ዓሰርተ ነገራት  ብዘዓባ ሆሳዕና ግድነት ክንፈልጦ ዘለና።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።

 

  1. እዛ ሰንበት መዓልቲ ስየ፡ ሥጋና ለቢሱ ንዓና ክድኅነና ዝመጸ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንግስነቱ ዝተገልጹ መዓልቲ እዮ። ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ኣድጊ ተወጢሑ ክመጽእ ከሎ እቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሕዝቢ ክብሩን ንግስነቱ ንኽገልጹ ስየን ክዳውንቶም ኣንጺፎም መድኃኔ-ዓለም ብምዃኑ ብምምስካር ጐይትነቱ ተቀቢሎም። ንሕናውን ካብዛ ቅድስቲ መዓልቲ ሆሳዕና  መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ናይ ዘልዓለም ናይ ሰማይን ምድርን ንጉሱን ምዃኑ  ብዓውታ ንዝምረሉ ግዜ እዮ።

  1. እዛ ናይ ስየ ሰንበት ዝተሰምየት መዓልቲ፡ ቤዛ ዓለም ክርስቶስ ንጉስ ምዃኑ ስለ ትግለጽ ናይቲ ልዑል ናይ ሰማይ ምድርን ጐይታ ትእዛዝን መንግስትነትን ክነኽብር ተዘኻኽርና። ዓሰርተ ትእዛዛት ብነብይ ሙሴ ዝተወሃበና ከምኡውን ሹዱሸተ ቃልተ ወንጌል ክንፍጽም ከም ዘለና እዛ መዓልቲ ስየ ተዘኻኽረና። ሆሳኦና እቶም ትእዛዝ ንጉስ ዝኽቡሩን ንኽቡር ዝዝምሩን፡ ኣብቲ ናይ ዘልዓለም መንግስቱ ውርሻ ከም ዘለዎም ተረጋግጸና መዓልቲ እያ። (ማቴ3፡10፡ ማቴ4፡17 ሉቃ17፡21)

  1. እዛ ናይ ስየ ሰንበት እቲ ንድኅነትና ዝመጸ ንጉስ፡ ንግስነቱ ሓዲጉ ምእንታና ስቅያት ንኽቅበል፡ ክሳብ መስቀልውን ክስቀል ምዃኑ ትሕብርና ብርኽቲ መዓልቲ እያ። ንጉስ ክንሱ፡ ከም ባርያ ተቆጺሩ ስቅያትናን ሓዘንናን ዘርሕቀ ኣማናዊ ገንሸል ምዃኑ እንገልጸላ ቅድስትን ክብርትን መዓልቲ’ያ።

  1. ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ንግስነቱ ክገልጽ ከሎ ከም ነገስታት ገዛእቲ ዓለም ብናይ ኴናትን ውግእን መሳርሒ ተዓጂቡ፡ ኣጽዋር ተዓጢቁ፡ ኣፉ ኒፊሑ ብኹርዓት ኣይመጸን። እቲ ሓቅኛ ንጉስ ኣቦ ሰላምን፡ ፍቅርን፡ ትሕትና ለቢሱ፡ ብዓበይቲ ፍሉጣትን ደረፍትን ዘየምትን ገጠምትን ዘይኮነስ በቶም ልሳን ዘይቆጸሩ ቀለውዕ መዝሙር ካብ ሕፃናትን ካብ ኣእማን ቢታንያን እናተቀበለ በቶም ንዑቃት ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ግና ክቡራት እናተዓጀበ ነታ ፍቅርን ሰላምን ርሒቅዋ ዝነበረ ኢዮርሳሌም እቲ ሓቅኛ ሰላምን ፍቅርን መለሰላ።

  1. ክርስቶስ ንሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ ንስኻ ኣብ ምድሪ ዝፈተሓካ’ዩ ኣብ ሰማይ ዝተፈትሐ ክኸውን’ዩ ንስኻ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ ዝተኣስረ ክኸውን’ዩ” (ማቴ18፡18) ዝበሎ ቃል ኣብዛ መዓልቲ ሆሳዕና ብግብሪ ተፈጺሙ። ነታ ኣድጊ ምስ ዒሉ ፈቲሕኩም ኣምጹለይ፡ መን ኣዚዝኩም እንተ በልኹም ፡ ንጐይታ ይድልይ’ኦ እየን ብምባል መልሱ በሎም ነቶም ክልተ ደቂ መዛሙርቱ። እዘን ኣእዱግ ኣምሳል ነቶም ብሓጢያት ዝተኣሰራና፡ ጣዕምን ረብሓን ዓለምን ዝኸበደና ንኣሽቱን ዓበይትን ደቂ ሰባት፡ ፍኖተ ሓዋርያት ዝተኸተሉ ኣቦታትና ካህናት ኣብ ማእሰርቲ ኃጢያት ፈቲሖም ናብ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ክቅርቡና፡ ናብታ ኣምሳል ኢዮርሳሌም ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ክምጹና ዝተኣዘዝሉ መዓልቲ እዪ።

  1. እዛ ሰንበት መዓልቲ ስየ፡ ተስፋ ኣዳም ክፍጸም ርግጽ ምዃኑ እተዘኻኽረና  ዕለት እያ።  ዓለም ብሰንኪ በደላን ኣበስኣን ብማይ ኣይሂ ምስ ጠፈአት ኣቦና ኖኅ  ኣብ መርከብ ኮይኑ ደሃይ ንቁጽ ምድሪ ክጽበ ከሎ፡ በታ ለዋህ ርግቢ ኣብሳሪተ ተስፋ፡ ኣብ ኣፋ ቆጽሊ ብምሓዝ ተስፍኡ ዝረኸበ፡ እዛ መዓልቲውን ተስፋ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ከም ዝመጸ  ሰብ ኢዮርሳሌም ስየ ብምሓዝ ሆሳዕና ( ሎሚ ኣድኅን ኮታ) እናበሉ ብመዝሙር ዝተቀበሉሉ፡ ተስፋ ኣዳም ዝተገልጸሉ መዓልቲ ምዃኑ እትሕብር መዓልቲ እያ። ’እቲ ከም ማይ ኣይሂ ዘይነጽፍ ዝኾነ ኃጢያትና ኣርሒቁ ክዕረቀና ስየ ብምሓዝ ሆሳዕና፡ ተስፋ ከም ዘለና  ዘክሪና መዓልታዊ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን (ኢዮርሳሌም)  ሆሳዕና ኣብ ኣርያም እናበለና ንቅበሎ ነቲ ሓቀኛ ንጉስ።

  1. ኣብ ቀደም ዘመን መሳፍንቲ ከምዚ ናይ ሕጂ መሳርሒ ኴናት ዓለም ከይማዕበለ ከሎ ሰባት ንባእስን ኴናትን ክእውጁ ከለው ኣብ ፈረስ ተወጢሖም ኣዋጅ ኣዋጅ እናበሉ ናይ ዕግርግርን ዘይቅሳነት ንልብኻ ዘሰንብድ ዜና የመሓላልፉ። ብኣንጻሩ መሳፍንቲ ንዓድታት ሰላምን ቅሳነት ክእውጁ ከለው ኣብ ኣድጊ ተዋጢሖም ቆጽሊ  ብምሓዝ ሰላምን ቅሳነት ከም ዝሰፈነ፡ ጥዑም ብስራት ዜና የስምዑ ነይሮም። እቲ ናይ ሰማይን ምድን ጐይታ ክርስቶስ’ውን ናይ ሰላምን ፍቅርን ንጉስ ሰለ ዝኾነ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ናይ ናይ ስቅያትን ሓዘንን ዘመን ኣብቂዑ ናይ ሰላምን ፍቅርን ዘመን ከም ዘመጸ ንዓለም ኣወጀላ።

  1. ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዝኽል የልቦን (ማቴ6፡24)። ነቲ ትግዝኦ ጐይታ ብዅሉ ልበኻን ነፍስኻን ግዜኻን ኢኻ ተፍቅሮ። ምስኡ ለይትን መዓልቲን ትውዕል፡ ስሙ ከይረብረብካ ዕሳራን ኣርባዕተን ሰዓት ትጽውዖ። እቶም ኣብ በዓለ ሆሳዕና ዝነበሩ ሰባት እቲ እንኮ ዝውንንዋ ዝነበሩ ልብሲ ብምውጻእ ነቲ መስፍን ሰላም ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾነ ጐይታ ንብረቶም ኣንጸፉ፡  ኣካሎምን ጉልቦቶም ንዕኡ ጥራይ ከገልገሉ ምዃኖም ቅርብነቶም ብተግባር ኣርእዮም ። ኣብዛ መዓልቲ ሆሳዕና ንሕና’ውን ኵሉ ንብረትናን ንዋይናን ንወንጌል ክርስቶስ ክበቅዕ ምእንታን እቲ ዘለና ኵሉ ንናትካ’ዩ  ብምባል ሞባእን ገጸ በረኸትን ነቅርበሉ፡ ኣካልና ድማ ቅዱስ ቁርባን ብምውሳድ ምስኡ ንሓብረሉ እዋን ሰለ ዝኾነ ኣብዛ መዓልቲ ብዙኃት ሰዓብቲ ክርስቶስ   ሥጋኡን ድሙን ይቅበሉ።
  2. እታ ብደቂ ሰባት ዝተናዕቀት ኣድጊ፡ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ምስ ተወጠሓ ከቢራ። እታ ጽዕነት ዝለመደትን እታ ጽዕነት ዘይለመደትን ኣድጊ ክርስቶስ ኣብ ሕቆአን ምስ ተሰቅለ፡ ስየን ክዳውንቲ ተነጺፍለን ከቢረንን ልዕል ኢላንን። ንሕናውን ነቲ ንጉስ ሰማይን ምድርን ኣብ ልብና ምስ ነንግሶ ኣብ ምድራዊ ዓለም ከቢርናን ተሓፊርና ንነብር። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ምልምማድ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ ”እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ሕይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ። ” (1ጢሞ4፡8)።

  1. እታ ዓባይ ኣድጊ ሰኸም ዝለመደት፡ ብዝኃ ጽዓነት ጾር ዝተሰከምት እያ። እሳ ኣምሳል፡ ናይ ብሉይ ኪዳን እያ። ብሉይ ኪዳን ከቢድ ሕጋጋት ዝመልኦ፡ ጹሩ  ከቢድ’ዩ ነይሩ። እታ ዓባይ ኣድግ’ውን ብጽዕነት ልባ ዝጠፍኣ፡ ካብ ብዙኃ ጽንዓት ምስካም ድኻም ጾር ዝተለመደት’ያ። እቲ ዒሉ (ጸብዒ) ግና ጽዕነት ዘይለመደት ውልዶ ሓዳሽ ነይራ። እዛ ንእሽተይ ኣድጊ  ተምሳል ናይ ሓድሽ ኪዳን’ያ። ክርስቶስ ኣብ ክልቲአን ኣእዱግ ምውጥሑ ኣነስ ንሕግን ነብያትን ክፍጸም እምበር ክስዕሮም ኣይመጸኹን ንምባል ምዃኑ መጽሐፍቲ መትርጉማን ይገልጹ።

ርሑስ በዓል ሆሳዕና ይግበረልና!!

ኣከ ዘመካነገነት

2022-04-16

Comments are closed.