ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ወትባርክ አክሊለ ዓመተ ምሕረትከ
ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ መዝ.64፣11(65፣11።

እንቋዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ዘመነ ዮሐንስ ብሰላምን ጥዕናን ዓቂቡ ኣብጽሓና። ንዘመን ብዘመን ዚልዉጥ፥ ኣብ ዘዘመኑ ድማ ዲንቒ እጹብ ዝኾነ ህያባቱ ኣምላኻዊ ጥበባቱን ዝገልጽ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ዘመነ ሉቃስ ናብ ዘመነ ዮሐንስ ዘሰጋገረና ስለ ኩሉ ግብሩ ይኽበር ይመስገን ኣሜን።
ወዲ ሰብ ንሥጋውን መንፈሳዊን ምንቅስቃሳቱ ብዝጥዕሞ መገዲ እግዚአብሔር ንዝኃቦን ንዝለወጠሉን ዘመን ቀመር እንዳውጸአ ይጥቐም። ንጊዚያት ካብ ሽራፍ ደቂቅ ስጋብ ሺሕ ዘመናት ኸፋፊሉ ይጥቀመሎም። ኣብዚ ዘመን ቀመር ንትማሊ የእርግ ንሎሚ ድማ ሓድሽ ይገብር። ዘመናት ምልውዋጦም ሰብ ናይ ሥራሕ እግዚአብሔር ከድንቅን መግቦቱ ከይርስዕን ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃልኪዳኑን ፍጥረቱን ከምዘይርስዕ መግቦቱ ኩሉ ግዜ ንፍጥረታቱ ከምዘይፍለይ ንርኢ።
ቅዱስ ዳዊት << ኣዕንቲ ኹሎም ንዓኻ ይጽበያ፣ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም ኢድካ ትኸውት እሞ ንህያው ዘበሉ ኹሉ ብበረኸት ተጽግቦ። >> መዝ.144 (145) -15። ከምዝበለ ኣዋርሕን እንዳለዋወጠ፣ ብዝናብ እንዳብቆለ፣ ብጸሓይ እንዳኣብሰለ ንፍጥረታት ምግቦም ይህብ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ዓመታት ኣይኣርግዎን ኣይልውጥዎን እዮም። << ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ ዓመታትካ ከቶ ኣይውዳእን። >> መዝ.102-27። ስለዚ ዓመታት ዝቐያየሩን ዝለዋወጡን፣ ዝውዱኡን ዝጅምሩን ንዓና ንደቂ ሰባት ጥራሕ እዮም።
ሓድሽ ዓመት ክረምቲ ተወዲኡ ዘራእቲ ዝፈርዩሉ፣ ዝናብ ክራማት ተወዲኡ ሲዒቡ ዝመጽእ ዝኽበር ሓድሽ ናይ ተስፋን ብሥራትን በዓል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሰለሙን ከምዚ ይብል። << እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ዛርዩ ተወዲኡ፣ ዕምባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ጊዜ መዝሙር በጽሐ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። >> መኃ.2፣11። ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓመታት ጥራይ ዘይኮኑ ምድርውን ገጽታኣ ትልውጥ እያ። ዝነቀጸ ኣግራብን ዝነቀጸ መሬትን ሓምላይ ለምለም ይኸውን፣ ኣዝራትን ዕጽዋትን ብዕንበባ ንዘርኢ ፍረ ይበጽሑ። እዚ ከኣ ነዚ በዓል ምዕርጉን ድሙቅን ይገብሮ። መግቦቱ ከይንርስዕን ቃልኪዳኑ ከነኽብርንን ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣዚዙና እዩ።
ስለዚ እዩ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ንበዓለ ቅዱስ ዮሓንስ ኣወደ ዓመት ብዝደመቀን ዝኸበረን ተኽብሮ ንምእመንኣ ከኽብርዎ ተምህሮም።
ዘመና ሓዲሽ ዓመትና እንልውጠሉ ኣብ ወርሐ መስከረም (ዕለተ ቀመር) ክኸውን ዝገበሮ ምኽንያት÷
ሀ. በዚ ወርሒ መዓልትን ለይትን ሓደ ዝኾነሉ እዋን ስለዝኾነ፥
መዓልቲ ምሉእ12 ሰዓት፡ ለይቲውን ከምኡ ምሉእ 12 ሰዓት ይኸውን። ከመይሲ ጸሓይ ብሕጊ ተፈጥሮኣዊ ሥርዓት በዚ ወቕቲ ኣብ ማእከል ቅናት ምድሪ ስለእትኸውን ናይ መዓልትን ለይትን ንውሓት ሓደ እዩ።

ለ. ወርሐ መስከረም፥ ጸሓይ ንናይ 365 መዓልትን 6 ሰዓትን ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ዕለታት ዙርያኣ ፈጺማ፥ሓደ ኢላ ሓዲሽ እትጅምረሉ ወርሒ ብምዃኑ፥

ሐ. በዚ ወርሒ፥ብምኽንያት ጭቃን ዓዘቕትን፥ ቁሪ ኣሳሒታን፥ንግርማ ለይቲ፥ደመናታት ናይቲ ወቕቲ ተወሲኽዎን ጻዕቒ ዝናማትን ………ወዘተረፈ ከም ጸልማት ከቢድን ኣሸጋርን ዝኾነ ናይ ወርሓት ክረምቲ ኣብቒዑ፥ብርሃን ጸሓይ እትርየሉ፥ ወርሐ ጽጌ ዝጅምረሉ፥ ከምኡ ድማ ኣቦና ኣዳም ብዝፈጸሞ በደል ምኽንያት፥ ናብዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ድሕሪ ምውጽኡ፥ እግዚአብሔር ኩሉ ዘመን ሕይወትካ ካብዛ ምድሪ እንጌራኻ ብጻዕርኻ፡ብርሃጽካ ብላዕ ኢሉ ዝነገሮ ቃል፥ ሕጊ ተፈጥሮኣዊ ኮይኑ ወዲ ሰብ ላዕልን ታሕትን ኢሉ እንጌራኡ ብጻዕረ ርሃጹ ዝበልዕ ኮነ። በዚ መሠረት እምበኣር፥ ዘራእቲ ዘሪኦም፥ ኣትክልቲ ተኺሎም ዝነብሩ ሓረስቶት፥ ብወርሐ ክረምቲ ዝዘርእዎ ሸዊቱ፥ ዝተኸልዎ ኣብ ፍረ በጺሕሎም ዝሕጎሰሉ፥ ገጻት ምድሪ ኹሉ ለምዒ ተጎልቢቡ፥ እንስሳታት እኳ ከይተረፋ ብደስታ ካብ ጸጋታት ምድሪ እናተመገባ፥ ጽሩይ ማዩ እናሰተያ ጸጊበንን መልኪዐን ዝርኣያሉ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ልምላሜን ናይ ፍረን ወርሒ ስለዝኾነን፥ ካልእ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሃማኖታዊን ትውፊታውን ዝኾነ ምኽንያታት መሠረት ዝገበረን ብምዃኑ ዘመና እንልዉጠሉ በዚ ወርሒ ክኸውን ተጌሩ።
በዚ ኹሉ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ምስ ናይ ባህሪያዊ ሕጊ ተፈጥሮ ሥርዓት ዝተተሓሓዘ ቅዱስ ሥርዓት ዘለዋ ቅድስቲ እምነት ምዃና ክንርዳእ ንኽእል።
ኣምላከ ቅዱሳን ቅዱስ እግዚኣብሔር ሰላሙ
የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ክንፈሪ ፥ኣብ ሠናይ ተግባር ክንጽመድ፥ ብኃይለ ጸጋኡ ይሓግዘና።
ዘመና ዘመነ ሰላም፡ ዘመነ ራህዋ፡ ዘመነ ፍቕርን ቅሳነትን ይግበረልና። ሃይማኖትናን ሃገርናን ይዕቀበልናን ይሓወልናን ። ኣሜን።

መጥምቐ መለኰት ቅዱስ ዮሓንስ

  በስመ እግዚአብሔር እሳት በሐቅለ ኅሊና ነዳዲ።

ወበስመ ማርያም ድንግል መጥበቢተ ዓለም አባዲ።

ዮሓንስ ጽልመተ አበሳ ሰዳዲ።

ከመ እዜኑ ኂሩትከ ዕዳ ኀጣውእየ ይፈዲ።

በአየረ ሰማይ ዘይጸርሕ ቃልከ ዐዋዲ።

  ሰላም ለሥዕርተ ርእስከ እንተ ደለዎ አኳቴ።

  ወለርእስከ ሰላም ዘተመትረ ከም ናቡቴ።

  ርእሰ ዐውደ ዓመት ዮሐንስ ወላዴ መጥቅዕ ወአበቅቴ።           

  መብልዕ ዜና ፍቅርከ ወነገረ ጽድቅከ ስቴ።

  ያስተፌሥሕ መላእክተ ወሰብአ መዋቴ።

ሰላም ለከናፍሪከ ንባባተ ኵሉ ዘኢኀሠሣ።

   ወለአፉከ ሰላም ዘኢጥዕመ እክለ አበሳ።

   ዮሓንስ ድንግል ለእምከ በውስተ ከርሣ።

   እፎ አንፈርዐጽከ እንዘ ትሰግድ ለንግሣ።

   አመ ሐወጸተከ ማርያም አምላከ ፀኒሳ።

                                            መልክአ ዮሐንስ መጥምቅ

 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል ፣
ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.