ዘኽብርዎን ኣለዉ። 
ይኹን ደኣ እምበር፤ ብዙኅ ሰብ ከምቲ ንካልኦት በዓላት ጐይታ ኽብሪ ዝህቦ፡ ንዕርገት ምስኡ ዝዳረግ ክብሪ ክህቦ ኣይርከብን እዩ። እዚ ግና እናሃስሰን እናህሰሰን ዝመጽእ ዘሎ ሕማቕ ልማድ እዩ እምበር ካብ ጥንቲስ ከምኡ ኣይነበረን። ጥንቲ ኣቦታትና ብዓቢ ክብሪ እዮም ዘብዕልዎ ነይሮም። ሕጂ’ውን ክብሪ ዕርገት ኣስተውዒልና ከምቲ ዝግባእ ከነኽብሮ መልእኽቲ ማዕዶትና እዩ። 
በረኸተ ዕርገቱ ይዓድለና። 

ምንጪ፣ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.