እዛ እዝኒ ሰመዓት(ወረ)

እዛ እዝኒ ሰመዓት(ወረ)

“ ዘረባ ሓማዪ ከም ጥዑም ኵልሶ እዩ፡ ሰብ ከአ ተሓጕሱ ይዉሕጦ” ምሳ18፡8

gossip1

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ንፍዕቲ  ሰበይቲ ነበረት። እዛ ሰበይቲ ንደቃ ብስነ-ስርዓት ትኣሊ፡ ንበዓል ቤታ  ደማ ኣዝያ ተፍቅሮ ። ዓመታዊ  ክብረ በዓል  ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንነዳያን ኣብ ቤታ ኣኪባ ብስም ቅዱሳን ጸበል ትገብር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር መንፈሳዊ ንጥፈታት ቀጻሊ ትሳተፍ፡፡ ሓንቲ ጸገም ዘነበራታ ግና ዝሰመዓቶ ዘረባ ከየጻረየት ናብ ሰባት ትዝርግሕ ፡፡ ቅዱስ ቁርባን ቅድሚ ምቅባላ ንኣበ-ነብሳ ክትረኽቦም  መንፈሳዊ ምኽሪ ከትሓትት፡ ንስሓ ከትቅበል ከም ቅዱስ ልማዳ ሒዛቶ ሰለ ዘነበት ዘገም እናበለት  ናብ ቤተ-ክርስቲያን ኣምርሐት፡፡ ኣቦይ ቐሺ ከም ወትሩ መንፈሳዊ ምኽሪ ንምሃብ እዛ ጓለይ እንታይ ክሕግዝ በሉ። ሰበይቲ ደማ ዘገብርናዮ እኳ የብልናን የግዳስ ምሓዙተይ ዘዉረየኦ  ዘረባ ምስ ካልእ ሰብ ኮይነ ቁሩብ ደጊመዩ።  ናይቲ ወረ ቀንዲ ምንጪ መበገሲኡ ግና  ኣነ ኣይኮንኩን ፡ ካብ ሰብ ሰሚዐ ናብ ካልእ ሰብ ኣከፋፊለዩ  ። ሕራይ እሞ ጓለይ ሓጥያትኪ  ክሕደገልኪ፡ኣበሳኺ ክግደፈልኪ  ሠለስተ ነገር  ክእዝዘኪ እየ በልዎ።

ቀዳምይ 10 ረጋቢት ገዚእኪ ኣብ መንፈርፈረን መልክት ጌይርኪ  ኣብ ቀጽሪ ገዛኺ ኣብ ጋብያ ኣቐምጥየን። ወያ ሰበይቲ ከምቲ ዝተበሃለቶ ገበረት። ንኣበ-ነፍሳ ድማ ዝተኣዘዘቶ ኵሉ ከም  ዘማልአት ብስልኪ(ተሌፎን) ሓበረት።

ካልኣይ  ድሕሪ ዓስረተ መዓልትታት ነታ መቐመጢአን ጋብያ ክፈትያ  እሞ ምስ ከፈትክያ ንጽባሒቱ ርኸብኒ  በለዎ። ንሳ ድማ ከምቲ ዝተበሃለቶ ገበረት። ወየን ረጋቢት ምስ ተኽፍታ ጋብያአን(ሰፈርን)  ገዲፈን ዕዝር ኢለን  ጠፍኣ። መዓልታ ቋጺራ   ከም ዝተኣዘዘቶ ናብ ኣበ-ነፍሳ ቀረበት።

ሣልሳይ  እታ ሰበይቲ ርእሳ ኣድኒና  ሓዉሲ ናይ ሕፍረትን ስክፍታን ዝተመልኦ ፡ “ኣቦይ ቐሺ ከምቲ ዝበልኩሙኒ  ፈጺመ ኣለኹ በለት” ። ኣቦይ ቀሺ ጭሕሞም እና ሓሰዩ ግርም ገበርኪ በልዋ ። ክንደይ ረጋቢት ኣብ ሰፈረን  ኣለዋ ኢሉም ሓትትዋ ። ዋላ! ኵለን ነፊርን ከዳ በለት። በሊ ጓለይ ነተን ዝነፈራ ረጋቢት ደሊኺ ናብ ቤትኪ ምለስየን በለዎ። ወያ ሰበይቲ ትቅብል ኣቢላ ኣቦይ ቐሺ፡ ኣበይ ኣቢለን ከም ዝኸዳ ከመይ ጌይረ ክፈልጥ፡ ከቢድ ስራሕ ትህቡኒ ኣለኹም ። ልዕሊ ዓቅመ’ዩ፡ ክዉጥሖ ዝይክእል  ትእዛዝ ትህቡኒ ኣለኹም በለቶም።

ኣቦይ ቅሺ  ነታ ዘንብብዋ ዘነብሩ ዳዊት እናዓጽፉ። ስምዕኒ ብርኽቲ ጓል’የ  ወረ ወይ ሕሜታ ሓንሳብ ካብ ኣፍካ ምስ ከደ ክትመልሶ ዘይትኽእል ክፉእ ሓጥያት ምዃኑ ዘክሪ ካብዛ ታሪኽ ተማሃርኪ ክትኮኒ በዓለ ምሉእ ተስፋ እየ። ኣቦታት ክምስሉስ “ ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ”  ይብሉ። ወረ ነቲ ተዛረባይ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዝሕመ ዘሎ ሰብ ሃሳዪ። ናይ ገዛኢ ጽልመት ዝኾነ ድያብሎስ ረቂቅ መሳርሒ መዃኑ ዘክሪ በልዎ ። እዛ መሃሪት ዛንታ መወከሲ ብምግባር ሕጽር ብዝበለ ዘዕባ ሕማቅ ወረ ወይ ሕሜታ መብርሂ ክንህብ ኢና።

ሕማቅ ወረ ወይ ሕሜታ  ዘይተጻረየ ዘረባ ባዕልኻ ሚሂዝካ ወይ  ካብ ካልኣይ ኣካል ሰሚዕካ ናብ ሣልሳይ ኣካል ዝመሓላለፍ  ጎዳኢ ዜና እዩ። ወረ ንስማዕን ነቲ ዝመሓላልፍ ሰብን ዓብይ ጉድኣት የውርድ፡፡ ኣብ ንሓምየሉ ግዜ ንብጻይና ከይሓረድና ስጋኡ ንበልዕ ደሙ ድማ ንሰትዮ “ ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባልዕኩም ግና ንሓድሕድኩም ከይትጠፍኡ ተጠንቀኡ” ገላ5፡15፡፡ ኣቡሃ ለሓሶት ናይ ጥንቲ ጸላኢና ንቀደምት ኣበዉ ኣዳምን ሔዋን ከስሕቶም ከሎ ሓቂ ዘይሓዘለ ዘረባ ተሰኪሙ ንኣዴና ሔዋን ሰለ ዝቀረባ ኢዩ ፡፡ ሔዋን ዉሽጣዊ መልእኽቱ ሓሶት ዘረባ ዝሓቆፈ  መዃኑ ከይመርመረት ናብ እዝኒ ኣዳም ኣብጽሓታ፡፡ ከይሲ ዝተለሞ  ሕማቅ ተግባር ኣብ ኣእዛን ደቂ ሰባት ሰለ ዝሰኾዐ ንኣዳምን ሔዋን ካብ ገነት ኤዶም ከም ዝባረሩ ገበሮም፡፡

ኣብ ዘለናዮ ናይ  ሰልጣኔ-ዘመን ወረ ብዝተፈላለዩ  መንገዲ ክመሓለላፍ ንረኽቦ፡፡  ሻሂ እናሰተኻ፡ብተሌፎን ፡ብኢንተርኔት፡ ብማዕከናት ዜና፡ብሰታሪት... ወዘተረፈ ኮታስ ብዝተፈፈላዩ መልክዑ ኣብ ዓለምና  ወረ ከይተመሓላለፈ ኣይዉዕልን፡፡ሕማቅ ወረን ሕሜታን  ሓጥያት እዩ፡፡ እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ሰባት ድማ ኣብ ሓጥያት ከም ዝወደቁን መንፈሳዊ ዘይኮነ ዘረባ ኣብ ምዝርጋሕ  ከም ዘተዋፈሩን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡፡ቅዱስ ኤፍርያም ሶርያዊ ዘዓባ ኣብ ሕሜታ ዝሰምሩ ሰባት ክዛረብ ከሎ “ እቶም ኣብ ወረ ዝተጸምዱ  ሰባት ብባህርዮም ህኩያት፡ ልቦም ብቅንኢ ዝተመረዙ ሰባት “ ይብሎም።

1.ሕሜታ  ትእዛዝ መጽሐፍ ቅዱስ ከም ተፍርስ ይገብራካ

--“  ኣብ ሕዝብኻ ሕሜት ክትነዝሕ ኤላካ ኣይትዙር፡ ንሕይወት ብጻይካ ኣብ ድንገት ሞት ዝብጽሕ ገለ ነገር ኣይትግበር ። ኣነ       እግዚአብሔር ኣምላካ እየ” ዘሌ19፡16

--“ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተጅሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚር፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን”ሮሜ8፡30-32

  1. 2. ወረ ንሰማዒ ይጎድኦ

--“ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንኽፉእካ እዩ ዚደሊ፡ ዚብሉኻ ሰባት እትሰምዕ፧ እግዚአብሔርር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሀበኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዒንትኻ ርእይን እየን። ክቐትለካ ድማ መኼሩኒ። ኣነ ግና፡ ንሱ ቕቡእ እግዚአብሔር እዩ እሞ፡ ኢደይ ናብ ጐይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ነሐፍኩኻ” 1ይሳሙ24፡9-10

 

ነፍሳኻ ካብ ሕሜታን ሕማቅ ወረን  ከመይ ጌይርካ ትዕቅብ

gossip2

  1. ካብ ጥዉይዋይ መንገዲ ዝኽተሉ ሓመይቲ ሰባት ነፍስኻ ምእላይ

-- “ እቲ እናዞረ ዚሐሚ፡ ምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለቲ ምስቲ ኸናፍሩ ዜግፍሕ ሰብ ኣይትተሐወስ”ምሳ20፡19

-- “ ብንጽህና ዚመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፡ ብጥዉይዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ “ ምሳ10፡9

  1. ህድእ ኵን ዘረባ ምዝራብ ኣይትተሃዉኽ

--“ መልሲ ሰለ ዘይብሉ ስቅ ዝብል ሰብ  ኣሎ። መኣስ ክዛረብ ከም ዘለዎ ስለ ዝፈልጥ ስቅ ዝበል እዉን ኣሎ” ሲራ20፡6

  1. ንዝሕመ ሰብ ክትሽፍነሉ ፈትን

--“ ፍቕሪ ዝደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።” ምሳ17፡9

  1.  መንፈሳዊ ሕይወትካ ንምትዕርራይ ኣብ መንፈሳዊ ልምምድ ዝተጸመድካ ኵን

--- “ ብዘይካዚ እውን  ገዛ ገዛ እናዞራ ትህኪት ዕዮ እየን ዝምህራ፡ ትህኪት ምምሃር ጥራይ ዘይኮነ ኸኣ ክዛረብኦ  ዘይግባእ እናተዛረባውን ሓመይትን ወልፋሳትን እየን ዝኾና። እምበር፡ጸላኢ ብዛዕባና ኽፉእ ኪዛረብ ምኽንያት ምእንቲ ከይህብኦ.... ገሊኣን እኳ ንሰይጣን ክስዕባ ዝዘንበላ ኣለዋ ” 1ጢሞ5፡13-14

  1. ዓቃቢ ምስጢር ኵን

“ እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ” ምሳ11፡13

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ኣከ-ዘመካነ-ገነት

Comments are closed.