ከም ትጽድቀኒ ፈሊጠ ሕራይ ክብለካ’የ

................................... ከም ትጽድቀኒ ፈሊጠ ሕራይ ክብለካ’የ .....................................

ማዓረይ፡ ከመይ ኣለኻለ’የ። ከም ትፈልጦ ለሚን እንተ ተጾሚቁ ፡ ለሚን ይህብ ፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቁ ኣራንሺ ይህብ።ለሚን ተጾሚቁ ኣራንሺ ኣይህብን፡ ኣራንሺ እንተ-ተጾሚቂ’ውን  ለሚን ኣይህብን። ናተይ ነገር ነገርውን ካብዚ ዝፍለ ዝመለኒ ኣይኮነን ፡ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ትሕዝቶ  እንተ ዝጽመቅ ነይሩ ፡ እተን ካባኻ ዝተመሃርክውን መንፈሳውን ሞራላውን ሰነምግባር ጸረር ጸረር እናበላ ካብ ቆፍ ልበይ መዋጸ  ፡ ብሓጺሩ ንእሽተይ ምስልኻ ኮይነ ምጸናሕኩ ። ዝያዳ ሓወይ፡ ደጋፊትካ ክኸውን ብጹሑፍ ሰለ ዝሓተትካኒ ብጽሑፍ ክምልሰልካ ግደነት ሰለ ዘለኒ እምበር ጽባሕ ብኣካል ምስ ትራኸብና ብሰፊሑ ከም ከይዘተናሉ ከም  ዘይተርፍ ርጉጽ ነገር እዩ። ክገምርካ ሕቶኻ ብዙኃ ከይገረመኒ ኣይተረፍን፡ ሰለምንታይ መልሲ ናይ ሕቶኻ ኣብቲ መዓልታዊ ንራኽቦ ኣጋጣሚታት ብዓቢ ፊደል ተጻሒፉ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ከንበልብል ኣይትዓዝብካዮ ዲኻ። ነቲ ዝነበረትኒ ልቢ ከም ብሓድሽ ሪሳይክል ገቢርካ ባዕልኻ ዝወቀርካዮም መንፈሳውን፡ፍቅራውን ፊደላት ኣብ ከም ዝስረጽካ ፡ደቂ ገዛዉትናን ኣዕሩኽትኻን ከነብበኦ ከለዎ፡ ከመይ ገይሩ ንዓኻ ተሸፊንካ  ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ምዃኑ ካብ ፍለማይ ሌላና ን ቤተ-እግዚአብሔር ከተቅርበኒ እምበር ካልእ ዕላማ ከም ዘይብልካ ሓቢርካኒ ኢኻ ። ክገርመካ  ድሌታትይ ብመልሓሰይ ቃላት ከይውጸት ከላ ሰለ ትንብቦም ፡ከምኡውን ኣብ ልብይ ዝፍጠሩ ሕልምታተይ ፡ኣንደበተይ ከይገለጾም ትመምዮም ኢኻ ኢለየ ዝኣማን ነይረ። እዚ ሕቶ ምስ ኣቅረብካለይ ግና ብዘይካ ንዓይ ናብ የመን ምምላስ እቶም ኣነ ዝሓተካ መልሲ ምሃብ ኣባይ ካልእ ዝኾነ ነገር ትጥመቶ ከምዘየ ኣሚነ።

ማዓረይ፡ ናብ ጽድቂ ጎደና ከም ትመርሓኒ ሰለ ዝኣመን ከምቲ ብዙኃት ደቂ ኣንስትዮ ክሓስበሉ’የ ኢለን ግዜ ዓዲ መዓልትታት ቆጺረ ግበረ መልሲ ዝህባ ኣነዉን ክሓስበሉ’የ ክብለካ ኣይትጸበ። ፍቅሪ ናይ ቁጽሪ ግድል  ትምህርቲ ኣይኮነን ዝሓስበሉ። ዝድመር፡ዝጎደል፡ዝረብሕ ወይ ከኣ ዝምቀለ ሰነ-ሓሳብ የቡሉን። ምቅማር ዝይብህግ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዝቅልቀል ሙቁር ስሚዕት በስላ ምዃኑ’የ ዝኣመን። ኣነ ንፍቅሪ ብኪሚስትሪ መልክዕ ምገለጽክዎ ፡ሰለምንታይ ፍቅሪ ክልተ ወደባት ልቢ ፡ብሓደ ዝሰምራሉን፡ ዝዝምራሉን ናይ ሓድነት መኣዲ ሰለ ዝኾነ። ክልተ ልቢ ፡ክልተ ትርግታድምጺ  ፈጢረን ነናይ ውልቀን ህርመት እናጋለባ ንክልተ  ሰባት ኣገልግሎት ይህባ ። ኣብ ውሽጠን ፍቅሪ በጨቅ ክብል ምስ ዝጅመር ተሓናፊጸን  ሓደ ትኣምራትዊ ሓድነት ይፈጥራ። ናትካን ናተይ ልቢውን ሓደ በሪ ምትሕውዋስ ፈጢረን ኣለዋ ፡ ዕላማይን ዕላማኻን ሓደ ፡ ኣብ ምድራዊ ባህጊ ከይትሓጽረ ፡ሰማያዊ ዕላማ ተጎልቢበን ይርከባ ። ኣብ ፍቅራዊ ምልምማድና ብምራን ፈተና ከይተዓንቀፍና ንስጋዊ ባህግና ንምርዋይ ንድሕሪ ግልጽ ከይበልና ፡ ሰላይ እናበልና ንቅድሚት ንመርሽ ዘላና ኮይኑ ይስመዓኒ።ብስጋዊ ቃጽሎት ከይተዓጠና ፡ ፍቅና ፡ መንፈሳዊ ጋማ ዓወት ጨቢጡ ናይ ቅጥርን ለይትን ሕልምና ተግባራዊ ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን። ብፍላይ ንስኻ ብመንፈሳዊ ሕይወት ዝበሰልካ ዘለዝኾንካ ኣብዚ ኣንጽር ጸወታ ፍቅሪ ነካይዶ ዘለና ጥበብ ዓቢ ትራ ከም ትጻወት ዓቢ እምንቶ ኣለኒ። ሰለምንታይ ንጽድቂ ዝናፍቅ፡ ጽድቂ ዘቀድም፡ጽድቂ ዝሓረጉ መንፈስ ዝዓሰላ ሰለ ዝኾንካ።

ዝያዳይ ፡ከም ትፈልጦ ፡ ከምቲ ዝዕለልኩኻ ቅድሚ ሕጂ ከማኻ መንእሰያት ንፍቅሪ ሓቲቶሙኒ ኔሮም’ዮም ግና ንሕትኦም ኣሉታዊ መልሲ ብምሃብ ነጺገዮ እየ። ሰለምንታይ ንፍኖተ ጽድቂ ዝመርሕ ዕርክነት ክምስረቱ ድሌት ከም ዘይብሎም ሰለ ዝፈለጥኩ። ንደጋዊ ጽባቀይ ክምጉሱ፡ ንቅርጺ ኣካላተይ ክውዱሱ መሬት ዝዕርቡ ኣዋዳት ብጣዕየ ዝጸልኦም። ኣነ ኣካላት ጥራይ ኣይኮን ዝውንን። ራእን ዕላማን ዘለኒ ፍጥረት እየ። ስጋዊ ስሚዒቱ ኣርውዩ ጻባሒቱ ንግሆ ጥፎእ ዝብለኒ ወዲ ኣብ ቅድመይ ክቅርቦ ኣኮነን ብማዕዶ ከማን ክርእዩ ኣይደለን። ዓቅመይ ብዝፈቅዶ መጠን ብሥጋይ ንጺሐ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ከገልግሎ’የ ዝደሊ። መዓረይ ፡ ኣባኻ ዘለኒ ፍቅሪ ብጽሑፍ፡ ወይ ብቃላት ክዉስኖ ኣይክእል። ፋቅሪ  ብኤክስረይ ወይ ብድኤንኤ ተመርሚሩ ዝፍለጥ እንተ-ዝኹውን ጭዋዳትት ልበይን ወሃዮታተይ ደመይን  ሓቃኛ ምስክረንት ንምሃባ ኣብ ፍርዲ ድው ምባሉ፡ ልሳይውን ጣበቃ ኮይና ብዓውታ ሓቀኛ ምስክረት ክትህብ ብንጹራትን ብሩሃትን ቃላት ናይ ውሽጠይ ምተዛረበት መስለኒ።

መዓረይ፡ ከም ተጽድቀኒ ኣሚነ ንሕቶኻ ሕራይ ክብለ ክደፍር’የ። በቃ ፡ ከምዛ በትሪ ሙሴ ኮንካ ኣብ ሕይወተይ ንዝጋጥመኒ መንፈሳዊ ኴናት፡ ከምቲ እታ በትሪ ሙሴ ባሕሪ-ኤርትራ ኣብ ክልተ ከፊላ ንእስራኤላዉያን ካብ መግዛእቲ ፍርኦን ዘሳገረት ንስኻዉን ከምኡ ከምታ በትሪ መሴ ክትኮነለይ’ዩ ትምኒተይ። ልጓም ፍቅራዊ ሕይወተይ ብኣኻ ክምራሕ ሓላፍነት ክህበካ’የ። ናብ ልሙዕ ሻኻ ወሰድኒ፡ ካብ ብላዕልን፡ብታሕትን፡ ብጎንን ዝጸባኣኒ መስገደል፡ ዋላታ ኮንካ ተኻላኸለለይ። ኣብ ትሕቲ ጽላልካ ፡ ኣብ ዕቁባ ማሙቅ መንፈሳዊ ፍቅርኻ ኣንብረኒ። ማዓረይ ፡እቶም ምእንታይ ለይትን መዓልትን ከይደቅሱ ብጸሎት ዝተግሁ ኣበ-ነብሰይ እዚ ዝወሰንክዎ መደባተይ ክሕብሮም’የ ፡ንስኻዉን ንኣበ-ነብስኻ ሓብሮም። ንፍቅርና ኣብ ምኹስካስ ዓቢ እጃም ከም ዘበርክቱ ትንዝንግዖ ኣይመስለን። ዝተረፈ ጽባሕ ኣብ ካፕሪ ጽሟቅና እና ማዓግና ንቅጽሎ። ደጊመ ከነጽረልካ እወታዊ መልሲ ዝጎስዕ ዘለኹ ከም ትጽድቀኒ ሰለዝኣመንኩ እየ።

ራህዋ-ተስፋይ

2018-11-20

Comments are closed.