ወይትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11።

ካልኣይን ናይ መወዳእታን

ሕራይ ናይ ሓዱሽ ዓመት ነገርስ ብመጠኑ ርኢና፥ንሕናኸ ምስ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ሓዲሽ ዓመት እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ክንከውን ይግባእ᎒

 ሓዲሽ ዓመት ሓረስቶት ኮነ ካልኦት ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ንሕይወቶም ዝመርሑን ዘምሓድሩን ብዝሓለፈ ነገራቶም እናተማኃሩ ንዝመጽእ ውጥን መደባቶም ሠሪዖም ኣሐዱ ኢሎም ዝፍልምሉ ዕለትውን እዩ። በዚ እዋን ኩላትና ከም እንፈልጦ ገለ ገለ ሰባት ኣብ ሓዲሽ ዓመት፥ ንዝነበሮም ወልፍታትን ሕማቕ ልምዲታትን ኩሉ ሓዲጎም ሓዲሽ ሕይወትን ምዕራፍን ክጅምሩ ቃል ክኣትዉ ይስምዑ እዮም። እዚ ነገር ኣዝዩ ሠናይን ቅዱስ ሓሳብን እዩ። ብተግባር ከኣ እንተተግቢሩ እውን ዝንኣድን ዋጋ ዘለዎን እዩ። ገለ ድማ ሓዲሽ ዓመት ስለዝመጽአ በዚ በዓልቲ ብብልዕን መስተን ሰኺሮም ንሥጋኦም ባህ እናኣበሉ ብተድላ ሥጋ ከሕልፍዎ መደብ ይገብሩ።ቆጸሮውን ይሕዙ። ኮይኑ ግን እዚ ነገር ንፍቓድ ሥጋኻ ንምሕጋስ ጥራይ ኢልካ እትገብሮን ኣብ ጌጋ ርድኢት ዝተመርኮሰ ብምዃኑን ውጽኢቱ ከምቲ ጠቢብ ሰሎሞን ዝበሎ ከንቱ እዩ። መክ2፥1። “ ሥጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ሥጋ እዮም ዝሓስቡ፥ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። ናይ ሥጋ ነገር ጥራይ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፥ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን የምጽእ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ፥ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን፥ ክግዝኦውን ኣይክእልን እዩ።  እቶም ብሥጋ ዝምርሑ’ውን ንኣምላኽ ኬሕጉስዎ ኣይካኣሎምን እዩ። ዝብል’ውን ጽሑፍ እዩ ። ሮሜ8፥5-8።
-ንኹሉ ተዓዘብዎን መርምርዎን፥ነቲ ሠናይ ሓዝዎ ከም ዝተባኅለ፣ 2ይተሰ.5፥21። ንሕናኸ ውጥን መደባትናን ሓሳባትናን እንታይ እዩ?

*ማዕዳን ትምህርትን ቅዱሳን ኣቦታትና

*     “ እምበኣርሲ ኣሕዋተየ፥ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መሥዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፥ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ መንፈሳዊ ኣግልግሎትኩም እዩ። እቲ ሠናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰሉዋ”። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ሮሜ12፥1-2። ተምልከት።

ደጊሙ ከኣ÷ “ እቶም ብሥጋ ዝምርሑ ንኣምላኽ ከሕጉስዎ ኣይከኣሎምን እዩ።ንስኻትኩም ግና መንፈስ ኣምላኽ ሓዲርኩም እንተድኣ ኣልዩስ ብመንፈስ እምበር ብሥጋ ኣይኮንክሙን ዘለኹም።…………እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ከም ፍቓድ ሥጋ ኽንነብር ነቲ ሥጋስ ሰብ ዕድኡ ኣይኮናን። ከም ፍቓድ ሥጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም።ነቲ ተግባራት ሥጋ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም። ምኽንያቱ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ዘበሉ፥ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ሮሜ8፥8-14።

እዚ ዘመን ኣሕሊፍና ዘመን እንትካኣሉ፥ናብቲ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ድማ እንሰጋገረሉ አውደ ዓመት፥ንናይ ክርስቶስ ዳግም ምጽኣት ማለት እዛ እንነብረላ ዘሎና ሓላፊት ዓለም ሓሊፋስ ነታ ንእኣ ተኪኣ እትመጽእ ሕልፈት ዘይብላ ዘለኣለማዊት ዝኾነት ሓዳስ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ተምሳል ምኻኑ እውን ብቅዱሳን መጻሕፍቲ ይነግሩና እዩም።
ብዛዕባ’ዚ ነገር ዝምልከት እዩ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ “ መዓልቲ ጐይታ ግና ኸም ሰራቒ ኾይና ክትመጽእ እያ፥ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ክሓልፍ እዩ፥ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኪመክኽ እዩ፥ ምድርን ኩሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ እዩ። ” ድሕሪ ምባሉ ቀጺሉ÷ እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ዚጠፍእ ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብኣኩም? ኢሉ ይሓትት እሞ ባዕሉ ክምልሶ እንከሎ፥  “ ነታ ኣምላኽ ዝመጸላ እናተጸቤኹምን እናኣቀላጠፍኩምን ብቅዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚኣብሔርን ክትነብሩ እዩ ዚግባኩም።………ስለዚ ኸኣ ኣቱም ፍቁራተይ፥ ነዚ እናተጸቤኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘሎኩም ኮይንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ።” ብማለት በዚ እዋን እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ክንርከብ ከም ዝግባእ ብግልጺ የረድኣናን  ይመኽረናን። 2ይጴጥ3፥10-15። ነዚ ክንገረና ዝጸንሐ ናይ ቅድስና ሕይወት ኩሉ፥ኣእምሮና ብምሕዳስ ብንስሓ ከም እንረኽቦ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሰፊሑ ተነጊሩ ኣሎ። ስለዚ  ንስሓ ክንኣቱ ይግባእ። ከመይሲ ንስሓ ንዘማዊ ድንግልና ነፍስ፥ ብዝተፈላለየ ክፉእ ተግባር ንዝረኸሰት ሕይወት ድማ ቅድስና እትዕድል፥ ንሰራቒ’ውን መጽዋቲ እትገብር ምስ እግዚአብሔር እንነብረላ ምሥጢር እያ። እዚ እንተ ድኣ ጌርና፥  “ ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ ዚሳተፉ ብጹዓኣንን ቅዱሳንን እዮም።” ተባሂሉ እዩ እሞ፣ ራእ.20፥6። ብሓቂ ንኡዳትን ዕውታትን ኢና።
 

እምበኣር ውሉደ ጥምቀት በዚ ናይ ኣቦታትና ትምህርትን ቃል መጽሓፍ ቅዱስን መሠረት ሰብነትና ብንስሓ ሕይወት ሓጺብና ነውርን መንቅብን ዘይብሎም ንጹሃን ኮይና ኣብቲ ቀዳማይ ትንሣኤ (ትንሣኤ ዘልቡና) ተሳተፍቲ ንምዃን ንንቃሕን ንጋደልን።

 ምሕረት እግዚአብሔር ዓቢይ እዩ። ንፍቕሩ ጫፍን ወሰንን የብሉን። ንሱ ብባህሪኡ መሓሪ፥ ፍጹም ዘይቅየም ለዋህ ወላዲ፥ ሕያዋይ ጓሳ፥ ንሓና ብኃጢኣት ዝወድቅና ደቁ ካብቲ መግለጺ ቃላት ኣልቦ ልዑል ፍቕሩ  ዝተላዕለ ንዕሽነትና ከይተመልከተ፥ በቲ ለዋህ ባህሪኡ ብሙሉእ ፍቕሩ እንዳረኣየ፣ ጠፊእና ከይንተርፍ ናብ ንስሓ በጺሕና  ክንድኅን እምበር ሓደ እኳ ክጠፍእ ባህ ዘይብሎ ኣምላኽ ስለዝኾነ ምእንታና ይዕገስ ኣሎ። 2ይ ጴጥ3፥9።ከመይ’ሲ ንጸልማት ጸልማት እንተተወሰኾ ምጽልማቱ ዝኸፈአ እዩ ዝኸውን። ጸልማት መቓብር ዝኾነ ሕይወትና ከይተንሳሕና ጸሓይ ዓሪቡናስ ጸልማት እንተተወሰኾ ምጽልማቱ ክንደይ ዝኸፈአ ከም ዝኽዉን ርዱእ እዩ። ካብዚ ነገር ምእንቲ ከነምልጥ እምበኣር ንንስሓ ይዕገሰና ኣሎ። እምበኣር ከምዚ ምዃኑ ፈሊጥና፥ ከምቲ ጥፉእ ወዲ፥ናብ ልብና ተመሊስና ብእግረ ንስሓ ተንሢእና፥ በቶም ኣምላኽ ዝሓረዮም ጓሶት ነፍሳትና ክኾኑ እውን ዝሸሞም ክቡራት ኣቦታትና ካህናት መገዲ ኣቢልና፥ “ ኦ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኻ ኃጢኣት ብምግባር ንዓኻ በደልኩ።” እናበልና ብጣዕሳ ናብኡ ክንቐርብ ይግባእ። ንሱ ድማ ይቕረ ባሃላይ፥ ዘይቅየም ዘለኣለማዊ ኣቦ እዩ እሞ፥ክድንግጸልና እዩ፥ ናይ ምሕረት ኣእዳዉ ሰዲዱ እዉን ክሓቑፈና እዩ። ሉቃ.15፥1-24።

ስለዚ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኤርምያስ’ውን፥ “ ብልበይ ምሕረት እግዚአብሔር ክሓስብ ከለኹ ተስፋ እገብር። ዘለኣለማዊ ምሕረቱ ኣይውዳእን እዩ እሞ፥ ፈጺምና ዘይጠፋእናስ ሳላ ፍቕሪ እግዚአብሔር እዩ ።” ከም ዝበሎ፥ ምሕረቱ ተስፋ ጌርና፥ ብንስሓ ሕይወት ሰብነትና ሓጺብና ብንጽህና ቅዱስ በዓልና ነኽብር ይግበኣና። ኣብ ክንዲ ዘስክር መስተን ዕብዳንን እውን ቅዱስ ሥጋኡ ክቡር ደሙን ተቐቢልና ንክርስቶስ ንልበሶ። ኣብኡን ምስኡን ንንበር፥ ንሱ’ውን ምሳና ክነብር እዩ። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ እንተኾነ’ውን ኣብ ላዕሊ ከም ዝርኣናዮ በዓልኩም ኣብዕሉ ጥራይ ዘይኮነ፥ “ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሠዊኡ እዩ። ስለዚ በቲ ኣረጊት መባኹዕቲ ወይ ብመባኹዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኮነስ፡ ብዘይበኹዐ እንጌራ፥ ማለት ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።” ኢሉ። እንታይ ዝዓነቶም ሰባት ኮይና በዓልና ምኽባር ከምዝግባእ ብንጹር እዩ ኣቐሚጡልና 1ይቆሮ.5፥8።

ካልእ ኣብ ላዕሊ ከም ዘሎ ኣቦታትና ሓዋርያት መላእ ዘመኖም ንድኻታትን ሽጉራትን ብምርዳእን ምሕጋዝን ኣርኣያ ኾይኖምና እዮም እሞ፥ ኣሰሮም ንስዓብን ንምሰሎምን ብዘለና ኹሉ እውን ንሠናይ ተግባር ንጸመድ።ጦብያ ንጦቢት ወዱ ዝኃቦ ምዕዶ÷ “ ወደየ ብመጠን ዘለካ ሃብቲ ንድኻታት ብልግሲ ኃብ። ካብ ምምጽዋት ግና ዓዲ ኣይትዉዓል። ንድኻታት ምጽዋት ምኃብ፥ ካብቲ ጸልማት ዝኾነ ዓዲ ምዎታት የድሕነካ፥ እቶም ምጽዋት ዚህቡ፥ ንልዑል እግዚአብሔር ዘሕጉስ ብቑዕ መባእ የቕርቡ” መ.ጦቢት.4፥1-11። ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት እውን÷ “ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብጹእ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ብመዓልቲ መከራ ኸናግፎ እዩ። እግዚአብሔር ክሕልዎን ብሕይወት ከንብሮን እዩ። ንሱ ኣብ ምድሪ ሕጉስ ከም ዝኸዉን ኪገብሮ እዩ፥ ናብ ኢድ ጸላእቱ’ዉን ኣሕሊፉ ኣይክህቦን እዩ። ሓሚሙ ምስ ደቀሰ እግዚአብሔር ይድግፎ ካብ ሕማሙ ድማ የሕዉዮ። ” ኢሉና መዝ.41፥1፥-3።

“ ከምቲ ንጉሁር ሓዊ ማይ ዘጥፍኦ፥ ንድኻ ምምጽዋት ከኣ ንኃጢኣት የጥፍኦ። ” ዝብል እዉን ተነጊሩና እዩ። ሲራ 3፥30። በዚ ዓይነት አውደ ዓመትና መንፈሳዊ ምህርትና እንሓፍሰሉ ናይ በረኸትን መንፈሳዊ ፍረን ዕለት ብምዃኑ ፍሉይ እዩ። ስለዚ ንጸጋታትና ንፍለጦን ንጠቐምሉን ብሸለልትነትዉን ኣይንሕለፎ።  

                     
ኣምላከ ቅዱሳን ቅዱስ እግዚኣብሔር ሰላሙ የብዝሓልና።  ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ክንፈሪ ፥ኣብ ሠናይ ተግባር ክንጽመድ፥ ብኃይለ ጸጋኡ ይሓግዘና።
ዘመና ዘመነ ሰላም፡ ዘመነ ራህዋ፡ ዘመነ ፍቕርን ቅቅሳነትን ይግበረልና። ሃይማኖትናን ሃገርናን ይዕቀበልናን ይሓወልናን ። ኣሜን።
                                                                        

                                                                                                   ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                                        ወለመስቀሉክቡር።
                    
                                         ዲ/ ዓምደማርያም

 

መጥምቐ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ

  በስመ እግዚአብሔር እሳት በሐቅለ ኅሊና ነዳዲ። 
ወበስመ ማርያም ድንግል መጥበቢተ ዓለም አባዲ። 
ማኅቶተ ጸዳል ዮሓንስ ጽልመተ አበሳ ሰዳዲ። 
ከመ እዜኑ ኂሩትከ ዕዳ ኀጣውእየ ይፈዲ።
በአየረ ሰማይ ዘይጸርሕ ቃልከ ዐዋዲ። 

  ሰላም ለሥዕርተ ርእስከ እንተ ደለዎ አኳቴ።
ወለርእስከ ሰላም ዘተመትረ ከም ናቡቴ። 
ርእሰ ዐውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ።            
መብልዕ ዜና ፍቅርከ ወነገረ ጽድቅከ ስቴ። 
ያስተፌሥሕ መላእክተ ወሰብአ መዋቴ።

ሰላም ለከናፍሪከ ንባባተ ኵሉ ዘኢኀሠሣ። 
ወለአፉከ ሰላም ዘኢጥዕመ እክለ አበሳ። 
ዮሓንስ ድንግል ለእምከ በውስተ ከርሣ። 
እፎ አንፈርዐጽከ እንዘ ትሰግድ ለንግሣ። 
አመ ሐወጸተከ ማርያም አምላከ ፀኒሳ። 

                                            መልክአ ዮሐንስ መጥምቅ

 

Comments are closed.