ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ

ዕርገት መኣስ፡ ኣበይ፡ (ቀዳማይ ክፋል)

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ንዕለቱ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። ብሥዕላዊ ኣገላልጽኡን ኣጸሓሕፋ ታሪኹን ዝልለ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጐይታ ዝዓረገሉ ዕለት ቦታን ፍጻሜኡን ብንጹር ኣቐሚጡልና ኣሎ። ዕርገት ካብ ትንሣኤ ኣብ ፵ መዓልቲ፤ ደብረ ዕርገቱ ድማ ቢታንያ ምዃኑን ብዛዕባ ፍጻሜኡ ድማ መላእኽትን ሰባትን እናረኣይዎ፤ ክብል ገሊጽዎ እዩ። ከምቲ ኣብ ጽሑፋት’ውን ብንጹር ዝተገልጸ ኣርብዓ መዓልቲ ንሓዋርያት ብሥጋ እናተገልጸን እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግሥተ እግዚአብሔር እናመሃሮም ጸንሐ። ኣብዘን መዓልትታት ድማ ንሓዋርያት ኣኪቡ ብ

ዙኅ ምሥጢርን ሥርዓትን ሓዲሳዊት ቤተ ክርስቲያን መሃሮም፤ ብኣምሳል ብሉያዊ ሕጊ ድማ ፵ መዓልቲ ነቲ ሕገ ሓዲስ ኪዳን ኣጽንዐ፤ ዝተመሃርዎ ኵሉ ክሕልዉን፡ ንዓለም ድማ ክምህሩን ወንጌሉ ክሰብኩን ትእዛዝን መምርሒን ሃቦም። ይኹን ደኣ እምበር ኃይሊ ዝኾኖም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝልኸሎምን ዝለብሱን ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑን ካብኣውን ከይወጹን ኣዚዝዎም ብምስጋና ዓረገ። ዕርገቱ ድማ ኵሉ ዝመጸሉ ግብሪ ፈጺሙ ናይ ዓወት እዩ ነይሩ። (ሉቃ ፳፬ ፤ ግብ ሓዋ ፩) 


ጓሂን ሓጐስን ሓዋርያት 
ሓዋርያት ብጐይታ ካብ ዝተፈላለየ ቦታን ነገደ እስራኤልን ከምኡ'ውን ዓይነት ናብራን ዝተመርጹ ኮይኖም፤ ቤቶምን ቤተ ሰቦምን፡ ንብረቶምን ጥሪቶምን፡ ንድኅሪት ገዲፎም ንክርስቶስ ብምሉእ ልቦምን ሓሳቦምን እናሰዓብዎ ከይተፈለይዎ ንሠለስተ ዓመት ጸኒሖም እዮም። ኣብቲ ዝወዓለሉ እናወዓሉ፤ ኣብቲ ዝሓደሮ ድማ እናሓደሩ ትምህርቱን ተኣምራቱን ዝረኣዩን እዮም። ኣብቲ መወዳእታ ድማ ከምቲ ቃሉ፡ ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉ ብኢድ ኣይሁድ ስለዝተሰቕለን ስለዝሞተን ድማ ብዙኅ ጓሂን ሓዘንን እኳ እንተነበሮም ንሞት ሥዒሩ ብምትንሥኡ ድማ ሓጐሶም ደረት ኣይነበሮን። ን፵ መዓልቲ ድማ እናተገልጸን ኣብ ሞንጎኦም እናተረኽበ ድኅሪ ምምሃርን፡ ብዛዕባ ዘተስፈዎም ሰማያዊት መንግሥቲ ድማ እናነገሮም ድኅሪ ምጽናሕን፡ ብሥጋ ተፈልይዎም ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ቀው ኢሎም ኣንቃዕሪሮም ይጥምትዎ ነበሩ። 
ዕርገት ጐይታ ኣብ ሓዋርያት ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኣንጻር ዝመስሉ ነገራት እዩ ኣስዒብሎም። ሓዘንን ሓጐስን! 
ብፍቕሪ ዝነበረ ሰብ እቲ ዘፍቅሮ ክፈለዮ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ውሳጣዊ ሓዘን ከምዝስምዖ ድማ ርዱእ እዩ። ኣሽንኳይ ዶ ተኣምራት ዝገብርን ካብ ሞት ዝተንሥአን መድኅን ዓለም ጐይታ ይትረፍሲ፡ ዝፈትውዎ መዘና እኳ ክፍለይ ከሎ ክንደይ ዝኣክል ሓዘን ክስማዕ ከምዝኽእል ዘማትእ ኣይኮነን። ሓዋርያት’ውን እቲ ዘፍቕርዎ ጐይታ ክፍለዮም ከሎ እዚ ክስምዖም ናይ ግድን ስለዝነበረ እዩ ካብኦም ንሰማይ ልዕል እናበለ እናረሓቐን ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ ተዓጂቡ እናተመስገነ ክዓርግ ከሎ ዝጥምትዎ ዝነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሓዘኖም ጊዜያዊን ናይ ፍቕርን እዩ ነይሩ እምበር ካብ ቀቢጸ ተስፋ ዝነቐለ ኣይኮነን። ነዚ ሓዘን ኣመልኪቱ ወንጌላዊ ዮሓንስ ቃል ጐይታ ኣቐዲሙ ንዝተዛረቦ ክጠቕስ ከሎ ከምዚ ይብል “ጊዜኦም ምስ በጽሔት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ፡ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሐተንን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልኤ።” (ዮሓ ፲፮፥፮) 
በቲ ካልእ ድማ ስለዝባረኾምን ስለዘጸናንዖምን፡ ብኣዕይንቶም እናረኣይዎ ድማ ብምስጋና ስለዝዓረገን ተሓጒሶም እዮም። ከመይ እንተበልና፡ ጻዕዳ ዝልባሶም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ሞንጎኦም ተረኺቦም ከምቲ ክዓርግ ዝረኣይዎ፡ ጐይታ ብሥጋ ማርያም ብክበበ ትስብእት ዳግማይ ከምዝመጽእ ነገርዎም። በዚ ኸኣ ጐይታ ፈጺሙ ካብኦም ከምዘይፍለ “ክሳብ ሕልቀተ ዓለም ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ኣተስፊዎም ዝነበረ፤ ድሮ ንቅዱሳን መላእኽቱ ሰዲዱ ብኣፍ መላእኽቱ ቃሉ ብምስዳድ ኣጸናኒዕዎም። እወ ጐይታ ስቕ ኢሉ ገዲፍዎም ዝኸደ ዘይኮነስ ትምህርትን ምሉእ ተስፋን ኣስኒቑ፤ ባሪኽዎምን፤ ብመላእኽቱ ኣቢሉ ቃል ተስፋ ነጊሩን እዩ። ከምቲ ዝበሎም ድማ፡ ንሳቶም’ውን ነቲ እሙን ቃል ከይተጠራጠሩ ብታሕጓስን ምልኣት ተስፋን ካብቲ ዝዓረገሉ ደብረዘይት ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ምውራድ መንፈስ ቅዱስ እናተጸበዩ ብጸሎት ጸኒሖም እዮም። 
“እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉ'ውን ባረኾም። ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዐረገ። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙኅ ሓጐስ'ውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ እናወደሱ እናኣመስገኑን ከኣ ኲሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።” ሉቃ ፳፬፥፶-፶፫ 
ሓጐስ ሓዋርያት ግና ንጊዚኡ ስለዝባረኾምን በረኸቱ ስለዝሃቦምን ጥራይ ኣይኮነን። ብዝተዋህቦም ሥልጣነ ክህነትን ብዝረኸብዎ በረኸትን፡ ንሳቶም’ውን እናባረኹ ኣብ ልዕሊ ካልኦት በረኸት እናሕደሩ ክነብሩ ስለዝፈቐደሎም እዩ። ከምኡውን ሞይቱ ተንሢኡ፤ ንዓለም ብደሙ ቐደሳ ኣንጽሓ እናበሉ ዝምስክሩሉ ቅዱስ ኣምላኽ፡ ሰባትን መላእኽትን እናረኣይዎ ብግሉጽን ብዓቢይ ምስጋናን ስለዝዓረገን ብግልጺ ስለዝተረጋገጸን ባህ ኢልዎም እዩ። ንሱ’ውን ጥራይ ግና ኣይኮነን፤ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነት ዓለም ክውን ኮይኑ፡ ሓዋርያት ድማ ነዚ ምስክር ክኾኑ ስለዝተኃርዩን ነዚ ዝተዋህቦም ዓቢ ተልእኾ እናዘከሩ ይሕጐሱ ነበሩ። ነዚ’ውን ዘረጋግጸልና ዘውትር ንእግዚአብሔር እናመስገኑ ኣብ ቤተ መቕደስ ምንባሮም እዩ። 
ፄዊወከ ፄዋ 
ዕርገት፡ ጐይታ ንዝመጸሉ ዕላማ ብዓወት ፈጺሙ፤ ምርኮኡ ማሪኹ፡ ናብ ዝቐደመ ክብሩ ዝተመልሰሉ እዩ። እቶም ምርኮ ዝተባህልና ከኣ ንሕና ኢና። ከመይሲ ዝፈጠረናን ጸግኡ ዘብዝኃልናን ጐይታ ገዲፍና፡ ብሰንኪ ኃጢኣት ብእግረ ኣጋንንት እናተቀጥቐጥና ምሩኻት ዲያብሎስ ኮይንና ን፭ሽሕ ፭፻ ዓመታት ዝጸናሕና ንሕና ደቂ ኣዳም ነበርና። ይኹን እምበር ጐይታ ብክቡር ደሙ ቤዛ ኮይኑ፡ ካብ መግዛእቲ ጥንተ ጸላኢና ዲያብሎስ ማሪኹ ናብ ዝቐደመ ውልድነት መለሰና፤ ካብ ኃጢኣትና'ውን ሓራ ገበረና። ዳግማይ ድማ ደቁ ክንበሃል ጸግኡ ዓደለና። እቲ ዝሃበና ጸጋ ውልድነት ጥራይ ዘይኮነስ ሥልጣን’ውን ከምዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ከረድእ ከሎ “ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብ'ውን ውህበት ሀበ፡ ይብል። እዚ ደየበ ዚብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቚ ክፍሊ ምድሪ'ውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኺመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበ'ውን ንሱ እዩ…..ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት ገሊኦም ድማ ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም'ውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” (ኤፌ ፬፥፰-፲፪) 
ምርኾ ዝብል ቃል’ውን ቅዱስ ጐርጐርዮስ ብወገኑ ክትርጕሞ ከሎ “ካብ መስቀሉ ናብ ሲዖል ብምውራዱ ኣድኃነና። ብምኽንያት በደል አቦኦም ኣዳም ኣብ ሲዖል ተኣሲሮም ንዝነበሩ ጻድቃን ፈትሖም። ካብ ሙታን ተፈልዩ ብተንሥኡ ኣማናዊ ትንሣኤኡ ድማ ኣተንሥኣና። በሪ ንስሓ ድማ ኣርኃወልና” (ሃይ ኣበው ም. ፴፮ ቍ. ፴-፴፯ ም. ፵፬ ቍ. ፰) ይብል። እዚ ቃል ድማ ምስ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰማማዕ ኣበሃህላ እዩ። ድኅሪ እዚ ዓወትን ምርኮን ድማ እዩ ጐይታና ናብ ሰማያት ዝዓረገ። ስለዚ ንሕና'ውን በዚ ቃል ጸኒዕና እንተነበርና፡ ዳግማይ ብፍቓድና ናብ ምርኾ ዲያብሎስ እንተዘይተመሊስና ፡ናይ ሓዋርያነትን ካልኦትን ጸጋ ከምዘይፍለየና ኣረጋጊጹልና እዩ። 
ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን 

ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፡ ጥምቀቱ፡ ሕማሙ፡ ሞቱ፡ ትንሣኤኡ፡ ወዘተ ከም ጋሻ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዘዛረቦን ዝተመስከረሉን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ ዕርገቱ ክንበ ከሎ ብጥሙሩ “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን” (ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ዓረገ።) (መዝ ፵፮(፵፯)፥፫) ኢሉ ነበረ። በዚ ድማ ከምቲ ብነቢያት ዘዛረቦ ንሱ ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኵሉ ዝመጸሉ ነገር ፈጺሙ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ መበል ፵ መዓልቱ ናብ ሰማይ ብዓቢይ ክብርን ምስጋናን እዩ ዓሪጉ። 

እንተደኣ ብምስትውዓል ኣንቢብናዮ ብቅዱስ ዳዊት ዝተጠቕሰ ትንቢት ናይ ተዋሕዶ ምሥጢር ዘለዎ ቃል እዩ። እቲ ብባህርይኡ ብምልኣት ዝርከብ እግዚአብሔር ዓሪጉ ምባል፤ ዳኅራይ ብፍሉይ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋና ለቢሱ ንዝፍጽሞ ግብሪ ዘመልክት እዩ። ዳኅራይ ብፍጹም ናይ መለኮትን ሥጋን ተዋሕዶ ንዝፍጸም ግብሪ ድማ እዩ እግዚአብሔር ዓሪጉ ብምባል ዝገለጾ። ንናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ናይ ባህርይ ኣምላኽነቱን፡ እግዚአብሔር ምዃኑን ዝጠራጠሩ ድማ ዓቢ ትምህርቲ ገዲፍሎም እዩ። ሓዋርያት ድማ ነዚ መሰኻኽር ክኾኑ ዝተኃርዩ ስለዝኾኑ ድማ ከምቲ ዝበሎም ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ነዛ ጸልሚታ ዝነበረት ዓለም ብርሃን ኮንዋን፡ ጨው ኮይኖም ድማ ኣመቀርዋን። 
ዕርገት ጐይታ ብኸምኡ ዝተፈጸመ ዘይኮነስ፡ ክንገር ብዘይከኣል ኣዝዩ ዕጹብ ብዝኾነ ምስጋናን ሰልፍን ከምኡ'ውን ዘድንቕ ሰማያዊ ትርኢት መላእኽቲ ዝተሰነየ እዩ። ነቲ ብዓወት ዝዓርግ ዝነበረ ኣምላኾም፡ እልፍ ኣእላፍ መላእኽቲ በብነገዱ ዓቢ ሰልፊ ገይሮም፤ ሰማያዊ ውዳሴን ድምፂ መለኸትን እናቕረቡ እዮም ኣጂቦሞ። ቅድስት ድንግል ኣዲኡን ኵሎም ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ደብረ ዘይት ብብርሃናዊ ደመና ከምዝተጐለበበትን ሰማያት ከምዝተኸፍቱን መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ኣስፊሖም ዝገልጽዎ እዩ። እቲ ዝነበረ ዘደንቕ ትርኢትን ምስጋናን ብውሑዱ ከምዚ ይመስል ነበረ። 
ካብ ሰማይ ናብታ ጐይታና ዝነበረላ ስፍራ ድማ ብርሃናዊ ሰዋስው ተዘርገሐ። ጐይታ ድማ ኣእዳዊ ዘርጊሑ ንሓዋርያቱ ባረኾም። ብንፍሓት ድማ ጸግኡን ሥልጣንን ሃቦም። ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል እተጻዕነ ብርሃናዊ ሠረገላ ድማ ካብ ሰማይ ወረደ። ምስኡ ድማ ኣእላፋት ወትእልፊተ ኣእላፋት መላእኽቲ ኸኣ ነበሩ። ፮ ኣኽናፎም ዝኾኑ ሱራፌል’ውን ምስኦም ነበሩ። ኣዝዩ ብዝምስጥ ጥዑም ዜማን ብርሃናዊ ቃላት ድማ ኵሎም በብሥርዓቱ የመስግንዎ፤ ይውድስዎን፤ ይቕድስዎን ነበሩ። ምስቲ ዓይነት ምስጋንኡን ቃና ዜምኡን ዝሳነ ጥዑም ዝኾነ ብብዓይነቱ ድምፂ መለኸት ድማ በብሥርዓቱ ይስማዕ ነበረ። ገሊኦም መላእኽቲ “ብሩክ ውእቱ እግዚአብሔር እምቀዳሚ ወእስከ ለዓለም አሜን” እናበሉ ስብሓት የቕርቡ ነይሮም። ካብኣቶም ድማ ገሊኣቶም “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ሰማያት ወምድር ምሉእ እምስብሐቲሁ፡ ሆሳዕና በአርያም ዘውእቱ ቡሩክ ዘመጽአ ወውእቱ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እናበሉ የመስግንዎ ነይሮም። ገሊኣቶም ድማ “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር እምይእዜ ወእስከ ለዓለመ ዓለም አሜን” ይብሉ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ቅዱስ አንተ እግዚአብሔር ቅዱስ አንተ ኦ ኃያል፡ ቅዱስ አንተ ኦ ሕያው፡ ዘኢይመውት መሐረነ” ኢሎም ይቕድስዎ ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ “ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን” ኢሎም የመስግኑ ነበሩ። 
ካብ ላዕሊ ድማ ኣዝዩ ግሩምን ዓቢይን ብዝኾነ ነጐድጓዳዊ ድምፂ “አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት፡ ወይትረኃዋ ኆኃት እለ እመፍጥረት ወይባእ ንጉሥ ክብር ወስብሐት” ክብሉ ጀመሩ። ካልኦት ኣብቲ ብርሃናዊ መንጦላዕት ዝነበሩ ማኅበረ ልዑላት ድማ “መን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት” ኢሎም ሓተቱ። እቶም ዝቐደሙ ድማ “ዝንቱ ውእቱ እግዚአብሔር ኃያል ውጽኑዕ” ክብሉ መለሱሎም። ድኅሪ እዚ፡ ቃላተ መኳንንት ወሥልጣናት ኃይላት ተሰምዐ፤ ከምዚ ድማ በሉ “አርኀዉ ኆኃተ መኳንንት ወይትረኃዋ ኆኀት እለ እምፍጥረት ወይባእ ንጉሠ ክብር ስብሐት”። እንደገና ድማ ካብ መናብርትን አጋእዝትን ካልእ ድምፂ ተሰምዐ። ከምዚ ድማ በሉ “መን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ክብር ወስብሐት”። እቶም ካልእ ወገን ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሎም “ዝንቱ ውእቱ ንጉሠ ክብር ዐቢየ እስከ ለዓለመ ዓለመ”። ካልኦት’ውን ኣዝዩ ንልቢ ብዝሰልብን ብዝምስጥን ዜማ የመስግኑዎ ነበሩ። ብርሃናዊ ትርኢትን ጥዑም ጨና ዕጣን ካብ ዝሓዝዎ ሙዳያት ይወጽእ ነበረ። ገሊኦም ድማ ብኣኽናፎም ገለ ደስ ዘብል ሰልፍን ድምፂ ምስጋና የስምዑ ነበሩ። 
ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ድማ ኣብቲ ንኣኣ ተባሂሉ ኣብ ዝተተኽለ ብርሃናዊ ደብተራ (ድንኳን) ነበረት። ንሓዋርያቱ ድኅሪ ምዝርራቡ ድማ ናብኣ ከይዱ ድኅሪ ኣዘራረባ፤ ምድሪ ድማ ኣንቀጥቀጠት። ኵሎም ድማ ሰገዱሉ። ጐይታ ኣብ ዝተዳለወሉ ሰማያዊ ሠረገላ ኪሩቤል ደየበ። ብሊቃነ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ዝምርሑ እልፍ ኣእላፍ ሠራዊተ ሰማይ ብኵሉ ማእዝናት በብመልክዖምን ነገዳቶምን ብሥርዓት ለቢሶም ቆይሞም ብቃለ ቀርን የመስግንዎ ነይሮም። ኣብዚ ዕለት ዝተራእየ ሰልፊ ሰማያውያን ሠራዊትን ምስጋንኦምን ሰብ ክገልጾ ዘይከኣል፡ ንኽብሪ እቲ ፍቕሪ ሰባት ኣገዲድዎ ሰብ ዝኾነን፤ ስለ ድኅነት ዓለም ድማ ዝሞተን ዝተንሠአን ዝዓረገን ፈጣሬ ፍጥረታት ጐይታና ዝቐረበ እዩ። እግዚአብሔር ዝገለጸሉ ቅዱስ ዳዊት፡ ስለዚ እዩ ድማ “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ ወእግዚአነ በቃለ ቀርን” ዝበለ።
                                                                                                                      ይቕጽል...

ምንጪ፣ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.