(እንዘ ተሐቅፍዮ) ባህ ዘብል ትርጕም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ ዘመን ጽጌ ኣብጽሕና።
ካብ መስከረም (26 ) ፳፮ ክሳብ ኅዳር (6) ፮ ዘሎ ጊዜ ወርኃ ጽጌ (ዘመነ ጽጌ) ተባሂሉ ይጽዋዕ:: እዚ ወቕቲ'ዚ ተፈጥሮ ብዕምባባ ዘጊጸሉ ብምዃኑ ናይ ዕምባባን ፍረን ወርኃት ተባሂሉ ይጽዋዕ::

ኣብ ዘመነ ጽጌ፡ ካብቲ ብኣባ ጽጌ ድንግል ተደሪሱ ብሊቃውንት ኣቦታትና ወትሩ እሑድ ዝበጽሕ ናይ ማኅሌት ኣገልግሎት ሓደ ማኅሌተ ጽጌ እዩ። ካብዚ ድማ ብሊቃውንትን ብምእመናንን ኣዝዩ ዝፍቶ “እንዘ ተሐቅፍዮ” ዝብል ጣዕመ ዜማ እዩ። ኣብዚ ናይ ምስጋና ክፍለ ጊዜ እዚ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ ዘለዎ ሥእሊ ወጽዩ፡ ብማዕጠንት እናተዓጥነ፡ ምእመናን ጥዋፍ እንዳ ኣብርሁ፡ ሊቃውንት ክሽብሽቡ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ገዳማት ድማ ብዝበለጸ ባህ ዘብሉ ዕንባባታት ሒዞም ምስጋና ከቕርቡ ከለዉ፡ ንነፍሲ ናብ ሰማየ ሰማያት ይወስዳ። ነዛ ፍሉይ ምሥጢር ዘለዋ ምስጋና ኣብዚ ኣብ ታኅቲ ኣቕሪበያ ኣለኹ።

 

“እንዘ ተሐቅፊዮ ለሕፃንኪ ጽጌ ጸዐዳ ወቀይሕ፡
አመ ቤተ መቅደስ ቦእኪ በዕለተ ተአምር ወንጽሕ፡
ንዒ ርግብየ ትናዝዝኒ እምላሕ፡
ወንዒ ሠናይትየ ምስለ ገብርኤል ፍሡሕ፡
ወሚካኤል ከማኪ ርኅሩኅ።"

( ጻዕዳን ቀይሕን ዕንባባ ዝተባህለ ወድኺ ሓቚፍኪ ብተኣምርን ብንጽሕናን ቤተ መቕደስ ኣብ ትኣትውሉ ጊዜ፡ ኦ ርግበይ ድንግል ማርያም ካብ ኃዘን ክትናዝዝኒ ንዒ። ሠናይተይ/ጽብቕተይ ምስ ሕጉስ ገብርኤልን ከማኺ ርኅሩኅ ምስ ዝኾነ ሚካኤልን ኃቢርኪ ንዒ።)

ናይ ማኅሌተ ጽጌ ደራሲ ኣባ ጽጌ ድንግል ብቅዱሳት መጻሕፍት ብምርቓቕ ንኣደ ኣምላኽ ይውድሳ። ነዚ ድማ ኣቐዲሙ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብጸዐዳን ቀይሕን ይምስሎ፡ ስለምንታይ እንተ በሉ፡ “ወልድ እኁየ ፀዐዳ በመለኮቱ ወቀይሕ በትስብእቱ” (ኃወይ ወልድ ብመለኮቱ ጸዐዳ፡ ሥጋ ብምህውሕሓዱ ድማ ቀይሕ እዩ [ብቐይሕ ይምሰል]) ኢሉ ሊቕ ንናይ ሰሎሞን መኃልይ ከም ዝተርጐሞ እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ብኅቱም ድንግልና ፀኒሳ ብኅቱን ድንግልና ወሊዳ፡ ሥጋ ንዝተወሓሓደ ንጹሐ ባህርይ ኣምላካዊ ቃል ንዝኾነ ንኢየሱስ ክርስቶስ ሓቚፋ ኣብ ፵/40 መዓልቲ ናብ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝኣተወትሉ ጊዜ ዓቢይ ተኣምር ተረእዩ እዩ እሞ “ዕለተ ተአምር” በላ። ከመይ፧

ምስ ዓራት ተጣቢቑ ዝነበረ ኣረጋዊ ስምዖን ተሓዲሱ ልክዕ ከም መንእሰይ ወዲ ፴/30 ዓመት ኮይኑ እዩ። ካብ ፪፻፹፭-፪፻፵፮ (285-246) ቅድመ ልደተ ክርስቶስ፡ በጥሊሞስ ዝተባህለ ንጉሥ ንጽርእ ይገዝእ ነበረ እሞ፡ መኳንንቱ ኣኪቡ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ነገራት ከይፈለጦም ዝተረፍዎ እንታይ ከም ዘሎ ይሓቶም እሞ፡ ንሳቶም ድማ ብዙኅ ጥበብን ምሳሌን ዘለዎም ፵፮/46 መጻሕፍት ምስ ኣይሁዳውያን ኣለዉኻ በልዎ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ነዘን ቅዱሳት መጻሕፍት ምስ ተርጐምተን ስደዱለይ ኢሉ ትእዛዝ ኣመኃላለፈ። ፵፮/46 መጻሕፍትን ፸፪/72 ዝትርጕምወን ሊቃውንትን ድማ ተበገሡ። ኣብ መገዲ ክልተ ስለ ዝሞቱ ድማ ፸/70 ሊቃውንቲ በጽሑ። ነዞም ፸/70 ሊቃውንት ዝለኣኣኽዎም ሓሓደ መንእሰያን ገይሩ ኣብ ፴፭/35 ከፊሉ ነናቶም ክፍሊ ሃቦም። ነቶም ዓበይቲ መጻሕፍት ከክልተ ነቶም ንኣሽቱ ድማ ሓሓደ ክትርጕምዎም ኣዘዞም እሞ፡ ንስምዖን ትንብተ ኢሳይያስ ክትርጕም በጽሖ። ስምዖን ክጽሕፍ “ናሁ ድንግል ትፀንስ ወትወልድ ወልደ” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ በጽሐ እሞ “ ‘ድንግል ብድንግልና ክትፀንስ እያ’ ኢለ እንተ ጽሒፈስ ኣይኮነን ናይ ኣሕዛብ ንጉሥ ናይ እስራኤል ንጉሥ እንተኾነ ውን ኣይኣምነንን እዩ” ኢሉ ብምሕሳብ ነታ ‘ድንግል ክትፀንስ’ ትብል ‘ጓል እስራኤል ክትፀንስ’ ኢሉ ቀየራ። ድቃስ መጺእዎ ምስ ደቀሰ፡ “ጓል እስራኤል’’ ኢሉ ዝጸሓፎ ተፋሒቝ “ድንግል” ዝብል ተቐይሩ ረኸቦ። ስምዖን ንኻልኣይ ጊዜ ደምሲሱ ‘ጓል እስራኤል” ቢሉ ቀየሮ። ካልኣይ ጊዜ ምስ ደቀሰ ድማ ከምቲ ዝቐደመ ኣጋጠመ። ከምኡ እናበለ መበል ሣልሳይ ጊዜ ከምቲ ዝቐደመ ክገብር ምስ በለ “ኢትመውት ዘእንበለ ትርአይ መሲሖ ለእግዚአብሔር” ብምባል መሲሕ ናይ እግዚአብሔር ከይረኣየ ከም ዘይመውት መልኣኽ ነገሮ።

ኢሳይያስ ዝተነበዮ ጊዜኡ ኣኺሉ ተፈጺሙ ቅድስት ድንግል ማርያም ብኅቱም ድንግልና ፀኒሳ፡ ብኅቱም ድንግልና ወሊዳ ድሕሪ ፵ መዓልቲ ናብ ቤት መቕደስ ሒዛቶ ምስ ኣትወት “ወወሰዶ መንፈስ ምኲራበ” ይብል፡ ካብቲ ተጣቢቕሉ ዝነበረ ዓራት መንፈስ ቅዱስ ኣተንሢኡ ኣጽኒዑ ናብ ምኵራብ ወሰዶ፡ ኣብ በተ መቕደስ ድማ ንጐይታ ምስ ረኣየ ልክዕ ከም ወዲ ፴ ዓመት ተሓደሰ። ቀልጢፉ ድማ ንጐይታ ሓቝፉ “ይእዜ ትሥዕሮ ለገብርከ በሰላም እግዚኦ በሰላም አዘዝከ . . . ‘ኦ ጐይታይ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን።” ብምባል ናይ ኢሳይያስ ቃል ትንቢት ከም ዝተፈጸመን ናይ ባህርይ አምላኽ መሲሕ ተወሊዱ፡ ናይ ዓለም መድኃኒት ብዓይኑ ምርኣዩ ኣመስጊኑ ብሰላም ብሞት ከፋንዎ ለመነ። ቀጺሉ ንዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ንስኺ ከኣ ሓሳባት ልቢ ብዙኃን ምእንቲ ኪግለጽ ኃዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ክስንጥቖ እዩ” ብምባል ብዛዕባ መከራ ናይ ዕለተ ዓርብ ይናገር። [ሉቃስ፪፥፳፭-፴፭/2፡25-35]።

ኣባ ጽጌ ድንግል ብምቕጻል፡ “ርግበይ ካብ ኃዘን ከተጸናንዕኒ/ክትናዝዝኒ ንዒ” ብማለት ብናይ ኖኅ፡ ዳዊትን ሰሎሞንን ርግቢ ንዝተመሰለት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ክትናዝዞ ይምሕፀና።

1. እዚ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ጥፍኣት ማይ ከም ዝጐደለ ኣብ ኣፋ ቈጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ናይ ብዝተመልሰት ናይ ኖኅ ርግቢ ከም ትምሰል ንኸርኢ እዩ። (ዘፍ ፰፥፲፩/8፡11)። እዛ ርግቢ እዚኣ ናይ ጥፍኣት ማይ ከም ዝጐደለ ንምንጋር ማለት “ሐጸ ማየ አይኅ ነትገ ማየ አይኅ” (ናይ ጥፍኣት ማይ ጐደለ፤ ናይ ጥፍኣት ማይ ተዓግተ) ንምባል ናይ ብሥራት ቈጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ከም ዝተራእየት፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ “ሐጸ ማየ ኃጢኣት ነትገ ማየ መርገም” (ናይ ጥፍኣት ኃጢኣት ጐደለ፡ ናይ ጥፍኣት መርገም ተዓግተ) ንምባል፡ ዓመተ ፍዳ ዓመተ ኵነኔን ሓሊፉ ዓመተ ምሕረት ተተኪኡ፡ ንዅሉ ዓለም ዓቢይ ብሥራት ኮይኑ፡ መድኃኒትና ክርስቶስ ወሊዳትልና እያ እሞ፡ ብናይ ኖኅ ርግቢ ትምሰል እያ።

2. ከምኡ ድማ ርግበ ዳዊት ይብላ። ሸውዓተ ሀብትታት ዝተወሃቦ ነቢየ እግዚአብሔር ንጉሥ ዳዊት፡ ኣብ ምድሪ ርስቲ ምድሪ ኢየሩሳሌም ዝተረኽበት፡ ብየዋህነታ ከም ርግብ ንትምሰል ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣኽናፋ ብብሩር ብዝተግብሩ ጐድና`ውን ብወርቂ ብዝተሸለሙ ርግቢ ተመልኪቱ ብመንፈስ ናይ እግዚአብሔር ኣብ መዝሙር ፰፯፥፲፫/67፡13 “እመኒ ቤትክሙ ማዕከለ መዋርስት” ( ኣብ ማእከል ርስትታት እንተ ሓደርኩም) ብምባል ቀዲሙ ንሴም ወልደ ኖህ ዝተዋህበ ርስቲ፡ ድኂሩ ድማ ንአብርሃም ዝተዋህበ ናይ ሴም ዕጫ ምስ ትበጽሑ፡ “ክነፈ ርግብ በብሩር ዘግቡር” (ካብ ብሩር ከም ዝተገብሩ ናይ ርግቢ ኣኽናፍ) ትረኽቡ ብማለት ይገልጾ። እዛ ናይ ሴም ርስቲ ዝበላ ብየዋህነታ ከም ርግቢ ዝተመስለት ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ኣኽናፋ ብብሩር ዝተገብሩ ዝበሎ፡ ናይ ሥጋኣን ናይ ነፍሳን ንጽሕና የመልክት። ናይ ሥጋኣን፡ ነፍሳን ሕሊናኣን ድንግልና ድሕሪ ምምልካቱ ልቢ ኣምላክ ዳዊት፡ “ወገበዋቲሃኒ በሐመልማለ ወርቅ” (ገበዋቲሃ/ጐድና ብናይ ወርቂ ቈጽሊ ዝተሠርሑ) ብማለት ብወርቂ ዝተመሰለ ልቡናኣ “ከም ቃልካ ይኹነለይ” ብምባል ንናይ ቅዱስ ገብርኤል ናይ ብሥራት ቃል ብምእማን ጽኒዑ ከም ዝተረኽበ ይገልጾ። [መዝሙር ፷፰፡፲፫/68፡13 ኣብ ትግርኛ]

3. ከምኡ ድማ ርግበ ሰሎሞን ይብላ። ሰሎሞን ብመንፈስ ናይ እግዚአብሔር ተቓንዩ፡ ብየዋህነታ ብርግቢ ንዝተመስለት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ስፍሪ ቍጽሪ ብዘይብሉ መዐቀኒ ካብ ካልኦት ኣንስት ተፈልያ ኣደ ኣምላኽ ንምዃን ዝተመርጸት ምዃና ክነግር ኣብ መኃልይ ፮፥፰‐፲/6፡8-10 “አዋልድ እለ አልቦን ኊልቊ” (ቍጽሪ ዘይብለን ኣዋልድ) ማለት፡ ስፍሪ ቍጽሪ ዘይብለን ኣዋልድ ምንባረን ድሕሪ ምግላጽ፡ “አሐቲ ይእቲ እምኔሆን ርግብየ ፍጽምትየ” (ርግበይ ግና ሓንቲ ካብኣተን ፍጽምቲ ዝኾነት እያ) ኢሉ ካብዘን ኣዝየን ብዙሓት ኣዋልድ ተፈልያ ብየዋህነታ ብርግቢ ንዝተመስለት ንቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ንኽትኮኖ ከም ዝመረጻ ተናገረ።

ኣብ መወዳእታ ሊቅ ኣባ ጽጌ ድንግል፡ ንሙሴ ካብ ፈርዖን፡ ንኢያሱ ካብ ኣማሌቅ፡ ንሕዝቅያስ ካብ ሰናክሬም፡ ንዳዊት ካብ ጎልያድ ምስ ዘናገፈ፡ ብትራዳእነቱ ብርኅራኄኡ ምስ ዝተፈልጠ ምስ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል፡ ከምኡ ድማ “ፍሡሐ ገጽ” (ገጹ ብሓጐስ ዘብርህ)፡ “ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልዕተ ጸጋ” (ኦ ምልእተ ጸጋ ተሓጐሲ ባህ ይበልኪ) ብምባል ብሓጐስን ብደስታን ብሥራት ምስ ዘብሠረ፡ ድሒሩ ድማ ጐይታ ምስ ተወልደ ነቶም ጓሶት፡ “ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓቢይ ሓጐስ አበሥረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ ተሓጐሱ” ብምባል ባህ ዘብል ጥዑም ናይ ብሥራት ዜና ምስ ዝተናገረ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ኃቢርኪ ንዒ ንዒ፡ እናበለ ይምሕፀና።

ኦ ኣደ ኣምላኽና፡ ሕጂ ውን ርኅሩኅ ምስ ዝኾነ ምስ ቅዱስ ሚካኤል፡ ፍሡሕ ምስ ዝኾነ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ኃቢርኪ ክትባርኽና፡ ብጸዓዳን ቀይሕን ዕንበባ ካብ ዝተመሰለ ካብ ፍቁር ወድኺ ምሕረት ክትልምንልና ንምሕፀነኪ።

ዲን. ማቲያስ

ብመጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ
ትርጕም፡ ዲያቆን ሕንፃ አብ

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡
ወለመስቀሉ ክቡር

Comments are closed.