ዕለተ ዓርቢ÷ "ስቕለት"ተባሂላ ትጽዋዕ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 “ ውእቱሰ ነስአ ደዌነ ወፆረ ሕማምነ። በእንቲአነ ሐመ ወንሕነ ርኢናሁ ሕሙመ ወቅሡፈ ብሕማም ፣ወውእቱሰ ቈስለ በእንተ ኃጢአትነ ወሐመ በእንተ ጌጋይነ፣ ትእምርተ ሰላምነ፣ ወበቊስለ ዚአሁ ሐዩነ ቊስልነ   ” “ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ፣ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፣ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትኸተ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ናብኡ ወረደ ፣ ንሕና’ውን ብስምብራቱ ሓዌና። ” ኢሳይ.53.4-7።

ዕለተ ዓርቢ÷ "ስቕለት"ተባሂላ ትጽዋዕ።

ስቕለት ተባሂላ። ክትጽውዓ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ከኣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኩሉ ንምድኃን በጃ ኮይኑ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለ በዛ መዓልቲ እዚኣ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብዛ መዓልቲ  ብዙኅ መሪርን ዘስካሕክሕን ግፍዒ ኣብ ልዕሊኡ ተፈጸመ። ይኹን እምበር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ኣባና ካብ ዘለዎ ፍጹም ፍቕሪ
ዝተላዕለ ስቓዩን መከራኡን ንኹሉ ብትዕግሥቲ ክቕበሎ ወዓለ። እዚ ከኣ ንሕና ምእንቲ ክንድኅን ኮነ። ስለዚ ዕለተ ዓርቢ ንስቕለቱን ስቅያቱን እናሓሰብና ብፍሉይ ክንርእያን ክንዝክራን ዝግባኣና ዓባይ ዕለት እያ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣፉ ሓሶት ኣብ ሰብነቱ ከኣ ርኽሰት ዘይተረኽቦ ንጹሃ ባሕርይ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ። ካብ ተግባሩ’ውን ሓንቲ ትኹን ጥፍኣት ዝበሃል እኳ ኣይነበሮን። ይኹን እምበር ኣይሁድ ግን ኽፉእ ቅንኣትን ተንኮልን ሓዲርዎም፥ ኣብ ልዕሊኡ ከንቱ ዝኾነ ክስን ምስክርነትን ብምምስራት ንሱ መን ምዃኑ ከይፈለጡ ኣብኡ ካብ ዝነበሮም ጽልኣት ብጭካኔ ገሪፎም ኣብ ማእከል ጥጦስን ዳክረስ ዝበሃሉ ክልተ ሸፋቱ ሰቐልዎ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳዉሎስ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ " ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ዝፈለጦ የልቦን። (ነዚ ኣምላኽ ሰብ ናይ ምዃኑ ጥበብ ማለቱ እዩ።) እንተ ዚፈልጥዎስ ነቲ ጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።"ኢሉ ኣሎ1ቆሮ.2፥8።
ብኣምሳለ ሥላሴ ዝተፈጥሩ ሰብ ኣእምሮ ሰባት ከምዚ ክብሩ ከይፈለጡ ኣምላኾም ክሰቕሉ፥ ኣብ ልዕሊኡ’ውን ዘይግባእ ክገብሩ ከለው፥ ካልኦት ፍጥረታት እኒ በዓል ፀሓይ ወርኂ ከዋኽብቲ ግና ክብሪ ናይ ፈጣሪኦም ፈሊጢም ዕርቃኑ ኣይንርእን ክብሉ ባሕርያዊ ተፈጥሮ ብርሃኖም ከሊኦም እዮም። ሰማይን ምድርን’ውን ተናወጹ፥ ኣኻውሕ ድማ ተተራተሩ። ብዙኅ ንኣምላኽነቱ ዝገልጽ ኃይልታት ተገብረ። እቲ ኣብዚ ዕለት ዝተፈጸመ ተኣምራት ካብ ሰማያን ምድርን ምዃኑ፥ ክርስቶስ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘለውን ዝፈጠረ ኣምላኽ ንምዃኑ ዘርኢ እዩ።
   

ከም ዝተባህለ ነዛ መዕልቲ ንድኅነትና ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ምውዓሉ እንሓስበላ ፍልይቲ ዕለት ስለ ዝኾነት ኩሉ ንዋያተ ቅዱሳን ንዕለቱ ብዝገልጽ መንገዲ ተዳልዩ ደገ ይወጽእ፥ ከርቤ እናተዓጥነ ከኣ ንስቅለቱ ዘመልክቱ ንባባት ክንበቡን ክስገድን ይውዓል፡፡ ወዲ ሰብ ን5500 ዘመናት ዝኣክል ምስ እግዚአብሔር ኣምላኹ ተጻሊኡ፥ ኣብ ጸልማት ሕይወት ብእግረ አጋንንቲ እናተረግጸ ብስቓይ ይነብሮ ንዝነበረ ጊዜ ንምዝካርን ንምሕሳብን ተባሂሉ ከኣ ታቦትን መንበሩን ብጸሊም ልብሲ ይሽፈን። ዲያቆን ድማ ደወል እንዳደወለ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይዘውር። ዲያቆን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ምሳሌ ክኸውን ከሎ፥ እቲ እናዞረ ዘስምዖ ድምጺ ከኣ ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓዘንን ልቕሶን ዝገልጽ እዩ
። እዚ ከኣ ኣብ እግሪ መስቀል ወዳ እናዞረት ንገበረቶ ልቕሶን ኃዘንን ዘመልክት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሳ ኣምላኽ ንዓለም ኩሉ ከድኅን ሰብ ዝኾነላ ብዘይብእኣ ድኅነትና ዘይተፈጸመ፥ ነገረ ክርስቶስ ኣብ ዝለዓለሉ ስማን ኣብ ናይ ምድኃና ተግባር ዘለዋ ዓቢይ ተራን ከይተላዕለ ምሕላፍ ፈጺምካ ዝክኣል ኣይኮነን። ኣብዚ’ውን ናይ ሓዘናን ልቕሶኣን ነገር ካብ ተላዕለ ንበረኸት ምእንቲ ክኾነና ብኸፊል ንርአ÷
   ጲላጦስ ንኣይሁድ ክሰቕልዎ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕሊፉ ምስ ሃቦም፣ መስቀሉ ተሸኪሙ ብሕሱም እናገረፉ ክሰቀል እናወስድዎ ከለው ገና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለጠትን ኣብ ከተማ ውዒላ ነበረት እሞ፥ ደቂ እታ ሃገር ገሊኦም ወድኺ ሰቐልዎ ክብልዋ ገሊኦም ከኣ ኣይሰቐልዎን በልዋ። በዚ ወደይ ወደይ እናበለት ክትበኪ ወዓለት። ሎሚ ሓደ ዝሓመመ ሰብ ወገን ዘመድ ጸውዑለይ ከም ዝበሃል፥
ጐይታ ንቅዱስ ዮሓንስ ጸዊዑ" ንዓ ኪድ ነደይ ጸውዓያ ንመከራይ ትርኣዮ፡ ኣበይን ከመይን ከም ዝተሰቐልኩውን ትፍለጥ።"
በሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ከምቲ ዝበሎ ከይዱ ነገራ። በዚ ሰዓት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምሪራ ኣልቀሰት።
ብቅልጡፍ ተላዒላውን ሓደ ጊዜ ኣብ ሓጹር ሓደ ጊዜ ኣብ እምኒ እናወደቐት ኣብቲ ቦታ በጽሐት። ይኹን እምበር ካብ በዝሒ ሕዝቢ ዝተላዕለ ግን ብዓይና ክትርእዮ ተሸገረት ከይነግርዋ ከኣ ኣይሁድ ካብ ምኽርና ዝወጸ ገዛኡ ክቃጸል ንብረቱ ክውረስ እዩ ኢሎም ነቲ ሕዝቢ ኣእሚኖምዎ ስለነበሩ እዩ። ሽዑ ንምዕራብ ወገን ኣቢላ ዘወር እንተበለት፥ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርቃኑ ቆይሙ፥ ኣክሊለ ሶክ ኣብ ርእሱ ደፊኦምሉ መላእ ኣካላቱ ደም ተሸፊኑ ኣብ መዕልተ መስቀል ርኣየቶ። ልባ ብጽኑዕ ኃዘን እናተቓጸለ ንብዓታ ከም ውሑጅ ክፈስሰ ኣብ እግሪ መስቀሉ ኮይና።  ዮሓ.19፥25። ዋይ ወደይ ወደይ እዚ ኹሉ ግፍዒ፥ ኣብ ርእስኻ ደፊኦምዎ ዘለው ኣክሊለ ሶክ ኣብ ርእሰይ ክኸዉን ተመነኹ እናበለት ኣብ ከቢድ ኅዘን ኮይና ተልቅስ ነበረት። ኣይሁድ ግና ናብኣ እናጠመቱ ብወዳ ምኽንያት ኣርባዕተ ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዕተ ሽሕ ሕፃናትና ሞይቶም ነይሮም እዮም እሞ፥ ሎሚ ደም ደቅና ተመለሰልና እናበሉ ኣላገጹላ። ገሊኦምውን ካብ መልክዓ ዝተላዕለ ይድነቑ ነበሩ፥ ናይ ኃዘና ጽንዓት ናይ ንብዓታ ብዝሓት ብምርኣይ ምሳኣ ዘልቅሱውን ነይሮም እዮም። ጽኑዕ ዝኾነ ኃዘናን ናይ ኣደነት መከራኣን ዝተመልከተ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፣ " ኦ ኣደይ ኣይትንብዒ ኣይትሕዘኒ፥
እዚ ምእንቲ'ቶም ብኢድ ጸላኢ ድያብሎስ ተታሒዞም ን5500 ዘመናት ዝኣክል ኣብ ሲኦል ማእሰርቲ ዘለው ነፍሳት ወገናትኪ ብፍቓደይ ዝገበርኩዎ እዩ። ነዚ መከራ ስቓይ እዚ እንተ ዘይተቐበልኩ ከኣ እዘን ነፍሳት እዚኣተን ካብ ሲኦል ማእሰርቲ ካብ ገሃነመ እሳት ክወጻ ኣይክእላን እየን። ኣረጋዊ ስምዖን ከም ዝበለኪ ሎሚ ብኣይ ምኽንያት እዚ ኃዘን እዚ ከም ዝበጽሓኪ፥ ንኃይሊ ሞት ብሞተይ ስዒረ ምስ ተንሣእኩ፥ ትንሣኤ ተኣውጁ ብርሃን ወገናትክን ድኅነቶምን ርኢኺ ድማ ባህ ክብለኪ እዩ በላ።
ንሳ ግን ብዘይገለ በደል እዚ ኩሉ ስቅያት ዝበጽሖ እናረኣየት ኃዘና ኣይዕገስን በላ። ኣስዒቡ ከኣ ነዲኡ " እንሆ ወድኺ።" በላ ንቅዱስ ዮሓንስ ድማ " እንሃት ኣዴኻ "በሎ። ንሱ ከኣ ከም ዝበሎ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ  ቤቱ ወሰዳ እሞ ምስኡ ከኣ 15 ጸንሐት።
    ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዩ ጽኑዕን ከቢድን ዝኾነ ሓዘን ከም ዝበጽሓ ዝተነግራ ኣቐዲሙ ገና ንኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ምስ ወለደት ኣብ 40 መዓልቲ  ሥርዓተ ኦሪት ንምፍጻም ናብ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝኸድዎ ዕለት እዩ። ዝነገራ ከኣ ኣረጋዊ ጻድቕ ስምዖን እዩ። እቲ ከኣ" እንሆ እዚ ሕፃን እዚ ኣብ እስራኤል ንብዙኃት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሣኦምን፥ ከምኡውን ዘይቅበልዎን ምልክትን ክኸውን ዝተመደበ እዩ። "ድኅሪ ምባሉ፥ ናብ ዝቐንዐ ድማ " ንኣኺ ከኣ ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኪግለጽ፥ ኃዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንጥቖ እዩ።" በላ። መንፈስ ኣምላኽ ገሊጽሉ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ንዝፍጸም እዩ ነጊሩዋ። እዚ ዝበለ ከኣ ብናይ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ መስቀሉን ሞቱን ኃዘን ንዕኣ ከም ብሰይፊ ምስንጣቕ ከም ብኹናት ምውጋእ ዝስምዓ ስለ ዝኾነ እዩ። ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዋላ እኳ ንዓለም ኩሉ መድኃኒት ዝኾነ ኣምላኽ ብምውላዳ ባህ እንተበላ ኩሉ ግዜ ነዚ ስምዖን ዝበላ እናዘከረት ድማ ኣምሪራ ትኃዝንን ተልቅስን ነበረት። ካብ ዕለታት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ " ኦ ኣደይ ብኣይ ምኽንያት ካብ ዝረኸበኪ ኃዘናት፥ ኣየናይ እዩ እቲ ዝመረረ᎒" ኢሉ ሓተታ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ " ኦ ፈጣርየይ ንዓይ ካብ ዝበጽሑኒ ኃዘናት እቶም ብዝበለጸ መሪሮም ዝተሰምዑኒ እዞም ኃሙሽተ እዮም።

1/ ስምዖን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣይሁድ ኂዞም ክቐትሉኻ ምዃኖም ብትንቢት ኣብ ዝነገረኒ።

2/ ሠለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ደልየ ኣብ ዝሰኣንኩዃ ጊዜ።

3/ ኢድካን እግርኻን ኣሲሮም ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ኣቕሪቦም ኣብ ኣደባባይ ንዝገረፉኻ ግርፋት ኣብ ዝዘከርኩሉ ጊዜ።

4/ ብዕለተ ዓርቢ ዕርቓንካ ኣውጺኦም ብመሳምር ሸንኪሮም ኣብ ማእከል ክልተ ሸፋቱ ዝሰቐሉኻ ስቕለት ኣብ ዝዘከርኩሉ ጊዜ።

5/ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ናብ ውሽጢ ሓዲሽ መቓብር ንዘውረዱኻ ኣብ ዝዘከርኩሉ ጊዜ እዩ በለቶ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ድሕሪዚ"ኦ ኣደይ ብኣይ ምኽንያት ንዝበጽሓኪ ነዚ ኃሙሽተ ኃዘናትን መከራኽን ብናይ ቅዱስ ገብርኤል ሰላምታን ኣቡነ ዘበሰማያትን እናደገመ ዝዘከረ፥ ኣነ ኃጢኣቱ ክሓድገሉ፥መንግሥተ ሰማያት’ውን ከውርሶ እየ በላ። ጸሎታን በረከታን ምስ ኩልና ይኹን ኣሜን።

ድኅሪዚ ኹሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ታሽዓይ ሰዓት ምስ ኮነ " ተፈጸመ" በለ፣ እሞ፥ ብፍቓዱ ቅድስት ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ፈለየ።
ንነገረ ድኅነት ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ኹሉ ተፈጸመ ማለቱ እዩ። ሽዑ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን መጺኦም ከኣ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ክብርን ምስጋናን ብምሃብ÷

«ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ዘይመውት ህያው፥ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ፥ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና።

ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ዘይመውት ህያው፥ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፥ኣብ ልዕሊ ዕንጸይቲ መስቀል ዝተሰቕለ፥ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና።

ቅዱስ እግዚአብሔር ቅዱስ ኃያል ቅዱስ ዘይመውት ህያው፥ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታት ተፈልዩ ዝተንሥአ፥ ብምስጋና ናብ ሰማይ ዝዓረገ፥ ኣብ የማን ኣቡኡ ዝተቐመጠ፥ ኣብ ሕያዋንን ምውታትን ኪፈርድ ከም ብሓዱሽ ኪመጽእ እዩ፥ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና።» እናበሉ ብምግናዝ ኣብ ሓዱሽ መቓብር  ቀበርዎ። በዚ እዋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን እኒ ያዕቆብን ዮሓንስን ዝኣመሰሉ ሓዋርያትን ካብ ኃዘኖም ዝተላዕለ ትንሣኤ ወዳ ክርስቶስ ክሳዕ ዝርእዩ ዝስተ ኮነ ዝብላዕ ኣይጠዓሙን። እዚ ሎሚ’ውን ኣይተረፈን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ይፍጸም እዩ። እቲ ዘይከኣለ ግን ምሸት ዓርቢ ጥዒሙ ክሳዕ ትንሣኤ ይጸንሕ።
    ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኮይኑ "ተፈጸመ " ከም ዝበለ በዛ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህ ናይ ተስፋ ቃል ኪዳን፥ ዝተኣትወ ሱባኤ፥ ዝተነግረ ቃል ነብያት፥ ዝተመሰለ ምሳሌ፥ ኩሉ ተፈጸመ። ስለዚ ዓርቢ ኣዳም ምስ ፈጣሪኡ ዝተዓረቐላ፡፡ ኣፍደገ ናይ ገነት ተራሕዩ ንዘመናት ዝኣክል ኣብ ሲኦል ማእሰርቲ ዝሳቐያ ዝነበራ ነፍሳት ነጻ ወጺአን ድኅነተን ዘረጋገጻለን፣ ናብ ገነት መንግሥተ ሰማያት ዝኣተዋላን ኣዝያ ፍልይትን ክብርትን ዝኾነ ዕለት እያ።
በዚኣ ዕለት እዚኣ ከኣ ፈያታዊ ዘየማን ንጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣምላኽነቱ ተረዲኡ እዩ፣ "ተዘከረኒ እግዚኦ ኣመ ትመጽእ በመንግሥትከ " ኦ ኢየሱስ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ። " ምስ በሎ፥ "ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ።" ኢሉዎ። ሉቃ.23፥42-43።
በዚ ድማ መስቀል ታሪኹ ቀይሩ ኃይሉን ክብሩን ተገልጸ። ቀዲሙ ናይ ዓመጸኛተት መቕጽዒ ናይ ርግማን ምልክት ዝነበረ፥ ብክርስቶስ ነፍሳት ዝደኃናሉ ምልክት፥
ናይ ዕርቅን ሰላምን ዕፅ፥ ናይ ፍቕሪ መግለጺ፥ ናይ ክብሪ ዙፋን፥ ጸላኢ ድያብሎስ ዝሰዓረሉ ኃያል መንፈሳዊ መሳርሒ፣ ናይ እምነትና መመክሒ………ኮነ።

 ኣብ ዓቢይ ጾም ሥርዓተ ንስሓ ዘይምህላው ዝተፈልጠ ኮይኑ በዛ መዓልቲ ግን ኩሉ ከም ግቡእ ሥርዓቱ ተጠናቒቑ ጊዜ ሠርክ ምስ ኮነ ምእመናን ብዝፈጸፍዎ ኃጢኣት ናብ ካህን እናቐረቡ ተወሳኺ ስግደት ክህቦም ይሓቱ፡፡ እቲ ካህን’ውን ብቆጽሊ እናጠብጠበ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀትሪ ክሰግድዎ ዝወዓሉ ተወሳኺ ይህቦም። ብቆጽሊ ምጥብጣቡ ንናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግርፋቱ ዘርኢ ክኸውን እንከሎ ናይ ተግሳጽውን እዩ።

ዕለተ ቀዳም ስዑር÷……ይቕጽል……

እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሓነ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በሰላም።

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.