ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

 ዕርገት ጐይታ ካብ ዕርገት ቅዱሳን ዝተፈለየ እዩ! (ካልኣይ ክፋል)

ቅድሚ ዕርገት ጐይታ ይኹን ድኅሪኡ ናብ ሰማይ ዝዓረጉ፡ ዝተነጥቑ ወይውን ዝተሰወሩ ብዙኃን ቅዱሳን ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። ይኹን ደኣ ከነስተውዕሎ ዝግባእና ዕርገት ጐይታ ካብ ዕርገት ቅዱሳን ሰባት ፈጺሙ ዝተፈልየ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ዕርገት ጐይታ ብዕላማ፡ ብሥልጣን፡ ብመብጽሒ መካነ ዕርገት፡ ኣፈጻጽምኡ ወዘተ ምስ ዕርገት ቅዱሳን ዘይራኸብ ብምዃኑ እዩ። ዕርገት ፈጣርን ፍጡርን ሓደ እዩ ክብል ዝደፍር’ውን ኅሊና ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብምዃኑ’ውን ዕርገት ጐይታ ከም ሄኖክ ብምስዋር (ሰረገላ ሓዊ) ወይውን ከም ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ዝተፈጸመ ዕርገት ኣይኮነን። (ካልኣይ ነገ ፪፥፲፩ ሄኖ ፭፥፳፬) ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ክሳብ ሣልሳይ ሰማይ ተነጢቑ ድንቂ ሰማያዊ ነገራት ርእዩ ነበረ (ካልኣይ ቆሮ ፲፪፥፬)። ነዚኦም ከም ኣብነት ጠቐስና እምበር ዝተሰወሩ፡ ዝተነጥቁ፡ ዝዓረጉ ከም ዕዝራ ሱቱኤል ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙኃን ኣቦታት ከምዘለዉ ዝሰሓት ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር ዕርገት ጐይታ ብሥልጣኑን ብገዛእ ርእሱን ዝተገብረ ክኸውን ከሎ፡ ዘዕርጎ ካልእ ኃይሊ(ሓጋዚ) ዘድልዮ ኣይኮነን። ቅዱሳን ግና ናብ ሰማይ ዓረጉ ክንብል ከሎና ንሱ እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋን፡ ብኃይሉን ትእዛዙን ኮይኑ፡ ብዘይብኡ ድማ ገለ ክገብሩ ዘይከኣሎም ምዃኑን እዩ። ንኣብነት ነቢየ እግዚአብሔር ኤልያስ ብሰረገላ ሓዊ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገ ተጠቒሱ ኣሎ። (ካልኣይ ነገ ፪፥፲፩) ነቢይ ኤልያስ ካብታ ዝተፈጥረላ መሬት ሞት ከይጠዓመ ዝዓረገሉ ዕርገት ካብ ጐይታ ከምዝፍለ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል። “ነቢይ ኤልያስ በቲ መገዲ ከም ክርስቶስ ከምኡ ክዓርግ ኣይከኣለን። ባህርየ ኤልያስ ብኸምኡ መገዲ’ውን ክዓርግ ኣይከኣሎን እዩ። መላእኽቲ ናብቲ ዝተኣዘዝዎ ስፍራ ወሰድዎ እምበር። ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኸውን ናይ እግዚአብሔር ቃል ግና መላእኽቲ ዝፈጠረ እዩ እሞ ብሥልጣኑ ዓረገ።” (ሃይማኖተ አበው ም. ፷፯ ክፍሊ ፲፫ ቍ. ፲፪-፲፬) እቲ ቅዱስ መጽሓፍ’ውን ከምዘረድኣና ኤልያስ ቅድሚ ምዕራጉን ዮርዳኖስ ምስጋሩን ዝስዕቦ ንዝነበረ ኤልሳእ “ከይተወሰድኩ” ምባሉ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣበሃህላ ንጹር ይገብሮ። “ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ ብጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በሎ።” (ካልኣይ ነገ ፪፥፱) ኣብ ሄኖክ’ውን ብተመሳሳሊ ክንመጽእ ከሎና “ኣምላኽ ስለዘግዐዞ” ብምባል እዩ ገሊጽዎ።(ዕብ ፲፩፥፭) ኣብ ካልኦት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። 
 
ዕርገት ጐይታ ብዝተፈልየ ክብርን ጐይትነትን ዝተመልአ፤ ምልክት ምርኮን ዓወትን ስለዝኾነ ካብ ፍጡራን ዝተፈልየ እዩ። ፍጡራን እንተዓረጉ ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ብሓገዝን መሪሕነትን መላእኽቲ እዮም ዝዓርጉ፤ ጐይታ ግና ፈጣሪ ፍጡራን ስለዝኾነ ኣብ ዕርገቱ ብፍቓዱ ናብ ዝቐደመ ልኡላዊ መንበሩን ክብሩን እዩ ዓሪጉ። “ደቀ መዛሙርቱ ቅድስት ንጽሕት ትንሣኤኡ፡ ምልክት ብሽንካር ዝተሸንከረ ኣእዳዉን ኣእጋሩን (እትራት) ድኅሪ ምርኣዮምን ብኲናት ዝተወገአ ጐኑ ድኅሪ ምርምሳሶምን ድኅሪ ትንሣኤኡ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ መበል ፵ መዓልቲ ድማ ደቀ መዛሙርቱ እናረኣይዎ ብዝተንሥኣሉ ሥጋ ናብ ሰማይ ዓረገ። ዳግማይ’ውን ንጻድቃን ክፈርደሎም፤ ንኃጥኣን ድማ ክፈርዶም ብዝዓረገሉ ሥጋ ክምጽእ እዩ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ ዕሪና ኣቡኡ ድማ ተቐመጠ።” (ሃይ አበ ም. ፴፮ ቍ፴-፴፮ ም. ፵፯ ቍ. ፴፫) ስለዚ ዕርገት ጐይታ ካብ ፍጡራን ዝተፈልየን መጸናንዒ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክሰድድን ናብ ዝቐደመ ክብሩን ድኅሪ ዓወቱ ንምምላስን ምዃኑ ምስትውዓል ይግብኣና። 
ዕርገቱ ብምርቃቕ ዶ ብምርሓቕ፧

ጐይታ ካብቶም ዝባረኾም ሓዋርያት በብቝሩብ እናረሓቐን፡ ልዕል ልዕል እናበለን እዩ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፤ ኣዝዩ ብዝረሓቐ ድማ ናይ ክብሪ ደመና ጎልበቦን ሰወሮን። ንሳቶም ድማ ኣዕንቶም ክሳብ ዝፈዛ ኣርሒቖም ይጥምትዎ ነበሩ። መጽሓፍ’ውን ከምኡ እዩ ዝብል። 

ኣብዚ ክስተውዓል ዘለዎ ነገር፡ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ብርሕቀት (ብምርሓቕ) እምበር ብርቀት (ብምርቃቕ) ከምዘይኮነ እዩ። እዚ ማለት ኸኣ ኣቐዲሙ ንዝተዋሓዶ ሥጋ ኣርቂቑ፤ ግዝፉነቱ ኣጥፊኡ ዘይኮነሲ፡ ምስ መለኮት ብተዋሓዶ ሓደ ዝኾነ ግዙፍ ሥጋ፡ ግዙፍነቱ ከይገደፈ ካብ ዓይኒ እናረሓቐ ልዕል ልዕል እናበለ ናብ ሰማይ ብምድያብ እዩ። ሓዋርያት'ውን ነቲ ካብኦም በብቝሩብ ዝርሕቕ ዝነበረ ጐይታ እዮም ኣንቃዕድዮም ዝጥምቱ ዝነበሩ። መለኮት ሓንሳብ ሥጋን ነፍስን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተዋሓደ፡ ፈጺሙ ኣብ መለኮትን ሥጋን ምፍልላይ ኣይተራእየን። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብፍቓዱ ኽብርቲ ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ኣብ ዝፈለየሉ እዋን፡ መለኮት ዝተዋሓዶ ሥጋ ናብ መቓብር ከምዝወረደን ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድማ ኣብ ከርሰ መቓብር ከም ዝሓደረን፤ መለኮት ዝተዋሓዳ ነፍስ ድማ ናብ ሲዖል ወሪዳ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ነፍሳት ናጽነት ከምዝሰበኸተሎም ዝተፈልጠ እዩ። ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ድማ ሰንበት ለይቲ፤ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝጸንሐ መለኮት ዝተዋሓዶ ሥጋን፡ ተፈልያ ዝነበረት መለኮት ዝተዋሓዳ ነፍስን ሓደ ኮይኖም እዮም ተንሢኦም። 
ድኅሪ እዚ ፈጺሙ ምፍልላይ ስለዘይልቦ እዩ ድማ እተን ቅዱሳት ኣንስቲ ይኹኑ ኣእማድ ሓዋርያት ናብቲ መቓብሩ ከይደን ሥግኡ ዝሰኣናን፤ ድንቂ ምስክርነት ትንሣኤ ድማ ካብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝተቐበላን። ነዚ ተዋሕዶ ዳግም ከረጋግጸሎም ድማ እዩ ጐይታ ኣብ ዕጽው ቤት ኣትዩ ናብ ሓዋርያት ዝተራእየን፡ መንፈስ ከይመስሎም ድማ ሥግኡ ክርእዩን ክትንክዩን ዝፈቐደሎም። ከምኡ'ውን ኣብ ሞንጎኦም ተረኺቡ ክብልዕ ዝተራእየን። ስለዚ ብፍጹም ሓድነት ንዘሎ ተዋሕዶ ድማ ኣብ ዕርገቱ ርእይና ኢና። ስለዚ ዕርገቱ ካብ ኣዕይንቲ ሓዋርያት ናብ ሰማይ ብምርሓቕ ዝፈጸሞ እምበር ብምርቃቕ ሥጋ ዝተፈጸመ ከምዘይኮነ ነስተውል። 
ወአንትሙሰ ንበሩ ውስተ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም 
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምዕራጉ ንሓዋርያት ካብቲ ዝኣዘዞም ሓደ፡ ኃይሊ ካብ ሰማይ ክሳብ ዝቕበሉን መጸናንዒን መጽንዒን ከምኡ'ውን ከሣቴ ምሥጢር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝወሃቦም ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ እዩ። (ሉቃ ፳፬፥፴፱) ምኽንያቱ ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ቅድሚ ምልባሶም ጌና በአእምሮ ዘይበሰሉ፡ካብ ብልየት ዘይተሓደሱ፡ ፍርሃት ካብ ልቦናኦም ዘይርሓቐሎም እዮም ነይሮም። ስለዚ ከምቲ ጐይታ ኣቐዲሙ “ሑሩ ወመሐሩ ውስተ ኵላ ዓለም” ኢሉ ዝኣዘዞም ከስተምህሩ ጌና ብመንፈስ ብዘይጸንዐ ሰብነቶም እንተዝወፍሩ ነይሮም ኣይሁድን ኣላውያንን መከራ ምስ ኣጽንዑሎም ናብ ክህደት ገጾም ምኸዱ ነይሮም። ግና እዚ ምእንቲ ከይከውን ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክለብሱን ብርተዐ ክረኽቡን ምእንቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ተነግሮም። ከምቲ ዝተባህሎም ድማ ስለዝገበሩ እቲ ዘተስፈዎም ጸጋ ለበሱን ኃይሊ ድማ ረኸቡን። 
ነቢረ በየማነ አብ 

ከምቲ ኣቐዲሙ ብቅዱስ ዳዊት’ውን ትንቢት ዝተነግረሉ ጐይታ ብምስጋናን ድምጺ መለከትን ናብ ሰማያት ዓሪጉ እዩ። (መዝ ፵፭(፮)፥፭)። ብተወሳኺ'ውን ጐይታ ድኅሪ ዕርገቱ ኣብ የማን አቡኡ ከምዝቕመጥ ቅዱስ ዳዊት ተነቢዩ ነይሩ እዩ። “ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ።” (መዝ ፻፰(፱)፥፩) እቲ ትንቢት’ውን ብጐይታ ከምዝተፈጸመ ቅዱስ ጳውሎስ ብሉያዊ ሥርዓት ብኸመይ ኣገባብ ኣማናዊ ፍጻመ ከምዝረኸበ ኣብ ዝተርጕመሉ ዓንቀጽ ዕብራውያ ነዚ ብሰፊሑ ገሊጽዎ ኣሎ። “ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (ዕብ ፲፥፲፪) ጐይታ ነቲ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናብ ዝቐደመ ክብሩን ቀዳማይ መንበሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ካብ አብ ክብርን ምስጋና ተቐቢሉ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ ምድሪ ፍጹም ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ንዘለዓለም ዝተወሓዶ ሥጋን ነፍስን መለኮታዊ ኽብሪ ምርካቡ ዘመልክት እዩ እምበር ብመለኮቱስ ካብ አብ ዝተፈለየሉ እዋን የልቦን። ባዕሉ ጐይታ ብቃሉ ከምዚ ይብለና “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ኦ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” (ዮሐ ፲፯፥፫) 

ብመሠረት ርቱዕ ኣገባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብየማን ምቕማጥ ዕሪና (ናይ ሥልጣን ማዕርነት) ዘመልክት እዩ። እዚ ድማ ወልደ አብ በመለኮቱ ወልደ ማርያም በትስብእቱ ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ዕርገቱ ኣብ የማነ አብ ምቕማጡ ብሥልጣን ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ማዕረ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዚ ማለት ድማ ንመለኮት ዝተነግረ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብመለኮቱ ካብ አብ ትሕት ዝበለሉ ጊዜ ፈጺሙ ስለዘይልቦ፤ እንታይ ደኣ ቅድመ ተዋሕዶ ድኻምን ሞትን ዝሰማምዖ ትሑትን ውሱንን ዝነበረ ሥጋ ብተዋሕዶ ፍጹም ናይ መለኮት ባህርይ(ምሉእ ረቂቕ ስፉሕ) ባህርዩ ስለዝገበረ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕርነት ዘሎ ኣምላኽ ምዃኑ ንምርዳእ ዝተንገረ እዩ። 
“ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዐረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።” (ማር ፲፮፥፲፱) “ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኲሉ'ውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ኃጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።” (ዕብ ፩፥፫) “ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዚመሰል ሊቀ ኻህናት ኣሎና።” (ዕብ ፰፥፩) ተባሂሉ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ተጻሒፉ ከምዝርከብ፤ ንሕና’ውን ደጋጊምና ጐይታ ብዕርገቱ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ተመልሰ ክንብል ከሎና፤ ንሱ ሥጋ ብምልባሱን ኣብዚ ምድሪ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ብምምልላሱን ካብ መለኮትነቱን ክብሩን ብአፍኣ (ወጻኢ) ኮይኑ ነይሩ ማለት ከምዘይኮነ ምስትውዓል ይግብኣና። ናብ ክብሩ ተመልሰ ክንብል ከሎና’ውን ነቲ ስኢንዎ ወይ ተፈልይዎ ዝነበረ መንበረ ክብር ረኸቦ ማለት ከምዘይኮነ ክንርድኦ ዘሎና ሓቂ እዩ። ከመይሲ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ባህርይ ኣቡኡ አብ ካብ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ብህልውና ዝተፈልየሉ ጊዜ ፈጺሙ ስለዘየልቦ። ንሱ ብባህርዩ ምሉእ ስፉሕ ረቂቕ ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ኣሎ ኣብቲ የሎን ዝበሃለሉ ኣምላኽ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ንመለኮት ብባህርይኡ ምውራድ ምድያብን (ምዕራግን) ዘለዎ ኣይኮነን። 
ንዕርገት ምውራድ ይቕድሞ እዩ። ወረደ ማለት ድማ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ምውራድ ዘመልክት ክኸውን ከሎ ዕርገት ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ምድያብ ዘመልክት ቃል እዩ። ኣምላኽ ወረደ ክበሃል ከሎ ምሉእነቱ ከይገደፈ ወልድ ብዝተፈልየ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋን ነፍስን ተዋሓሒዱ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ስለድኅነትና ዝመጸ ምዃኑ ዘረድእ ከም ምዃኑ፡ ደየበ ክበሃል ከሎ’ውን ነቲ ዝመጸሉ ዕላማ ፈጺሙ፡ ዝተወሓሓዶ ሥጋን ነፍስን ከይገደፈ ስሌና ኽብሪ ምርካብ ዝዓረገን ሥጋና ኣብ መንበረ ክብር ብዛዕባ ምቕማጡ ዝተነግረ ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግብኣና። እዚ ድማ ስለቲ ዝተዋሓዶ ሥጋ ሓድሽ ግብሪ ስለዝኾነ ዝተነግረ እምበር ንሱስ ዘለዓለም ኣብ መንበረ ኽብሩ እዩ ዝነብር። (ኢሳ ፮፥፩-፭ ሕዝ ፬፥፩) እቲ ዝዓረገ ድማ እቲ ቀዲሙ ካብ ሰማያት ዝወረደን ሥጋና ዝተዋሓደ ምዃኑን፡ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ኣብ ሰማያት ዝነብር ጐይታ ምዃኑ ባዕሉ ኣቐዲሙ ኣመሥጢሩ ነጊሩና እዩ። “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።” (ዮሐ ፫፥፲፫) ንሱ ድማ ስለ ድኅነትና ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ሰማያዊ ምሥጢር ዘግሃደልና እዩ። (ዮሓ ፩፡፲፰) 
ተቐመጠ ክብል ከሎ’ውን ኣብ መለኮት ምትንሣእን ምቕማጥን ዘሎ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ኽብሪ ዘይነበሮ ሥጋ ብተዋሕዶ ምስ መለኮት ተዋሓሒዱ ክብሪ መለኮት ክብሩ፡ ገንዘብ መለኮት ገንዘቡ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ እምበር ወልድስ ብመለኮቱ ነቲ መንበረ ክብሪ ሓዲሽ ኣይኮነን። ብየማነ አብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምቕማጡ ንሕና ኽብሪ ከምዝረኸብና’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ ከሎ ከምዚ ይብል። “ምስኡውን ኣተንሥኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።” (ኤፌ ፪፥፮)
                                                                                                       ይቕጽል...

ምንጪ፣ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.