ኪዳነምሕረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 

ምስባክ

እስመ ትቤ ለዓለም አሐንጽ ምሕረተ

በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ

ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ  መዝ. 88-2

ገላ.4፣ 1-12። 2ይዮሓ.1፣4-8። ግ.ሓዋ.1፣13-15።  ሉቃ.1-39-57።

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጎሥዓ)

ዕለተ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዋሕስ በላዒ ሰብ ዋጋ ነፍሱ ምኽንያቱ ድኅነዩ ዝኾነት ኪዳነምሕረት እያ። ታሪኹ ክንርእዮ ከለና ከኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ቃልኪዳን ዝተቀበለትሉ ዕለት እዩ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ መቃብረ ሥጋ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎልጎታ ክትጽልይ ከላ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእላፋት መላእኽቲ ኣኸቲሉ መጸ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወላዲቱ ከኣ ከምዚ በላ ፣ ብጽቡቅ ምግባር ስምኪ ዝጸውዐ፣ ዝኽርኪ ዝገበረ ፣ ዝሑል ማይ’ውን ብስምኪ ዘስተየ ዋጋኡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ክኸፍሎ እየ። “ዘተወክፈ  ነቢየ በስመ ነቢይ ዕስበ ነቢይ ይነሥእ ። ብነብዩ ስም ነብዩ ዚቕበል ዓስቢ ነብዩ ይረክብ፣ ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቅበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።  ከምዝብለ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ። ማቴ.10፣41። ወዱ ኮነ ጓሉ ብስምኪ ዝሰየመ ስሙ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ክሰምዩ እየ። ብስምኪ ዝመጽወተ፣ ዝለመነ ፣ዝሃበ፣ ዝዘከረ፣ ዝጸለየ ወዘተርፈ ብስምኪ ክቅበሉ እየ ዝኸበርኪ ኣደይ ኢሉ ናይ ምሕረት ቃልኪዳን ሂብዋ። ድሕሪኡ ብኽብሪ ብምስግና ምስ ኣእላፍ መላእኽቲ ዓሪጉ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናብ ወዳ ፈታዊኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸለየቶ ጸሎት ሎሚ ንሕና ደቃ ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ስሩዕ ጸሎት ንጥቀመሉ ሰኔ ጎልጎታ መጽሐፈ ጸሎት ዝብል ሓደ እዩ።

ድኅነት በላዒ ሰብ

ቅምር ኣብ ዝበሃል ዓዲ ሓደ ስምዖን ዝበሃል ሰብ ነበረ። ብዘመድ ዝኸበረ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ርህሩህ ሰብ ነበረ።  

ከም አበ ብዙኃን ኣብርሃም ኣጋይሽ ምቅባል ዝፈቱ ነበረ። ኣብ ቤተ ኣብርሃም ሥላሴ ሓደሩ ፣ ብፍቅሪ እግዚ አብሔር ኣብርሃም ስጋብ እቲ ዝፈትዉ ወዱ ይስሓቅ ምስዋእ በጽሐ ዝበል ታሪኽ’ውን ኣብርሃም ይሰምዖ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ኣቡኣ ንክፋኣት ሕምቅ ተግባሩ ንኽፍጽም ብሥላሴ ተመሲሉ ናብ ቤቱ ከይዶም ኣሕድረና በልዎ። ስምዖን ከኣ ሠለስተ ሥላሴ መሲሎሞ ተሓጊሱ ብርህያሄ ንቤቱ እተዉ በሎም ። ሰይጣን ከኣ ንሥላሴ ንምምሳል እንዳሓዘልካ ኣእትወና በሎዎ ። ስምዖን ከኣ ነቲ ሓደ ሓዚሉ ኣእተዎ  እቶም ክልተ ኮፍ ኢሎም ተረፉ ፣ ተመላሊሱ ከኣ ኣእተዎም ። ኣብርሃም ንአብ ሓዚሉ ንቤቱ  ምስ ኣእትዎ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ግና ብሓንሳብ ኣትዮም እዮም ተረኺቦም። ስምዖን ግና ንሠለስቲ ኦም እንዳሓዘለ ኣእቲውዎም ሰይጣን ስለዝኾኑ ከም አጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ንኽመስል ኢሉ እዩ፣ ምዃን ግና ኣይኽእሉን እዮም።

ስምዖን ምስ ኣእተዎም እንታይ ክገብረልኩም በሎም ንወድኻ ሕረደልና በልዎ። ንወዱ ክሓርደሎም ኣቕረቦ ከም ይስሓቅ ግና ከድኅንዎ ኣይከኣሉን ሰይጣን ስለዝኾኑ። ጸላኢ ሠናይት ሰይጣን ኩሉ ግዜ ነገራት ኣምሲሉ እዩ ዘርእየካ ዳሕራይ ዘይዕሞኽ ጥርሑ እዩ። ኣብ ዓለም ኩኡ ኣወቂቡ ኣብለጭሊጩ የርእየና እሞ ዳሕራይ ዘይንጭብጦ መገዲ ጥፍኣት ይኾነና። ከምቲ ንኣዳምን ሄዋንን ዝገብሮም ማለት እዩ። ኣምላኽ ክትኾኑ ኢኹም ካብዚ ምስ እትበልዑ ኢሉ ሞት ኣምጺእሎም ብሓሶት ኣቡኣ ንሓሶት ስለዝኾነ።

ሓሪዱ ኣዳልዩ ምስ ኣቕረበሎም ንስኻ እንተዘይጢዕምካ ኣይንበልዕን ኢና ኢሎሞ። ስምዖን ከኣ እንቢ ከይብል ሥላሴ ክቅየሙኒ እዮም ኢሉ ጠዓሞ ኣብቲ እዋን ሰይጣን ኣብ ሰውነቱ ተዋሕዱ ናይ ሰብ ሥጋ ንኽብልዕ ገብሮ። ድሕሪኡ በላዒ ሥጋ ሰብ ጥራሕ ኮነ። ነዚ እዩ በላዒ ሰብ ዝተባህለ። ኩሉ ቤተሰቡ ኣዝማዱ ጎረባብቱ በሊዑ ወድኦም፣ ብሓፈሻ 78 ነፍሳት በሊዑ። ኩሉ ሰብ ከኣ ፈሪሑ ካቡኡ ሃደመ።

ስምዖን በላዒ ሰብ ዝብላዕ ምሰ ሰኣነ እኽሊ ካብ ዝበልዕ ምማት ይሕሸኒ ኢሉ ናብ በረኻ ገጹ ከደ። ሓደ ሰብ ኣብ መገዱ ብዓበቅ ቁስሊ ዝተወረረ ኣብ መገዲ ተቀሚጡ ረኣዮ ፣ ከይበልዖ ተጸይፍዎ ፣ እቲ ስንኩል ሰብ ከኣ ንስምዖን ማይ ሒዙ ረኣዮ እሞ። ብጻድቃን ብሰማእታት ማይ ሃበኒ በሎ፣ ናይ ምንታይ ጻድቃን ሰማእታት ኣይህበካን እየ በሎ፣ በአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም ኢሉ ደጊሙ ለመኖ’ውን፣ ኣይህበካን በሎ። ንሳልሳይ ግዜ ብእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም በሎ ፣ እስኪ ደጊምካ ጸውዓለይ በሎ። እቲ ለማናይ ከኣ ስለ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሃበኒ በሎ። እዚኣ ተማልድ ትልምን እያ ክብሉ ሰሚዐ ኣለኹ ኢሉ፣ ዕማኾ ኢሉ ማይ ኣስተዮ ገና ኣብ ገሮሩኡ ከይበጽሓት ከላ ከኣ መንጠሎ ፣ ንዓይ ክውደኣኒ እዩ ኢሉ መንጠሎ ነታ ዕማኾ ማይ ከሊእዎ ከደ።

ስም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንበላዒሰብ ናይ መበራበሪ ደወል እዩ ኾይኑዎ። ስም ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝያዳ ካብ ናይ ኣምላኽና እግዚአብሔር ዝያዳ በሊጹ ኮይኑ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ካብ ብቁልዕነቱ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ህርራሄኣን ኣማድነታን እንዳተማኅረ ስለ ዝዓበየ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስማ ቀሪጹ ስለዝነበረሉ እዩ። ኣምላኽና እግዚአብሔር ስለዝሓገዞ እዩ ።

እቲ ሰብ 78 ነፍሳት ስለ ዝበልዐ ካብ ስምዖም ስሙ ናብ በላዒ ሰብ ተቀይሩ ። ድሕሪኡ ኣብ ሓደ በዓቲ ኣትዩ ብሕማምን ጥሜትን ሞተ። ነፍሱ መላእክቲ ጽልመትን መላእክቲ ብርሃን ናተይ እያ ናተይ እያ ብምባል ነፍሱ ኣብ ቅድሚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍርዲ ኣቅረብዋ።

  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኣብ ፍርዲ ዝቀረበት ነፍሲ በላዒ ሰብ ኣይፈልጠካን በላ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ወዳ ደው ኢላ ዝሑል ማይ ብስምኪ ዘስተየ ክምሕረልኪ እየ ኢልካ ቃልኪዳን ሂብካኒ እንዲኻ ክቡር ፍትው ወደይ እዚ ከኣ ንዝጸምአ ብስመይ ዝሑል ማይ ኣስቲዩ እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሰብዓን ሸሞንተን ነፍሳት በሊዑ እዩ። ጻድቃን ሰማእታት መላእኽትን ንዓይ’ውን ኪሒዱ እዩ። ምሕረት ዝግብኦ ኣይኮነን በላ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ እግሩ ወዲቃ እንዳበኸየት ንፍትው ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ለመነቶ።

 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንቅዱስ ሚካኤል ንሰብዓን ሸሞንተን ነፍሳትን ነቲ ስንኩል ለማናይ ዝሰተያ ማይን ኣብ ኣብ ሚዛን ምዘኖም ኢሉ ኣዘዞ። ቅዱስ ሚካኤል ነቲ ሰብዓን ሾሞንተ ነፍሳት በቲ ሓደ  ወገን ከኣ ማይ ጌሩ ኣብ መዝኖ ንግዚኡ ሰብዓን ሸሞንተ ነፍሳት መዘነ ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ፈጢና ኣብ ማይ ጽላላ ኣንበረት።  እቲ ማይ’ውን መዚኑ ወጸ ። 

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጽላሎታ ኣውደቀትሉ ማለት ኣብ ልዕሊ ኣማላድነታ ቃልኪዳና ተወሲኽዎ ማለት እዩ።

ኣብቲ እዋን ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምንፍትው ወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመስጊና። ነፍሲ በላዒ ሰብ ስምዖን ንቅዱሳን መላእክቲ ሃበቶም። መላእክቲ እንዳሸብሸቡ ብዝማሬ ናብ ገነት ኣእተውዋ። መላእኽቲ ጽልመት ሓፊሮም ተመሊሶም።

 ናይ በላዔሰብእ ነፍሲ ብናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ዲኂና። እዚ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ለውሃትን ዘርኢ እዩ። ናይ ፈያታዊ ዘየማን ምሕረት ምርካብ፣ ናይ በላዔሰብእ ገነት ምእታዉ እግዚአብሔር ብንስሓ  ዝሕጸቡን ተጣዒሶም ንዝምለሱ ኩሎም ደቁ ዝኅቦ ኽብሪ ዘርእየና ዓቢ ምስክር እዩ። ናይ  ቅዱሳን ኣማላድነት ማዕረ ክንደይ  ኃይሊ ከምዘለዎ ዘረድእ እዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብምሕረቱን ሣህሉን ሰላሙን ይኃበና። ኣማላድነት ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ። ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ኣይፈለየና!

አተኩዝኩኪ እግዝእትየ እንዘ እገብር ዝሙተ

ወእትናገር ሐሰተ ፍቅረ ማርያም ድንግል (ዚአኪ ባሕቱ)

ኢይመስለኒ ንስቲተ፣

ሰብዐ ወስምንተ ዘበልዐ ነፍሳተ፣

አኮኑ በሕፍነ ማይ አተወ ገነተ።

                                                                                            መልከአ ኤዶም                                                                                                               

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ተወልደብርሃን

Comments are closed.