ኪዳነ ምህረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

እስመ ትቤ ለዓለም አሐንጽ ምሕረተ

በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ

ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ  መዝ. 88-2

ገላ.4፣ 1-12። 2ይዮሓ.1፣4-8። ግ.ሓዋ.1፣13-15።  ሉቃ.1-39-57።

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጎሥዓ)

ኪዳነምህረት ማለት ናይ ምሕረት መሓላ  ወይ ቃልኪዳነ ምሕረት ማለት እዩ። ካብ 33 በዓልተ እግዝእትነ ማርያም ሓደ ከኣ እዩ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ መቃብር ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከይዳ ኣብ እትልምነሉ እዋን ኣይሁድ ካብ ክፋእ ልማዶም ስለዘይዓርፉ ሕጂ ከኣ እንታይ ከተምጸኣልና እያ ብምባል ክጻብእዋ ክመጹ ከለዉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓይኖም ሰዊሩ ከምዘይርእይዋ ገበረ። ኣይሁድ ዋላ ሓለውቲ እንተገብሩ ክርእይዋ ግና ኣይክእሉን ነበሩ ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ መዓልታዊ ከይዳ ጸሎታ ካብ ምብጻሕ ኣየቓረጸትን። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጸሎታ ከምዚ እንዳበለት ተብጽሕ ነበረት። ፍትው ወደይ ካብ ሥጋይ ሥጋ ካብ ነፍሰይ ነፍሲ ወሲድካ ሰብ ዝኾንካ ትሽዓተ ወርሒን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ማህጸነይ ጼረ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስዳደይ ሪኢኻ ልመናይ ክትሰምዓኒ እልምነካ ኣለኹ። ምስ በለት ኣብቲ እዋን ዓቢ ድልቅልቅ ኮነ መቃብራት ተሰንጠቁ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እልፊ ኣእላፋት መላእኽት ሓቢሩ ብምምጻእ ሰላም እብለኪ ወላዲተይ ቅድስቲ ማርያም እንታይ ክገብረልኪ ትደልይ በላ።

እሳ ከኣ ዝኽረይ ዝገበረ ፣ብስመይ ንድኻታት ዝሓገዘ ፣ ብስመይ ቤተ ክርስትያን ዝሠርሐ፣ መባእ  ዝሃበ ፣ ካብ ሃይማኖትክካብጽ ንዓት ፍቅርን ንውልዱ ብስመይ ዝሰመየ ኩሉ መሓረይ ካብ ሞተ ሥጋን ነፍስን ኣድኅነለይ በለቶ።

ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወላዲቱ ከኣ ከምዚ በላ ፣ ብጽቡቅ ምግባር ስምኪ ዝጸውዐ፣ ዝኽርኪ ዝገበረ ፣ ዝሑል ማይ’ውን ብስምኪ ዘስተየ ዋጋኡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ክኸፍሎ እየ። “ዘተወክፈ  ነቢየ በስመ ነቢይ ዕስበ ነቢይ ይነሥእ ። ብነብዩ ስም ነብዩ ዚቕበል ዓስቢ ነብዩ ይረክብ፣ ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቅበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።  ከምዝብለ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ። ማቴ.10፣41። ወዱ ኮነ ጓሉ ብስምኪ ዝሰየመ ስሙ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ክሰምዩ እየ። ብስምኪ ዝመጽወተ፣ ዝለመነ ፣ዝሃበ፣ ዝዘከረ፣ ዝጸለየ ወዘተርፈ ብስምኪ ክቅበሉ እየ ዝኸበርኪ ኣደይ ኢሉ ናይ ምሕረት ቃልኪዳን ሂብዋ።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኩሉ ከም ዝገብረልኪ መሐልኩ ለኪ በርእስየ ወበ አቡየ ሕያው ወበመንፈስ ቅዱስ ቃልኪዳን ኣተወላ። ድሕሪኡ ብኽብሪ ብምስግና ምስ ኣእላፍ መላእኽቲ ዓሪጉ።

 በላዒ ሰብእ  (በላዒ ሰብ)

በላዒ ሰብ ቀንዲ ስሙ ስምዖን ይበሃል፣ ቅምር ኣብ ዝበሃል ሃገር ዝነብር ኣዝዩ ሃብታይ ነበረ። ከም ኣብርሃም ጋሻ ዝፈቱ ኣብ ቤቱ ኣእትዩ ድኻታት ዝምግብ ቤቱ ቤተ ኣጋይሽ ዝኾነሉ ጻድቅ ሰብ ነበረ። ሰይጣን ጸላኢ ሠናያት በዚ ሥራሕ ቀኒኢሉ  ክፍትኖ ብሰለስተ ኣረጋውያን ተመሲሉ ብምምጻእ ሥላሴ ኢና ብምባል ተገልጸሉ። ልክዕ ከም ኣብርሃም ሥላሴ ዝተገልጽሉ ኣምሲኡ ብምምጻእ ነቲ ፈታዊ ጋሻ ዝኾነ ስምዖን ብኽፋእ ሜላ ከስሕቶ ጀመረ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሰይጣን ናይ ብርሃን መላኣኽ መሲሉ ይመጽእ እዩ ከምዝበሎ።  ስሞዖን በላዒ ሰበ ከኣ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ መሲልዎ ብኽብሪ ተቀበሎም ፣ መግቢውን ኣቕረበሎም፣ መግቢ ኣይንበልዕን ኢና እንሓተካ ክትፍጽመልና ግና ቃል እተወልና በልዎ። እሱውን ቃል ኣተወሎም። እምበኣር ትፈተወና እንተኾንካ ነቲ ሓደ ወድኻ ሰውኣልና በልዎ። እሱውን በቲ ቃሎም ኣዝዩ ሰንበደ ዳሕራይ ግና ታሪኽ ኣብርሃም ብምዝካር ፣ኣብርሃም ሓደ ወዱ ክስውእ ኢሉ ኔሩ እዩ፣ ንዓይ ከኣ ክፈቱኑኒ ኢሎም ኢሉ ክስውኦ ተዳለወ፣ ግደፍ ዝብል ድምጺ ከም ኣብርሃም ዝተባህሎ ግና ኣይሰምዐን። ሓሪዱ ኣዳልዩ ከኣ ኣቕረበሎም ፣ መጀመርያ ጠዓመልና በልዎ፣ ጠዓሞ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን ጻላኢ ሠናያት  ከኣ ተሰወሮዎ  ፣ እሱ ከኣ ኣእምሮኡ ሰሓተ ድሕሪኡ መግቢ ዝበሃል ተጸየፎ ። ናይ ሰብ ሥጋ ዝበልዕ ጥራሕ ኮነ። መጀመርያ ቤተሰቡ ድሕሪኡ ፈተውቱ በሊዑ ምስ ወደኦም ናይ ማይ ብራሾን ኩናትን ሒዙ ካብ ቤቱ ወጸ ዝረኸቦ ሰብ እንዳበልዐ 78 ነፋስት በጽሐ። ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሉ ዝልምን ብሕማም ደዌ ዝተታሕዘ ሓደ ድኻ ክበልዖ ኢሉ ናቡኡ ጽግዕ ምስ በለ ቁስሉ ርእይ ተጸየፎ። እቲ ድኻ ከኣ ብጻድቃን ብሰማእታት ማይ ሃበኒ በሎ፣ ናይ ምንታይ ጻድቃን ሰማእታት ኣይህበካን እየ በሎ፣ በአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም ኢሉ ደጊሙ ለመኖ’ውን፣ ኣይህበካን በሎ። ንሳልሳይ ግዜ ብእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም በሎ ፣ እስኪ ደጊምካ ጸውዓለይ በሎ። እቲ ለማናይ ከኣ ስለ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሃበኒ በሎ። እዚኣ ተማልድ ትልምን እያ ክብሉ ሰሚዐ ኣለኹ ኢሉ፣ ዕማኾ ኢሉ ማይ ኣስተዮ ገና ኣብ ገሮሩኡ ከይበጽሓት ከላ ከኣ መንጠሎ ፣ ንዓይ ክውደኣኒ እዩ ኢሉ መንጠሎ ነታ ዕማኾ ማይ ከሊእዎ ከደ።

ስም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንበላዒሰብ ናይ መበራበሪ ደወል እዩ ኾይኑዎ። ስም ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝያዳ ካብ ናይ ኣምላኽና እግዚአብሔር ዝያዳ በሊጹ ኮይኑ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ካብ ብቁልዕነቱ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ህርራሄኣን ኣማድነታን እንዳተማኅረ ስለ ዝዓበየ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስማ ቀሪጹ ስለዝነበረሉ እዩ። ኣምላኽና እግዚአብሔር ስለዝሓገዞ እዩ ።

በላዒ ሰብ ካብቲ ካልኢት ኣእምሮኡ ተመልሰሉ ከምዚ ከኣ በለ ኣብ በዓቲ ኣትየ ስለ ሓጥያተይ ክበኪ እየ ሥጋይ ምስ ኣዕጽምተይ ስጋብ ዝጣበቕ ክጸውም እየ ብምባል ብምባል ኣምሪሩ እምዳበኸየ ኣብ በዓቲ ብምእታው ን21 መዓልቲ መግቢን ማይ ከይለኸፈ ብጥሜት ሞተ ። ብምባል ይነግረና ተኣምረ ማርያም።

ጸልማት ዝለበሱ ሰይጣናት ንነፍሱ እንዳፈራርሑ ናብ ሲኦል ክወስድዋ መጹ ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ፈጢና ብምምጻእ ፍትው ወደይ ነዚኣ ነፍሲ መሓረልይ ፣ ክብርቲ ወላዲተይ 78 ነፍሲ ዝበልዐ ከመይ ይመሓር በላ። ኣብ የካቲት  16  ኣብ ጎልጎልታ ዝኣተኻለይ ቃልኪዳን ዘክር ስምኪ ዝጸውዐ ፣ዝኽርኺ ዝገብረ ክምሕረልኪ እየ ኢልካ ቃል ኪዳን ኪዳን ዝሃብካኒ ዘክር በለቶ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እስኪ ነዚኣ ነፍሲ ኣብ ሚዛን ኣቀምጥዋ ኢሉ ምስ ኣቀመጣ እታ ዕማኾ ማይ መዚና ተረኺባ። ስለኺ ኢለ ሚሒረዩ ኣለኹ፣ ሸውዓተ መዓልቲ ሲኦል ኣሪኡኹም ናብ ገነት ኣእትውዎ በሎም። ቅዱሳን መላእኽቲ ከኣ ቦታኺ ኣብዚ እዩ ኔሩ እንዳበሎ ሲኦል ኣርእዮም ናብ ገነት ኣእተውዋ። እዚ ኩሉ ብኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኮነ።

በረከታ ጣዕማ ፍቅራ ናይ ኣዴና ቅድተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ይብዝሓልና ።ተኣምረ ማርያም

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብምሕረቱን ሣህሉን ሰላሙን ይኃበና። ኣማላድነት ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ። ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና!

አተኩዝኩኪ እግዝእትየ እንዘ እገብር ዝሙተ

ወእትናገር ሐሰተ ፍቅረ ማርያም ድንግል (ዚአኪ ባሕቱ)

ኢይመስለኒ ንስቲተ፣

ሰብዐ ወስምንተ (78) ዘበልዐ ነፍሳተ፣

አኮኑ በሕፍነ ማይ አተወ ገነተ።

                                                                                             መልከአ ኤዶም                                                                                                               

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.