ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ንመበል 17 ዙር ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ኣሜሪካን ካናዳን ትምህርተ ሰንበት - ዓርቢ ዕለት 22 ሐምሌ 2014 ግ.ዓ.ም/ 29 ሐምሌ 2022

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
ዓርቢ ዕለት 22 ሐምሌ 2014 ግ.ዓ.ም/ 29 ሐምሌ 2022 ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ንመበል 17 ዙር ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ኣሜሪካን ካናዳን ትምህርተ ሰንበት ኣብዚ ዓመት ንመጀመረታ ግዜ ድሓሪ Covid-19 ብኣካል ዝተካየደሉ መደብ እዩ።
እዚ መበል 17 ዙር ጉባኤ ትምህርተ ሰንበት ሎሚ ዓርቢ ተቀሪብ ዝነበረ መንፈሳዊ መግቢ ብድምቀት ተዛዚሙ። ጉባኤ ብጸሎት ምስ ተከፍተ ብመምሃራንን ኣቦታት ካህናትን ድያቆናትን መክፈቲ ወረብ "በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሓይለ መስቀሉ እትመረጎዝ" ማዕሪረ ዜማ ናይ ያሬድ ወሪቦም ከፈቱዎ፣ ካብዚ ብምቅጻል ካብ ደብረ ገነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክችነር ትምህርተ ሰንበትን ሰበካ ጉባኤን ካናዳ ናይ እንኳዕ ብደሓን መጻኩም ዝብል መልእክቲ ብመምህር እያሱ ብምምሕልላፍ ከምኡ ውን ካብ ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ኣሜሪካን ካናዳን ወኪል ዝኮኑ መልአከ ብርሃናት መሪጌታ ቀሺ ይብራህ ቀሺ ጎይትኦም ብስም ብጹእ ኣቡነ ኤልያስ ነዚ ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ እንኳዕ ብሰላም ኣብጸሓኩም ብምባል ናይ ኣቦነት ምክሪን ሕድሪን ብምትሕልላፍ ከምኡ ውን ናይዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ተረከብትን ዓቀብተ ሕጋን ስርዓታን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኮይንና ክንርከብ ሓደራ ብምባል መልእክትኦም ኣብጺሖም። ናይ ሎሚ ዕንበባ ናይ ጽባሕ ፍረ ዝኮኑ ህጻናት ደብረ ገነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትምህርተ ሰንበት መዘምራን ብጥዑም ልሳን ሰለስተ መዝሙራት ብምቅራብ "1. እቲ ንምክሖ፣ 2. ከይልምን ከም ሰበይ፣ 3. ናይ ሊቀ መላእክት ኡራኤል፣" ጥዑም ናይ መላእክቲ ዜማ ኣዳልዮም። ካብዚ ቀጺሉ ካብ ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ኣሜሪካን ካናዳን ትምህርተ ስንበት ዋና ጸሓፊ ዲያቆን በሪሁ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ናይዚ ወርሒ ሐምሌ 2014/2022 ዝተሰርሐን ብዝተፈላለይ ምኽንያት ዘይተሰርሐ ስርሓት ብምግላጽ ጸብጻብ ብግቡእ ኣመሓላሊፉ፣ ተሳተፍቲ ናይዚ ጉባኤ ከኣ በቲ ዝተገልጸ ጸብጻብ ፍቅሪ ብዝመልኦ ሕቶታቶም ኣፍሲሶም። ካብዚ ዝቀጸለ መደባት ናይ መጽናዕትታት ብዛዕባ "ዕላማን ተግበርን ትምህርተ ሰንበት" ብዝብል ብመምህር ዲያቆን ሳምሶም ብስፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ብዝተገብረ መግለጽታት ቀሪብ። ናይ ዕለቱ ዝተዳለወ ስብከት ብቀሺ ጸገዘአብ "እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግን ንሱ ክድሕን እዩ።" ማቴ 24:13 ኣርእስቲ ብምግባር ኣብ እምነትናን ሃይማኖትናን ጸኒዕና፣ ከምቲ ወርቂ በሓዊ ተፈቲኑ ዝኩላዕ ከምኡ ውን እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ሰብ ኣብታ ዘይትሓልፍ ርስቲ መንግስተ ሰማይ ከም ዝወርሳ ብምባል ትምህርትኦም ፈጺሞም።
ብደብረ ገነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ክችነር ነቶም ዕዱማታ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዝመጹ ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋት ዲያቆናትን ትምህርተ ሰንበት መዘምራንን ህጻናትን ኣቦታትን ኣዴታትን መንእስያትን ናይ ምሳሕ እንግዶት ጌሮምሎም። ድሕሪ ምሳሕ መደባት ብLiving Tewahdo ናይ ሃገረ ስብከት ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ተዛረብቲ ጠርነፍቲ ናይ ሕ.መ.ኣሜሪካን ካናዳን መድባቶም ብኤግዝብሽን ብምጅማር ኣብ ኣርባዕተ ኣርእስቲታት ካፋፊሎም መደባቶም ኣካይዶም። እቲ ኤግዝብሽን ምስ ተዛዘመ፣ ካብዚ ብምቅጻል ናይ Workshop Discussion በብዕድምኦም ፈላልዮም ካብ ህጻናት ክሳብ ወለዲ ዘለው ነናቶም ምስ ዕድምኦም ዝከይድ ኣርእስትታት ኣዳልዮም፣ ኣርእስትታት ናይቲ ዘተ "ናይ ዕድመ 7-10 (Choosing the right friends, Bully)፣ ናይ ዕድመ 11-14 (Exposure to Social Media፣ pornography)፣ ናይ ዕድመ 15-17 (Exposure to Social Media, Vaping)፣ ናይ ዕድመ 18-24 (LGBTQ+, Purity)፣ ናይ ዕድመ 25+ (Not Parent) (Career, Purity)፣ ንወለዲ ዝምልከት ዘተ (Music & Video, Crushes (falling in Love) ብዝብል ዕውት ዝኮነ ዘተ ኣካይዶም። ኣሕዋትና መንእሰያት Living Tewahdo Eritrean Orthodox Tewahdo Ministry ሰለስተ ያሬዳዊ መዝሙር ብቋንቋ እንግሊዝ ኣዳልዮም (ብዘይ በኣካ- Whom do i have without you my Lord, ክነፈ ርግብ-She has wings of a dove, መልአከ ሰላምነ- The Angle of our peace, chief of the angels Urael) ዝማሬ መላእክቲ ኣስሚዖምና፣ ብክፍሊ መዝሙር ሳንሱር ተጌሩ ዝተዘመረ እዩ። ናይ መወዳእታ መደብ ዘተ ምስ መምሃራን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሃይማኖትና ስርዓትን ብሰፊሑ ተገሊጹን ዝተዛትዮምሉ። ኣቦታት መምሃራን ብወረብ ጌሮም መደባት ናይ ዕለቱ ተዛዚሙ።
መደባት ናይዚ ጉባኤ ከኣ ቀዳም ካብ ሰዓት 9 ቅ.ቀ ክጅመር ምኮኑ ንሕብር። ብቀጥታ ስለ ዝመሓላለፍ ኣብዚ እንገብሮ መደባት ምሳና ተሳተፍቲ ክትኮን ብትሕትና ንዕድም።
ስብሐት ለእግዚአብሔር።
ትምህርተ ሰንበት ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ኣሜሪካን ካናዳ

Post a comment

You must be logged in to post a comment.