ዕለተ ረቡዕ፡- ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እዛ መዓልቲውን ከምተን ካልኦት ናታ ዝኾነ ስያሜ ዘለዋ ኮይና ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ። እዚኣ ድማ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብቅንኣት መንፈስን ክፉእ ሓሳብን ተላዓዒሎም ሒዞም ክቐትልዎ ንዝገበርዎ ክፉእ ምኽሪ እተዘኻኽር እያ። ማቴ.26፤1-5። ማር.14፤1-2 ። ኣይሁድ ነዚ ክፉእ ምኽሪ ዝጀመርዎ ካብ ዕለተ እሑድ ሠርክ እዩ። ብዝተፈለየ ምኽንያት ሓሳባት እናፈረሰ፥ ከምኡ’ውን ሰዓቱ ስለ ዘይበጽሐ ብዘይሓደ ፍረ ክበታተኑ ቀንዮም ምኽሮም ዝጸንዓሎም ማለት ዝተሰማምዑ ግን ኣብዛ ዕለት እዚኣ ረቡዕ መዓልቲ እዩ። ረቡዕ ኣብቲ ካልእ ወቕቲ ሓንቲ ካብቲ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ኮይና ብሙጻም "ኦ ኣምላኽ ንልቦናይ ካብ ክፍኣትን ተንኮላትን ምስ ኣይሁድ ካብ ምሕባርን ሓልወለይ። ከም ድማ ኣብ ልዕለይ  ካብ ዝሕሰብ ክፉእ ሓሳባትን እከይ ውዲታትንውን ኣድኅነኒ።" እናበልና ሰሙናዊ እነኽብራ ፍልይቲ ዕለት ምዃና ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ምእንቲዚ እምበኣር እዛ መዓልቲ ናይ ምኽሪ ዕለት ብምባል ትፍለጥ

ካልእ ጥዑም መዓዛ ዘለዋ መዓልቲ’ውን ትበሃል እያ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ስምዖን እቲ ለምጻም ተቐሚጡ ከሎ፥ ሓንቲ ምሉእ ሕይወታ ብኃጢኣት ዝሙት ትነብር ዝበረት ሰበይቲ ብኃጢኣት ምኽንያት ጥዑም መዓዛ ቅድስናኡ ርሒቕዎ ንዘሎ ዝረኸሰ ሕይወተይ ከምዚ ጽቡቕ ሽቱ ጥዑም መዓዛ ቅድስና ከተልብሰኒ ዝከኣለካ እዩ፥ እሞ ኣንጽሃኒ ክትብል ክቡር ቅዱይ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሠርሐ ብልቃጥ ኂዛ መጺኣ ኣብ ርእሱ ብምፍሳስ ስለዘቕረበት እዩ።

ናይ ንብዓት መዓልቲውን ይበሃል። ከመይ እዛ ሰበይቲ ምስዚ ኩሉ ብኃጢኣታን በደላን ኣሚና ንክኃድገላ ንብዓታ ከም ውሑጅ ኮይኑ ክፈስስ እግሩ እናኣጠልቀየ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት ተደፊኣ ብምልማን ናይ ልባዊ መሥዋእቲ ንብዓት ድማ ኣቕሪባ እያ። ምሉእ ታሪኹ ማቴ.26፤6-13። ማር.14፤3-9። ዮሐ.12፤1። ንርአ።

በዚ ከኣ ምሕረት እግዚአብሔር ንምርካብ ናይ ገዛእ ርእስና ኃጢኣትን በደልን እናሓሰብና ንኣምላኽ ባህ ዘብል ዝተፈትወ ናይ ንብዓት መሥዋእቲ ከነቕርብ ከም ዝግባእን ከም ዘሎናን ምምሃር እዩ።

* ዕለተ ኃሙስ÷……ይቕጽል……

እንበለ ደዌ ወሕማም እንበለ ጻዕር ወድካም አመ ከመ ዮም ያብጽሓነ ያብጽሕክሙ እግዚአብሔር በሰላም።

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.