ካህን መልከጼዴቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

3 ጳጕሜን፣ ካህን መልከጼዴቅ

 "መሐለ እግዚአብሔር ወኢይኔስሕ አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከጼዴቅ ፥ እግዚአብሔር ንስኻ ከም ሥርዓት መልከጼዴቅ ንዘልዓለም ካህን ኢኻ ኢሉ መሓለ፡ ኣይጠዓስን ከኣ እዩ።" መዝ 110፡4

 መኑ መልከጼዴቅ ውእቱ፧' ዕብ7፥1 'ወመልከጼዴሰ ንጉሠ ሳሌም ካህኑ ለእግዚአብሔር ልዑል ውእቱ፥ መልከጼዴቅሲ ናይ ሳሌም ንጉሥን ናይ ልዑል ኣምላኽ ካህንን ነበረ። ብዛዕባ ካህን መልከጼዴቅ ብዙኃት መጽሓፍቲ ነናቶም ይገልጹ ኢዮም፡ ንሎሚ ንርእዮ ካብቲ ሰብአ ሰገል ብሕፃንነቱ ንመድኃኒ ዓለም ክርስቶስ ብራና ከም ገጸ በረኸት ዘበርከትሉ፥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ንናይ ሮሜ ፓትርያርክ ('ፖፕ' ብግሪክ ቃል) ቅዱስ ቀለመንጦስ ዘቕረቦ ታሪኽ ኢና ክንርኢ።

መልከጼዴቅ ማለት 'ናይ ጽድቂ ንጉሥ' ኮይኑ፡ ናይ ሳሌም ንጉሥ፣ ንጉሠ ሰላም ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ይገልጽ (ዕብ 7፡1-2)፣ 'ደቀይ ተፋቀሩ!' እትብል ወንጌል ስለዘስተምር ናይ ክርስቶስ ምሳሌ ኾነ' ይብል ትርጓሜ ኦሪት (ዘፍጥረት 14፥17)። ካብ ኣቦና ኣብርሃም ዝዓበየ፡ ኣብርሃም ድማ ኣስራት ንመልከጼዴቅ ሃቦ፥ 'እቲ ዘይተፈልጠ ሰብ ልዕሊኡ ተዘይከውን ኣስራት ከመይ ቢሉ መቕረበሉ፧!' ብምባል ልዕልንኡ ገለጸ (ትርጓሜ መልእኽቲ ዕብራውያን )። ኣብ መዝሙር ዳዊት 'ዘልዓለማዊ ካህን' ስለዝተባህለ ኣምሳል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ምምስሳል ናይ ካህን መልከጼዴቅን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ እዩ እንተተባህለ፣

ሀ. ንመልከጼዴቅ ኣቡኡን ኣዲኡን ብኣይሁድ ኣይፍለጡን ኢዮም፡ ናይ ጐይታ'ውን ንቀዳማይ ልደቱ ኣደ ንዳኅራይ ልደቱ ኣቦ የብሉን።

ለ. ካህን መልከጼዴቅ ብስርናይን ወይንን መሥዋዕቲ የቕርብ ነበረ፡ ጐይታ'ውን ንቅዱስ ሥጋኡ ብስርናይ ንክቡር ደሙ ድማ ብወይኒ ጌሩ ሂቡና ኢዩ ፡ (ዘፍ 14፥18 ፣ ማቴ26፥27-29)

ሐ. መልከጼዴቅ ካብ ነገደ ሌዊ ከይተወልደ ክህነት ከምዝነበሮ፣ ጐይታ'ውን ካብ ነገደ ሌዊ ዘይኮነስ ካብ ነገደ ይሁዳ ተወሊዱ ሊቀ ካህናት ኮነ ( ዕብ 5፡6 ፣ ዕብ 7፥14)።

መ. መልከጼዴቅ ንጉሥን ካህንን ነበረ፡ እዚ ብኣይሁዳያውን ሥርዓት ኪኸውን ዘይከኣል ኢዩ ዝነበረ፡ ኣብ ጐይታውን እዚኦም ክልቲኦም ነበሩ።

ሠ. ንግሥነቱ፡ ክህነቱ መጀምሪ ኾነ መፈጸሚ የብሎም ናይ ክርስቶስውን 'ወአልቦ ማኅለቅ ለመንግሥቱ፡ ንመንግሥቱውን መወዳእታ የብሉን!' ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት ሊቃንውት ከምኡ ኢዩ።

  ንካህን መልከጼዴቅ ኣቡኡ ወዲ ኣርፋክስድ ማሊክ ስም ኣዲኡ ድማ ዮጻድቅ ይበሃሉ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ 'ለመልከጼዴቅሰ አልቦ አበ ወእመ ፣ ንመልከጼዴቅሲ ኣቦን ኣደን የብሉን' ኢሉ እዚ ዝበለሉ ቅዱስ ጳውሎስ ኣቡኡን ኣዲኡን መምለክቲ ጣዖት ስለዝነበሩ ይብሉ መተርጕማን። ነገዱ ነገደ ካም ኢዩ፡ ንኢየሩሳሌም ምስ ከደ ነዛ ከተማ ዝሓነፅሉ ነገሥታት ኢዮም። እዞም ነገሥታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ናይ ሰናዖር ንጉሥ ኣምራፌል፡ ናይ ዴላሳር (ኤላሳር) ንጉሥ ኣርዮክ፡ ናይ ኤላም ንጉሥ ኮሎዶጎምር፡ ናይ ሕዝቢ ንጉሥ ቲርጋል፡ ናይ ሶዶም ንጉሥ ቤራ (ባላ)፡ ይ ገሞራ ንጉሥ ብርሳ፡ ናይ ኣሞራውያን ንጉሥ ስምዖን፡ ናይ ሳባ ንጉሥ ሲማይር፡ ናይ ደማስቆ ንጉሥ ህያር፡ ናይ በረካታት ንጉሥ ያፍታር ኢዮም። ድኅሪዚ ናይ ናይ ቴማን ንጉሥ ማዋሎን ናይ ካህን መልከጼዴቅ በረኸት ክቕበል ናብ ኢየሩሳሌም ተጓዕዘ። ገለ መጽሓፍቲ ድማ ደቂ ቃይናን ሻላሕ (ሳላን)፡ ማሕላ ክኾኑ ከለው፥ ማሕላ ንዮጻድቅ ተመርዓወ ምስ መልከጼዴቅ ኸኣ ተቐመጠ። መልከጼዴቅ ምስ ሴም ተበጊሱ ከደ፣ ብድኅሪዚ ማሕላን ዮጻድቅን ወድና ኣበይ ኣሎ እንተበልዎ ሞይቱ በሎም እሞ ብዙኅ  ሓዘንሉ። ብድኅሪዚ መልከጼዴቅ ቆርበት ተከዲኑ ካብ ጥቃ ጎልጎታ ከይረሓቀ፡ ከም ናዝራዊ ጸጕሩ ከይቈረጸ ካህን ኮይኑ ምስ ሴም ኴይኖም ንዓጽሚ ኣዳም እናዓጠነ የገልግል ነበረ። ዓሠርተው ክልተ ነገሥታት ብጽድቁን ብኣገልግሎቱን ተገሪሞም ናብ ሃገራቶም ክመጹ እንተለመንዎ ካብ ጎልጎታ ከምዘይርሕቅ ነጊሩ ኣበዮም። ስለዚ እዮም ከኣ ኢየሩሳሌም ዝተባህለት ከተማ ሓኒፆሙሉ።

ኣቦና ኣብርሃም ንኃሙሽተ ነገሥታት ስዒሩ ክምለስ ከሎ፡ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳጊኑ ንካህን መልከጼዴቅ ረኸቦ እሞ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ምስጋሩ ከም ጥምቀት ኮይኑሉ፣ ካህን መልከጼዴቅ ድማ ብወይንን ስርናይን ጌሩ ቅዱስ ቍርባን ኣዕረገ፡ ኣብርሃም ድማ ኣስራት ኣሰነየ። ብድኅሪዚ ኣቦና ኣብርሃም ንይስሓቅ ወዱ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ንይስሓቅ ወዱ ክሥውዖ ናብ መሠውዒ ቦታ ምስ ኣምጽኦ፣ እዚ ቦታ ናይ ካህን መልከጼዴቅ መሠውዒ (መዕረጊ) ቦታ ነበረ። ዳኅራይ ጊዜ ሰበይቲ ይስሓቅ ርብቃ ጥንስቲ ምስ ኮነት 'ክልተ ሃገራት ማለት እስራኤልን ኤዶምያስን ኣብ ማኅጸንኪ ኣለው ኢሉ ዝተነበየላ ካህን መልከጼዴቅ ኢዩ!' ቢሎም ዝትንትኑ መጻሕፍቲ ኣለው። ካህን መልከጼዴቅ ብሠናይ ኣገልግሎት ኣገልጊሉ ብ3 ጳጕሜን ከም ኣዳም መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ ከይተባህለ ከም ነብየ እግዚአብሔር ኤልያስን ሄኖክን፡ ዕዝራን ዮሓንስ ወንጌላዊን፡ ንጉስ ነኣኵቶ ለአብን ዘማራይ ያሬድን፡ ኣቡነ ኣረጋዊን ኣባ ገሪማን ንብሔረ ህያዋን ተሰዊሩ ከደ፣ ብዳኅራይ ጊዜ ድማ ንምስክርነት መጺኡ ከም ደቂ ሰባት ብሥጋ ከዕርፍ እዩ።

  ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብዙኅ ዘይተላለየ፡ ቤተ ክርስትያኑ  ብዙሕ ዘይምፍለጥ እካ እንተዀነ  ፣ካብ ኣስመራ ቍሩብ ወፂኻ ኣብ ሰላዕዳዕሮ ታቦቱ ተቐሪጹ ምስ ቅዱስ ሩፋኤል ይርከብ እዩ፣ ኣብዚ ቦታ ኬድና ጸበሉ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገብር ቦታ እዩ። መካናት ውላድ ይረኽቡ፡ ሕሙማት ይሓውዩ፡ ስንኩላት ይቀንዑ ኢዮም እሞ ፈውሰ ሥጋን ነፍስን ክንረክብ ቤተክርስትያና ደጊማ ደጋጊማ ተዘካኽረና ኣላ፣ በረከቱ ክንረክብ ከኣ ክንዝክሮ ይግበኣና። ነዚ ክንገብር ጸሎትን ኣማላድነትን ናይ ካህን መልከጼዴቅ ምስ ዅትና ይኹን፣ ኣሜን።

ጳጕሜን ሠለስተ መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፥

  • ቅዳሴ ቤቱ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ፈታሄ ማሕጸን
  • ቅዱስ ሰራጵዮን ዘዕረፈሉ
  • ንጉሥ ዘርኣ ያዕቆብ ዘዕረፈሉ
  • ቅዱስ ካህን መልከጼዴቅ ዝዓረገሉ ኢዩ፥ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵላትና ይኹን ኣሜን።

ምንጪ፣

ሀ. መጽሓፈ ስንክሳር

ለ. መጽሓፈ ቀለመንጦስ

ሐ. ሊቃውንት ዘሃገረ ኤርትራ ነፍስሄር ሊቀ ሊቃውንት ጐይታና ይስሓቅ ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዓረዛ፡ መልአከ ገነት ሊቀ መዘምራን የኔታ ተክለማርያም ዘደብረ ኤፍራታ ቀሓውታ፡ መምህር የኔታ ዘርኡ ሓጋዝ፡ ነፍስሄር መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ ወቦ ዘተርፈ

ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

 15 ሓምለ (12) 2012 ዓመተ ምሕረት ግእዝ

August 21, 2020

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፣ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.