ክሳዕ ክንድ'ዚ ደየ ኣኽፊአ

ነታ ካብ የማን ኢዱ ዘይፈልያ ፣ መሓዛ ኣጻብዕቱ ካብ ትኮዉን ሠለስተ ዓመት ኣቁጺራ ዝነበረት ሽጋራ ፣ ካብ ጁቡኡ ብምዉጻእ ፣ ነቲ ካብ ምሒር መስተ ኣካላቱ ምቅስቃስ ኣብዩዎ ዝነበረ ሳምሶም ዓርኩ፣ ክርቢት ክህቦ ተወከሶ ። ሳምሶም በቲ ብመስተ ዚተኣሰረ ልሳኑ ፣ ጎልደፍደፍ  እናበለ ፣” ክ-ር-ቢ-ት የብለይን” ክብል መልሲ ስለ ዘሃቦ፣ ነቲ በቲ ጎደና ዝሓልፉ ዘነበሩ ሰባት ላይተር ወይ ክርቢት ክልምን ጀመረ። እንተኾነ ክርቢት ዝተኩቦሉ ሰኣነ። ጴተር ናይ ወልፊ ነገር  ሰለ ዝበርትዖ ናብ ሕርቃን፡ ብስጭትን ኣድህቡሉ ። ካብ ምሒር ሽጋረን ምስተን መብዛሕ ነቲ ቅዱስ ዝኾነ ኣካላቱ ኣማሲንዎ’ዩ። ነቲ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ ዝብል ቃል ዝስምዖ ኣይመስለን”እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ”ሮሜ12፡1።

ምስ ነብሱ ምዝራብ ቀጸለ “ከም ጽሉል እንታይ ይበሃል ፣ ካብዚ ኩሉ ሰብሲ ሓደ ላይተር ወይ ክርቢት ዘለዎ ክሰኣን ። ንስኻ  ካብ መዓስ  ክርቢት ካብ ምሓዝ ዝተቖጠምካ፣ ክብል ንሳሚ ክፋጥጠሉ ጀመረ ። ሳሚ  መልሲ ንምሃብ ልሳኑ ኣይተጠቀመን፡ እንታይ ደኣ ከምዚ እንድዒ እንታይ እሞ ሕጂ ካበይ ከምጸኣልካ ዘስምዕ ኣብ ገጹ ብዝተዋሰኦም ምልክታት መልሱ ሃበ። ሃንደበት ኣብ ኢዱ ኣሲርዋ ዝነበረ ሰዓት ረኣየ እሞ ፣ ኣታ ጴተር ንኺድ ንኺድ ክብለካ ሪኢካ ሕጂ ኣብዛ ደገ ምሕዳር መን ከሊእና ። ወና ገዛ በዓላ ዘዉጻኣቶ ሕጊ ኣሎ ፡ ድሕሪ ሰዓት 9፡00ድ.ቀ  ዝመጸ ወላ ብጌጋ ማዕጾ ከይኩሕኩሕ ዝብል። መስተ ምብዛሕ ምስ ናብስኻ ጥራይ ኣይኮንካን ትበኣስ ፡ ምስ ስድራኻ ፡ ምስ ጎረባብትኻ፡ ምስ ኣካረይትኻ፡ ምስ በዓልቲ ቤትካ ፡ ምስ ገንዘብካ ስኽራን እንተርፎ ባእስን ዕግርግራን ሰላም ከመጽእ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ።እቲ ዝሕዝነካ ነገር እዚ ኵሉ ጠንቅን ሳዕቤናቱን እናተፈልጠ ግና ዓለም ብመስተ ጉዙኣት ተኸቢባ ኣላ። “ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።” ዝብል ቃል መን ኮን’ዩ ዝዝክሮ።

ናብ ሳምሶም ክመልሰኩም ።ኣማራጺ ኣይነበሮሙን ፣ ኣብ ሆቴል ከይዶም ከይሓድሩ  ፣ ነተን ዝነበረኦም ሓደ ሓደ  ክብሉ ኣጥፊኦመን እዮም። ንሆቴል ዝኸውን ገንዘብ ካበይ ይምጻእ። ንዝነበሮም ስክፍታ ናይ ምሕደሪ ዝገላግል ሓደ ህሞት ኣጋጣሞም። ቤተ ክርስትያን ኣብ ጥቁኦም ነበረ እሞ  ደወል ንጸሎት ተንሱኡ ዘብል ቃጫል ቃጫል ዝበል ዓቢ ብርቱዕ ደሃይ ኣስመዓ። እዚ ቃጫል ምስ ሰምዑ ኣብ ገጾም ቁሩብ ናይ ተሓጓስ ምልክተ ታራእየ።ምሕደሪ ረኺብና ምሕደሪ ሆቴል እንተሰና ዋና ገዛ ገዝኡ እንተ ዓጸዎ መጸጊዒ ምሕድሪ ዝኾና ቤተ ረኺብና እናበሉ ናብቲ ድምጺ ደወለ ዝሰምዕሉ ቦታ  ኣምሩሑ። ቤተ-ክርስቲያን ኣደ ዅሉ እያ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘጋጠሞም ኣብ ጥቃ ቀጽሪ ቤተ-ክርስቲያን ምጽለሊ ሰሪሖም ኣቡ ይቅመጡ። ነዳያን ቀሩብ ዝዕገልሉ ናይ ዕለት እንጌርኦም ንምርካብ ኣብ ቤተ-ክርትያን ይዕቀቡ። ሃብታሙ ፡ ድኽኡ ምስ ፈጣሪኡ ክዘራረብ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ይእከብ። ቤተ-ክርስቲያን ብሓቀ ኣደ ውጹዓት እያ።

ምስቶም ነዳያን ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ኮፍ እሎም ምዉጋሕ ናይቲ ጸላም ዝጽበዮ ዝነበሩ ሰባት ከይዶም ኮፍ በሉ። ኣስሓይታ ቁሪ ዝሰፈኖ ጸላም ሰለዝነበረ ኣብ ደገ ምሕዳሮም ፣ነቲ ብብዝሒ መስተ  ዘንቀጥቅት ዝነበረ ኣካሎም ዝያዳ ከንፈርፍሩ ገብሮም። ብቁሪ ክቅፍቀፉ ዘስተውዓሉ ዕድመ ዝደፍኡ ነዳይ ፣ ካብቲ ዝነበሮም ኣንሶላ ሃብዎም።ሳምሶም ነታ ዝተዋህበቶም ኣንሶላ ደሪቡ ድቃስ ክጠልሞ ሓደ ኮነ።ጴተር ግን ኣይግድን ነቶም ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ዝነበሩ ኮዎኽብቲ እናቆጸረ በቲ ኮልታፍ መልሓሱ  ዕላል ምሶኦም ነዳያን ተታሓዞ።

ብስቅታ ተዋሒጦም ዝንበሩ ኣቦይ ብርሃነ ፣ ጎሮርኦ እናኣጽረዩ ፣ ዝወደይ እንታይ ደኣ ብንእስነትኩም ኣብ ደገ ምሕዳር መሪጽኩም ክብሉ ንጴተር ተወከስዎ ። ጴተር ፊሽኽ እናበለ “ከምትሓስብዎ ኣይኮነን ኣቦ ሕስምቲ ዝኮነት ወና ገዛ ኣላትና ፣ ድሕሪ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ  ኣብታ ዘምሰካያ ክትሓድር ኣለካ ትብል “‘ክብል መልሲ ዘሃቦም። ጴተር ናይ ነገር ወልፊ ፣ ኣቦ ክርቢት ይህልወኩም ‘ዶ ይኽዉን ክብል ተወከሶም ። ክርቢት ደኣ ንምንታይ እለ ክሕዞ ፣ ግና ምናልባት ብምባል ነተን ሽጋራ፣ ፉል ፣ማስቲካ ዚሽቅጣ ዝነበራ ሰበይቲ ብምምልካት ንዐኣን ሕተተን ክብሉ መለሱ።

ጴተር ናብተን በቲ ኣስሓይታ ቆሪ ኮይንወን ተጨቢጠን ኮፍ ዘበላ ኣደ ፡ኣካላተን ንኽማሙቅ ብጋቢ ሸፊነንኦ  ዝነበራ ቅርብ ብምባል ፣ ኣደ ገለ ክርቢት የብለክንን ክብል ሓተተን። እተን ኣደ ኣእዳወን ካብ ትሕቲ ጋቢአን ብምዉጻእ ፣ ክርቢት ሃበኦ ። ጴተር ኣዝየ አየ ዘመስግን ክብል ፣ ነታ መወልዒ ስኢና ዝጸነሐት ሽጋራ ወለዓ። ነታ ሽጋራ ኣትኪኩ ምስ ወደኣ ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣምረሐ። ኣቦይ ብርሃነ ብኩነታት ወልፊ ናይ ጴተር ርእሶም አናነቅነቁ ዝወደይ እቲ ዝዕግርግረካ ዝነበረ ወልፊ ብትኪ ወጺልካ በሉዎ ክምስታ ሓዉሶም። ጴተር ዘሓፈረ ክመስል እንታይ ክገብር ኢልኩሙኒ ኢኹም ክብል ኢሉ መለሰሎም።

ኣየይ ዝወደይ መግዛእቲ መዓስ ጽቡቅ ኮይኑ፣ ብፍላይ ከኣ ናይ ወልፊ መግዛእቲ ብኵሉ መለክዒ እዩ መዘዙ ሕማቅ ክብሉ ማዕድኦም ሃቡ። ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል መስለካ “ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ’። ኣብ መንጎ ዘረብኦም ሃንደበት ካብ ድቃሱ ዝተሰአ ሕጻን ክበኪ ምስ ጀመረ፣ ኣቃልቦ ናይ ጴተር ናብቲ ሓጻን ኣበለ። ብኽያት ናይቲ ሕጻን ስለ ዝቀጸለ፣ ጴርተር ፣ እዋእ እዚ ዝበኪ ዘሎ ሕጻን ትእብዶ ኣደ ይብሉን ዲዩ ክብል ነቦይ ብርሃነ ሓተቶም። ኣቦይ ብርሃነ መልሲ ምሃብ ንጴተር ጎስዮም ፣ ሰላም ሰላም እናበሉ ነታ ኣብ ብርቱዕ ድቃስ ዝነበረት ኣደ እታ ሕጻን ኣተስእዋ። ሰላም ስንባደ ዝተሓወሶ ተሰኣት እሞ ፣ ነቲ ዝበኪ ዝነበረ ውልዳ ክትእብድ ጀመረት።

በቲ ኣብ ፊቶም ዝነበረ ናይቲ ጎደና መብራህቲ ተሓጊዙ ምስሊ ናይ ሰላም ምስ ረኣየ ኣዚዩ ሓዘነ። ብንእሽትኣ ክብል እዉን ኣብ ዉሽጡ ምጉት ኣልዓለ። ኣቦይ ብርሃነ ኣብ ኣዒንቲ  ጴተር ዝተቆጸረ ንብዓት ምስ ተመልከቱ፣ ዝወደይ በሓቂ ለዋህ እኻ ክብሉ  ዘረባ ምስ ምጀመሩ  ጴተር ነቲ ኣብ ደንደስ ናይ ጫፍ ኣዒንቱ ናብ መታልሕ ናይ ገጹ ክወርድ ዘሓስብ ዝነበረ ንብዓቱ ብምሓዝ ፣ ናብራና እንዲዩ ገሪሙኒ ክብል መልሲ ዘሃበ። ኣነስ ሰኣን ጽጋበይ ኣብ ደገ ሓዲረ እዚ ንጹህ ሕጻን ግና ኣብዚ ቀዝሒ ቁሪ በዘይ ገለ ጥፍኣት ይሓድር ኣሎ ። ኣቦይ ብርሃነ ሓቅኻ ዝወደይ ። ኵሉ ሃፍታም እንተዝኮዉን ነይሩስ ነሃፍቲ ዘመስግን ሰብ እዉን ኣይምሃለወን ነይሩ። እቲ ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ፣ እቲ ሓያል ነቲ ድኩም ተማቂሉ ክነብር ምስ ጀመረ ሹዑ እዩ ኣብ ምንባር እነብር ኣለኹ  ዝበሃል። ጴተር ናይ በሓቂ ኣቦይ ብርሃነ ፣ ኣነ ደሞዘይ ውሓድ ኣይኮነን ብተወሳኺውን ካብ ደገ  ኣሕዋተይ ድጎማ ይድጉሙለይ እዮም። ገንዘበይ ግና ኣብ መስተን ወልፊ ሽጋራን እየ ዝዉድኦ ። እታ ሕስምቲ ወልፊ ናይ ሽጋራ  ተመስገን ዘይትብል ሙኳና ብብዚሕ ሽጋራ ክስሕብ ይግደድ፣ ንጁባይ ጥራይ ዘይኮነት አንተላይ ወዝ መልክዐይ ከም ዘይነበር ገራቶ ።

ኣየ ዝወደይ ነሕና ሰለ ማርያም ፡ ሰለ ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ሰለ መድኃኔ-ዓለም ብምባልና ሰለ ዝለመና ነዳያን ወይ ለመንቲ ንበሃል። ከምዚ ከማኻ ኣብ ወጻኢ ዘለዎ ሰብ ደማ ሰለ ከብዲ፡ ሰለ ክራይ ገዛ፡ ሰለ መነባብሮ ሓይልና፡ እንበሉ ስም ቅዱሳን ከይጸውዑ ካብ ፈተወውቶም፡ መቅርቦም ፡ቤተ-ሰቦም ይልምኑ ። ምዕቡላት ለማኖ ናይ ተሌፍን ወይ እንታይ ኢኻ ትብሎ ኤንተርንት እናጸሐፉ እዛ ጎዲላትና ፡ እዚ እባ መልኡልና እናበሉ ስም እግዚብአሔር ከይጸዉዑ ይልምኑ። እቶም ካልኦት ድማ ኣምላኽ ጥዕና ክህቦም ፡ ገንዘቦም ከበርክተሎም፡ ናብ ጽድቂ ክመርሓሞ ይልምኑ ፡ እንታይ ግድኻ ዝወደይ ኵሉ ሰብ ለማኒ እዩ ፡ ዓይነት ኣለማምና ደኣ ይፈላለ እምበር። ነቲ ነጸላ ተኸዲኖምሉ ዝነበሩ እናኣመዓራረዩ “ ስማዕ ዝወደይ ካብዚ ትኪ ናይ ሽጋራ፡  ጥዑም ምእዝ ሽታ ዕጣን ኣይሕሸካን “ በልዎ።

ሓቅኹም ኣቦኒ በለ እናነበዓ ፡ክሳብ ክንድዚ ደየ ኣኽፊለ ሕጂ ግና ኣይግድን ናይ ወልፍታተይ ማእሰቲ ክበትኽ እየ ሎሚ፡ ሕጂ ፡ እወ ሕጂ ኣብዛ ደቂቅ እዚኣ ብምባል ነቲ ኣብ ጅብኡ ዝነበረ ምትሓዚ ሽጋራ ደርበዮ። እግዚአብሔር ይሓግዘኒ እንበር ናይ ሽጋራ ወልፊ ኣርባዕተ ነጥቢ ገይረ ኣለኹ ።ናይ ሰብ ምሕጋዝ ወልፊ ከጥሪ እየ ብምባል ምስቲ ተማዒቁቡሉ ዝነበረ ቤተ-ክርስትያን ቃል ኣተወ። ንግሆ ምስ ኮነ ሳምሶም ካብ ድቃሱ ኣተሰኦ እሞ ነቦይ ብርሃነን ፣ ሰላም ምስ ወዳን ፡ ምሳና ንገዛ ክትከዱ ኢኹም ነታ ማእሪርና እንረኽባ እንጀራ እዉን ተማቂልና ብሓባር ክንበልዓ ኢና በልዎም። ኵሉም ተሓጎሱ ብፍላይ ሰላም ብዘይ ልባ እያ ንወዳ ካብቲ ደቂስሉ ዝነበር ኣልዒላ ሕራይ ክትብል ናብ ምስጋና ዘኣተወት። ሳምሶም  ኵሉ ነገር  ስለ ዝተሰቀሮ  ንጴተር  ኣትኪሩ ጠመቶ ። ጴተር ናብ ሳሚ ብምቅራ ግዜ ልግሲ ነጊሱ ግዚ ስክራን መስተን ኣክቲሙ እዩ ዓርከተይ በሎ። ሳምሶምን ፡ጴተርን ብንስሓ ሕይወት ተሓጺቦም ፡ ንቅዱስ ቁርባን በቂዓም። ኣበይ በርሃን ፡ ኣቦ ናይ ገዛ ፡ ሰላም ኣደ ናይ ስድራ ፡ ወዲ ሰላም ሕሳስ ልደት ናይ ገዛ ብምዃኑ ቅድስቲ ስድራ ሰብን እግዚአብሔር ዝሕጎሰላ ስድራቤት ኣብ ዕዳጋ-ሓሙስ መስረቱ። ብፍቅሪ ተመሪሖም እዉን ክነብሩ ጀመሩ።

ልዋምን ሰሎሞን

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!

Comments are closed.