“ዐረገ ውስተ ሰማያት ፄዊወከ ፄዋ፡ ምርኮ ማሪኽካ ንሰማያት ዓረግካ” {መዝ 68፡18}

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ርሑስ በዓለ ዕርገት ይግበረልና

“ዐረገ ውስተ ሰማያት ፄዊወከ ፄዋ፡ ምርኮ ማሪኽካ ንሰማያት ዓረግካ” {መዝ 68፡18} ናይዚ ኅይለ ቃል እዚ በዓል ቤት ቅዱስ እግዚአብሔር ኣምላኽና ክኸውን ከሎ፡ ናባና ዘመሓላለፈልና ድማ፡ ኣብ ዙፋን ንግሥነት ተቐሚጡ ብሃብትን ክብርን ዝናን ናይዛ ዓለም ከይተታለለ ብቕድስና ሕይወቱ ዝመርሐ ቅዱስ ዘማራይ ዳዊት እዩ፡ እግዚአብሔር በረከቱ ይዓድለና። እምበኣር ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡

እቲ ዝዓረገ ግን መን እዩ

ናበይ’ከ ዓሪጉ

ምርኮ ማሪኽካ ዝበሎም’ከ

 ኣየኖት እዮም ዝብሉ ክንርኢ ኢና። ቅዱስ ያሬድ ንመእተዊ ዓቢይ ፆም ዝኾነት ቀዳመይቲ ሰንበት “ጾመ” ኢሉ ኣብ ክንዲ ምጅማር እቲ ካብ ሰማያት ዝወረደ እዩ ጸይሙ ንምባል “ዘወረደ” ኢሉ ከም ዝሰየማ፣ ንሕና ውን ከምኡ ንምዕራግ ምውራድ ስለ ዝቕድሞ “ዓረገ” ቅድሚ ምባልና ስለ ምውራዱ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ።

 እግዚአብሔር ኣምላኽና ንኣቦና ኣዳም ብመልክዑን ምስሉን ኣኽቢሩ ፈጢሩ ትእዛዙ ሓልዩ ንኽነብር ኣብ ገነት ኣቐሚጥዎ ነይሩ። እንተኾነ ኣቦና ኣዳም ምኽሪ ዲያብሎስ ሰሚዑ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ ካብ ገነት ምስ ተባረረ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽና ከምዚ ዝብል ሓደ ዓቢይ ናይ ተስፋ ቃል ኣመሓላለፈ “ወይቤ እግዚአብሔር ናሁ ኣዳም ኮነ ከመ ኣሐዱ እምኔነ ዘየኣምር ሠናየ ወእኩየ፡ እግዚአብሔር ድማ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮነ” ዘፍ ፡3፡22 ኣስተውዕሉ! ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣቦና ኣዳም ኣይኮነን ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካለት ሥላሴ ክኸውንስ ይትረፍ፡ እታ ዝተዋህበቶ ጸጋ እኳ ተገፊፋቶ፡ ብኃጢኣት እርቃኑ ወጺኡ፡ ካብ ገነት ዝተባረረሉ ጊዜ እዩ ነይሩ። እንታይ ንምባል ደኣ እግዚአብሔር ንኣዳም “ከም ሓደ ካባና ኮነ” ክብል ክኢሉ እንተበልና ግን፡ ኣቦና ኣዳም ብዝበደሎ በደል ምኽንያት ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካላት ሥላሴ “እግዚአብሔር ወልድ” ንኣዳም ንምድኃን ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ተወሊዱ ናብዚ ዓለም ብምምጻእ ብሞቱ ንኣዳም ኣድኂኑ ካብ ሙታን ተንሢኡ ንሰማያት ብምዕራግ፡ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ {ማር 16፡19} “ጐይታና ኢየሱስ ነዚ ምስ ተዛረቦም ንሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ውን ተቐመጠ” ብምባል ከም ዝመስከረሉ፡ ንዝለበሶ ሥጋ ናይ ኣዳም ሒዙ ኣብ ዝባን ኪሩቤል ኣብቲ ናይ ክብሪ ዙፋኑ ተቐሚጡ ምስ አብን መንፈስ ቅዱስን ክምስገን ክነብር ምዃኑ ንምግላጽ፡ ‘እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ኮነ’ ብምባል ተዛረበ። ስለዚ ዓሪጉ ኢልና ነብዕለሉ ዘለና እምበኣረይ; ንሱ እቲ ሥጋና ለቢሱ ሰብ ኮይኑ ካብ ቅድስት ድንግል ዝተወልደ ጐይታ ባዕሉ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚአብሔር ምዃኑ ዘማራይ ዳዊት ብድጋሜ ኣብ መዝ 47፡ 5 “ዐርገ እግዚአብሔር እግዚእነ በይባቤ ወበቃለ ቀርን፡ ጐይታና እግዚአብሔር ብዕልልታን ብድምጺ መለኸትን ንሰማያት ዓረገ” ብምባል ኣጸቢቑ የብርሃልና።

 እምበኣር እቲ ንሰማያት ዝዓረገ ባዕሉ ሰማይን ምድርን ፈጠረ እግዚአብሐር እዩ ካብ በልና፡ ብኸመይ እዩ’ኸ ዓሪጉ ተባሂሉ ክንገረሉ ክኢሉ፧ ምኽንያቱ ጥበበኛ ሰሎሞን፦ “እንሆ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይክእሉን እዮም” {1ነገይ 8፡27} ኢሉ ከም ዝመስከረሉ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ሰማይን ምድርን ክጾሮ ዘይክእል ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ ደየበ፡ ወረደ፡ ዝብሉ ቃላት ንፍጡር እምበር ንባህርይ እግዚአብሔር ኣይሰማምዑን እዮም። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ በለ፧

  ብርግጽ እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ምሉእን ምድርን ሰማይን ክጾርዎ ዘይክእሉን ኣምላኽ እዩ። ነገር ግን እዚ ሙሉእ በኲለሄ ዝኾነ ኣምላኽና ነዓና ንምድኃን ኣብ ጸባብ ማህጸን ተጸኒሱ፡ ውሱን ኣካል ሒዙ ሰብ ኮይኑ ናብ ዓለም ስለ መጺኡ ድኅነት ፈጺሙ ብዝለበሶ ሥጋ ናብ ሰማይ ምዕራጉን፡ ከምኡ ውን ወላ እኳ ሥጋ እንተለበሰ ንሱ ባዕሉ እግዚአብሔር ምዃኑ ንምግላጽን “እግዚአብሔር ዓረገ” ተባሂሉ ተነግረሉ።

  ምርኮ ማሪኽካ ዝበሎም ድማ ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ፡ “ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም”{1ጴጥ3፡19} ብምባል ከም ዝገለጾ ብመጀመርታ ነቶም ኣብ መንጸፈ ደይን ብእግረ ኣጋንንቲ ዝርገጹ ዝነበሩ ካብ ማእሰርቲ ዲያብሎስ ማሪኹ ድኅነት ምሃቡ ንምግላጽ እዩ። ካልኣይ ትርጉሙ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኅኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገና ኣብዚ ምድሪ ከሎ ንሱ ንሰማይ ብምዕራጉ ደቂ መዛሙርቱ ዝረኽብዎ ጸጋን ክብርን ከምዚ ብምባል ነጊርዎም ነይሩ፦ “ኢይደንግፅክሙ ልበክሙ እመኑ በእግዚአብሔር ወእመኑ ብየ፡ እስመ ውስተ ቤተ ኣቡየ ብዙኅ ማኅደር ወምዕራፍ ቦቱ፡ ወናሁ እብለክሙ ከመ ኣነ አሐውር፡ ወኣስተዳሉ ለክሙ ማኅደረ። ወእምከመ ሖርኩ ወአስተዳሎኩ ለክሙ ማኅደረ ወምዕራፈ፡ እመጽእ ካዕበ ወእነሥኣክሙ ኀቤየ፡ ከመ ተሀልዉ አንትሙኒ ኀበ ሀሎኩ ኣነ።ትርጉሙ፡ ልብኹም ኣይሸበር ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይ ውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ መሓድር ኣሎ፡ መሓድር እንተዘይህሉ ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ሥፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ሥፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም ውን ኣብኡ ምእንቲ ክትህልዉ ተመሊሰ ክወስደኩም እየ”።  “ዮሐ፡14፡1-3” ዝብል ሕልናኻ ብህርፋን ዝኣክል ሰማያት ዝሰቅል ዓቢ ዝኾነ ተስፋ ሂብዎም ስለ ዝነበረ፡ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብረ ሐዋርያት “እዚ ምስ በለ ድማ እናረኣይዎ ንሰማይ ዓረገ” ከም ዝበሎ ግ.ሃ1፡9 ካብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ ኣንቃዕሪሮም እናረኣይዎ ንሰማይ ክዓርግ ከሎ ነቲ ኣብ ቤት ኣቦይ ማሕደር ከዳልወልኩም እየ ዝበሎም ብምዝካር ልቦምን ቀልቦምን ሕሊናኦምን ሓሳባቶምን ምስኡ ንሰማያት ዓረገ። በዚ ድማ ምርኮ ማሪኽካ ንሰማይ ዓረግካ ዝተባህለ ትንቢት ተፈጸመ።

  ቅዱሳን ኣቦታትና ሓዋርያት ሓሳባቶም ብሰማያዊ ጸጋን በረከትን ስለ ዝተማረኸ እምበኣር እዮም በዓል ቅዱስ ጳውሎስ “እዛ ምድራዊት ቤትና ዝኾነት ሰብነትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ካብ ኣምላኽ ሓንቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረት ህንጻ፡ ናይ ዘለዓለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። ሰማያዊት ቤትና ክሳዕ ንለብስ ግና ብሃንቀውታ ዓንገረር ንብል ኣለና”2ቆሮ 5፡1-3 እናበለ ማዕረ ኽንደይ ሓሳባቶም ብሰማያዊ ክብሪ ምምራኹ ክገልጽ ከሎ፡ ነዛ ምድራዊት ሃገሩ ገዲፉ ድማ “ንሕና ኣኮ ሃገርና ሰማያት እያ፡ ካብኣ ድማ ነቲ መድኃኒና ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣለና” ብምባል ንሰማያዊ ህርፋኖምን ሓሳባቶምን ብዝያዳ ኣንጸባረቖ። {ፊል 3፡20}

   ክቡራን ኦርቶዶክሳውያን ወላ ነዓና እኮ እዩ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት መሓድር ኣዳልየልኩም ኣለኹ ዝብለና ዘሎ፡ እስከ ንሕና’ኸ ብዕርገቱ ብዝህበና ሰማያዊ ክብሪ ዝተማረኽና ክንደይ ንኸውን፧

“ምርኮ ማሪኽካ ንሰማያት ዓረግካ” እናበለ ቅዱስ ዳዊት ዝዘመሮ እኮ፡ ዓመት መጸ ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ብኽብሪ ከነብዕሎ ከለና ብመብልዕን መስተን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓይነ ሕሊናና ምስ ሓዋርያት ኣሕቢርና ንሰማይ ኣንቃዕሪርና እናረኣናዮ ምዕራጉ ተመልኪትና፡ ሓሳብናን ልብናን ከም ሓዋርያት በቲ ኣብ ሰማያት ዘዳለወልና ሰማያዊ ክብሪ ተማሪኽና፡ ብፍቕሪ ጸኒዕና ንጽህናና ሓሊና ብንስሓ ተሓጺብና ብቅዱስ ቁርባን ተሓቲምና ንኽንጸንሖ እዩ እሞ፣ ነዚ ኽንገብር ቅዱስ እግዚአብሔር ይደግፈና።

በረከት ዕርገቱ ይዓድለና

ርሑስ በዓል ድማ ይግበረልና

“ዐረገ ውስተ ሰማያት ፄዊወከ ፄዋ”

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!!!   

ዲን. ቢንያም

Comments are closed.