ዕለተ ኃሙስ፡-

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዕለተ ኃሙስ፡- እዛ መዓልቲ ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ዝተፈላለ ስያሜ ዘለዋ ዕለት እያ።

1.ሕጽበተ እግር÷ ኃሙስ በዚ ስም እዚ ክትጽዋዕ
                        ዝኸኣለትሉ ምኽንያት፥ ብባህሪኡ ክቡር ልዑል ዝኾነ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት ዓለባኡ ተዓጢቑ ናይ  ሓዋርያቱ ኣእጋር ብምሕጻብ ፍጹም ንዝኾነ ትሕትናኡ ዝገለጸላ ንሕና’ውን ኣብ ንሓድሕድና  ከምቲ ዝገበሮ ብምግባር ኣርኣያኡ ተኸቲልና ትሕትና ምእንቲ ከነርእን ትሕትና ንጸላኢ ድያብሎስ እንስዕረላን ዝሽነፈላን ዓባይ መንፈሳዊት መሳርያና ብምዃናውን ክንለብሳ ከም ዝግባእ ትምህርቲ ዝሃበላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት እዩ። ንሱ ድማ እዚ ሎሚ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ኣቦታትና ካህናት ናተይን ናይ ምእመናን ኃጢኣት በደልና ሕደገልና፥ ሕጸበልና ክብሉ ደኒኖም ኣእጋርና ዝሓጽብዎ እዩ። ዮሓ.13፤4-15።

2.ጸሎተ ኃሙስ÷ እዚ ስያሜ በዛ ምሸት እዚኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ
ብኣይሁድ ቅድሚ ምትሓዙ ናብ ጌቴሴማኒ እትበሃል ቦታ ከይዱ ንዝጸለዮ ጸሎት ዘዘክር እዩ።"ሎቱ ስብሐት"ጸሎቱ ግና ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብተግባር ንዓና ኣርኣያ ንምዃን ኢሉ እምበር ስለ ርእሱ ኣይነበረን። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጾመ ጸሎት ኣብ ሕይወትና ዝህቦ ረብሓ ክንደይ ዓቢዪ ምዃኑ ንምርዳእ ተመሳሳሊ ከምዚ ብዙሕ ጊዜ ባዕሉ ኣብነት እናኾነ ምሂሩና እዩ። ማቴ.26፤36። ዮሓ. 17፤1። ምኽንያቱ ኣብ መጻሕፍቲ ነብያት " ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማህሩ ኪኾኑ እዮም።" ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝኾነ።  ዮሓ.6፥45።ኢሳ.54፥13።

  1. ዕለተ ምሥጢር÷
  2. ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ፍጹም ዝኾነ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ንዓለም ኩሉ ሕይወትን መድኃኒትን ዝኸውን መለኮታዊ ሥጋ ወደሙ ማለት እቲ ካብቶም ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቁርባኑ ዝሥርዓልና በዛ መዓልቲ እዩ ማቴ.26፥26-28።

ቅዱስ ቁርባን ከም ዝተባህለ ካብቶም ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝኾነ ምሥጢር እዩ።
ምሥጢር ዘብሎ ከኣ ኣብ ማቴ.26፥26-28። ተነጊሩና ከም ዘሎ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ንድኅነት ዓለምን ሥርየት ኃጢኣትን ኣብ መልዕልተ መስቀል ቅድሚ ምስቃሉ በዛ መዓልቲ ማለት ናብ ዓርቢ ዘውግሕ ምሸት ኃሙስ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዘምጽእሉ እንጌራ ዘይሓረረን ዘይነቕዐን መሪጹ ኣልዒሉ፥ ቀደሰ ማለት ኣመስገነ ስለ ዝኾነ፥ ድኃር ከምዚ ሎሚ ዝፍጸመልና ዘሎ ብሥርዓተ ቅዳሴ ክወሃበና ምዃኑ ንምርዳእ እዩ። ኣመስጊኑ ብምኽባር ቆሪሱ፡ ነቲ ኅብስቲ ናብ ኣማናዊ (ሓቀኛ)ሥጋኡ ቀይሩ፥ ነፍሲ ዝተፈልየቶ መለኮት ዝተዋሃሃዶ፥ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ድማ ህልዋን ዝኾንዎ ትኩስ ሥጋ " እዚ ሥጋይ እዩ፡ እንኩ ብልዑ። " እናበለ፥ ከምኡ ነቲ ወይኒ ድማ ኣመስጊኑ ባሪኹ ናብ ኣማናዊ ደሙ ለዊጡ ማለት መለኮት ዝተዋሃሃዶ ትኩስ ደም ጌይሩ " እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ኻብዚ ኩልኹም ስተዩ። " እናበለ ስለ ዝሃቦምን ዝሃበናን እዩ። ሕጽር ብዝበለ ኣብ ክንዳና ንድኅነትና ዝቑረስ ናይ ጐይታ ቅዱስ ሥጋን ዝፈስስ ክቡር ደሙን፣ ዝፍጸም ኣብ ዕለተ ዓርቢ እናሃለወ፣ ብምሥጢር ግን ንሱ እቲ ብዕለተ ዓርቢ ዝቑረስ ሥጋኡን ብዕለተ ዓርቢ ዝፈስስ ደሙን ኣብ ምሴተ ኃሙስ ስለ ዝሃቦን ዝሠርዖን እዩ። እዛ መዓልቲ ናይ ምሥጢር ዕለት ዘብላ ከኣ በዚ ምኽንያት እዩ።

ካልእ ቅዱስ ቁርባን ብዝርአ ኣገልግሎት ዘይርአ ጸጋ እግዚአብሔር ዝርከቦ ስለ ዝኾነ ምሥጢር ይበሃል።
ምስዚ " እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ«ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ።» ካብዚ ኩልኹም ስተዩ።"ብዝበሎ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ መዓልቲ ናይ ኦሪት ዝነበረ መሥዋእቲ እንስሳ ኣትሪፉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ሥጋን ደምን ብምትካእ ሓዲሽ መሥዋእቲ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ዘቕረበላ ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት ኃሙስ ዘሓዲስ ኪዳን ማለት ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኃሙስ ዝብል ስያሜ’ውን ኣለዋ እዩ።

  1. ናይ ነጻነት ኃሙስ፡÷"

ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥
ኃጢኣት ዝገብር ዘበለ ንሱ ባርያ ኃጢኣት እዩ"ከም ዝተባህለ ዮሓ.8፥34። ደቂ ሰባት ብኃጢኣትና ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ናይ ጸላኢ ድያብሎስ ተቖሪና ንዘመናት ክንሳቐ ንነብሩ ነበርና እሞ፥ ኣብቲ ዳኅራይ ጊዜ ሰዓቱ ምስ በጽሐ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ብምግላጽ በዛ መዓልቲ ካብቲ ንድራር ኢሎም ዝቐረብሉ እንጌራ ኣልዒሉ ባሪኹ "እዚ ሥጋይ እዩ፡ እንኩ ብልዑ።"ኢሉ፥ ከምኡ ጽዋዕ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ" እዚ ምእንቲ ብዙኃት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ«ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ»ኻብዚ ኩልኹም ስተዩ።"
እናበለ ብምሃብ ነጻነትና ዘረጋገጸላ ድኅነቱ ከኣ ዝወጀላ ክብርትን ቅድስትን ዕለት ስለ ዝኾነት ናይ ነጻነት ኃሙስ ትበሃል። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ "ደጊም ባሮት ኣይብሎኩምን እየ።" ክብል ካብ ባርነት ነጻ ምውጻእናን ናብኡ ምቕራብናን ገሊጹ ኣሎ ዮሓ.15፥15። ከምኡ’ውን ኣብ ገላ.4፥7። ንርአ።

ዕለተ ዓርብ፡-……ይቕጽል……

እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሓነ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በሰላም።

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

 

Comments are closed.