ካብ ምኽርታት ማር ይስሓቅ

ካብ መበል 51 ስብከቱ ዝተወስደ

ꗺ ልቦና ዝጎደሎ ጻድቅ ሰብ መብራህቲ ኣብ ትሕቲ ጽሓይ እዩ።
ꗺ ጸሎት ናይ ጌጋተት ዝዝክር ሰብ ዘርኢ ኣብ ከውሒ እዩ
ꗺ ምሕረት ዘይብሉ ባሕታዊ ፍረ ዘይብላ ኦም እዩ።
ꗺ ካብ ቅንኢ ዝወጽእ ጸርፊ መርዛም ኩናት እዩ።
ꗺ ውዳሰ ብልሓተኛ ሰብ ሕቡእ መጻወድያ እዩ።
ꗺ ዓሻ መኻሪ ዕዉር ዋርድያ እዩ።
ꗺ ምስ ስሚዒት ኣልቦ ሰባት ኮፍ ምባል ልቢ ይሰብር።
ꗺ ምስ ለባም ሰብ ምዝርራብ ምቁር ውሓዚ እዩ።
ꗺ ለባም መኻሪ ናይ ተስፋ መንደቅ እዩ።
ꗺ ዓሻን ግዲ ኣልቦ ዓርኪ ናይ ዕንወት ሓብቲ እዩ።
ꗺ ካብ ለባም ሰብ ንዓሻ ጽን ክብል ምርኣይ፡ ሓዘንተኛታት ዝመልእዎ ገዛ ምርኣይ ይበልጽ።
ꗺ ምስ ቀናእ ሰብ ካብ ምንባር ምስ ኣራዊት ምንባር ይበልጽ።
ꗺ ካብ ምስ ዘይየመስግኑ ሰባት ምንባር ኣብ መቃብር ምንባር ይሓይሽ።
ꗺ ካብ ምስ ህሩፍን ገባትን ኮፍ ምባል ምስ ኣሞራታት ምቅማጥ ይበልጽ።
ꗺ ካብ ምስ ሃርጓፍ ሰብ ምዝራብ ምስ ሓሰማ ምዝራብ ይበልጽ፡ ካብ ኣፍ ሃርጓፍ መብልዒ ሓሰማ ስለዝሓይሽ።
ꗺ ካብ ኣብ መንጎ ትዕብተኛታት ምዃን ኣብ መንጎ ርኹሳት(ለምጻማት/leper) ሰባት ኮፍ ምባል ይበልጽ።
“ ካብ ክትኣስር ተኣሰር
ካብ ክትሰቅል ተሰቀል
ካብ ክትብድል ተበደል
ተጽረፍ እምበር ኣይትጻረፍ።”
ꗺ ርቡጽነት ዘይኮነስ ምቅሉልነት ይሃልኻ፡
ፍትሒ ዘይኮነስ ሠናይ ነገር ድኣ ሓዝ፡ ፍትሒ ንክርስትያናዊ ሕይወት ስለ ዘይምልከት። ኣብ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ እውን ኣይተጠቅሰን። ምስ ዝተሓጎሱ ተሓጎሱ፡ ምስ ዝነብዑ ንብዑ፡ እዚ ምልክት ናይ መገዲ ቅኑዕ ንጽህና ስለዝኾነ። ምስቶም ዝሓሙ ስቅያቶም ይሰምዓካ፡ ምስ ኃጥኣተኛታት ኣልቅሱ። ምስቶም ዝንስሑ ድማ ተሓጎሱ። ምስኩሉ ሰብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ይኃልኻ። ኣብ ኣእምሮኹም ግና በይንኹም ኩኑ። ኣብ ስቃይ ኩሎም ሰባት ተኻፈልቲ ኩን ነብስኻ ግና ካብ ኩሎም ኣርሕቃ። ንዝኾነ ሰብ ኣይትጽረፍ፡ ኣይትውቀስ፡ ቃላ ብኽፍኣት ዝነብሩ ይኹኑ።
ዝወደቀ ሰብ ዲኖኻ ዘርግሕካ ሸፍኖ። ስሕተቱን ቅጽዓቱን ኣብ ክንድኡ ክትወስድ እኳ እንተ ዘይከኣልካ ብትዕግስቲ ሕፈረቱ ተኻፋሊ ኩን እምበር ኣይተዋርዶ።
ንኸብድኻ ክትብል ምሰባት ኣይትስመር። ንኽብሪ ክትብል እውን ኣይትጽላእ። ኣብ ፍርዲ እውን ኣይትደሰት። ኣብ ልብኻ ኣርምሞ እኳ እንተ ዘይሃለወካ ብውሕዱ ኣፍካ ኣርምሞ ይሃልዎ።
ንሓሳብካ ቅኑዕ ትእዛዝ ክትህቦ እኳ እንተ ዘይካኣልካ ንስምዒትካ ግና ቅኑዕ ትእዛዝ ሃቦ።
ኣብ ኣካላትካ ብሕትውና እኳ እንተዘይብልካ፡ኣብ ሕልናኻ ግና ብሕትውና ይሃልኻ። ብኣካልካ ክትጽዕር/ክትሠርሕ እኳ እንተዘይካኣልካ፡ ሕልናኻ ግና ይወቀስ።
ደው ኢልካ ክትነቅሕ እንተ ዘይኪእልካ፡ ኣብ ወንበርካ ኮፍ ኢልካ ንቃሕ፡ እንተ ዘይኮነ ጎቦ ኮንካ ንቃሕ።
ክልተ መዓልቲ ብሓደ ግዜ ክትጸውም እንተ ዘይኪእልካ፡ ክሳብ ምሸት ጹም፡ ክሳብ ምሸት ሙጻም እንተ ስኢንካ ግና ብውሕዱ ካብ ህርፋን ተቆጠብ።
ኣብ ልብኻ ቅዱስ እንተ ዘይኮንካ ኣካልካ ቅዱስ ይኹን። ኣብ ልብኻ ሓዘን እንተዘይብልካ፡ ብውሕዱ ገጽካ ብሓዘን ሸፍኖ። መሓሪ እንተ ዘይኮንካ ኃጢኣተኛ ስለዝኾንካ ብውሕዱ ተዛረብ።
ገባሪ ሰላም እንተ ዘይኮንካ እኳ ምንጪ ጸገማትን ሽግርን ግና ኣይትኹን። ህርኩት እኳ እንተ ዘይኮንካ ሃካይ ምዃንካ ግና ሕልናኻ ይፍለጥ።
ዕዉት እኳ እንተዘይኮንካ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሣዕሩ ልዕል ኣይተብል። ንብጻዩ ዘቆናጽብን ዘቃልልን ሰብ ክተቁሞ እንተ ዘይከኣልካ ምስኡ ካብ ምሕባር ግና ተቆጠብ።
እዚ ፍለጥ። እሳት (ሓዊ) ካባኻ ከይዱ ንኻልኦት ሰባት እንተበሊዕዎም፡ እግዚአብሔር ነፍሳት እዞም ብእሳት ዝተቃጸላ ካብ ኢድካ ክደልየን እዩ። እቲ እሳት ካባኻ ዘይኮነስ ካብ ካልእ ሰብ ዝኸደ እንተኾነ፣ ኮይኑ ግና ንስኻ ምስኡ ተሓባቢርካን ኣብቲ ዝኾነ’ውን እንተ ተሓጉስካ፡ ኣብ ፍርዲ ግዜ ከም ተሓባባሪ ክትቁጸር ኢኻ።
ትሕትና ተፍቅር እንተዀንካ ሰላማዊ ኩን። ዋጋ ሰላም እንተ ሒዝካ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ወርቂ ዘይኮነስ ፍልጠት ድለ። ብኽዳን ዘይኮነስ ብለውሃት ንነፍስኻ ክደና። መንግሥቲ ዘይኮነ ሰላም ወንን።

ወስብሓት ለእግዚ አብሔር
ወለወላዲቱ ድንገል።
ወለወስቀሉ ክቡር።

ክፍለኢየሱስ

Comments are closed.