ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እተፍቅረኒ ⵗ

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ቃል ኣምላኽ ክመሃር፡ መዝሙር ክሰምዕ ፍሉይ ባህታ  ይፍጠረለይ ኴኖዚ ግና ነቲ ዘተመሃርክዎ ከስተማቅሮን ከስተንትኖን ተለኽ ክብል ከለኹ ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል መንፈሳዊ ፍቅሪ ኣብ ልበይ ፈኸም ይብል።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣንጊሀ ተንሲአ  “እንተዘይ ረዲእኻኒ ንበይነይ’የ ኣማንኤል ጐይታይ “ ትብል መዝሙር  ወሊዓ ፡ ጮቕጮቕ ዝብል ድምጺ ጨራሩ እና ሰማዕኩ ናይ ወጋሕታ ብርሃን ጸሓይ የስተማቅረሉ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን እቲ አግዚአብሔር ንፍጡራኑ ዝዓደሎም ግርማን ውህበትን እናኣድነቅኩ መንፈስ አግዚአብሔር ኣብ ቅድመይ ክቀውም ተፈለጠኒ።  መንፈስ አግዚአብሔር’ውን ከምዚ ብዝብል ሕቶ ክሓተኒ ጀመረ “ተፍቅረኒ ዲኻ ?’’  ኣነ ውን ብዘይ ውልውል “ ብርግጽ ጐይታይ ንስካ እንዲኻ እቲ ሓደ መድኃንየይ መን’ዶ ኣለኒ’ዩ ብዘይካኻ” ኢለ መለስኩ። ደጊሙ’ን ከምዚ ብምባል ተወከሰኒ   “ናይ እግሪ ስንክልና እንተ ዘጋጥመካ  ጌና’ዶ ተፍቅረኒ ምሃለኻ’’? ኣዝየ ሰንበድኩ ንኣእጋረይ ኣተክረ ኣዒንተይ ኣፍጢጠ ቁሊሕ በልክወን ፡ንዝተረፈ ኣካላተይ ውን በብሓደ እናጠመትኩ ኣእጋረይ ኣብ ንጥፈታት ኣካላተይ ማዕረ ክንደይ ከም ዝዋስኣ ተገንዘብኩ ብዘይ ብአአን’ውን ብዙሕ ንጥፈታት ክዓይይ ከም ዘይክእል ኣስተውዓልኩ ግን ምልስ ኢለ “ጐይታይ ኣዝዩ ክቢድ እኳ እንተኮነ ኣነ ግን እናኣፍቀርኩኻ እየ ክነብር’’ ብምባል መለስኩ ።

ከም እንደገና ከምዚ ክብል ሓተተኒ “ዓይነ ስዉር እንተትኸውን’ከ መፍቀርካኒ ዶ”ⵗ   እቶም ኣብዛ ዓለምና ዘለዉ ዓይነ-ስውራን ዘከርኩ  ፣ ከመይ ደኣ ገሊኣቶም ዓይነ-ስውራን ክንሶም ንእግዚአብሔር ብፍጹም ልቢ  ዘፍቅርዎ ኢለወን ሓሰብኩ ፣ ሽዑ ከምዚ ኢለ ንኣምላኸይ መለስኩሉ “ ጐይታይ እዚ ነገር ኣዝዩ ብርቱዕን ንኽትሓስቦ ውንዘስካሕክሕ እኳ  እንተኾነ ኣነ ግን ብፍቅርኻ ተማሪኸ ክነብር እየ “ ብምባል ብቆራጽነት መለስኩ ። ደጊሙ ኣምላኸይ  “ ጸማም እንተትኸውን ከ ገና’ዶ ንቃላተይ ምኣመንካኒ ⵗ” ኣብ ሓሳብ ጠለቅኩ ከምዚ ክብል ውን ምስ ነብሰይ ተላዘብኩ ጸማም ...ጸማም.....ጸማም... “ ጸማም እንተኮይነ ደኣ  ቃላቱ ክስበኽ ክንገር ከሎ ከመይ ጌይረ ክሰምዕ ፡ እምነት ከኣ ብምስማዕ’ዩ ዝብርኽ ’’ ግና ከኣ በልኩ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ስጋዊ እዝኒ ዘይኮነስ መንፈሳዊ  እዝኒ’ዩ ዝጠልብ ’’  ነዛ ሕቶ ኣብ ብዙሕ  ዋጋ ዕዳጋ ድሕሪ ምእታዉ ዉሳኒ ክህቡ ኣፈይ ከፈትኩ ከምዚ ኢለ ድማ መለስኩ  ፣   “ ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተኮነ ካብ ፍቅርካ ክፈልየኒ ግን ኣይክእልን እዩ’’።

ኣጥብቅ ኣቢሉ ድማ “ ዓባስ እንተትኸውን ከⵗ ጌና’ዶ ንስመይ ክትውድስ ምነበርካⵗ’’  ኢሉውን ሓተተኒ    እዋእ  በልኩ ናይ ስምባደ ስምዒተይ ንምግላጽ “ ከመይ ጌሩ ሓደ ብልሳኑ ድምጺ  ክፈጥር ዘይክእል ዑቡስ ኣፉ ንኣምላኽ ክውድሶ ይኽእል  ⵗ”ኢለ ኣዝዩ ገረመኒ ኣስደመመኒውን ንሒደት ግዜ ዝን ድሕሪ ምባለይ ኣብ ኣእምሮይ ሓደ ሓሳብ ቅጅል በለኒ “እግዚአብሔር እኳ ካብ ምልኣት ልቢ እንተዘመርናሉን እንተወደስናዮን እዩ ዝሕጎሰልና እንበር ከንፈርና  ሰለዘንቀሳቀስና ድምጽና ውን ብዓው ስለ ዝጨደረ  ኣይኮነን ድሃይና ዝስመዖ ብምባል  ምስ ደምደምኩ እሞ ከምዚ ክብል ውን መለስኩሉ “ ክዝምር ኣይክእልን እየ ግና ካብ ፍቅርካ ዝፈልየኒ የልቦን ጐይታየ ፍቅርካ ጌና ቀጻሊ እዩ’’።ሽዑ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ብናይ ፍቅሪ ኣዕይንቲ እናጠመተ “ ብሓቂ ዲካ ተፍቅረኒ’’ ብምባል ልበይ እትስንጥቅ ሕቶ ሓተተኒ  ኣነ ውን ብትብዓትን ብምሉእ ሓይለይን ከምዚ ኢለ መለስኩ  “ እወ ፣ ጐይታይን ኣምላኸይን ኣነ የፍቅረካ እየ ምኽንያቱ ንስኻ እቲ ሓቀኛ መድሕን ኢኻ’’  ነቲ ሓሳባት ልበይ ኣቀዲሙ ከም ዝፈልጦ ከም ዝፈልጥ ዝዘንጋዕኩ ጐይታ፡ ካብ ዉሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ መልሲ ብምሃብ  እታ ቅንዕቲ መልሲ  ረኺበያ ኢለ ተሓጎስኩ ።

እግዚአብሔር ኣምላኸይ ግን ከምዚ በለኒ “ ስለምንታይ ደኣ እሞ ሓጥያት እትፍጽም’’ “ ጐይታየ ምኽንያቱ ስጋ ስለ ዝለበስኩ ፡ ፍቃድ ስጋይ ሰለዝሓየልኒ ፡ ፍጽምና ውን ስለ ዘይብለይ’’ ኢለ ሓውሲ ሕንቅንቅ ብዝብል ድምጺ  መለስኩ። ሽዑ ጐይታ  ከምዚ በለ “ ስለምንታይ ደኣ እሞ ኣብ ግዜ ሽግርካ ጥራይ እትዝክረኒ፣ ሓጢያት ኣበሳኻ ሸፊነ  እውን ድልየትካ ሂበካ ከብቅዕ   ብውህበተይ ኩሉ ነገር ክሰልጠካን ክጥዕመካን ከሎ ግን  ካባይ ትርሕቅ።   ብዘይካ ርእሰይ ብምድናን እቲ ከም ዝናም ክረምቲ ዝወርድ ዝነበረ ጀለምታ ንብዓት ገለ መልሲ እኳ ኣይነበረንን ። ጐይታይ ዘረባኡ ብምቅጻል “ ስለምንታይ ኣብ ቤተክርስትያን ወይ ኣብ እኩባት ሰባት ጥራይ እትዝምርⵗ  ስለምንታይ ከ ኣብ ማሕበራዊ ኣምልኾ ጥራይ እትጽውዓኒⵗ ስለምንታይ’ከ  ንስጋኻ ዝርዉይ ጥራይ እትልምንⵗ ስለምንታይ’ ከ ምስ ኣዕሩኽትካ ብዘይ ገለ ድኻም ንነዊሕ ሰዓታት እተዕልል ምሳይ ግን ንሓንቲ ደቂቅ እኳ ከተዕልል ይደኽመካⵗ’’ ንዝተሓተትክዎ ክምለስ እታ ፈልፋልት ተዛራቢት መልሓሰይ ብሃም ተለወጠት ፡ ትምልሶ ስኢና ኣስቀጠት።

ኣዕይንተይ ግና ስራሕ ጸዓቆ ንብዓት  ንኽልቲኡ መዓጓጉርተይ ከም ዛራ ማይ ሓጸብኦ ። እግዚአብሔር ኣምላከይ ብምቅጻል “ኣብ ግዜ ጸበባኻ  ሽግር ክራባሕ ከሎ  ኣነ ኣዕይንተይ ናባኻ ብምጥማት ኣእዳወይ ዘርጊሐ  ይጽበየካ ንስካ ግን ነዓይ ነጺግካ ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቛምት ቁሊሕ ኢልካ እኳ ኣይትጥምተንን ስለምታይ ከ ኢኻ  ኣብ ቅድሚ ሰባት ስመይ ንምምስጋን እትሓፍርⵗ’’ ክምልስ ፈተንኩ ግን ኣይከኣልኩን ።  ጐይታይ ዘረባኡ ብምቅጻል ብረቂቅ ድምጽን ፍቅርን ለውሃትን ዝመልኦ ቃላት ከምዚ በለኒ     “ ቀደስኩኻ ኩሉ እቲ ዘለኒ ውን ቀረብኩልካ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን የብለይን ኢለ ጥራይ ኢድካ መሊሰካ ኣይፈልጥን  ወደየ ኣነ የፍቅረካ እየ ግን ንስካ’ኸ ብሓቂ ዲኻ እተፍቅረኒ ⵗ ክምልስ ኣይከኣልኩን ንሙዃኑ’ኸ እንታይ ኢለ እየ ክምልስ ፣ ብሕፍረት ኣብ ዝኣትዎ ጨንቀኒ ሽዑ ልበይ ብሓዘን ጨደረ ኣዕይንተይ ውን ከም ዓይኒ ማይ ንብዓት ኣንጀርበባ  ከምዚ ኢለ ውን መለስኩ “ ጐይታየ በጃኻ ይቅረ በለለይ ፣ ኣነ ወድኻ ክኸውን ኣይበቅዕን እየ’ ብንብዓተይ እናተሓጸብኩ መለስኩ ። “

ኣየ ዝወደይ ንዓይ እዚኣ እንደኣላ ህያበይ ” በለኒ    ኣነ ውን ትቅብል ኣቢለ “ እሞ ስለምንታይ ደኣ ኩሉ ግዜ ይቅረ ትብለለይⵗ ስለምንታይ ከ ክሳዕ ክንድዚ ተፍቅረኒⵗ” ኢለ ብምድናቅ ሓተትክዎ ምኽንያቱ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ ዝብል ጽሑፍ ሕልናይ ክተዃትኾኒ ስለ ዝጀመረ ። ጐይታይ ብምቅጻል ከምዚ በለኒ ምኽንያቱ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ውን ካባኻ ኣይክርሕቅን እየ ብብኽያት ምስ እትጭድር  ልበይ ብርህራሄ ዝተመልአ እዩ እሞ ምጽንናዐይ ክልእኸልካ’የ  ብሓጎስ ምስ እትፍሳህ ምሳኻ ክስሕቅ እየ  ፡ ኣብ ግዜ ጸበባኻ ከተባብዓካ እየ ፡ወዲቅካ ምስ ዝርእየካውን ከተንስኣካ እየ፡  ምስ እትሓምም ኣብ ሑቅፎይ ከማሙቀካ እየ፡  ኩሉ መዓልቲ ኣነ ምሳኻ እየ ካባኻ’ውን ኣይክፍለይን እየ ንዘልዓለም ውን ከፍቅረካ እየ ።  ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣምሪረ በኽየ ኣይፈልጥን ንነፍሰይ ኣዝየ ጸላእክዋ ክሳዕ ክንደይ ድኹም ፍጥረት ምንባረይ ውን ኣዝዩ ኣጉሃየኒ; አረ ማዕረ ክንድዚ ድየ ንጐይታይ ብሓዘን ዘተከዝኩ   ኣዝዩ ዘሐዝን ።  ከምዚ ኢለ ድማ ንጐይታይ ሓተትኩ     “ክሳዕ ክንደይ ተፍቅረኒ” ? ክሳዕ ክንድዚ ኢሉ ድማ ገይታይ የእዳዉ ብኣምሳለ መስቀል ዘርጊሑ  ኣመልከተለይ እሞ ምእንታይን ምእቲ ኩልና ደቂ ሰባት ከም ዝሞተ ዳግማይ ገለጸለይ  ። ብድሕሪ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ እግሪ ናይ ጐታይን ኣምላኸይን መድኃንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ ስእሊ ብምውዳቕ ንመጀመርታ ግዜ ብ እምነት ጸለኹ፣ ንጐይታይ ውን ከምዚ በልክዎ  “ኣነ ውን የፍቅረካ እየ”

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ  ክቡር

ዮስኣብ የማነ

 

Comments are closed.